ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዓለም ብሓቂ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ኣሎዶ፧

ኣብ ዓለም ብሓቂ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ኣሎዶ፧

ኣብ ዓለም ብሓቂ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ኣሎዶ፧

“ድኻታት ዘበሉ ልዕሊ ዅሉ ሰላምን ደሓንን: ድሕሪኡ ኸኣ ህይወቶም ንኼመሓይሹ ኣጋጣሚታት ኪኽፈተሎም ከም ዚደልዩ እዮም ዚነግሩና። ጻዕርታቶም በቲ ሃብታማት ሃገራትን ኩባንያታትን ዘለወን ዓብላሊ ሓይሊ ምእንቲ ኸይጐናደብ ፍትሓዊ ዝዀነ ሃገራውን ኣህጉራውን ስርዓት እዮም ዚደልዩ።”

ሓንቲ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ረድኤት: ንተስፋን ትምኒትን ድኻታት በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት እያ ገሊጻቶ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: እዘን ቃላታ ንትምኒት እቶም ግዳያት ናይዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዜሕዝን ፍጻመታትን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ዝዀኑ ብምሉኦም ኣጸቢቑ ዚገልጽ እዩ። ኵላቶም ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ዘለዋ ዓለም ክትመጽእ ሓያል ትምኒት ኣለዎም። ከምዚኣ ዝዓይነታ ዓለም ጋህዲ ኽትከውን ድያ፧ ነዛ መራር ዓለም ካብ መሰረታ ንምልዋጥ ሓይልን ክእለትን ዘለዎ ብሓቂዶ ኣሎ እዩ፧

ለውጢ ንምምጻእ ዚግበር ጻዕርታት

ሓያሎ ሰባት ለውጢ ኼምጽኡ ፈቲኖም እዮም። ንኣብነት: ኣብ መበል 19 ዘመን እትነብር ዝነበረት ፍሎረንስ ናይቲንጌል እትበሃል እንግሊዛዊት: ምሉእ ህይወታ ኣለይቲ ሕሙማት ብጽሬትን ብድንጋጽን ከም ዚኣልዩ ንምግባር እያ ኣውዒላቶ። ኣብቲ ጸረ-ረኽስን ጸረ-ነፍሳትን ዘይነበረሉ ግዜ: ኣብ ሆስፒታል ዝነበረ ኽንክን ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይኰነን ነይሩ። ሓንቲ ጽሕፍቲ: “ኣለይቲ ሕሙማት: ዘይተማህሩ: ረሳሓት: ከምኡውን ብስኽራንን ርኽሰትን ዕሉላት ነበሩ” ትብል። ፍሎረንስ ናይቲንጌል ኣብቲ ኣብ ናይ ኣለይቲ ሕሙማት ዓለም ለውጢ ንምምጻእ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣሳልጦ ረኺባዶ፧ እወ: ረኺባ እያ። ብተመሳሳሊውን ሓያሎ ሓለይትን ግዱሳትን ሰባት: ኣብ ከም ምጥፋእ መሃይምነት: ትምህርቲ: ሕክምና: መንበሪ ኣባይቲ: ኣመጋግባ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ህይወት ዜደንቕ ኣሳልጦ ረኺቦም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ህይወት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውጹዓት ሰባት ዜደንቕ ምምሕያሽ ተገይሩ እዩ።

እንተዀነ ግን: ነዚ ኽውንነት ክንርስዖ የብልናን። በማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ብውግእ: ብዓመጻ: ብሕማም: ብጥሜት: ከምኡውን ብኻልእ ጸገማት ይሳቐዩ እዮም ዘለዉ። ኮንሰርን ዚበሃል ትካል ረድኤት ኣየርላንድ: “ኣብ ዓመት 30,000 ሰባት ብድኽነት [ይሞቱ]” በለ። እቲ ንሓያሎ ዘመናት ብዙሓት ለውጢ ኼምጽኡ ዚደልዩ ሰባት ዜተኰሩሉ ባርነት እኳ: ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ዲስፖዛብል ፒፕል—ኒው ስሌቨሪ ኢን ዘ ግሎባል ኢኮኖሚ ዘርእስታ ጽሕፍቲ: “ኣብዚ ግዜና ኻብቲ ብንግዲ ባሮት ኣትላንቲክ-ሰገር ካብ ኣፍሪቃ እተወስዱ ሰባት ዚበዝሑ ባሮት ኣለዉ” በለት።

ነቲ ሰባት እተማልአን ነባርን ለውጢ ንምምጻእ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዜጓናድቦ እንታይ እዩ፧ እቶም ሃብታማትን ሓያላትን ዘለዎም ዓብላሊ ሓይሊ ድዩ: ወይስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ዜጠቓልል እዩ፧

ለውጢ ንኸይመጽእ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ ነገራት

ቃል ኣምላኽ እቲ ደቅሰብ ፍትሓዊት ዓለም ንኼምጽኡ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕርታት ቀንዲ ዓብላሊ ዕንቅፋት ዚኸውን: ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ብዘላ ዓለም . . . በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይነግረና እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እኳ ደኣስ: ኣብዚ እዋን እዚ ሰይጣን “ንብዘላ ዓለም [እዩ] ዜስሕታ ዘሎ።” (ራእይ 12:9) እቲ ኽፉእ ጽልዋኡ ኽሳዕ ዘይተወገደ: ኣደዳ እከይን ዘይፍትሓውነትን ዚዀኑ ኺህልዉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ብኸመይ እዩ መጺኡ፧

ቀዳሞት ወለድና: ማለት ኣዳምን ሄዋንን: ንዅሎም ሰባት ፍጽምቲ ገነታዊት መንበሪ ኽትከውን ኣብ እተዳለወት ምድሪ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ እዛ ዓለም እዚኣ “ብዙሕ ጽቡቕ” ምንባራ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 1:31) ነዚ ግን መን እዩ ለዊጥዎ፧ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ንሰባት ሕጊ ኼውጽኣሎም ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ኣምላኽ ዚገዝኣሉ መገዲ ጌጋ ምዃኑ ዚእምት ነገር ተዛረበ። ንኣዳምን ሄዋንን ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ጽቡቕን ክፉእን ምእንቲ ኺውስኑ ኻብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኪነብሩ ደፋፍኦም። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚ ኸኣ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ብምምጻእ: ነቲ ደቅሰብ ቅንዕናን ፍትሕን ዚሰፍና ዓለም ንኼምጽኡ ዚገብርዎ ጻዕሪ: ካልኣይ ዕንቅፋት ገበረሉ—“ሮሜ 5:12

ስለምንታይ ፈቐዶ፧

‘ኣምላኽ ግን ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኪተኣታቶ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ በቲ ዘይተኣደነ ሓይሉ ተጠቒሙ ነቶም ዓለወኛታት ኣወጊዱ ኸም ብሓድሽ ዘይጀመረ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ዚሓቱ ኣይሰኣኑን እዮም። እዚ ቐሊል ፍታሕ ይመስል ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኸቢድ ሕቶታት እዩ ዜበግስ። ሓይሊ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም: ሓደ ኻብቲ ኣብቶም ድኻታትን ጭቍናትን እዛ ዓለም እዚኣ መከራ ዜምጽእ ነገር ደይኰነን፧ ሓደ ገባርን ሓዳግን ነቲ ምስ ስርዓታቱ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንምውጋድ ሓይሊ ምስ ዚጥቀም: ኣብ ኣእምሮ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሕቶ ደይኰነን ዚፈጥር፧

ኣምላኽ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ዘበሉ ንሓይሉ ብዘይግቡእ ዚጥቀም መላኺ ኸም ዘይኰነ ምእንቲ ኼርእዮም: ንሰይጣንን ነቶም ዓለወኛታት ሰባትን ካብ ሕግታቱን ስርዓታቱን ወጻኢ ብርእሶም ኪመላለሱ ፈቐደሎም። እዚ ግን ንእተወሰነ ግዜ ጥራይ እዩ ፈቒዱሎም። ኣምላኽ ዚገዝኣሉ መገዲ ጥራይ: ቅኑዕ መገዲ ምዃኑ ብግዜ ኺምለስ ተሓድገ። እቲ ዝገበረልና ዝዀነ ይኹን ቀይዲ: ንጥቕምና ምዃኑ ኺርአ ነበሮ። እቲ ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ እተገብረ ዜሕዝን ዕልወት: ኣምላኽ ዝገበሮ ቐይዲ ንጥቕምና ምዃኑ ድሮ ኣርእዩ እዩ። የሆዋ ንዅሉ እከይ ምእንቲ ኼወግድ: ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ኺጥቀም ከም ዚግባእ ድማ መርትዖ ዀይኑ እዩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኺፍጸም እዩ።—ዘፍጥረት 18:23-32፣ ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 37:9, 10, 38

ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ኣብዚ ፍትሒ ዝጐደሎ ስርዓት ‘እናኣስቈርቈርናን ቅልውላው ሒዙናን’ ኢና እንነብር። (ሮሜ 8:22) ለውጢ ንምምጻእ ዝገበርና ንግበር ብዘየገድስ: ነቲ ኣብ ሱር እዚ ዅሉ መከራ ዘሎ ሰይጣንን ዘይፍጽምናን ከነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ምጥፋእ ልዕሊ ዓቕምና እዩ።—መዝሙር 49:7-9

የሱስ ክርስቶስ ነባሪ ለውጢ ኼምጽእ እዩ

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን እዚ ዅነታት እዚ ፈጺሙ ተስፋ ዘይብሉ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓደ ኻብ መወትቲ ሰባት ኣጸቢቑ ዚሕይል ኣካል: ነባሪ ለውጢ ኼምጽእ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ መን እዩ፧ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንድሕነት ሰባት ራእሲ ገይሩ ኸም ዝሸሞ ተገሊጹ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:31

ሕጂ ስጕምቲ ንምውሳድ ነቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እዩ ዚጽበ ዘሎ። (ራእይ 11:18) እንታይ እዩ ኺገብር፧ “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኵሉ” የሱስ ኪፍጽሞ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:21) ንኣብነት: “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። . . . ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ . . . እዩ።” (መዝሙር 72:12-16) ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ [ከም ዚገብረሉ]” ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 46:9) “ካብቶም ኣብኣ [ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ] እንነብር ‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ” ኢሉ እውን ተመባጺዑልና ኣሎ። ዕዉራት: ጸማማት: ሓንካሳት: ኰታስ ኵሎም እቶም ብሕማም እተጠቕዑ: ፍጹም ጥዕና ኺህልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990፣ 35:5, 6፣ ራእይ 21:3, 4) እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝሞቱ እውን ከይተረፉ ኺጥቀሙ እዮም። ነቶም ኣደዳ ግፍዕን ጭቈናን ዝዀኑ እውን እንደገና ህያዋን ከም ዚገብሮም ተመባጺዑ ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29

የሱስ ክርስቶስ ከፊላውን ግዝያውን ለውጢ ኣይኰነን ኬምጽእ። ንዅሉ ዕንቅፋታት ኣወጊዱ ብሓቂ ፍትሓዊት ዓለም እዩ ኼምጽእ። ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኬወግድ: ንሰይጣን ድያብሎስን ንዅሎም እቶም ነቲ ዓለወኛ መገዱ ዚስዕቡን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 19:19, 20፣ 20:1-3, 10) እቲ ኣምላኽ ንግዜኡ ዝፈቐዶ ጸበባን መከራን “ካልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።” (ናሆም 1:9) የሱስ: መንግስቲ ኣምላኽ “ትምጻእ:” ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ንኽንጽሊ ኺምህረና ኸሎ: ነዚ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—ማቴዎስ 6:10

‘እንተዀነ ግን: የሱስ ንባዕሉዶ ኸይኰነ: “ድኻታትሲ ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም እዮም” ዝበለ፧ ከምዚ ኺበሃል ከሎ ዘይፍትሓውነትን ድኽነትን ወትሩ ኸም ዚህሉ ደይኰነን ዚሕብር፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። (ማቴዎስ 26:11) እወ: የሱስ ወትሩ ድኻታት ኪህልዉ ምዃኖም ተዛሪቡ እዩ። እንተዀነ ግን: ካብቲ ኣብ ከባቢ እዚ ቓላት እዚ ዚርከብ ሓሳባትን ካብ መብጽዓታት ቃል ኣምላኽን ከም እንርድኦ: እዚ ኣገባብ እዚ ኽሳዕ ዘሎ: ወትሩ ድኻታት ከም ዚህልዉ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ኬጥፍኦ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሱ ነዚ ዅሉ ኸም ዚቕይሮ እውን ይፈልጥ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ስቓይ: ሕማም: ድኽነት: ከምኡውን ሞት ዘይብሉ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን:” ማለት ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣገባብ ኬምጽእ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1

‘ሰናይ ምግባር ኣይትረስዕ’

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ዚከኣለና ዘበለ ምግባር ከንቱ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሰባት ፈተናን ጸበባን ኬጋጥሞም ከሎ: ንምሕጋዞም ዚከኣለና ኽንገብር እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተባብዓና። ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን: “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 3:27) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ኢሉ ተማሕጸነ።—እብራውያን 13:16

የሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ እኳ ንሰባት ንምሕጋዝ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር እዩ ኣተባቢዑና። ብዛዕባ ንሓደ እተኸትከተን እተዘርፈን ሰብኣይ ዝረኸበ ሳምራዊ ሓደ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንትዩ እዩ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ: እቲ ሳምራዊ ‘ብድንጋጽ’ ተላዒሉ በቲ ዘለዎ ዘበለ ነቝሳል እቲ እተኸትከተ ሰብኣይ ሰፈፈሉ: ንኺጥዒ ድማ ሓገዞ። (ሉቃስ 10:29-37) እቲ ደንጋጺ ሳምራዊ ኣብ ዓለም ለውጢ ኣየምጽአን: ኣብ ህይወት እቲ ሰብኣይ ግን ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ይኹን እምበር: የሱስ ክርስቶስ ንሰባት ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብሓቂ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ፣ ነዚውን ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪገብሮ እዩ። ለውጢ ምስ ኣምጽአ: እቶም ኣደዳ እዚ ሎሚ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ዅነታት ዝዀኑ: ህይወቶም ኬመሓይሹን ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ኪረኽቡን እዮም።—መዝሙር 4:8፣ 37:10, 11

እዚ ንኺፍጸም እናተጸበና: ነቶም ኣደዳ እዛ መራር ዓለም ዝዀኑ ሰባት ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ ‘ሰናይ ንምግባር’ ዚከኣለና ዘበለ ኻብ ምግባር ድሕር ኣይንበል።—ገላትያ 6:10

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ፍሎረንስ ናይቲንጌል ኣብ ናይ ኣለይቲ ሕሙማት ዓለም ናይ ሓቂ ለውጢ ኣምጺኣ እያ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy National Library of Medicine

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኻልኦት ሰናይ ይገብሩ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

The Star, Johannesburg, S.A.