ዓለም መራር
ዓለም መራር
ኣብ መራር ዓለም ንነብር ከም ዘለና ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ ብዘይ ጥርጥር ትሰማምዓሉ ኢኻ። ከመይሲ: ብዙሕ ክእለት ይሃልወና ወይ ብሉጽ መደባት ንግበር ብዘየገድስ: ሃብቲ: ኣሳልጦ: አረ ምግቢ እውን ከይተረፈ ኸም እንረክብ ውሕስነት የብልናን። መብዛሕትኡ ግዜ ኸምቲ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ዝበሎ: “እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት [ኣይኰነሎምን እዩ]።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ከምቲ ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ዝበሎ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።”—መክብብ 9:11
‘ክፉእ ግዜ ብድንገት ይወርዶም’
እወ: “ጊዜን ኣጋጣምን:” ማለት ኣብ ክፉእ እዋን ኣብ ክፉእ ቦታ ምጽናሕ: ነቲ ተጠንቂቕና ዘውጻእናዮ መደብናን ብሩህ ተስፋናን የበላሽዎ እዩ። ሰሎሞን: “ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ: ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ: . . . ድንገት ምስ [ዚወርደና]: ብኽፉእ ጊዜ” ኸም እንፍንጠር ገሊጹ ኣሎ። (መክብብ 9:12) ንኣብነት: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ንስድራቤቶም ዚኣክል ምግቢ ንምርካብ ግራውቶም ይሓርሱን ይዅስኵሱን፣ እንተዀነ ግን: ዝናም እንተ ዘይወቒዑን ድርቂ ነቲ ኣእካል እንተ ኣሕሪርዎን ግን “ክፉእ ጊዜ” ይመጽእ።
ካልኦት ሰባት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኺሕግዙ ዚጽዕሩ እኳ እንተዀኑ: ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣደዳ “ኽፉእ ጊዜ” ዝዀኑ ዚህቦም ረድኤት ኪርአ ኸሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ይግበር እዩ። ንኣብነት: ብመሰረት ሓደ ትካል ረድኤት ዝሃቦ መግለጺ: ኣብዚ ቐረባ ዓመት ጥሜት ንምክልኻል ኣብ እተገብረ ቓልሲ: “ምልእቲ ኽፍለ ዓለም [ኣፍሪቃ] ዝረኸበቶ ረድኤት: ሓደ ሕምሲት እቲ ንውግእ ወሽመጥ እተመደበ ገንዘብ እዩ።” እተን ሃብታማት ሃገራት ኣብ ሓንቲ ሃገር ንኺዋግኣ ዘጥፍኣኦ ገንዘብ: ምስቲ ኣብ ምሉእ ክፍለ ዓለም ብሰንኪ ጥሜት ዝሰዓበ ስቓይን መከራን ንምቅላል ዚህባዎ ሓገዝ ኪነጻጸር ከሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዚበልጽ ምዃኑስ ፍትሓዊ ድዩ፧ ብዙሓት ሃብቲ እናደለቡ ኣብ ዚኸዱሉ ዘለዉ እዋን: 1 ኻብ 4 ተቐማጦ ምድሪ ኣብ ክቱር ድኽነት ኪነብር: ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት ሕጻናት ኪውገድ ብዚኽእል ሕማማት ኪሞቱስ ፍትሓዊ ድዩ፧ ፈጺምካ ኣይኰነን!
ልክዕ እዩ: ‘ክፉእ ግዜ ብድንገት ዚወርድ:’ ብሰንኪ “ጊዜን ኣጋጣምን” ጥራይ ኣይኰነን። ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ሓይልታት ንህይወትና ይቈጻጸሮን ይመርሖን እዩ። ኣብ ቀውዒ 2004 ኣብታ ኣብ ኣላንያ እትርከብ
ከተማ በስላን: ንመጀመርታ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኣተዉ ብዙሓት ሕጻናት ዚርከብዎም በማእታት ዚቝጸሩ ሰባት: ኣብቲ ኣብ መንጎ ግብረ-ሽበራውያንን ሓለውቲ ጸጥታን እተገብረ ውግእ ብዜስካሕክሕ መገዲ ሙማቶም ነዚ ዜርኢ እዩ። ኣብቲ ዜሕዝን ፍጻመ እቲ: መን ይመውት መን ብህይወት ይቕጽል ብዓብዪኡ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ምንባሩ ዘይክሓድ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ “ኽፉእ ጊዜ” ጠንቂ ዝዀነ መሰረታዊ ነገር ግን ሰብኣዊ ግጭት እዩ ነይሩ።ንሓዋሩ ኸምዚ ኢሉ ድዩ ኪቕጽል፧
ገሊኦም ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሪር ኵነታት “ህይወት ከምኡ እዩ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኸምኡ እዩ ነይሩ: ብሕጂውን ንሓዋሩ ኸምኡ ኪቕጽል እዩ” ይብሉ። ብመሰረት እዞም ሰባት እዚኣቶም: እቶም ብርቱዓት ወትሩ ነቶም ድኹማት ይጭቍንዎም: እቶም ሃብታማት ወትሩ ነቶም ድኻታት ይምዝምዝዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ “ጊዜን ኣጋጣምን” ምስ ተወሰኾ: ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክሳዕ ዘሎ እናጸልወና ይነብር ዚብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም።
እሞ ደኣ ንሓዋሩ ኸምዚ ኢሉ ድዩ ኪቕጽል፧ እቶም ንኽእለታቶም ብምስትውዓልን ብጥበብን ዚጥቀሙሉ ንዅሉ እቲ ጻዕሮም ጽቡቕ ፍረ ኺዓጽዱ ዚኽእሉሉ እዋን ኪመጽእ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ኣብዛ መራር ዓለም ነባርን ንሓዋሩ ዚቕጽልን ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ኣሎዶ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እትብል እስከ ርአ።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
COVER: Man with a child: UN PHOTO 148426/McCurry/Stockbower
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
MAXIM MARMUR/AFP/Getty Images