ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ጓሳና እዩ

የሆዋ ጓሳና እዩ

የሆዋ ጓሳና እዩ

“እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” Nw] ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን።”መዝሙር 23:1

1-3. ዳዊት ንየሆዋ ምስ ጓሳ ምምሳሉ ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

 የሆዋ ንህዝቡ ዚሓልየሉ መገዲ ኽትገልጽ እንተ ትሕተት: እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ነቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዜርእዮም ሓልዮት ምስ ምንታይ መመሳሰልካዮ፧ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዀነ ንጉስ ዳዊት: ንየሆዋ ምስቲ ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ዕዮ ብምምስሳል ባህ ብዜብል መግለጺ ገሊጽዎ ኣሎ።

2 ዳዊት ንእሽቶ ኸሎ ጓሳ ብምንባሩ: ነባጊዕ ብዛዕባ ምሕላይ ይፈልጥ ነበረ። ኣባጊዕ ዚሕልወን እንተ ዘየለ: ብቐሊሉ ኣደዳ ሰረቕቲ ወይ ኣራዊት ከም ዚዀና እውን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:34-36) ዚሓልየለን ጓሳ እንተ ዘየለ: እኹል ምግቢ ዘለዎ መገሃጫ ባዕለን ኪረኽባ ኣይክእላን እየን። ዳዊት እቲ ነባጊዑ ንምምራሕን ንምዕቋብን ንምምጋብን ዘሕለፎ ነዊሕ ሰዓታት ጽቡቕ ተዘክሮታት ከም ዝገደፈሉ ኣየጠራጥርን እዩ።

3 ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚሓልየሉ መገዲ ኺጽሕፍ ከሎ: ናይ ሓደ ጓሳ ዕዮ ናብ ኣእምሮኡ ምምጻኡ ኣየገርምን እዩ። ንመበል 23 መዝሙር ኪጽሕፍ ከሎ: “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን” ብዚብላ ቓላት እዩ ጀሚሩ። እዚ ስለምንታይ ብቑዕ መግለጺ ኸም ዝዀነ እስከ ንመርምር። ካብኡ የሆዋ ልክዕ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኸም ዚሓሊ ገይሩ ብኸመይ ንኣምለኽቱ ኸም ዚሓሊ ኽንርኢ ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:25

ብቑዕ ምምስሳል

4, 5. መጽሓፍ ቅዱስ ነባጊዕ ብኸመይ እዩ ዚገልጸን፧

4 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ ብዙሕ መግለጺታት እኳ እንተ ተዋህቦ: እታ “ጓሳ” እትብል ግን ንፍቕሩ ኻብ ኵሉ ብዝበለጸ መገዲ እትገልጽ መግለጺት እያ። (መዝሙር 80:1) ስለምንታይ የሆዋ ጓሳ ኸም እተባህለ ዝያዳ ንምርዳእ: ቀዳማይ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኣባጊዕ: ካልኣይ ከኣ ብዛዕባ ሓላፍነታትን ባህርያትን ንፉዕ ጓሳ ኽንፈልጥ ኣሎና።

5 መብዛሕትኡ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ኣባጊዕ በቲ እቲ ጓሳ ዜርእየን ፍቕሪ ዚስሓባ (2 ሳሙኤል 12:3): ዘይቝጥዓ (ኢሳይያስ 53:7): ከምኡውን ክከላኸላ ዘይክእላ መሳኪን (ሚክያስ 5:8) ከም ዝዀና እዩ ዚገልጽ። ሓደ ንብዙሕ ዓመታት ኣባጊዕ ዝጓሰየ ሰብ: “ከምቲ ገለ ሰባት ዚመስሎም: ኣባጊዕ ‘ንርእሰን ኪኣልያ ዚኽእላ ኣይኰናን’። ካብ ዝዀነ ማል ንላዕሊ ዘየቋርጽ ትዅረትን ሓልዮትን የድልየን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እዘን መሳኪን ፍጥረታት እዚኣተን ብህይወት ንኪቕጽላ ሓደ ዚከናኸነን ጓሳ የድልየን እዩ።—ህዝቅኤል 34:5

6. ሓደ መዝገበ-ቓላት ንመዓልታዊ ህይወት ሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጓሳ ብኸመይ ይገልጾ፧

6 ኣብ ግዜ ጥንቲ: መዓልታዊ ህይወት ሓደ ጓሳ እንታይ ይመስል ነበረ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቓላት: “ንግሆ ተንሲኡ ነተን መጓሰ ብቕድሚት ኰይኑ እናመርሐ: ንኼብልዐን ካብቲ ደምበ ይወስደን። ኣብቲ ንሳተን ዚበልዓሉ ቦታ ኸኣ ዋላ ሓንቲ በጊዕ ምእንቲ ኸይትጠፍእ ምሉእ መዓልቲ ይሕልወን። ሓንቲ በጊዕ ከይረኣያ ኻብቲ መጓሰ ተፈልያ እንተ ኸይዳ: ክሳዕ ዚረኽባ ብትግሃት ኣናድዩ ይመልሳ ነበረ። . . . ምስ መሰየ ድማ ናብቲ ደምበ ይመልሰን። ዋላ ሓንቲ በጊዕ ከም ዘይጠፍአት ንምርግጋጽ ይቘጽረን። . . . ለይቲ ኸኣ ኣራዊት ከይበልዐን ወይ ከይስረቓ ይሕልወን” ብምባል ትገልጽ። a

7. ሓደ ጓሳ ዝያዳ ትዕግስትን ለውሃትን ኬርኢ ዘለዎ መዓስ እዩ፧

7 እቲ ጓሳ ነተን ኣባጊዕ: ብፍላይ ከኣ ነተን መላኣትን ነተን ዕያውትን: ብዝያዳ ትዕግስትን ለውሃትን ኪሕዘን የድሊ ነበረ። (ዘፍጥረት 33:13) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ “ኣባጊዕ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ: ጥቓ ኣኽራን እየን ዚወልዳ። እቲ ጓሳ ነታ እትወልድ በጊዕ ኣብዚ ኣሸጋሪ ዅነታት እዚ ይሕልዋ: ነታ ዕየት ሓቚፉ ኸኣ ናብቲ መጓሰ ይወስዳ። እታ ዕየት ምኻድ ክሳዕ እትጅምር ድማ ኣብ ቅልጽሙ ኣኪቡ ወይ ብኽዳኑ ሓቝፉ ይስከማ” ይብል። (ኢሳይያስ 40:10, 11) ስለዚ እምበኣር ንፉዕ ጓሳ ብርቱዕን ለዋህን ኪኸውን ኣለዎ።

8. ዳዊት ኣብ የሆዋ ንኽእመን ዝደረኾ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ እዩ ጠቒሱ፧

8 እታ “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ” እትብል መግለጺትስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብትኽክል እትገልጽዶ ኸይኰነት፧ ንመበል 23 መዝሙር ምስ እንምርምራ ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ ብርቱዕን ለዋህን ጓሳ ኸም ዚሓልየልና ኽንርኢ ኢና። ዳዊት ኣብ ቍጽሪ 1 ኣምላኽ ነባጊዑ ዜድልየን ኵሉ ስለ ዜማልኣለን: ‘ዚጐድለን ከም ዘይብለን’ ምትእምማኑ ገለጸ። ንኽተኣማመን ዘኽኣሎ ምኽንያት ኣብተን ቀጺለን ዚርከባ ቝጽርታት ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ የሆዋ ነባጊዑ ዚመርሕ: ዜዕቍብ: ከምኡውን ዚምግብ ብምዃኑ እዩ። ነዚ በብሓደ እስከ ንመርምሮ።

“ይመርሓኒ”

9. ዳዊት ብዛዕባ ኸመይ ዝበለ ህድኣት ዘለዎ ቦታ እዩ ገሊጹ፧ እተን መጓሰኸ ብኸመይ እየን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኪኸዳ ዚኽእላ፧

9 መጀመርያ: የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖም እዩ። ዳዊት “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ: ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ: ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 23:2, 3) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ ብሰላም እተቐመጠ መጓሰ ብምጥቃስ: ዕግበትን ዕረፍትን ርግኣትን እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እታ “ሸኻ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ባህ ዜብል ቦታ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እተን ኣባጊዕ እቲ ጓሳአን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ “ባህ ዜብል ቦታ” እንተ ዘይመሪሑወን: ዚዓርፋሉ ህድእ ዝበለ ቦታ ባዕለን ኪረኽባ ኣይክእላን እየን።

10. የሆዋ ኣባና እምንቶ ኸም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚመርሓና፧ ሓደ መገዲ ብኣብነት እዩ። ቃሉ “ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ብምባል ይምዕደና። (ኤፌሶን 5:1) ኣብ ከባቢ እዘን ቃላት እዚኣተን ለውሃት: ይቕረ ምባል: ከምኡውን ፍቕሪ ተጠቒሱ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:32፣ 5:2) የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ዚፍቶ ባህርያት ብምንጽብራቕ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት እዩ። እሞ ደኣ ንዕኡ ንኽንመስሎ ኺሓተና ኸሎ ዘይከኣል ነገር ድዩ ኻባና ዚጽበ ዘሎ፧ ኣይፋልን። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ እዚ ነቲ ንሱ ኣባና ዘለዎ እምንቶ እዩ ዜርኢ። ብኸመይ፧ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን መንፈሳውነትን ተዋሂቡና እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ስለዚ: ዋላኳ ዘይፍጽምና ይሃልወና: የሆዋ ኸም ናቱ ዓይነት ባህርያት ከነማዕብል ከም እንኽእል ይፈልጥ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ፈቃር ኣምላኽና ኸምኡ ኽንከውን ከም እንኽእል ይተኣማመን እዩ። ኣብነቱ እንተ ስዒብና: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ናብ ‘እነዕርፈሉ ቦታ’ ኺመርሓና እዩ። ኣብዛ ብዓመጽ እተመልአት ዓለም እናነበርና ኽነስና ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ምፍላጥ ሰላም ስለ ዚህበና ‘ብደሓን ንሓድር።’—መዝሙር 4:8፣ 29:11

11. የሆዋ ነባጊዑ ኣብ ምምራሕ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧ እዚኸ ኣብቲ ኻባና ዚጽበዮ ነገራት ብኸመይ እዩ ተንጸባሪቑ፧

11 የሆዋ ብዓቕልን ብለውሃትን እዩ ዚመርሓና። ሓደ ጓሳ ዓቕሚ እተን ኣባጊዑ ድሩት ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ: “ከም ስጕምቲ እተን . . . ማል” እዩ ዚመርሕ። (ዘፍጥረት 33:14) ብተመሳሳሊውን የሆዋ “ኸም ስጕምቲ” ኣባጊዑ እዩ ዚመርሕ። ክእለትናን ኵነታትናን ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ስጕምቱ ስለ ዜዐሪ: ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይጽበየናን እዩ። ሓንትስ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ እዩ ዚደልየና። (ቈሎሴ 3:23) ብዕድመ ዝደፋእካ እሞ ኸምቲ ኣቐዲምካ እትገብሮ ዝነበርካ ኽትገብር እንተ ዘይከኣልካኸ፧ ወይ ምስ ከቢድ ሕማም ትቃለስ እንተ ሃሊኻኸ፧ ብሕልፊ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ዚደልየና ምዃኑ ዜጸናንዓና። ከመይሲ: ክልተ ነፍሳት ፈጺሞም ሓደ ዓይነት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ብምሉእ ነፍሲ ምግልጋል ማለት ንዓኻ ብእተኻእለካ ንብምሉኡ ሓይልኻን ጕልበትካን ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ትጥቀመሉ ማለት እዩ። የሆዋ ዋላኳ ድኽመት ይሃልወና ነቲ ብምሉእ ልብና እነቕርበሉ ኣምልኾ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—ማርቆስ 12:29, 30

12. እንታይ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ኣብነት እዩ የሆዋ “ኸም ስጕምቲ” ኣባጊዑ ኸም ዚመርሕ ዜርኢ፧

12 የሆዋ “ኸም ስጕምቲ” ኣባጊዑ ኸም ዚመርሕ ንምብራህ: ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጠቕሰ መስዋእቲ በደል ንውሰድ። የሆዋ ኻብ ልቢ ዚቐርብ መስዋእቲ እዩ ዚደሊ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ኸከም ዓቕሞም እዮም ዚህቡ ነይሮም። እቲ ሕጊ “ንበጊዕ ዚአክል ዓቕሚ እንተ ዜብሉ: . . . ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ . . . ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ” ይብል። ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቕሚ እንተ ዘይብሉኸ፧ “ድኹም ሓርጭ” ኬምጽእ ይኽእል ነበረ። (ዘሌዋውያን 5:7, 11) እዚ ኣምላኽ ካብ ዓቕሚ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ ንላዕሊ ኸም ዘይደሊ የርኢ። ኣምላኽ ስለ ዘይልወጥ: ንዓናውን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዘይደሊ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ፣ ነቲ ብእተኻእለና መጠን እንህቦ ብሓጐስ እዩ ዚቕበል። (ሚልክያስ 3:6) ከምዚ ዝበለ ዚርድኣና ጓሳ ኺመርሓናስ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ!

‘ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ’

13. ኣብ መዝሙር 23:4 ዳዊት ምስ የሆዋ ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ ከም ዝነበሮ ብኸመይ ገለጸ፧ እዚ ዜደንቕ ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ንኺእመን ዝደረኾ ኻልኣይ ምኽንያት: የሆዋ ነባጊዑ ዜዕቍብ ምዃኑ እዩ። “በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ: ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ” ዚብል ነንብብ። (መዝሙር 23:4) ዳዊት ምስ የሆዋ ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ “ንስኻ” ዚብል ተውላጠ ስም ወይ ክንዲ ስም እዩ ተጠቒሙ። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጸበባ ንኼሕልፍ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ይገልጽ ብምህላዉ: እዚ ኣጸዋውዓኡ ዜገርም ኣይኰነን። ህይወቱ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ዝኣተወትሉ ብዙሕ ሓደገኛ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ‘ብበትሩን ብምርኩሱን’ ከም ዚሕግዞ ብምትእምማን ብፍርሂ ኣይተጸልወን። ኣምላኽ ከም ዜዕቍቦ ምፍላጡ: ኣጸናኒዕዎን ናብ የሆዋ ዝያዳ ኸም ዚቐርብ ገይርዎን እዩ። b

14. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዚገብረልና ዕቍባ ኣመልኪቱ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧ እዚ ግን እንታይ ማለት ኣይኰነን፧

14 ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ነባጊዑ ዜዕቍብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ተጻራሪ: ኣጋንንቲ ዀኑ ደቅሰብ: ነባጊዑ ኻብ ገጽ ምድሪ ኼጽንትወን ከም ዘይክእሉ የረጋግጽ። የሆዋ ኣባጊዑ ኺጸንታ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ። (ኢሳይያስ 54:17፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) ይኹን እምበር: እዚ ጓሳና ኻብ ኵሉ ዜጋጥመና መዓት ኬዕቍበና ትጽቢት ኣይንገብርን ኢና። እቲ ንዅሉ ሰብ ዜጋጥም ፈተናታትን ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚወርዶም ምጽራርን የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ ያእቆብ 1:2) ሓድሓደ ግዜ “ብርባርባ ድነ ሞት” እንኸደሉ እዋን እውን ኣሎ። ንኣብነት: ብሰንኪ ዜጋጠመና ስደት ወይ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ኣፍ ሞት ንቃረብ ንኸውን። ምናልባት እውን እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ኣፍ ሞት ተቓሪቡ ወይ እውን ሞይቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋናት ጓሳና ምሳና እዩ: የዕቍበና ኸኣ እዩ። ብኸመይ፧

15, 16. (ሀ) የሆዋ ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ እዋን ፈተና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።

15 የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኢዱ ኸም ዜእቱ ኣይተመባጽዐን። c ኰይኑ ግን: ነቲ ዚወርደና ዝዀነ ይኹን ፈተናታት ክንሓልፎ ኸም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ “በበይኑ ዝዀነ ፈተና” ኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ጥበብ ይህበና እዩ። (ያእቆብ 1:2-5) ሓደ ጓሳ በትሩ ወይ ምርኩሱ ኻብ ኣራዊት ንምክልኻል ጥራይ ዘይኰነስ: ነተን ኣባጊዑ ብቕኑዕ ኣንፈት ንምምራሕ እውን ይጥቀመሉ እዩ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ምናልባት ብሓደ ክርስትያን ብጻይ ኣቢሉ ኣብ ኵነታትና ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕል ብምምዓድ ይመርሓና። ብተወሳኺውን ንኽንጻወር ዜኽእለና ሓይሊ ይህበና እዩ። (ፊልጲ 4:13) ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸኣ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ይህበና። (2 ቈረንቶስ 4:7) መንፈስ ኣምላኽ ሰይጣን ንዜምጽኣልና ዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንጻወሮ የኽእለና። (1 ቈረንቶስ 10:13) የሆዋ ንኺሕግዘና ወትሩ ድሉው ምዃኑስ ኣየጸናንዓናንዶ፧

16 እወ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ጽንኩር ኵነታት ንሃሉ: በይንና ኣይኰንናን። ጓሳና ምሳና እዩ: መጀመርያ ብዘይ ሓሰብናዮ መገዲ ኸኣ ይሕግዘና። ኣብነት: ሓደ ኣብ ሓንጐሉ ዜስግእ ጥረ ዘለዎ ክርስትያን ሽማግለ ንውሰድ። “ፈለማ: የሆዋ ተቘጢዑኒ ወይ ኣይፈትወንን እዩ ዚብል ሓሳብ ይመጸኒ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ካብ የሆዋ ንኸይርሕቕ ወሰንኩ። ዜጨንቐኒ ዅሉ ንዕኡ ነገርክዎ። ንሱውን ረድኣኒ: በሕዋተይን ኣሓተይን ገይሩ ድማ ኣጸናንዓኒ። ብኸመይ ከቢድ ሕማም ኪጻወሩ ኸም ዝኸኣሉ ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ተመክሮኦም ሓጋዚ ነጥብታት ነገሩኒ። እቲ ንሶም ዝህቡኒ ሚዛናዊ ሓሳብ: እቲ ንዓይ ዘጋጠመኒ ፈጺሙ ዘይተለምደ ነገር ከም ዘይኰነ ኣዘኻኸረኒ። እቲ ዝገብሩለይ ሓገዝ: ብሕያውነት ዘርኣዩኒ ልቢ ዚትንክፍ ፍቓደኛነቶምን ድማ የሆዋ ኸም ዘይጸልኣኒ ኣረጋገጸለይ። ርግጽ እዩ: ምስ ሕማመይ ክቃለስ ኣሎኒ: ኣብ መጻኢ ኸኣ እንታይ ከም ዜጋጥመኒ ኣይፈልጥን እየ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ምሳይ ከም ዝዀነን ንዓይ ምሕጋዙ ኸም ዘየቋርጽን ርግጸኛ እየ” በለ።

“መኣዲ ትሰርዓለይ”

17. ኣብ መዝሙር 23:5 ዳዊት ንየሆዋ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧ ምስቲ ናይ ጓሳ መግለጺ ዘይጋጮ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 ዳዊት ነቲ ጓሳኡ ዝዀነ የሆዋ ዚተኣማመነሉ ሳልሳይ ምኽንያት: የሆዋ ነባጊዑ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ስለ ዚምግበን እዩ። ዳዊት “ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ: ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ: ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 23:5) ኣብዛ ቝጽሪ እዚኣ: ጓሳኡ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግብን መስተን ዜቕርብ ለጋስ ኣአንጋዲ ኸም ዝዀነ እዩ ገለጹ። እተን ሓላዪ ጓሳን ለጋስ ኣአንጋድን ዚብላ መግለጺታት ኣብ ንሓድሕደን ኣይጋጨዋን እየን። ከመይሲ: ሓደ ንፉዕ ጓሳ እተን መጓሰ ምእንቲ ‘ዚጐድለን ከይህሉ:’ ልሙዕ መግሃጫን እኹል ማይን ዚርከበሉ ቦታ ኺፈልጥ ኣለዎ።—መዝሙር 23:1, 2

18. የሆዋ ለጋስ መጋቢ ምዃኑ እንታይ የርኢ፧

18 ጓሳና ለጋስ ኣአንጋዲ ድዩ፧ እዚ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ሕጂ እንረኽቦ ዓይነትን ብዝሕን መንፈሳዊ ምግቢ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሆዋ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ብመንፈስ ዜድልየና ንምምላእ ጠቓሚ ጽሑፋትን ኣብ ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከኣ ስቡሕ ምግብን ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ሕጽረት መንፈሳዊ ምግቢ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን እዩ። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳትን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዙ ጽሑፋትን ኣዳልዩ እዩ። ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ብ413 ቋንቋታት ይርከብ። የሆዋ ኻብ “ጸባ:” ማለት ካብቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ ኽሳዕ “ዕጹም ብልዒ:” ማለት ክሳዕ ዓሚቍ መንፈሳዊ ፍልጠት ዚበጽሕ እተፈላለየ መንፈሳዊ ምግቢ ኣዳልዩ እዩ። (እብራውያን 5:11-14) ስለዚ: ጸገም ወይ ወሳነ ዜድልዮ ነገር ምስ ዜጋጠመና: በዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘና ዚኽእል ነገር ንረክብ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ መግቢ እንተ ዘይህልወናስ እንታይ ምዀንና ኔርና፧ ጓሳና ናይ ብሓቂ ለጋስ መጋቢ እዩ።—ኢሳይያስ 25:6፣ 65:13

“ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ”

19, 20. (ሀ) ኣብ መዝሙር 23:6 ዳዊት እንታይ ምትእምማን ከም ዘለዎ እዩ ገሊጹ፧ ንሕናኸ ኸምኡ ኺስምዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

19 ዳዊት ብዛዕባ ጓሳኡን መጋቢኡን ድሕሪ ምስትንታን “ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን: ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ” ብምባል ደምደመ። (መዝሙር 23:6) ነቲ ዝሓለፈ ኻብ ልቡ ኣማሲውሉ: ንመጻኢ ኸኣ ብእምነት ይጽበ ነበረ። እቲ ባዕሉ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ኣብ ቤት የሆዋ ብምንባር ካብቲ ሰማያዊ ጓሳኡ ኽሳዕ ዘይረሓቐ: የሆዋ ወትሩ ሓልዮቱ ኸም ዜርእዮ ይፈልጥ ነበረ።

20 ነዘን ኣብ መበል 23 መዝሙር ዚርከባ ዚምስጣ ቓላት ኣዚና ኢና እነማስወለን። ዳዊት ነቲ የሆዋ ዚመርሓሉ: ዜዕቍበሉ: ከምኡውን ዚምግበሉ መገዲ ብትኽክል እዩ ገሊጽዎ። ንሕናውን ንየሆዋ ኸም ጓሳና ኽንርእዮ ኸም እንኽእል ምትእምማን ምእንቲ ኺሓድረና: እዚ ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ተመዝጊቡልና ኣሎ። እወ: ካብ የሆዋ ኽሳዕ ዘይረሓቕና: ልክዕ ከም ፈቃር ጓሳ “ንዘለኣለም” ኪሓልየልና እዩ። ይኹን እምበር: ከም ኣባጊዕ መጠን ንሕና ኸኣ ምስቲ ዓብዪ ጓሳና ዝዀነ የሆዋ ኽንመላለስ ኣሎና። እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

b ዳዊት: የሆዋ ኻብ ሓደጋ ስለ ዘድሓኖ ብብዙሕ መዝሙራት ኣመስጊንዎ እዩ።—ንኣብነት: ኣብ መእተዊ ናይ መዝሙር 18: 34: 56: 57: 59 ከምኡውን 63 ዘሎ ጽሑፍ ርአ።

c ነታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ኣምላኽ ኢዱ ኸእቱ ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ዳዊት ንየሆዋ ምስ ጓሳ ምምስሳሉ ብቑዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ብምርዳእ ዚመርሓና ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ለጋስ ኣአንጋዲ ኸም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ሓደ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጓሳ: የሆዋ ነባጊዑ ይመርሐን