ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስተንክር ፍጥረታት ንየሆዋ ልዕል የብሎ

መስተንክር ፍጥረታት ንየሆዋ ልዕል የብሎ

መስተንክር ፍጥረታት ንየሆዋ ልዕል የብሎ

የሆዋ ኣምላኽ ዘይፍጹማት ደቅሰብ ካብ ዚግምትዎ ንላዕሊ ልዕል ዝበለ እዩ። እቲ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ዚርከብ ፍጥረታቱ ንዕኡ ውዳሰ የምጽኣሉ: ንዓና ድማ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት የሕድረልና።—መዝሙር 19:1-4

የሆዋ ፈጣርን ልዑላዊ ገዛእን ብምዃኑ: ኪዛረብ ከሎ ኽንሰምዖ ይግብኣና። ኣምላኽ ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለና ተራ ሰባት እንተ ዚዛረበናስ ክንደይ ኰን ምተደነቕና! ብመልኣኽ ኣቢሉ ይዛረበካ ኸም ዘሎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብዘይ ጥርጥር ጽን ኢልካ ምሰማዕካዮ ኔርካ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ እውን ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ኣምላኽ ኪዛረቦ ኸሎ ጽን ኢሉ ሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ካብቲ ኣምላኽ ንምድርን ነቲ ግኡዝ ሰማይን ኣመልኪቱ ንእዮብ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ንምድሪ ዝሰረታን ንባሕሪ ዚቈጻጸሮን መን እዩ፧

ኣምላኽ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ብዛዕባ ምድርን ባሕርን ሓተቶ። (እዮብ 38:1-11) ንግፍሒ ምድሪ ዝወሰነ ዀነ ኣብ ምፍጣራ እተሳተፈ ማንም ነዳፊ ሰብ የልቦን። ኣምላኽ ንምድሪ ምስ ህንጻ ብምንጽጻር “እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧” ብምባል ንእዮብ ሓተቶ። ነዚ ዝገበረ ሰብ ኣይኰነን። እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ: የሆዋ ነዛ ፕላኔት እዚኣ ኺፈጥራ ኸሎ: ተሓጒሶም እዮም።

ባሕሪ ምስቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኽዳን ዝገበረሉ ኣምላኽ ኪወዳደር ከሎ ገና ንእሽቶ ህጻን እዩ። “ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ:” ኣምላኽ መሸጐርን ማዕጾን ገበረሉ። ስሕበት ጸሓይን ወርሕን ከኣ ሞገድ የልዕል።

ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “መብዛሕትኡ ኻብ ንኣሽቱ ማዕበላት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ 100 ጫማ (30 ሜተር) ዚበጽሕ ብርቱዕ ማዕበላት ብንፋስ እዩ ዚለዓል። . . . እቲ ንፋስ ደው ምስ በለ እውን እቲ ማዕበል ካብቲ እተላዕለሉ ቦታ ነዊሕ ኪጐዓዝ ይኽእል እዩ። ደሓር ግን እናዘሓለን እናነወሐን ከይዱ: መወዳእታ ኣብ ገምገም ምስ በጽሐ ነቲ ምድሪ ይጸፍዖ” በለት። ኣምላኽ ንባሕሪ “ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ: ካብኡ ንንየው ኣይኰነን: እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ ኻብዚ ኣይኪሐልፍን እዩ” ብምባል ይእዝዞ።

ከም ዚወግሕ ዚገብር መን እዩ፧

ቀጺሉ ኣምላኽ ንእዮብ ብዛዕባ ብርሃንን ካልኦት ፍጥረታትን ሓተቶ። (እዮብ 38:12-18) ዋላ ሓደ ሰብ ንለይትን ንመዓልትን ኪቈጻጸር ኣይክእልን እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብርሃን ወጋሕታ ንወሰናት ምድሪ ሒዙ ነቶም ረሲኣን ደርብዩ የውጽኦም። ረሲኣን ኣብ ግዜ “ጽልግልግታ” ሓጢኣት ይገብሩ። (እዮብ 24:15, 16) ወጋሕታ ግን ንብዙሓት ገበርቲ እከይ ይብትኖም።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: ብርሃን ወጋሕታ ንምድሪ ማራኺ መልክዕ ዚህባ ማሕተም እዩ። ብርሃን ጸሓይ ብዙሕ ሕብርታት ከም ዚርአ ብምግባር: ንምድሪ ጽቡቕ ልብሲ ዝለበሰት የምስላ። እዮብ ኣብዚ ምንም እጃም የብሉን። ኣብ ውሽጢ መዓሙቝ ባሕሪ ተመላሊሱ እውን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሃብቲ ኣይረኣየን። አረ ኽሳዕ ሎሚ እውን እንተዀነ: ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ህይወት እተወሰነ ፍልጠት ጥራይ እዩ ዘለዎም!

መዝገብ ውርጭን በረድን ዘለዎ መን እዩ፧

ንብርሃን ኰነ ንጸልማት ናብ ማሕደሩ ዜብጽሖ ወይ ናብቲ ኣምላኽ “ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን” ኢሉ ዝዓቘሮ መዝገብ ውርጭን በረድን ዝኣተወ ሰብ የልቦን። (እዮብ 38:19-23) የሆዋ ኣብ ጊብዖን ጸላእቱ ንምጥፋእ በረድ ኣብ እተጠቕመሉ እዋን “ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም: እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ” ነበሩ። (እያሱ 10:11) ኣብ መጻኢ እውን ነቶም ብጎግ ወይ ብሰይጣን ዚምርሑ እኩያት ሰባት ንምጥፋእ በረድ ይጥቀም ይኸውን።—ህዝቅኤል 38:18, 22

ኣብ ሓምለ 2002 ኣብታ ግዝኣት ቻይና ዝዀነት ሄናን ከክንዲ እንቋቝሖ ዚኸውን በረድ ዘኒሙ 25 ሰባት ቀተለ: 200 ኸኣ ኣቝሰለ። በንቨኑቶ ቸሊኒ ዚበሃል ኢጣልያዊ ቐራጺ ብዛዕባ እቲ ብ1545 ዝዘነመ በረድ ኪጽሕፍ ከሎ: “ካብ ሊዮን ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ ዚኣክል ርሒቕና ነበርና . . . ካብ ሰማይ ብርቱዕ ነጐዳ ኺነጕድ ጀመረ። . . . መወዳእታ ዓለም ዝመጸ ኽሳዕ ዝመስለኒ ኸኣ ኣዝዩ ብርቱዕን ዜፍርን ድምጺ ተሰምዐ። ካብኡ ዋላ ሓንቲ ማይ ዘይተሓወሶ በረድ ኪዘንም ስለ ዝጀመረ: ንፈረሰይ ደው ኣበልክዎ። . . . ጸኒሑ መጠን እቲ በረድ ክንዲ ዓብዪ ፍረ ለሚን ኰነ። . . . ንእተወሰነ እዋን ቀጺሉ ድማ ኣቋረጸ . . . ቍስልናን ስምብራትናን ንሓድሕድና ተረኣኣና። ሓደ ማይል ዚኸውን ንቕድሚት ምስ ከድና ግን ካብቲ ንዓና ዘጋጠመና ዝገደደን ንምግላጽ ዜሸግርን ጕድኣት ወሪዱ ርኤና። ኵሉ ኣግራብ ቈጽሉ ረጊፉን ተሰባቢሩን: እንስሳታትን ብዙሓት ጓሶትን እውን ሞይቶም ነበሩ። ኣብቲ ኸባቢ ብኽልተ ኢድካ እኳ ምሉእ ብምሉእ ክትጭብጦ ዘይከኣል በረድ ዘኒሙ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃልና።”—ኣውቶባዮግራፊ (ካልኣይ መጽሓፍ: 50): ሃርቫርድ ክላሲክስ: መበል 31 ጥራዝ: ገጽ 352-3።

የሆዋ ንጸላእቱ ንምጥፋእ ነቲ መዝገብ ውርጭን በረድን ምስ ዚኸፍቶስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ዕላማኡ ንምፍጻም ብውርጪ ወይ ብበረድ ኪጥቀም ከሎ ጸላእቱ ኼምልጡ ኣይክእሉን እዮም።

ንዝናም: ኣውሊ: ኣስሓይታ: በረድ ዝገበረ መን እዩ፧

የሆዋ ቐጺሉ ብዛዕባ ዝናም: ኣውሊ: ኣስሓይታ: ከምኡውን በረድ ንእዮብ ሓተቶ። (እዮብ 38:24-30) ንዝናም ዝገበሮ የሆዋ እዩ። ዝናም “ነቲ ሰብ ዜብሉ በረኻ” እኳ ኸይተረፈ ይጠቅም እዩ። ወድሰብ: ኣቦ ወይ ፈጣሪ ዝናም: በረድ: ከምኡውን ኣስሓይታ ኣይኰነን።

ኔቸር ቡለቲን ከምዚ ትብል:- “ማይ ኪረግእ ከሎ ዚሰፍሕ ምዃኑ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዜገርምን ኣገዳስን ባህሪ [በረድ] እዩ . . . እቲ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ኣብ ራህያ ዚንሳፈፍ በረድ: ነቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ማይ ዚነብሩ ኣታኽልትን እንስሳታትን (ዓሳ: ወዘተ) ብህይወት ንኪቕጽሉ የኽእሎም። . . . ማይ ኪረግእ ከሎ ዚጽዕቕ ነይሩ እንተ ዚኸውን: እቲ በረድ ካብቲ ማይ ስለ ዚኸብድ ናብ ታሕቲ ምጠሓለ። ካብኡ ብምሉኡ እቲ እተዓቍረ ማይ ናብ በረድ ምተቐየረ። . . . ኣብ ቈራሪ ኽፋል ዓለም ዚርከብ ኣፍላግ: ራህያታት: ቀላያት: ውቅያኖሳት እውን ከይተረፈ ንሓዋሩ ናብ በረድ ምተቐየረ ነይሩ።”

ኵሉ ማያት ናብ በረድ ተቐይሩ ብዘይምትራፉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግነሉ! እቲ ፍጥረት የሆዋ ዝዀነ ዝናምን ኣውልን ምድሪ ፍረ ኸም እተፍሪ ስለ ዚገብር: ኣዚና ኢና እነማስወሉ።

ንሕጋጋት ሰማይ ዘቘሞ መን እዩ፧

ድሕርዚ ድማ ኣምላኽ ንእዮብ ብዛዕባ ሰማይ ሓተቶ። (እዮብ 38:31-33) እቲ ሸውዓተ ዓበይትን ካልኦት ብዙሓት ንኣሽቱን ዝሓዘ እኩባት ከዋኽብቲ: ኻብ ጸሓይ ዘለዎ ርሕቀት: ብናይ ብርሃን ፍጥነት 380 ዓመት ይወስድ። ሰብ ‘ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኺልቅሞ’ ወይ ኪኣስሮ ኣይክእልን እዩ። ‘ንኦርዮን ካብ ማእሰሩ ኺፈትሖ’ ዚኽእል እውን የልቦን። ማዛሮትን ድብን እተባህሉ ኣየኖት እኩባት ከዋኽብቲ ኸም ዝዀኑ እኳ እንተ ዘይፈለጥና: ሰብ ኪቈጻጸሮም ኰነ ኺመርሖም ግን ኣይክእልን እዩ። ሰባት ነቲ ንዩኒቨርስ ዚቈጻጸር “ሕጋጋት ሰማይ” ኪቕይርዎ ኣይክእሉን እዮም።

ኣምላኽ ኣብ ናይ ምድሪ ዅነታት ኣየር: ኣብ ሞገድ: ኣብ ሃዋሁ: ኣብዛ ፕላኔት ዘሎ ህይወት እኳ ኸይተረፈ ጽልዋ ዜሕድር: ንሰማያዊ ኣካላት ዚመርሕ ሕጋጋት ኣቝሙ እዩ። ንኣብነት: ጸሓይ እስከ ንውሰድ። ንጸሓይ ኣመልኪቱ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና (ናይ 1996 ሕታም): “ብርሃን ጸሓይ ንምድሪ ሙቐትን ብርሃንን ይህባ: ኣትክልቲ ንኺበቍሉ ይሕግዝ: ማይ ካብ ውቅያኖስን ካብ ካልእ ማያትን ከም ዚሃፍፍ ይገብር: ንፋስ ንኺነፍስ እጃም የበርክት: ከምኡውን ንህይወት ኣድላዪ ዝዀነ ተግባራት ይፍጽም” በለት። ውስኽ ኣቢላ ድማ “ሓደ ሰብ ነቲ ብርሃን ጸሓይ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ንምርዳእ: ኣብ ንፋሳት: ሓጽብታት: ኣፍላግ: ከምኡውን ኣብ ከም ዕንጨይቲ: ከሰል: ነዳዲ ዘይቲ ዝኣመሰለ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ዚርከብ ሓይሊ: እታ ኻብ ጸሓይ 50 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ፕላኔት [ምድሪ] ዝዓቘረቶ ብርሃን ጸሓይ ምዃኑ ኺፈልጥ ኣለዎ” በለ።

ንደበና ምስትውዓል ዝሃቦ መን እዩ፧

የሆዋ ንእዮብ ብዛዕባ ደበና ኺሓስብ ነገሮ። (እዮብ 38:34-38) ሓንቲ ደበና ኸም እትፍጠር ገይሩ ማይ ከተዝንም ኪገብር ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ይኹን እምበር: ህይወት ደቅሰብ ኣብቲ ፈጣሪ ዘዳለዎ ዑደት ማይ እተመርኰሰ እዩ።

ዑደት ማይ እንታይ እዩ፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ በለ:- “ዑደት ማይ ኣርባዕተ እተፈላለየ ደረጃታት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ይዕቈር: ይሃፍፍ: ይዘንም: ይውሕዝ። ማይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ: ኣብ ውቅያኖሳትን ቀላያትን ወሓይዝን ከምኡውን ኣብ ብበረድን እተሸፈነ ቦታታትን ኣኻውሕ በረድን ንግዚኡ ይዕቈር። ሃፊፉ ኸኣ ናብ ሃዋሁ ኽብ ይብል ጸኒሑ ድማ ደስኪሉ ደበና ይኸውን: ካብኡ (ማይ ወይ ውርጪ ዀይኑ) ናብ ምድሪ ይዘንም: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ባሕርታት ይውሕዝ ወይ እንደገና ይሃፍፍ። ዳርጋ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ማያት ብዙሕ ግዜ በዚ ዑደት እዚ ሓሊፉ እዩ።”—ማይክሮሶፍት ኢንካርታ ላይብረሪ 2005

ማይ ዝሓዘለ ደበናታት ልክዕ ከም ኣሕብርቲ ማይ ሰማይ እዩ። የሆዋ ነዚ ምስ ዜፍስሶ ሓመድ ናብ ጭቃ ከም ዚቕየርን ደናኵል ብሓደ ንኺጣበቕን ዚገብር ብዙሕ ዝናም ይዘንም። ኣምላኽ ዝናም ኪህብን ኪኸልእን ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:17, 18

መብዛሕትኡ ግዜ ዝናም ኪዘንም ከሎ በርቂ እውን ማሕማሕ ይብል እዩ፣ እንተዀነ ግን: ሰብ ንበርቂ ኺጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። በርቅታት ንኣምላኽ “እኔና” ኸም ዚብሉ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ኮምፕቶንስ ኢንሳይክሎፔድያ “በርቂ ኣብ ሃዋሁ ኣገዳሲ ዝዀነ ከሚካላዊ ለውጥታት የምጽእ እዩ። እቲ በርቂ ኣብ ኣየር ከሎ ንናይትሮጅንን ኦክስጅንን ኣዋሂዱ ናይትሬትን ካልእ ውሁዳትን ዚፈጥር ሓያል ሙቐት የውጽእ። እዚ ውሁዳት እዚ ኸኣ ምስ ዝናም ሓቢሩ ናብ ምድሪ ይወርድ። በዚ ኸምዚ ድማ ሓመድ ተኽሊ ንኼብቍል ዚሕግዞ ናይትሬት ብቐጻሊ ኻብ ሃዋሁ ይረክብ” በለ። ብዛዕባ በርቂ ሰባት ምሉእ ፍልጠት የብሎምን: ኣምላኽ ግን ኣለዎ።

መስተንክር ፍጥረታት ንኣምላኽ ውዳሰ የምጽኣሉ

ፍጥረታት ነቲ ንዅሉ ነገር ዝፈጠረ ፈጣሪ ናይ ብሓቂ ልዕል የብሎ እዩ። (ራእይ 4:11) እዮብ በቲ የሆዋ ንምድርን ንሰማያዊ ኣካላትን ኣመልኪቱ እተዛረቦ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ኰን ተመሲጡ ኪኸውን ኣለዎ!

እቲ ንእዮብ ዝቐረበሉ ሕቶታትን እተዋህቦ መግለጺታትን: እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ዝረኣናዮ መስተንክር ፍጥረታት ጥራይ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: “ንዕቤት ኣምላኽ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና” ንኽንብል ይድርኸና እዩ።—እዮብ 36:26 ትርጕም 1990

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Snowflake: snowcrystals.net

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pleiades: NASA, ESA and AURA/Caltech; fish: U.S. Fish & Wildlife Service, Washington, D.C./William W. Hartley