ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ እዩ’

‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ እዩ’

‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ እዩ’

“መገዲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” Nw] ቅኑዕ እዩ: ጻድቃን ይመላለሱሉ።”ሆሴእ 14:9

1, 2. የሆዋ ንእስራኤላውያን እንታይ ዓይነት ኣጀማምራ እዩ ኣጀሚርዎም፧ ንሳቶም ግን እንታይ ገበሩ፧

 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብግዜ ነብዪ ሙሴ ጽቡቕ ኣጀማምራ እዩ ኣጀሚርዎም። ኣብ መጀመርታ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ግን ኵነታቶም ኣዝዩ ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ኣበሰኛታት ኰይኖም ረኸቦም። እዚ ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 10 ክሳዕ 14 ብንጹር ተገሊጹ ይርከብ።

2 ልቢ እስራኤል ግብዝና ተመልአት። ህዝቢ እቶም መንግስቲ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ‘ረሲእነት ሓሪሶም:’ ኣበሳ ዓጸዱ። (ሆሴእ 10:1, 13) የሆዋ “ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ: ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” በለ። (ሆሴእ 11:1) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ እኳ እንተ ኣውጽኦም: ንሳቶም ግን ሓሶትን ምትላልን እዮም ፈድዮምዎ። (ሆሴእ 11:12) ስለዚ ድማ የሆዋ “ናብ ኣምላኽካ ተመለስ: ምሕረትን ፍርድን ሐሉ: ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር” ኢሉ መዓዶም።—ሆሴእ 12:6

3. እታ ዓለወኛ ሰማርያ እንታይ እዩ ዚጽበያ ነይሩ፧ እስራኤላውያንከ ብኸመይ ምሕረት ኪረኽቡ ምኸኣሉ፧

3 እታ ዓለወኛ ሰማርያን ንጉሳን ናብ ጥፍኣት እዮም ኣምሪሖም። (ሆሴእ 13:11, 16) እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ትንቢት ሆሴእ “ዎ እስራኤል: . . . ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ” ብዚብል ልመና እያ እትጅምር። እወ: እስራኤላውያን ይቕረታ ኺግበረሎም እንተ ዚጽዕሩ ነይሮም: ኣምላኽ ምሕረት ምገበረሎም ነይሩ። “መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ” ምዃኑ ተቐቢሎም ብእኣ ኺመላለሱ ነበሮም።—ሆሴእ 14:1-6, 9

4. ካብ ትንቢት ሆሴእ እንታይ ስርዓታት ኢና ኽንምርምር፧

4 እዚ ኽፋል ትንቢት ሆሴእ እዚ ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብዙሕ መሰረታዊ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት ክንምርምር ኢና:- (1) የሆዋ ግብዝና ዘይብሉ ኣምልኾ እዩ ዚደሊ: (2) ኣምላኽ ንህዝቡ ሳህሊ የርእዮም: (3) ወትሩ ብየሆዋ ተስፋ ኽንገብር ኣሎና: (4) መገዲ የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ እዩ: (5) ሓጢኣት ዝገበሩ እውን ናብ የሆዋ ኺምለሱ ይኽእሉ እዮም።

የሆዋ ግብዝና ዘይብሉ ኣምልኾ እዩ ዚደሊ

5. የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት እዩ ኻባና ዚደሊ፧

5 የሆዋ ንጹህን ግብዝና ዘይብሉን ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ እዩ ዚደልየና። እስራኤል ግን ምህርቲ ዘይርከቦ “እናተበላሸወ ዚኸይድ ወይኒ” (NW) እዩ ዀይኑ። እቶም ህዝቢ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚኸውን ‘መሰውኢታት ኣብዝሑ።’ ሓወልትታት እውን ገበሩ: እዚ ኸኣ ምናልባት ንርኹስ ኣምልኾ ዜገልግል ክዋኒታት ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ነቲ መሰውኢታትን ሓወልትታትን ኪሰባብሮ ነበሮ።—ሆሴእ 10:1, 2

6. ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ዓይነት ባህሪ ኸነወግድ ኣሎና፧

6 ግብዝና ኣብቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ቦታ የብሉን። እስራኤላውያን ግን እንታይ እዮም ኰይኖም፧ “ልቦም ተመቕለ” ወይ ግብዝና መልኦ። ንየሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ ንምዃን ኪዳን ኣትዮም እኳ እንተ ነበሩ: ብግብዝና ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ። ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንኣምላኽ ርእስና ዝወፈና እንተ ዄንና: ግቡዛት ክንከውን የብልናን! ምሳሌ 3:32 “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ብምባል ተጠንቅቐና። ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንተደኣ ዄንና: “ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ: ካብ ሰናይ ሕሊና: ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት” ከነርኢ ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 1:5

የሆዋ ንህዝቡ ሳህሊ የርእዮም

7, 8. (ሀ) እንታይ እንተ ገይርና ኢና ሳህሊ ኣምላኽ ንረክብ፧ (ለ) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

7 ንየሆዋ ብንጽህናን ግብዝና ብዘይብሉን መገዲ ነምልኾ እንተ ዄንና: ንሱ ድማ ሳህሉ የርእየና። እቶም ፋሉላት እስራኤላውያን “ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ: ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ: ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ: ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ: ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ: ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ” ተባሂሎም ነበሩ።—ሆሴእ 10:12

8 እስራኤላውያን ተነሲሖም ንየሆዋ እንተ ዚደልይዎ: እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተመሓየሸ ነይሩ! ድሕሪኡ የሆዋ ተሓጒሱ ‘ጽድቂ መዝነመሎም።’ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና: ይቕረታ ንምርካብ ናብ የሆዋ ብምጽላይን ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ብምንዳይን ንየሆዋ ንድለዮ። (ያእቆብ 5:13-16) ካብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እውን መምርሒ ንድለ: ከመይሲ “እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።” (ገላትያ 6:8) ‘ንመንፈስና ኢልና እንተ ዘሪእና:’ ሳህሊ ኣምላኽ ንረክብ።

9, 10. ሆሴእ 11:1-4 ኣብ እስራኤል እትዓዪ ብኸመይ እያ፧

9 የሆዋ ንህዝቡ ወትሩ ብፍቕራዊ መገዲ ኸም ዚሕዞም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብ ሆሴእ 11:1-4 ነዚ መርትዖ ዚዀነና ነንብብ:- “ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ: ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ። . . . ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዐጠኑ። ኣነ ንኤፍሬም [ንእስራኤል] ኣታቴኽዎ: ብቕልጽመይ ሐቘፍክዎም። ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም: ኣይፈለጡን። ኣነ ብገመድ ሰብ: ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም: ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም: ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።”

10 ኣብዚ የሆዋ ንእስራኤል ምስ ሕጻን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ንእስራኤላውያን በእዳዎም ሒዙ ታተ ኣበሎም። “ብማእሰር ፍቕሪ” እውን ሰሓቦም። ከመይ ዝበለ ልቢ ዚትንክፍ ኣገላልጻ ዀን እዩ! ወላዲ ኸም ዝዀንካን ገና ሕጻን ንዘሎ ውሉድካ ታተ ተብሎ ኸም ዘለኻን ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣእዳውካ ትዝርግሓሉ ትኸውን። ምናልባት እውን ውሉድካ ምእንቲ ኸይወድቕ ብኢዱ ዚሕዞ ማእሰር ወይ ገመድ ትጥቀም ትኸውን። የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ እውን ልክዕ ከምኡ እዩ። “ብማእሰር ፍቕሪ” ኺመርሓካ ኸሎ ባህ እዩ ዚብሎ።

11. ኣምላኽ ‘ካብ ምንጋጋ ኣርዑት ዜልዕል’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ኣብ ዝነበሮ ርክብ: ‘ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰኖም: ብልዒውን ኣቕረበሎም።’ ኣምላኽ ከምቲ ንሓደ እንስሳ መሺእዎ ምእንቲ ኺበልዕ ኣርዑቱ ዜልዕለሉ ወይ ዜርሕቐሉ ሰብ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ነቲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ዜመልክት ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ ኣርዑት ምስ ሰበርዎ እዮም ኣብ ትሕቲ እቲ ጨቋኒ ኣርዑት ጸላኢ ዝኣተዉ። (ዘዳግም 28:45, 48፣ ኤርምያስ 28:14) ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ቐንዲ ጸላኢ ዝዀነ ሰይጣን ኣቲና በቲ ጨቋኒ ኣርዑቱ ኣይንሳቐ። ኣብ ክንዳኡስ ምስ ኣምላኽ ብተኣማንነት ንመላለስ።

ወትሩ ብየሆዋ ተስፋ ግበር

12. ብመሰረት ሆሴእ 12:6 ምስ ኣምላኽ ምምልላስና ንኽንቅጽል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

12 ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ወትሩ ብእኡ ተስፋ ኽንገብር ኣሎና። እስራኤላውያን “እምበኣርሲ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ: ምሕረትን ፍርድን ሐሉ: ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር” ተባሂሎም ነይሮም። (ሆሴእ 12:6) እስራኤላውያን ሳህሊ ብምንጽብራቕ: ፍርዲ ወይ ፍትሒ ብምግባር: ከምኡውን ‘ብኣምላኽ ተስፋ ብምግባር’ ተነሲሖም ናብ የሆዋ ኸም እተመልሱ ኼርእዩ ይኽእሉ ነበሩ። ንውሓት እቲ ምስ ኣምላኽ እተመላለስናሉ እዋን ብዘየገድስ ሳህሊ ኸነንጸባርቕ: ፍትሒ ኽንገብር: ከምኡውን ብኣምላኽ ተስፋ ኽንገብር ኣሎና።—መዝሙር 27:14

13, 14. ጳውሎስ ንሆሴእ 13:14 ጠቒሱ እንታይ በለ፧ እዚኸ ብየሆዋ ተስፋ ንኽንገብር ዜኽእለና እንታይ ምኽንያት ይህበና፧

13 እቲ ንእስራኤላውያን ብዚምልከት ሆሴእ እተነበዮ ትንቢት ብየሆዋ ተስፋ ንኽንገብር ዜኽእለና ምኽንያት ይህበና። ከመይሲ የሆዋ “ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም: ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት: ፌራኻ ኣበይ አሎ፧ ኣታ ሲኦል: ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፧” በለ። (ሆሴእ 13:14) እቶም እተነስሑ ሞገስ ኣምላኽ እኳ እንተ ረኸቡ: ኣምላኽ ነቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖም ኣይመደበን።

14 ጳውሎስ ንቕቡኣት ብጾቱ ኻብ ትንቢት ሆሴእ ጠቒሱ: “እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ: እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ: ሽዑ እቲ ጽሑፍ: ሞት ብዓወት ተዋሕጠ: ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት: ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ: ኣበይ አሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ: ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 15:54-57) የሆዋ ንየሱስ ካብ ሞት ኣተንስኦ: እዚ ድማ ነቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ብወዱ ኣቢሉ ኸም ዜተንስኦም ውሕስነት ዚኸውን እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዝስ ብየሆዋ ተስፋ ኽንገብር ዜኽእለና ምኽንያትዶ ኸይኰነ፧ ይኹን እምበር: ካብ ተስፋ ትንሳኤ ብተወሳኺ ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

መገድታት የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ እዩ

15, 16. ብዛዕባ ሰማርያ እንታይ ትንቢት እዩ ተነጊሩ ነይሩ፧ ብኸመይከ ተፈጸመ፧

15 ‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ’ ምእማንና ምስኡ ምምልላስና ንኽንቅጽል ይሕግዘና። ተቐማጦ ሰማርያ ብጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ኣይተመላለሱን። ስለዚ ድማ ብምእባሶምን ኣብ የሆዋ እምነት ብምጕዳሎምን ሳዕቤኑ ዓጺዶም እዮም። “ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ: ብበደላ ትቕጻዕ: ብሰይፊ ይወድቁ: ሕጻናቶም ይጭፍለቑ: ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ” ዚብል ትንቢት ተነጊሩ ነይሩ። (ሆሴእ 13:16) እቶም ንሰማርያ ዝሰዓርዋ ኣሶራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ግፍዒ ኺፍጽሙ ኸም ዚኽእሉ ታሪኻዊ ጸብጻባት ይሕብር እዩ።

16 ሰማርያ ርእሲ-ኸተማ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እያ። ይኹን እምበር: እታ ሰማርያ እትብል ስም ሓድሓደ ግዜ ንብምሉኡ ግዝኣት እታ መንግስቲ ንምምልካት ተገልግል እያ። (1 ነገስት 21:1) ሰልመናስር ሓምሻይ ንጉስ ኣሶር ብ742 ቅ.ክ. ንሰማርያ ኸበባ። ብ740 ቅ.ክ. ሰማርያ ምስ ተታሕዘት: መብዛሕትኦም ምርኡያት ነበርታ ናብ መሶጶታምያን ሜዶንን ተወስዱ። ንሰማርያ ዝሓዛ: ሰልመናስር ሓምሻይ ይኹን እቲ ድሕሪኡ ዝነገሰ ሳርጎን ካልኣይ: ብርግጽ ኣይፍለጥን እዩ። (2 ነገስት 17:1-6, 22, 23፣ 18:9-12) ይኹን እምበር: ኣብ ጸብጻባት ሳርጎን 27,290 እስራኤላውያን ናብ ሰሜናዊ ኤፍራጥስን ሜዶንን ከም እተወስዱ ተመዝጊቡ ኣሎ።

17. ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እንንዕቕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ተቐማጦ ሰማርያ ብመገዲ የሆዋ ብዘይምምልላሶም: ዓስቦም ዓጺዶም እዮም። ንሕና እውን ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና: ንሕግታት ኣምላኽ ኰነ ኢልና ብምጥሓስን ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ብንዕቀት ብምርኣይን ወትሩ ሓጢኣት ንገብር እንተደኣ ዄንና: ተመሳሳሊ ሳዕቤን ኢና እንዓጽድ። እምበኣር: ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ረሲእነት ፈጺምና ኣይንስዓብ! ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ: ወይስ ከም ሰራቒ: ወይስ ከም ገባር እከይ: ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና: ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር: ኣይሕፈር” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንስዓብ።—1 ጴጥሮስ 4:15, 16

18. ብኸመይ ኢና ‘ንኣምላኽ ከነመስግኖ’ እንኽእል፧

18 ብመገድና ኣብ ክንዲ ምምልላስ: በቲ ቕኑዕ መገዲ ኣምላኽ ብምምልላስ ‘ንኣምላኽ ከነመስግኖ’ ንኽእል ኢና። ቃየል ብመገዱ ብምኻዱን ሓጢኣት ትቃጸዎ ኸም ዘላ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብዘይምስማዑን ቅትለት ፈጸመ። (ዘፍጥረት 4:1-8) በላዓም ካብ ንጉስ ሞኣብ ክፍሊት ተቐቢሉ ንእስራኤል ንምርጋም ከንቱ ጻዕሪ ገበረ። (ዘሁልቍ 24:10) እቲ ሌዋዊ ቘራሕን ካልኦትን ንስልጣን ሙሴን ንኣሮንን ስለ እተጻረሩ ኣምላኽ ቀተሎም። (ዘሁልቍ 16:1-3, 31-33) ‘ብመገዲ ቃየል ክንከይድ: ብስሕተት በላዓም ክንጸድፍ: ብዕልወት ቆራ ኸኣ ክንጠፍእ’ ከም ዘይንደሊ ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ይሁዳ 11) እንተዀነ ግን: ኣበሳ እንተ ፈጺምና: ትንቢት ሆሴእ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ትህበና።

ሓጢኣት ዝገበሩ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ይኽእሉ እዮም

19, 20. እተነስሑ እስራኤላውያን እንታይ መስዋእቲ እዮም ኣቕሪቦም፧

19 እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ እውን ናብ የሆዋ ኺምለሱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሆሴእ 14:1, 2 ነዚ ዚስዕብ ምሕጽንታ ንረክብ:- “ዎ እስራኤል: ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ: ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ። ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ: ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ: ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና: ሰናይ ከኣ ተቐበል: ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና: በልዎ።”

20 እተነስሑ እስራኤላውያን: ንየሆዋ “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍር” ኬቕርቡሉ ኽኢሎም ነበሩ። እዚ መስዋእቲ እዚ ኻብ ልቢ ዝመነጨ መስዋእቲ ምስጋና እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ: ካብዚ ትንቢት እዚ ተበጊሱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (እብራውያን 13:15) ኣብዚ ግዜና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስን ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ኸነቕርብን ኣጋጣሚ ምርካብና ዓብዪ ኽብሪ እዩ።

21, 22. እቶም እተነስሑ እስራኤላውያን እንታይ ረኸቡ፧

21 እቶም ነቲ ሕማቕ መገዶም ሓዲጎም ናብ ኣምላኽ እተመልሱ እስራኤላውያን “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍር” ኣቕሪቦም እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ እተመባጽዓሎም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ሆሴእ 14:4-7 ኸምዚ ትብል:- “ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ: ኣነ [የሆዋ] ንጥልመቶም ከሕዊ: ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ። ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ: ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ: ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ። ጨናፍሩ ይዝርጋሕ: ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ: መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ: ብስርናይ ይብርትዑ: ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ: መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።”

22 እቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ብመንፈስ ሓውዮምን እንደገና ፍቕሪ ኣምላኽ ረኺቦምን እዮም። የሆዋ ኣብዚሑ ስለ ዝባረኾም: ከም ኣውሊ ዀይኑዎም እዩ። እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ህዝቡ ‘ምጽባቖም ከም ኣውልዕ’ ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ከኣ ተመላሊሶም እዮም። ምስ የሆዋ ኽንመላለስ ስለ ዝቘረጽና: እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧

በቲ ቕኑዕ መገዲ የሆዋ ምምልላስካ ኣይተቋርጽ

23, 24. መጽሓፍ ሆሴእ ብምንታይ ዜጸናንዕ ትንቢት እያ እትድምደም፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ይድርኸና፧

23 ምስ ኣምላኽ ምምልላስና ንምቕጻል: እታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ክትህልወናን በቲ ቕኑዕ መገዱ ኽንመላለስን ኣሎና። (ያእቆብ 3:17, 18) እታ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ትንቢት ሆሴእ ከምዚ ዚስዕብ እያ እትንበብ:- “መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ጻድቃን ይመላለሱሉ: መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ: ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፧ ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ፧”—ሆሴ. 14:9

24 ብጥበብን ስርዓታትን እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እንምራሕ: በቲ ቕኑዕ ዝዀነ መገዲ ኣምላኽ ክንመላለስ ኢና እንደሊ። (ዘዳግም 32:4) ሆሴእ ን59 ዓመት ብቕኑዕ መገዲ የሆዋ ተመላለሰ። እቶም ጥበበኛታትን መስተውዓልትን ዘበሉ ኸም ዚርድእዎ ስለ ዝፈለጠ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መልእኽቲ ብተኣማንነት ኣብጽሐ። ንሕናኸ፧ የሆዋ ምስክርነት ክንህብ ክሳዕ ዘፍቀደልና: ነቶም ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ብጥበብ ዚቕበልዎ ኻብ ምንዳይ ኣይከነቋርጽን ኢና። ምስቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብምትሕብባር ነዚ ምግባርናኸ ዜሐጕሰናዶ ኸይኰነ፧—ማቴዎስ 24:45-47

25. ትንቢት ሆሴእ ምምርማርና እንታይ ክንገብር ኪሕግዘና ኣለዎ፧

25 ንትንቢት ሆሴእ ምምርማርና: ኣብታ ንሱ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዝና ወትሩ ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ከም ዚሕግዘና ዜጠራጥር ኣይኰነን። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ይሁዳ 20, 21) ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ ዚጽበየና ዘሎ! ብኣፍና ‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ እዩ’ ኽንብል ከለና: ብግብሪ እውን ከም እንኣምነሉ ነርኢ እንተደኣ ዄንና: እዚ ተስፋ እዚ ኺፍጸመልና እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ ብንጹህ መገዲ እንተ ኣምሊኽናዮ: ንሱ ንዓና ብኸመይ ይሕዘና፧

• ብየሆዋ ወትሩ ተስፋ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• መገዲ የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ምዃኑ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

• በቲ ቕኑዕ ዝዀነ መገዲ የሆዋ ምምልላስ ክንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝ ተቐበል

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ትንቢት ሆሴእ ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና መብጽዓታት ትንሳኤ ተስፋ ንኸነሕድር ምኽንያት ይህበና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዝካ ወትሩ ምስ ኣምላኽ ተመላለስ