ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ እሞ ጽቡቕ ክትዓጽዱ ኢኹም

ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ እሞ ጽቡቕ ክትዓጽዱ ኢኹም

ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ እሞ ጽቡቕ ክትዓጽዱ ኢኹም

“ንፋስ ይዘርኡ አለዉ: ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም።”ሆሴእ 8:7

1. ምስ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንመላለስ እንኽእል፧

 ኣብ ሓደ ሓደገኛ ቦታ ተመክሮ ዘለዎ መራሒ እንተ መሪሑካ: እቲ ጕዕዞ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ። ብርእስኻ ኻብ ምኻድ: ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ ምኻድ ጥበባዊ እዩ። እዚ ብገሊኡ መዳይ ነዚ ዘለናዮ ዅነታት እዩ ዜብርህ። የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሰፊሕ ምድረ-በዳ ማለት ኣብዚ እኩይ ኣገባብ ንኺመርሓና ፍቓደኛ ዀይኑ ኣሎ። ብርእስና ኣብ ክንዲ እንኸይድ: ምስኡ ምስ እንመላለስ ጥበባዊ እዩ። ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ክንመላለስ ንኽእል፧ ብሓጺሩ ነቲ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ብምስዓብ እዩ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እቲ ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 5 ዚርከብ ትንቢታዊት ድራማ ተገሊጹ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: እታ ድራማ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዜኽእለና ትምህርትታት ዝሓዘት እያ። ሕጂ እምበኣር ካብ ምዕራፍ 6 ኽሳዕ 9 ዚርከብ ገለ ቐንዲ ነጥብታት ንርአ። መጀመርታ ነዚ ኣርባዕተ ምዕራፋት ኣሕጽር ኣቢልና ንርኣዮ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

3. ንትሕዝቶ ሆሴእ ምዕራፍ 6 ኽሳዕ 9 ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ።

3 የሆዋ ንሆሴእ ብቐዳምነት ናብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኪንበ ለኣኾ። እቲ ብስም እቲ ዓብላሊ ነገድ: ኤፍሬም ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ዝነበረ ህዝቢ: ካብ ኣምላኽ ርሒቑ እዩ ነይሩ። ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 6 ኽሳዕ 9: ሰባት ኪዳን የሆዋ ብምፍራስን እከይ ብምግባርን ጥልመት ከም ዝፈጸሙ ተገሊጹ ንረክብ። (ሆሴእ 6:7) ናብ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ ኸኣ ኣብቲ ምስ ዓለማውያን ዝኣተውዎ ኪዳን ተወከሉ። ሕማቕ ስለ ዚዘርኡ: ሕማቕ እዮም ዚዓጽዱ። ብኻልእ ኣዘራርባ ፍርዲ እዩ ዚጽበዮም ነይሩ! ይኹን እምበር: ሆሴእ ኣወንታውን ባህ ዜብልን መልእኽቲ እውን ተዛሪቡ እዩ። እቲ ነብዪ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ እንተደኣ ተመሊሶም: ማለት ካብ ልቢ ኸም እተነስሑ እንተደኣ ኣርእዮም: ምሕረት ከም ዚረኽቡ ኣረጋገጸሎም።

4. ካብ ትንቢት ሆሴእ እንታይ ትምህርትታት ኢና እንረክብ፧

4 ካብዚ ኣርባዕተ ምዕራፋት ትንቢት ሆሴእ: ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዚሕግዘና ተወሳኺ መምርሒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እምበኣር ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ኣርባዕተ ነጥብታት እስከ ንርአ:- (1) ናይ ሓቂ ነስሓ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እዩ ዚርአ፣ (2) መስዋእቲ ንበይኑ ንየሆዋ ኣየሐጕሶን እዩ፣ (3) ኣምለኽቱ ኻብኡ ኺርሕቑ ኸለዉ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ፣ (4) ጽቡቕ ንምዕጻድ: ጽቡቕ ክንዘርእ ኣሎና።

ናይ ሓቂ ነስሓ ብኸመይ ከም ዚግለጽ

5. ነቲ ኣብ ሆሴእ 6:1-3 ዚርከብ ቀንዲ መልእኽቲ ግለጾ።

5 ትንቢት ሆሴእ ብዛዕባ ነስሓን ምሕረትን ብዙሕ እዩ ዚምህረና። ኣብ ሆሴእ 6:1-3 ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ነንብብ:- “ንሱ ቐደደ: ኬጥዕየና ኸኣ እዩ: ንሱ ወቕዔ: ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ: ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ: ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና። ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ: ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ: ንሱ ኸም ዝናም: ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።”

6-8. እቲ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ነስሓ እንታይ ጸገም ነበሮ፧

6 ነዚ ኣብዘን ቍጽርታት እዚኣተን ዚርከባ ቓላት እተዛረበን መን እዩ፧ ገሊኦም ምሁራት እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ነዘን ቃላት እዚኣተን ከም እተዛረብወን ይገልጹ፣ ፋሉላት ሰባት እተነስሑ ብምምሳል ንምሕረት ኣምላኽ ከም እተበለጹሉ ድማ ይዛረቡ። ገሊኦም ግን ነብዪ ሆሴእ ነቲ ህዝቢ ናብ የሆዋ ንኺምለስ ብምልማን ይዛረብ ምንባሩ ይገልጹ። ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን መን ምዃኑ ብዘየገድስ: ‘እስራኤላውያን ብሓፈሻ ናይ ሓቂ ነስሓ ብምርኣይ ናብ የሆዋ ተመሊሶምዶ፧’ ዚብል ሕቶ እዩ ብዝያዳ ዜገድስ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘ኣይተመልሱን’ ዚብል እዩ። የሆዋ ብሆሴእ ኣቢሉ “ዎ ኤፍሬም: እንታይ ክገብረካ እየ፧ ዎ ይሁዳ: እንታይ ክገብረካ እየ፧ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት: ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ” በለ። (ሆሴእ 6:4) እቲ ህዝቢ ብሓቂ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እዩ ነይሩ። ሰናዮም ወይ ሳህሎም ከምቲ ጸሓይ ምስ በረቐት ቀልጢፉ ዚጠፍእ ግመ ብምዃኑ ዳርጋ ጠፊኡ እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ እተነስሑ መሲሎም እኳ እንተ ተራእዩ: የሆዋ ግን ምሕረት ንኺገብረሎም ዋላ ሓደ ብቑዕ ምኽንያት ኣይረኸበን። እቲ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧

7 ቅድም ቀዳድም ነስሓ እስራኤላውያን ካብ ልቢ ኣይነበረን። ኣብ ሆሴእ 7:14 የሆዋ ብህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ አለዉ እምበር: ብልቦም ናባይ ኣየድሀዩን” ብምባል ይገልጽ። ቍጽሪ 16 ኸኣ “ንሳቶም ይምለሱ አለዉ: ናብቲ ልዑል ግና ኣይኰነን” ወይ “ናብ ዝለዓለ ዓይነት ኣምልኾ ኣይኰነን” በለ። (NW እግረ-ጽሑፍ) እቶም ህዝቢ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ንምዕራይ ዜድሊ ለውጢ ብምግባር ናብቲ ልዕል ዝበለ ኣምልኾኡ ኺምለሱ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ኣይደለዩን!

8 እስራኤላውያን ዜርእይዎ ዝነበሩ ነስሓ ኻልእ ጸገም እውን ነይርዎ እዩ። እቶም ህዝቢ ሓጢኣት ካብ ምግባር ኣየቋረጹን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ምትላል: ቅትለት: ስርቂ: ኣምልኾ ጣኦት: ከምኡውን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ዘይግቡእ ኪዳን ምእታው ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሓጢኣት ይፍጽሙ ነበሩ። ኣብ ሆሴእ 7:4 እቶም ህዝቢ ኣብ ውሽጦም ዚነድድ ሕማቕ ትምኒታት ስለ ዝነበሮም: ምስ ሰንካቲ ዘርሰኖ “እቶን” ተመሳሲሎም ኣለዉ። ነዚ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው: ምሕረት ዚግብኦም ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋልን! ሆሴእ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቢ: የሆዋ “ኣበሳኦም ይዝክር: ሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ” ብምባል ነገሮም። (ሆሴእ 9:9) ምሕረት ዚበሃል ኣይግበረሎምን እዩ!

9. ቃላት ሆሴእ ብዛዕባ ነስሓን ምሕረትን እንታይ ይምህራና፧

9 ካብ ቃላት ሆሴእ ብዛዕባ ነስሓን ምሕረትን እንታይ ኢና እንመሃር፧ እቶም እምነት ዘይነበሮም እስራኤላውያን ዝገደፍዎ ንመጠንቀቕታ ዚዀነና ኣብነት: ካብ ምሕረት የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም: ካብ ልቢ ኽንንሳሕ ከም ዘሎና እዩ ዚምህረና። ከምዚ ዝኣመሰለ ነስሓ ብኸመይ እዩ ዚርአ፧ የሆዋ ብቓላት ወይ ብንብዓት ጥራይ ኣይዕሾን እዩ። ናይ ሓቂ ነስሓ ብግብሪ እዩ ዚርአ። ሓደ ኣበሰኛ ምሕረት ምእንቲ ኺረክብ ነቲ ሓጢኣቱ ፈጺሙ ኺገድፎን ምስቲ ልዑል ስርዓታት ኣምልኾ የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስን ኣለዎ።

መስዋእቲ ንበይኑ ንየሆዋ ኣየሐጕሶን እዩ

10, 11. ካብ እስራኤላውያን ከም እንመሃሮ: መስዋእቲ ንበይኑ ንየሆዋ ዘየሐጕሶ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሕጂ ምስ የሆዋ ንምምልላስ ዚሕግዘና ኻልኣይ ነጥቢ ንመያየጠሉ። እዚ ኸኣ መስዋእቲ ንበይኑ ንየሆዋ ዘየሐጕሶ ምዃኑ እዩ። የሆዋ ኣብ ሆሴእ 6:6 “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ” ኢሉ ኣሎ። የሆዋ ኻብ ልቢ ተበጊስካ ዚግለጽ ምሕረት ወይ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚርአ ተኣማንነት ከምኡውን ብዛዕባኡ ፍልጠት ምጥራይ ከም ዚፈቱ ኣስተብህለሉ። ምናልባት ግን ‘እዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ “መስዋእቲ” ኸምኡውን “ዚሓርር መስዋእቲ” ኸም ዘይፈቱ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧ ሕጊ ሙሴ ነዚ ኺግበር ይእዝዝዶ ኣይነበረን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

11 ሓቂ እዩ: ሕጊ ሙሴ መስዋእቲ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ይእዝዝ እዩ። ይኹን እምበር: ብግዜ ሆሴእ ዝነበሩ ሰባት ጥዑያት ኣይነበሩን። ገሊኦም መስዋእቲ ዜቕርቡ ዝነበሩ ግዴታ ስለ ዝዀኖም ጥራይ እዩ። እዚ እናገበሩ ግን ሓጢኣት ካብ ምግባር ኣየቋረጹን። እቲ ሓጢኣቶም ከኣ ኣብ ልቦም ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚርአ ተኣማንነት ከም ዘይነበረ ይሕብር። ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዘይመላለሱ ብምንባሮም ከም ዝነጸግዎ ኣርእዮም እዮም። ልቢ እቶም ህዝብን ናብራኦምን ጥዑይ እንተ ዘይኰይኑ: እቲ መስዋእቶም እሞ እንታይ ዋጋ እዩ ኺህልዎ፧ መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍ እዩ ነይሩ።

12. ሆሴእ 6:6 ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት እንታይ መጠንቀቕታ እያ ትህብ፧

12 ቃላት ሆሴእ ንመብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ቤተ-ክርስትያን ዚሳለሙ ሰባት መጠንቀቕታ እዩ ዚዀኖም። ንኣምላኽ ብሃይማኖታዊ ተግባራትን ልምድታትን ገይሮም መስዋእቲ የቕርቡሉ እኳ እንተዀኑ: ኣምልኾኦም ግን መዓልታዊ ኣብ ዜርእይዎ ጠባዮም ብዙሕ ጽልዋ የብሉን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ኬጥርዩን ካብ ሓጢኣት ብምርሓቕ ነቲ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን እንተ ዘይተደሪኾም: ብሓቂ ንኣምላኽ የሐጕስዎ ድዮም ዘለዉ፧ ሃይማኖታዊ ልምድታት ጥራይ ንኣምላኽ የሐጕሶ እዩ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። የሆዋ በቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ብሓቂ ግን ብቓሉ ዘይመላለሱ ሰባት ኣይሕጐስን እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:5

13. እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኢና እነቕርብ፧ እዚ ዋጋ ንኺረክብ ግን እንታይ ምግባር ክንርስዕ የብልናን፧

13 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘበልና እውን መስዋእቲ ንበይኑ ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ኽንዝክር ኣሎና። መስዋእቲ እንስሳታት ንኣምላኽ ዘይነቕርብ እኳ እንተ ዀንና: “መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ኢና። (እብራውያን 13:15) ንኣበሳና ንኣምላኽ ብእነቕርቦ መስዋእቲ ኣቢልና ኽንድምስሶ ኸም እንኽእል ብምሕሳብ: ኣብቲ እቶም ብግዜ ሆሴእ ዝነበሩ ሓጥኣን እስራኤላውያን ዝወደቑሉ ዓይነት መጻወድያ ኽንወድቕ የብልናን። ንኣብነት: ሓንቲ ብስዉር ኣብ ጾታዊ ርኽሰት እትሳተፍ ዝነበረት መንእሰይ: ጸኒሓ “ኣብ ኣገልግሎት ዝገብሮ ንጥፈታት ነቲ ኣበሳይ ይሽፍኖ እዩ ኢለ ብምሕሳብ ነገልግሎተይ ክብ ኣበልክዎ” ኢላ ተኣመነት። እዝስ ምስቲ እቶም ፋሉል ዝነበሩ እስራኤላውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ዚመሳሰልዶ ኸይኰነ፧ መስዋእቲ ምስጋናና: ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊስካ ዚግበርን በቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ ኣካይዳ እተሰነየን እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ የሆዋ ዚቕበሎ።

ኣምለኽቱ ኻብኡ ኺርሕቑ ኸለዉ የሆዋ ይጕሂ እዩ

14. ትንቢት ሆሴእ ብዛዕባ ስምዒታት ኣምላኽ እንታይ ትገልጽ፧

14 እቲ ኻብ ሆሴእ ምዕራፍ 6 ክሳዕ 9 እንመሃሮ ሳልሳይ ነጥቢ: ኣምለኽቱ ኻብኡ ኺርሕቑ ኸለዉ የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዖ እዩ ዚገልጽ። የሆዋ ተሪር ኰነ ልምሉም ስምዒታት ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ሓጢኣት ዝገበሩ ህዝቡ ተነሲሖም ኪምለሱ ኸለዉ ይሕጐስ: ርሕራሐ ኸኣ የርእዮም። እንተ ዘይተነሲሖም ግን ተሪርን ወሳንን ስጕምቲ ይወስድ። ንዓና ኣጸቢቑ ስለ ዚሓልየልና ኸኣ: ብተኣማንነት ምስኡ ኽንመላለስ ከለና ይሕጐስ እዩ። መዝሙር 149:4 ብመሰረት ትርጕም 1990 “እግዚኣብሔር ብሕዝቡ ይሕጐስ” ትብል። ኣገልገልቱ ዘይእሙናት ኪዀኑ ኸለዉ ግን ከመይ እዩ ዚስምዖ፧

15. ብመሰረት ሆሴእ 6:7: ገለ እስራኤላውያን እንታይ እዮም ገይሮም፧

15 የሆዋ ነቶም ጠላማት እስራኤላውያን ብሆሴእ ኣቢሉ “ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ: በዚውን ጠለሙኒ” በሎም። (ሆሴእ 6:7) እታ ‘ምጥላም’ ተባሂላ እትትርጕም ናይ እብራይስጢ ቓል “ምትላል: ዘይእሙን ምዃን” ማለት እውን እያ። ኣብ ሚልክያስ 2:10-16 ነቶም ንብዓልቲ ኺዳኖም ዘይእሙናት ዝነበሩ እስራኤላውያን ንምግላጽ እውን ኣገልጊላ እያ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ኣብ ሆሴእ 6:7 ዘላ ቓል: እስራኤል ምስ የሆዋ ልክዕ ከም ሓዳር ዝኣመሰለ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ እኳ እንተ ነበራ: ነቲ ፍቕሩ ግን ከም እተጻወተትሉ ገለጸ።

16, 17. (ሀ) እስራኤላውያን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኺዳን እንታይ ገበርዎ፧ (ለ) ንሕናኸ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

16 የሆዋ ምስ እስራኤል ኪዳን ስለ ዝኣተወ: ከም ሰበይቱ ገይሩ እዩ ዚዛረበሎም። ስለዚ: እቶም ህዝቡ ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ኺዳን ኪጥሕስዎ ኸለዉ: ልክዕ ዝሙት ከም ዝፈጸሙ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ እሙን ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ህዝቡ ግን ጠለምዎ።

17 ብዛዕባናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ የሆዋ ምስኡ ምምልላስና ወይ ዘይምምልላስና ኸም ዜገድሶ ንጹር እዩ። “ኣምላኽ ፍቕሪ” ምዃኑን ግብርታትና ንስምዒታቱ ኸም ዚትንክፎን ከቶ ኣይንረስዕ። (1 ዮሃንስ 4:16) ስለዚ: ጌጋ መገዲ እንተ ስዒብና: ንየሆዋ ነጕህዮ ኢና። ወትሩ ነዚ ምዝካርና ብፈተና ንኸይንሰዓር ሓያል መከላኸሊ ኪዀነልና ይኽእል እዩ።

ጽቡቕ ብኸመይ ከም እንዓጽድ

18, 19. ኣብ ሆሴእ 8:7 እንታይ ስርዓት ኢና እንረክብ፧ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ እስራኤላውያን እተፈጸመኸ ብኸመይ እዩ፧

18 ነቲ ኻብ ትንቢት ሆሴእ እንመሃሮ ራብዓይ ነጥቢ እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ ብኸመይ ጽቡቕ ክንዓጽድ ከም እንኽእል ዚገልጽ እዩ። ሆሴእ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ዕሽነትን ዝሰዓብዎ ኸንቱ መገዶምን ኪገልጽ ከሎ “ንፋስ ይዘርኡ አለዉ: ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሆሴእ 8:7) ኣብዚ እቲ ነብዪ ኽንርስዖ ዘይብልና ስርዓት እዩ ዚጠቅስ ዘሎ። እቲ ሕጂ እንገብሮ ነገራት ነቲ ደሓር ዜጋጥመና ነገራት ብቐጥታ እዩ ዚጸልዎ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ኪዓዪ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

19 እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ሓጢኣት ብምግባር: ሕማቕ እዮም ዚዘርኡ ነይሮም። ሳዕቤን እቲ ዝገበርዎ ኸይዓጸዱ ወትሩ ኸምዚ ምግባር ኪቕጽሉ ድዮም፧ ኣይፋልን! ሆሴእ 8:13 “ሕጂ [የሆዋ] ንኣበሳኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዖ እዩ” ትብል። ኣብ ሆሴእ 9:17 ኸኣ “ስለ ዘይሰምዕዎ: ኣምላኸይ ይድርብዮም: ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኰብለልቲ ይዀኑ” ዚብል ነንብብ። እወ: የሆዋ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ኪቐጽዖም እዩ። ሕማቕ ስለ ዝዘርኡ: ሕማቕ ፍርዲ ኺዓጽዱ እዮም። እቲ ፍርዲ እቲ ኸኣ ኣሶራውያን ብ740 ቅ.ክ. ንሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ገልቢጦም ንተቐማጦኣ ንምርኮ ምስ ወሰድዎም እዩ ተፈጺሙ።

20. እቲ ንእስራኤላውያን ዘጋጠሞም ነገር ንዓና እንታይ ይምህረና፧

20 እቲ ነቶም እስራኤላውያን ዜጋጠሞም ነገር: ሓደ ኽንሃድመሉ ዘይንኽእል ሓቂ እዩ ዚምህረና። ነቲ እንዘርኦ ኢና እንዓጽዶ። ቃል ኣምላኽ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ገላትያ 6:7) እምበኣር: ሕማቕ እንተ ዘሪእና: ሕማቕ ክንዓጽድ ኢና። ንኣብነት: ብዕሉግ ናብራ ዚነብሩ: መሪር ሳዕቤን እዮም ዚዓጽዱ። ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ሳዕቤን ሓጢኣት ኣየምልጥን እዩ።

21. ብኸመይ ኢና ጽቡቕ ክንዓጽድ እንኽእል፧

21 ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ጽቡቕ ክንዓጽድ እንኽእል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብቐሊል መብርሂ ጌርና ኽንምልሳ ንኽእል ኢና። ሓደ ሓረስታይ ስርናይ ኪሓፍስ እንተደኣ ደልዩ: ስገም ድዩ ኺዘርእ ዘለዎ፧ ኣይፋሉን! ነቲ ኺሓፍሶ ዝደልዮ ነገራት ኪዘርእ ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ብተመሳሳሊ: ጽቡቕ ክንዓጽድ እንተደኣ ደሊና: ጽቡቕ ክንዘርእ ኣሎና። ንስኻኸ ጽቡቕ ነገር ክትዓጽድ: ማለት ሕጂ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ክትረክብ: ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊ ዲኻ፧ ከምኡ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ምስ ኣምላኽ ብምምልላስን ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ብምሕላውን ጽቡቕ ክትዘርእ ኣሎካ።

22. ካብ ሆሴእ ምዕራፍ 6 ክሳዕ 9 እንታይ ትምህርትታት ኢና ረኺብና፧

22 ካብ ሆሴእ ምዕራፍ 6 ክሳዕ 9: ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዚሕግዘና ኣርባዕተ ነጥብታት ኢና ተማሂርና። እዚ ኸኣ:- (1) ናይ ሓቂ ነስሓ ብግብሪ እዩ ዚርአ፣ (2) መስዋእቲ ንበይኑ ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን እዩ፣ (3) ኣምለኽቱ ኻብኡ ኺርሕቑ ኸለዉ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ፣ (4) ጽቡቕ ንምዕጻድ: ጽቡቕ ክንዘርእ ኣሎና። ኣብተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ምዕራፋት መጽሓፍ ሆሴእ ዚርከብ ትምህርቲ ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ናይ ሓቂ ነስሓ ብምንታይ እዩ ዚርአ፧

• መስዋእቲ ንበይኑ ንሰማያዊ ኣቦና ዘየሐጕሶ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣምለኽቱ ኻብኡ ኺርሕቑ ኸለዉ ኣምላኽ እንታይ ይስምዖ፧

• ጽቡቕ ንምዕጻድ እንታይ ክንዘርእ ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሳህሊ እስራኤል ከም ደበና ብጊሓት ጠፍአ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሕማቕ ትምኒታት እስራኤል ከም እቶን ይነድድ ነበረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ መስዋእትታት ህዝቡ ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጽቡቕ ንምዕጻድ: ጽቡቕ ክንዘርእ ኣሎና