ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ
ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ
ዝዀነ ሰብ “ስለ ዝሰማዕካኒ ኣዝየ እየ ዘመስግነካ” ኢሉካዶ ይፈልጥ፧ እዝስ ከመይ ዝበለ ናእዳ ዀን እዩ! ጽን ኢሉ ንዚሰምዕ ሰብ ዳርጋ ዅሉ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ። እተጨነቑ ወይ እተደቘሱ ሰባት: ጽን ኢልና ብምስማዕና እፎይታ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ጽን ኢልና ንሰምዕ እንተ ዄንና: ምስ ሰባት ምዃን ዜሐጕሰናዶ ኸይኰነ፧ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ብፍቕሪ ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ።—እብራውያን 10:24
ይኹን እምበር: ብዙሓት ጽን ኢሎም ኣይሰምዑን እዮም። ምኽሪ ኺህቡ: ተመክሮኦም ኬካፍሉ: ወይ ኣብ ክንዲ ነቲ ኻልኦት ዚዛረብዎ ኻብ ልቦም ዚሰምዑ ናታቶም ሓሳባት ኪገልጹ እዮም ዚደልዩ። ጽን ኢልካ ምስማዕ ናይ ብሓቂ ጥበብ እዩ። ብፍቕሪ ምስማዕ ብኸመይ ክንመሃሮ ንኽእል፧
ቀንዲ ረቛሒ
የሆዋ ኣምላኽ ‘መምህርና’ እዩ። (ኢሳይያስ 30:20 ትርጕም 1990) ብዛዕባ ምስማዕ ድማ ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። በዚ መዳይ እዚ ንነብዪ ኤልያስ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንመርምር። ኤልያስ: ንግስቲ ኢዛቤል ስለ ዝጠለቐትሉ ናብ በረኻ ሃደመ: ኪመውት ከኣ ተመነየ። ኣብኡ ኸሎ መልኣኽ ኣምላኽ ኣዘራረቦ። እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ ዜፍርሆ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: የሆዋ ጽን ኢሉ ሰምዖ። ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ ኣርኣዮ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ኤልያስ ድፍረት ረኺቡ ናብቲ እተመደበሉ ቦታ ተመልሰ። (1 ነገስት 19:2-15) ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዜጨንቖም ነገር ንምስማዕ ግዜ ዚምድብ፧ ብሓጺሩ ስለ ዚሓልየሎም እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ስለዚ እምበኣር ንኻልኦት ምሕላይን ብዛዕባኦም ካብ ልቢ ምግዳስን: ጽን ኢልካ ንምስማዕ ዚሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ እዩ።
ሓደ ኣብ ቦሊቭያ ዚነብር ሰብኣይ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ: ሓደ ናይ እምነት ብጻዩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ስለ ዘርኣዮ ብዙሕ ኣማሰወ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሽዑ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸፍአ እዋን ነበረ። እቲ ሓው ግዜ ወሲዱ እንተ ዘይሰምዓኒ ነይሩ: ምናልባት ብቐሊሉ ንየሆዋ ምግልጋል ምገደፍክዎ ነይረ። ንሱ ብዙሕ ኣይተዛረበን: ንኺሰምዓኒ ተገዳስነት ምርኣዩ ጥራይ ግን ብዙሕ ኣበርትዓኒ። እቲ ኽገብሮ ዝግብኣኒ ነገር እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ: መፍትሒ ዚነግረኒ ሰብ ኣይኰንኩን ዝደሊ ነይረ። የግዳስ: እንታይ ከም ዝስምዓኒ ንምፍላጥ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምህላዉ ኽፈልጥ ጥራይ እየ ዝደሊ ነይረ። እቲ ሓው ጽን ኢሉ ምስምዑ ድማ ተስፋ ንኸይቈርጽ ሓገዘኒ።”
የሱስ ክርስቶስ ብፍቕሪ ብምስማዕ ዝመጸ ዓብዪ ኣብነት እዩ። ድሕሪ ሞቱ ነዊሕ ከይጸንሐ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ የሩሳሌም 11 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ዓዲ ይጐዓዙ ነበሩ። ተስፋ ቘሪጾም ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ: እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ምስኦም ሓቢሩ ኺጐዓዝ ጀመረ። ኣብ ልቦም ዘሎ ንምፍላጥ ብጥንቃቐ ሓተቶም: ንሳቶም ድማ መለስሉ። ተስፋ ገይሮም ከም ዝነበሩ ሕጂ ግን ሓዚኖምን ተደናጊሮምን ምህላዎም ገለጹሉ። የሱስ ይሓልየሎም ነበረ፣ ኪዛረቡ ኸለዉ ብፍቕሪ ስለ ዝሰምዖም: ሉቃስ 24:13-27
ንሳቶምውን ኪዛረብ ከሎ ሰምዕዎ። ድሕሪኡ “ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።”—ንምስማዕ ቀዳምነት ምውሳድና ንሕና ኽንዛረብ ከለናውን ካልኦት ንኺሰምዑና ይገብር። ሓንቲ ቦሊቭያዊት ሰበይቲ “ወለደይን ሓሙአይን ሓማተይን ነቲ ደቀይ ዘዕብየሉ ኣገባብ ኪቃወምዎ ጀመሩ። ዋላ እኳ ነቲ ሓሳቦም እንተ ዘይተቐበልክዎ: ንፍዕቲ ወላዲት ምዃነይ ግን ንባዕለይ ኬጠራጥረኒ ጀመረ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ገዛይ መጸት። ብዛዕባ መብጽዓታት ኣምላኽ ከኣ ነገረትኒ። ኰይኑ ግን: እቲ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘሎኒ ዝሓተተትሉ ኣገባብ ንኽትሰምዓኒ ድልውቲ ምዃና ኸም ዝግንዘብ ገበረኒ። ናብ ውሽጢ ኣእተኹዋ እሞ: ብዛዕባ እቲ ዘሎኒ ጸገማት ነገርክዋ። ብዓቕሊ ሰምዓትኒ። ንደቀይ እንታይ ከም ዝምነየሎምን ሰብኣየይ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚስምዖን ድማ ሓተተትኒ። ምስ ሓደ ኽርድኣካ ዚጽዕር ሰብ ምዝራብ ናይ ብሓቂ እፎይታ የምጽእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራቤት ኣመልኪቱ እንታይ ከም ዚብል ከተርእየኒ ምስ ጀመረት: ብዛዕባ ዅነታተይ ምስ ዚግደስ ሰብ እዘራረብ ምህላወይ ተረድኣኒ” በለት።
መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ . . . ናታ ኣይትደልን” ይብል። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ብፍቕሪ ምስማዕ እምበኣር ጥቕሚ ርእስና ዕሽሽ ክንብል ከም ዘሎና የመልክት። ካልኦት ብዛዕባ ሓደ ኸቢድ ጕዳይ ኪነግሩና ኸለዉ ተለቪዥን ተወሊዓ እንተልያ ኸነጥፍኣ: ጋዜጣ ነንብብ እንተሎና ኸነቐምጦ: ወይ ከኣ ሞባይልና ኸነጥፍእ የድልየና ይኸውን። ከመይሲ ብፍቕሪ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ሓሳባቱ ኺገልጽ ከሎ ተገዲስካ ምስማዕ ማለት እዩ። ‘ቅድሚ ገለ እዋን ንዓይውን ከምዚ እኮ ኣጋጢሙኒ እዩ’ ብምባል ብዛዕባ ርእስና ምዝራብ ከይንጅምር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ካልእ እዋናት ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኸቢድ ጸገም ኪነግረና ኸሎ ግን ብዛዕባ ርእስና ኽንዛረብ የብልናን። ናይ ሓቂ ተገዳስነትና እነርእየሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ።
ስምዒታቱ ንምርዳእ ምስማዕ
ፈተውቲ እዮብ ካብቲ ንሱ ዝሃቦ መደረታት: ብዉሑዱ ዓሰርተ ዚኸውን መደረ ሰሚዖም እዮም። ይኹን እምበር: እዮብ “ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ” በለ። (እዮብ 31:35) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰሚዖም ምንም ኣየጸናንዕዎን። ብዛዕባ እዮብ ኣይግደሱን ከምኡውን ስምዒታቱ ኺርድኡሉ ኣይደልዩን ነበሩ። ሓልዮት ወይ ድንጋጽ ኣይነበሮምን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” ብምባል ምዒዱ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ብኸመይ ኢና ሓልዮት ከነርኢ እንኽእል፧ ሓደ መዳይ: ንስምዒታት እቲ ዚዛረበና ሰብ ተገዳስነት ብምርኣይን ስምዒታቱ ኽንርዳኣሉ ብምጽዓርን እዩ። ከም “ናይ ብሓቂ ሓሪቕካ ትኸውን” ወይ “ዝርድኣካ ዘየልቦ ዀይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን” ዝኣመሰለ ድንጋጽ ዜንጸባርቕ ርእይቶ ብምሃብ ተገዳስነትና ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ካልእ መዳይ ከኣ ነቲ ዝነገረና ነገር ብናይ ገዛእ ርእስና ኣበሃህላ ብምድጋም: ነቲ ዚብሎ ዘሎ ኸም እተረዳእናዮ ምርኣይ እዩ። ብፍቕሪ ምስማዕ: ነቲ ቓላት ጽን ኢልካ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ስምዒታቱ እውን ምርዳእ የጠቓልል።
ሮበርት a ተመክሮ ዘለዎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ኣብ ሓደ እዋን በገልግሎተይ ኣዝየ ተስፋ ቘረጽኩ። ስለዚ: ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ ነዚ ነገርክዎ። ንሱ ድማ ጽን ኢሉ ሰምዓኒ: ስምዒታተይ ኪርድኣለይ ከኣ ፈተነ። ኪነቕፈኒ እዩ ኢለ ኸም ዝፈራህኩ እውን ተረዲእዎ ነበረ። እቲ ሓው ንስምዒታተይ እተረድኣለይ ምዃኑን ንሱ ባዕሉ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ተሰሚዕዎ ኸም ዚፈልጥን ነገረኒ። እዚ ኣብ ኣገልግሎተይ ንክቕጽል ናይ ብሓቂ እዩ ሓጊዙኒ።”
ንሓደ ነገር ዘይንሰማምዓሉ ኽነስና ኽንሰምዖ ግን ንኽእልዶ ኢና፧ ሓደ ሰብ ስምዒታቱ ስለ ዝነገረና ኸነመስግኖ ንኽእል ዲና፧ እወ: ንኽእል ኢና። ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተ ተባኢሱ: ወይ ሓንቲ ጐርዞ ፍቕሪ ኸም ዝሓዛ እንተ ገለጸትከ፧ እቲ ወላዲ ኣየናይ ባህሪ ቕኑዕ ኣየናይ ከኣ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ኺገልጽ ቅድሚ ምጅማሩ: ነቲ እቲ ውሉዱ ዚብሎ ጽን ኢሉ ብምስማዕ ኪርድኦ እንተ ዚፍትን ዝሓሸዶ ኸይኰነ፧
ምሳሌ 20:5 “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ: ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ” ትብል። ሓደ ጥበበኛን ተመክሮ ዘለዎን ሰብ ከይተሓተተ ምኽሪ ዘይህብ እንተደኣ ዀይኑ: ባዕልና ምኽሪ ኸም ዚህበና ኽንገብሮ ኣሎና። እዚ ምስ ብፍቕሪ ምስማዕ ተመሳሳሊ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ልቡ ዘሎ ንኺገልጽ ንምግባር ምስትውዓል ኪህልወና የድሊ። ሕቶታት ምሕታት ዚሕግዝ እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ከይንሓትት ግን ክንጥንቀቕ ኣሎና። እቲ ሰብ ንኺዛረበሉ ብዘየሰክፎ ነገራት ኪጅምር ሓሳብ ምሃብ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ሓዳራ ጸገም ዘለዋ ሰበይቲ: መጀመርያ ምስ ሰብኣያ ብኸመይ ከም እተራኸቡን እተመርዓዉን ብምግላጽ ምጅማር ይቐላ ይኸውን። ሓደ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቱ ዝዛሕተለ ሰብ ድማ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝሰምዐ ብምንጋር ምጅማር ይቐሎ ይኸውን።
ብፍቕሪ ምስማዕ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ እዋን
ሓደ ሰብ ተቘጢዑ ኺዛረበና ኸሎ: ብፍቕሪ ምስማዕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብባህሪና ንርእስና ኽንጣበቐላ ኢና እንደሊ። ብኸመይ ኢና ግን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ክንዋጽኣሉ እንኽእል፧ ምሳሌ 15:1 “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ትብል። ነቲ እተቘጥዓሉ ምኽንያት ሓቲትና ብዓቕሊ ምስማዕ ሓደ ኻብቲ ብልእመት እንምልሰሉ መዳይ እዩ።
ክልተ ሰባት ስቕ ኢሎም ነቲ ዝበልዎ መመሊሶም ዚደጋግሙ እንተ ዀይኖም: ኪቋየቚ እዮም ዚጅምሩ። ክልቲኦም: እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘይሰምዖ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ሓደ ኻብኣቶም ሓንሳእ ስቕ ኢሉ ነቲ እቲ ኻልእ ዚብሎ እንተ ዝሰምዕሲ ኸመይ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ! ርግጽ እዩ: ርእስና ኽንገዝእ: ብምስትውዓልን ብፍቕርን ኸኣ ክንዛረብ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” ይብለና።—ምሳሌ 10:19
ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ ብተፈጥሮ ዚርከብ ኣይኰነን። የግዳስ: ብጻዕርን ብትምህርትን ክንረኽቦ እንኽእል ጥበብ እዩ። ኪህልወና ዚግባእ ክእለት እውን እዩ። ካልኦት ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልና ብምስማዕ ፍቕርና ንገልጽ። እዚ ድማ ሓጐስ የምጽኣልና። እምበኣር: ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ ምምዕባል ልብምና እዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስም ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ክንሰምዕ ከሎና ጥቕሚ ርእስና ዕሽሽ ክንብል ኣሎና
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ሰብ ተቘጢዑ ኺዛረበና ኸሎ: ብፍቕሪ ምስማዕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ