ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት ሆሴእ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ይሕግዘና

ትንቢት ሆሴእ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ይሕግዘና

ትንቢት ሆሴእ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ይሕግዘና

“ንሳቶም ደድሕሪ . . . እግዚኣብሄር ይኸዱ።”ሆሴእ 11:10

1. ኣብ መጽሓፍ ሆሴእ እንታይ ትንቢታዊ ድራማ እዩ ዚርከብ፧

 ዚምስጡ ገጸ-ባህርያት ዘለውዋ ድራማ ኽትርኢ ትፈቱዶ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ሆሴእ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ድራማ ዝሓዘት እያ። a እታ ድራማ እቲኣ ብዛዕባ ዅነታት ስድራቤት እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሆሴእ ኰይና: ነቲ የሆዋ ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዎ ኸም ሓዳር ዝኣመሰለ ኺዳን እትገልጽ እያ።

2. ብዛዕባ ሆሴእ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

2 እዛ እትምስጥ ድራማ እዚኣ ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 1 እያ እትርከብ። ሆሴእ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል (በቲ ዓብላሊ ዝነበረ ነገድ ኤፍሬም እትጽዋዕ ዝነበረት) ይነብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘመን እቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ ነገስታት እስራኤልን ብዘመን እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝነበሩ ኡዝያ: ዮታም: ኣሃዝ: ከምኡውን ህዝቅያስ እዩ ተነብዩ። (ሆሴእ 1:1) ስለዚ: እቲ እተነበየሉ እዋን እንተ ወሓደ 59 ዓመት ዚሽፍን እዩ። እታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ብ745 ቅ.ክ. እያ ተወዲኣ: ኰይኑ ግን ንሎሚ ግዜ እውን ኣገዳሲት እያ። ከመይሲ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት “ደድሕሪ . . . እግዚኣብሄር ይኸዱ” ኣለዉ።—ሆሴእ 11:10

ኣብቲ ትንቢት ዚርከብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

3, 4. ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 5 እንታይ ከም ዚርከብ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

3 ሆሴእ ካብ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 5 ምምርማርና: ነቲ ብእምነት ምስ ኣምላኽ ንምምልላስን ከም ፍቓዱ ንኽንነብርን ዝገበርናዮ ውሳነ የጽንዓልና እዩ። ዋላኳ ህዝቢ እስራኤል ብመንፈሳዊ ይመንዝሩ: እንተ ዚንስሑ ኣምላኽ ምመሓሮም። እዚ ኣብቲ ሆሴእ ንሰበይቱ ዝሓዘሉ ኣገባብ ተራእዩ እዩ። ንሆሴእ ሓደ ወዲ ምስ ወለደትሉ: ብምንዝርና ኽልተ ቘልዑ ወለደት። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንእተነስሑ እስራኤላውያን ኪምሕሮም ፍቓደኛ ዝነበረ: ሆሴእ እውን ንሰበይቱ መለሳ።—ሆሴእ 1:1-3:5

4 የሆዋ ንእስራኤል ዚቐጽዓሉ ምኽንያት ነበሮ። ኣብታ ሃገር ሓቂ ዚዛረብ ኰነ ለውሃት ዜርኢ ሰብ ኣይነበረን: ከምኡውን ፍልጠት ኣምላኽ ኣይነበረን። ስለዚ: ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ እስራኤልን ነቲ ፋሉል ዝነበረ መንግስቲ ይሁዳን ቀጺዕዎም እዩ። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ኣምላኽ: “ምስ ጸበቦም” ንየሆዋ ይደልይዎ ነበሩ።—ሆሴእ 4:1-5:15

እቲ ድራማ ተገልጸ

5, 6. (ሀ) ኣብ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ምንዝርና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ፧ (ለ) እቲ ንጥንታዊት እስራኤል እተዋህበ መጠንቀቕታ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣምላኽ ንሆሴእ “እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር አላ እሞ: ኪድ: ውሉድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና አእቱ” ኢሉ ኣዘዞ። (ሆሴእ 1:2) ምንዝርና ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ነይሩ፧ ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “መንፈስ ምንዝርና [ነቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል] ኣስሒትዎም: ካብ ኣምላኾም ርሒቖም መንዚሮም እዮም . . . ኣዋልድኩም ይምንዝራ: መራዑኹም ድማ ይዝምዋ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ: ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ።”—ሆሴእ 4:12-14

6 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ዚፍጸም ምንዝርና ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ስለዚ: የሆዋ ንእስራኤል ‘ኪቐጽዖም’ እዩ። (ሆሴእ 1:4፣ 4:9) እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብዚ ግዜና እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ምኽንያቱ የሆዋ ነቶም መገዲ ርኽሰት ዚስዕቡን ኣብ ርኹስ ኣምልኾ ዚሳተፉን መቕጻዕቲ ኼውርድ እዩ። እቶም ምስ ኣምላኽ ዚመላለሱ ግን ነቲ ንሱ ንንጹህ ኣምልኾ ብዚምልከት ዜውጽኦ ስርዓታት ከምኡውን “ኣመንዝራ ዘበለ . . . ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ” ይፈልጡ እዮም።—ኤፌሶን 5:5፣ ያእቆብ 1:27

7. ብመርዓ ሆሴእን ጎሜርን እተመሰለ እንታይ እዩ፧

7 ሆሴእ ንጎሜር ኪምርዓዋ ኸሎ ድንግል ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብቲ ‘ወዲ ዝወለደትሉ’ እዋን እውን እምንቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። (ሆሴእ 1:3) ኣብቲ ትንቢታዊ ድራማ ኸም እተገልጸ ኣምላኽ ብ1513 ቅ.ክ. ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ኣውጽኦም: ምስኦም ከም መርዓ ዝኣመሰለ ውዕል ገበረ። እስራኤል ነቲ ውዕል ክትሰማምዓሉ ወይ ኪዳን ክትኣቱ ኸላ: ‘ንሰብኣያ’ እምንቲ ኽትከውን ተመባጽዐት። (ኢሳይያስ 54:5) እዚ ኣብ መንጎ ኣምላኽን እስራኤልን እተገብረ ምሳልያዊ መርዓ እዩ ብመርዓ ሆሴእን ጎሜርን ተመሲሉ ዘሎ። እቲ ዅነታት ግን ከምቲ ዝነበሮ ኣይቐጸለን።

8. ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ብኸመይ ቈመ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ኣምልኾኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

8 ሰበይቲ ሆሴእ “ከም ብሓድሽ . . . ጠነሰት ጓል ድማ ወለደት።” እዛ ጓል እዚኣን እቲ ጸኒሑ እተወልደ ቘልዓን ጎሜር ብምንዝርና ዝወለደቶም ኪዀኑ ኣለዎም። (ሆሴእ 1:6, 8) ‘እታ ብጎሜር እተመሰለት እስራኤል ብኸመይ እያ መንዚራ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብ997 ቅ.ክ. እቶም ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ካብቶም ብደቡብ ዚነብሩ ዝነበሩ ነገድ ይሁዳን ቢንያምን ተነጺሎም መንግስቲ ኣቘሙ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቶም ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ከይዶም ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ምእንቲ ኸየምልኹ: ኣብቲ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ኣምልኾ ምራኽ ተኣታተወ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን ጠገለ ዘይብሉ ጾታዊ ርኽሰት ዚፍጸመሉ ኣምልኾ በዓል ኣብ እስራኤል ሱር ሰደደ።

9. ብመሰረት ኣብ ሆሴእ 1:6 ዚርከብ ትንቢት: ንእስራኤል እንታይ ኣጋጠማ፧

9 ጎሜር: ነታ ውሉድ ምንዝርና ኽትከውን ዘለዋ ጓል ምስ ወለደት: ኣምላኽ ንሆሴእ “ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ይቕረ ኢለ ከቶ ኣይክምሕሮምን እየ እሞ: ስማ [“ኣይክምሕራን እየ” ዚብል ትርጕም ዘለዎ] ሎሩሓማ ኢልካ ስመያ” በሎ። (ሆሴእ 1:6) ብ740 ቅ.ክ. ኣሶር ንእስራኤል ምስ ማረኾ: የሆዋ ኸም ዘይመሓሮም ተራእየ። ነቲ ኽልተ ነገድ ዝሓዘ መንግስቲ ይሁዳ ግን ብዘይ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኣድሓኖ። (ሆሴእ 1:7) ብ732 ቅ.ክ. ሓደ መልኣኽ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ንየሩሳሌም ርእሰ-ኸተማ ይሁዳ ኸቢቦም ዝነበሩ 185,000 ወተሃደራት ኣሶር ቀተለ።—2 ነገስት 19:35

የሆዋ ንእስራኤል ፈረዳ

10. ምንዝርና ጎሜር እንታይ የመልክት፧

10 ጎሜር ንሆሴእ ገዲፋ ምስ ካልእ ሰብኣይ ብምንባራ “ሰበይቲ ምንዝርና” ዀነት። እዚ: መንግስቲ እስራኤል ምስቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ ኣህዛብ ፖለቲካዊ ኺዳን ብምትእትታው ኣብኣቶም ክትውከል ከም ዝጀመረት ዜመልክት እዩ። እስራኤል ስለቲ ዝረኸበቶ ብልጽግና ንየሆዋ ኣብ ክንዲ እተመስግን: ንጣኦታት ኣህዛብ ኣመስገነት። ኣብ ርኹስ ኣምልኾ ብምስታፋ ኸኣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተወቶ ቓል ኪዳን ኣፍረሰት። የሆዋ ኺፈርዳ እምበኣር ግቡእ እዩ።—ሆሴእ 1:2፣ 2:2, 12, 13

11. የሆዋ እስራኤልን ይሁዳን ኪማረኹ ምስ ፈቐደ: እቲ ሕጊ ኺዳን እንታይ ኰነ፧

11 እስራኤል ንሰብኣያ ምግዳፋ እንታይ ኣስዓበላ፧ ኣምላኽ “ናብ በረኻ” ማለት ናብታ እስራኤላውያን ብ740 ቅ.ክ. ተማሪኾም ንዝኸዱላ ኣሶር ዝሰዓረት ባቢሎን ወሰዳ። (ሆሴእ 2:14) የሆዋ ነቶም 10 ነገድ መንግስቲ እስራኤል ኬጥፍኦም ከሎ ነቲ ምስቶም 12 ነገድ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን ግን ኣየፍረሶን። ዋላኳ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኬጥፍእዋን ንኣይሁዳውያን ከኣ ኪማርኽዎም እንተ ፈቐደ: ነቲ ምስቶም 12 ነገድ እስራኤል ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ዝገበሮ ምሳልያዊ መርዓ ኣየፍረሶን። ብ33 ድ.ክ. መራሕቲ ኣይሁድ ንየሱስ ክርስቶስ ምቕባል ኣብዮም ምስ ቀተልዎ ግን እቲ ኺዳን ፈረሰ።—ቈሎሴ 2:14

የሆዋ ንእስራኤል ገሰጻ

12, 13. ኣብ ሆሴእ 2:6-8 ዚርከብ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ ኣብ እስራኤል እተፈጸመኸ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣምላኽ ንእስራኤል “ምንዝርናኣ ኻብ ገጻ . . . ተውጽእ” ብምባል ገሰጻ። ንሳ ግን ደድሕሪ ፈተውታ ኽትከይድ መረጸት። (ሆሴእ 2:2, 5) ስለዚ: የሆዋ ኸምዚ በለ:- “እንሆ: ንጐደናኺ ብእሾዅ ክሐጽሮ: መገድታታ ኸይትረኽቦስ: ብቐጽሪ ክቐጽራ እየ። ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ: ግናኸ ኣይከተርክቦምን: ክትደልዮም: ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ: ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ: ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ: ክትብል እያ። ንሳ: ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ: እቲ ንበዓል ዝገበርዎ [“ምስሊ በዓል ዝሰርሑሉ:” NW እግረ-ጽሑፍ] ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ: ኣይፈለጠትን።”—ሆሴእ 2:6-8

13 እስራኤል ነቶም ‘ፈተውታ’ ዝነበሩ ኣህዛብ ንኺሕግዝዋ እኳ እንተ ሓተተቶም: ማንም ዝረድኣ ኣይረኸበትን። ከመይሲ: ብእሾዅ ስለ እተሓጽረት ኪሕግዝዋ ኣይከኣሉን። ድሕሪ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ኸበባ ብ740 ቅ.ክ. ኣሶራውያን ነታ ርእሰ-ኸተማ ዝነበረት ሰማርያ ሓዝዋ። እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ድማ ዳግም ኣይተላዕለትን። ገለ ኻብቶም ብምርኮ እተወስዱ እስራኤላውያን ጥራይ እዮም: ኣቦታቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ኸለዉ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዝነበረ እተገንዘቡ። ንኣምልኾ በዓል ገዲፎም ከኣ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ኪዳን ኣሓደሱ።

ነቲ ድራማ ኸም ብሓድሽ ምምርማሩ

14. ሆሴእ ምስ ጎሜር ንዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ኣሐደሰ፧

14 ኣብ መንጎ ሓዳር ሆሴእን የሆዋ ምስ እስራኤል ዘለዎ ርክብን ዘሎ ምትእስሳር ዝያዳ ንምርዳእ: ነዘን “እግዚኣብሄር ከኣ: መሊስካ ኺድ እሞ . . . ፈታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፍቶ: በለኒ” ዚብላ ቓላት ንርአ። (ሆሴእ 3:1) ሆሴእ ንጎሜር ካብቲ ምስኡ እትነብር ዝነበረት ሰብኣይ ብምዕዳግ ነዚ ትእዛዝ እዚ ፈጸመ። ድሕሪኡ ሆሴእ ንጎሜር “ብዙሕ መዓልትታት ተጸበይኒ: ኣይትመንዝሪ: ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ” ብምባል ጥብቂ ቐይድታት ገበረላ። (ሆሴእ 3:2, 3) ጎሜር ነቲ ተግሳጽ ተቐበለቶ: ሆሴእ ከኣ ነቲ ምስኣ ዝነበሮ ርክብ ኣሐደሶ። እዚ ኣብቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ተራእየ፧

15, 16. (ሀ) እቶም ተግሳጽ እተዋህቦም ህዝቢ ምሕረት ኣምላኽ ንኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ (ለ) ሆሴእ 2:18 ብኸመይ እያ ፍጻሜኣ ረኺባ፧

15 እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን: ኣምላኽ ብነብያቱ ኣቢሉ ‘ንልቦም ተዛረበ።’ ህዝቢ ኣምላኽ ምሕረቱ ንኺረኽቡ ኸምቲ ጎሜር ዝገበረቶ: ንሳቶምውን ተነሲሖም ኪምለሱ ነበሮም። ካብኡ የሆዋ ኸኣ ነቶም ከም ሰበይቱ ገይሩ ዚዛረበሎም ካብ “በረኻ” ባቢሎን ኣውጺኡ: ናብ የሩሳሌምን ናብ ምድሪ ይሁዳን ይመልሶም። (ሆሴእ 2:14, 15) ነዚ ኸኣ ብ537 ቅ.ክ. ፈጸሞ።

16 ኣምላኽ ነቲ “በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ: ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰባብሮ: ብደሓንውን ከንብሮም እየ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ እውን ፈጺምዎ እዩ። (ሆሴእ 2:18) እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ: ኣራዊት ከይፈርሁ ብሰላም ኪነብሩ ኸኣሉ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብዚ ግዜና እውን እቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል ዝዀኑ ኻብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ብ1919 ድ.ክ. ሓራ ምስ ወጹ: ዜደንቕ ፍጻመ ረኺቡ እዩ። ሎሚ ምስቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ብጾቶም: ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ብሰላም ብሓባር ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ናይ እንስሳ ዝኣመሰለ ባህሪ ዘለዎ ሰብ የልቦን።—ራእይ 14:8፣ ኢሳይያስ 11:6-9፣ ገላትያ 6:16

ነቲ ትምህርቲ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ

17-19. (ሀ) ነየኖት ባህርያት ኣምላኽ ኢና ኽንቀድሕ ተማዒድና፧ (ለ) ምሕረትን ሕያውነትን የሆዋ ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

17 ኣምላኽ መሓርን ሕያዋይን እዩ: ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። እዚ: ካብተን ናይ መጀመርያ ምዕራፋት ሆሴእ እንረኽቦ ሓደ ትምህርቲ እዩ። (ሆሴእ 1:6, 7፣ 2:23) ኣምላኽ ነቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ምሕረት ምርኣዩ: ምስቲ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን: እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ዚብል ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምሳሌ ዚሰማማዕ እዩ። (ምሳሌ 28:13) እተን “መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ንዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ዜጸናንዓ እየን።—መዝሙር 51:17

18 ትንቢት ሆሴእ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሕያዋይን መሓርን ምዃኑ እያ እትገልጽ። ገሊኦም ካብቲ ጽድቃዊ መገድታቱ እንተ ኣላገሱ እኳ: ተነሲሖም ኪምለሱ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተደኣ ገይሮም: የሆዋ መርሓባ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም። ነቶም ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ብምሳልያዊ መገዲ እተመርዓዎም እሞ ጸኒሖም ፋሉል ዝዀኑ እስራኤላውያን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ እዩ ተቐቢልዎም። ዋላኳ ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው እንተ ኣበዩን ‘ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እንተ ኣቘጥዕዎን:’ ንሱ ግን ስጋ ምዃኖም ብምዝካር መሓሮም። (መዝሙር 78:38-41) ከምዚኣ ዝበለት ምሕረት ምስቲ ሕያዋይ ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ ንኽንመላለስ ትድርኸና።

19 ኣብ እስራኤል ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እውን ከይተረፈ: የሆዋ ‘ንልቢ እስራኤል ተዛረበ።’ (ሆሴእ 2:14፣ 4:2) ነቲ ዜደንቕ ምሕረት የሆዋ ኸነስተንትነሉ ኸለና: ነልባብና ኼለዓዕሎን ምስኡ ዘሎና ርክብ ኬደልድሎን ኣለዎ። ስለዚ: ‘ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ንምሕረት የሆዋ ብኸመይ ብዝያዳ ክቐድሖ እኽእል፧ ዝበደለኒ ወይ ዘቐየመኒ ሓው ወይ ሓብቲ ይቕረታ እንተ ሓቲቱኒ: ንይቕሬታ ድልዊ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት።—መዝሙር 86:5

20. ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኽንተኣማመን ከም ዘሎና ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

20 ኣምላኽ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ። ንኣብነት: “ለሰ ኣኮር ከኣ ከም ደገ ተስፋ ኽህባ እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ። (ሆሴእ 2:15) እታ ኸም ሰበይቱ ገይሩ ዝገልጻ ጥንታዊት ማሕበር የሆዋ: ናብቲ ኣብ “ለሰ ኣኮር” ዚርከብ ዓዳ ኸም እትምለስ እተረጋገጸ ተስፋ ነበራ። እዚ መብጽዓ እዚ ብ537 ቅ.ክ. ምፍጻሙ እቲ የሆዋ እተመባጽዓልና ነገራት ከም ዚፍጸም መረጋገጺ ይህበና።

21. ፍልጠት: ምስ ኣምላኽ ኣብ ምምልላስና እንታይ ግደ ኣለዎ፧

21 ምስ ኣምላኽ ምምልላስና ንምቕጻል: ካብኡ ምምሃርናን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓልናን ከነቋርጽ የብልናን። ኣብ እስራኤል ፍልጠት የሆዋ ኣይነበረን። (ሆሴእ 4:1, 6) ኰይኑ ግን: ገለ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ትምህርቲ ተቐቢሎም ብእኡ ይመላለሱ ብምንባሮም ብዙሕ ተባሪኾም እዮም። ሆሴእ ከኣ ሓደ ኻብዚኣቶም ነበረ። እቶም ብግዜ ኤልያስ ንበዓል ዘይሰገዱ 7,000 ሰባት እውን ተመሳሳሊ ነገር እዮም ገይሮም። (1 ነገስት 19:18፣ ሮሜ 11:1-4) ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መምርሒ ዘሎና ኣድንቖት: ምስ ኣምላኽ ምምልላስና ንኽንቅጽል ይሕግዘና።—መዝሙር 119:66፣ ኢሳይያስ 30:20, 21

22. ንኽሕደት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

22 የሆዋ እቶም ንህዝቡ ዚመርሑ ሰብኡት ንኽሕደት ኪጻረሩ ይደልዮም። ይኹን እምበር: ሆሴእ 5:1 ኸምዚ ትብል:- “ኣብ ሚጽጳ መፈንጠራ: ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሔት መርበብ ስለ ዝዀንኩም: ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ: ኣቱም ካህናት: እዚ ስምዑ: ኣቱም ቤት እስራኤል: ኣድህቡ: ኣቱም ቤት ንጉስ: ጽን በሉ።” እቶም ከሓድቲ ዝነበሩ መራሕቲ: እስራኤላውያን ጣኦት ንኼምልኹ ብምሕባል ከም መፈንጠራን መርበብን ኰይኖምዎም ነበሩ። ከረን ታቦርን ሚጽጳን ማእከል ናይ ሓሶት ኣምልኾ ነይረን ኪዀና ኣለወን።

23. ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 5 ኻብ እተገብረ መጽናዕቲ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

23 ኣብዚ ዝመርመርናዮ ኽፋል ትንቢት ሆሴእ: የሆዋ መሓሪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ነቶም መምርሒታቱ ዚስዕቡ ተስፋን በረኸትን ከም ዚህቦም: ከምኡውን ክሕደት ከም ዚጸልእ ርኢና ኣሎና። ከምቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ንሕናውን ንየሆዋ ንድለዮ: ንዕኡ ንምሕጓስ ከኣ ወትሩ ንጽዓር። (ሆሴእ 5:15) ከምዚ ብምግባር ጽቡቕ ንዓጽድ ከምቶም ብተኣማንነት ምስ ኣምላኽ ዚመላለሱ ሰባት ዚረኽብዎ ድማ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስን ሰላምን ንረክብ።—መዝሙር 100:2፣ ፊልጲ 4:6, 7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገላትያ 4:21-26 ትንቢታዊ ድራማ ቐሪቡ ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 2ይ ጥራዝ: ገጽ 693-4 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መርዓ ሆሴእን ጎሜርን እንታይ የመልክት፧

• የሆዋ ንእስራኤል ዝፈረዳ ስለምንታይ እዩ፧

• ካብቲ ኣብ ሆሴእ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 5 ዚርከብ ትምህርቲ: ንዓኻ ኣየናይ መሲጡካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰበይቲ ሆሴእ ንመን ከም እተመልክት ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብ740 ቅ.ክ. ነበርቲ ሰማርያ ብኣሶራውያን ተሳዕሩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሕጉሳት ህዝቢ ናብ ዓዶም ተመልሱ