‘እታ ፍቕሪ ዅላትኩም ትዓዝዝ ኣላ’
‘እታ ፍቕሪ ዅላትኩም ትዓዝዝ ኣላ’
ብ2004 ጃፓን ብእተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ተወቒዓ እያ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ምጥልቕላቕ ማይን ምንቅጥቃጥ ምድርን ይርከብዎም። እዚ ሓደጋ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሓዊስካ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ጸልዩ እዩ። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ጸገማት እዚ ኣብ ንሓድሕዶም ሕውነታዊ ፍቕሪ ንምርኣይ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:22
ንኣብነት: ብሰንኪ እቲ ብሓምለ ዘጋጠመ ሓያል ዝናም ሓደ ኣብ ማእከል ጃፓን ዚርከብ ውሒዝ ኣፍ ንኣፉ መሊኡ ኺፈስስ ጀመረ። እዚ ምጥልቕላቕ ማይ ድማ ኣብ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጕድኣት ኣውረደ። እቲ ማይ ካብቲ ባይታ ናይ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ሓደ ሜተር ዚኸውን ንላዕሊ ንውሓት ነበሮ። ብኡንብኡ እቶም ኣብ ጐረባብቲ ጉባኤታት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺሕግዙ መጹ። በማእታት ዝቝጸሩ ወለንተኛታት ድማ ነቲ ብጭቃ ተዋሒጡ ዝነበረ ገዛውቲ ኣጽረይዎ። እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ጸረየን ተሓደሰን።
ብ23 ጥቅምቲ ብሬክተር ስኬል 6.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ኣጋጠመ። ኣርብዓ ዝዀኑ ሰባት ሞቱ: ልዕሊ 100,000 ዝዀኑ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛበሉ። ማይን ነዳድን ሓይሊ መብራህትን ኣቋሪጹ ነበረ። ዋላኳ እቲ እተሓደሰ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመነጨሉ ኸባቢ 50 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቑ ዚርከብ እንተዀነ: ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ግን ኣየጋጠሞን። ስለዚ: ንግዜኡ ረድኤት ዚወሃበሉ ቦታ ዀነ። ክርስትያን ሽማግለታት: ኣሕዋቶም ደሓን እንተ ዀይኖም ንምፍላጥ ተጓየዩ: ዋላ ሓደ ኸም ዘይተጐድአን ከም ዘይሞተን ድማ ኬረጋግጹ ኸኣሉ። ግዳይ እቲ ብሓምለ ዘጋጠመ ምጥልቕላቕ ማይ ኰይኖም ዝነበሩ ሽዱሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ኣብቲ ጕድኣት ዝወረዶ ኸባቢ ንዝነበሩ ምግብን ማይን ንኼብጽሑ ንጽባሒቱ ንግሆ ብወለንታ ኺዓዩ ጀመሩ። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ ንረድኤት ዚኸውን ኣቕሑ ዅሉ ድሉው ኰነ።
ሓደ ሽማግለ: “እቶም ብምጥልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ሰባት: ነዚ ብምንቅጥቃጥ መሬት እተጠቕዑ እተገብረ ዕዮ ረድኤት: ነቲ ቕድሚ ሕጂ እተገብረሎም ሓገዝ ዘለዎም ሞሳ ንምግላጽ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ” በለ። ቀጺሉ ድማ “ካብ ጋሕጋሕ ንግሆ ጀሚሮም ክሳዕ ዚጽልምት እዮም ኣበርቲዖም ዚሰርሑ ነይሮም። ገጾም ድማ ብሓጐስ መሊኡ ነበረ” በለ።
ምጥልቕላቕ ማይ ኰነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ናይ ክርስትያናዊ ሕውነት ፍቕራዊ ማእሰር ኣይበትኮን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ከምዚ ዓይነት ዕንወት ኬጋጥም ከሎ: ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ‘እታ ፍቕሪ ዅላትኩም ትዓዝዝ ኣላ’ ብምባል ዝነገሮም እዮም ዚገብሩ።—2 ተሰሎንቄ 1:3