ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ ድዩ፧

ንድያብሎስ ከም ምንታይ ጌርካ ኢኻ እትወስዶ፧ ከም ሓደ ንሰባት እኩይ ነገራት ንኺገብሩ ዚፍትኖም ናይ ሓቂ ኣካል ዘለዎ ፍጡርዶ ወይስ ከም ንእኩይ ነገር ዜመልክት መጸውዒ፧ ድያብሎስ ናይ ብሓቂ ኺፍራህ ዘለዎ ድዩ፧ ወይስ ከም ሓደ ማሪታዊ ሃጠው ቀጠው ወይ ከም ጽውጽዋይ ጥራይ ተቘጺሩ ዕሽሽ ኪበሃል ዚግብኦ እዩ፧ እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል ንባዕላ ንሓደ ኣብዚ ዩኒቨርስ ዚርከብ ንኽትርድኦ ዘጸግም ኣዕናዊ ሓይሊ ጥራይ ድያ እተመልክት፧ እዛ ቓል እዚኣ ኸምቲ ሓያሎ ዘመናውያን ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዚብልዎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከብ እኩይ ባህሪ ድያ እተመልክት፧

ወድሰብ መንነት ድያብሎስ ንምፍላጥ ኣብ ዜልዕሎ ሕቶ ምክፍፋሉ ዜገርም ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ መንነቱ ናይ ምሕባእ ክእለት እንተደኣ ኣልይዎ: ናይ ሓቂ መንነቱ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዚኸውን። ወትሩ መንነቱ ዚሓብእ እንተደኣ ዀይኑ ድማ: ምፍላጡ ኣሸጋሪ እናዀነ እዩ ዚኸይድ። መጽሓፍ ቅዱስ ንድያብሎስ ከምኡ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ብምባል ይሕብር። (2 ቈረንቶስ 11:14) እኩይ እኳ እንተዀነ: ንሰባት ንምትላል ግን ንርእሱ ኸም ጥዑይ ገይሩ እዩ ዜቕርባ። ሰባት ብርግጽ ምህላዉ ዘይኣምኑ ምስ ዝዀኑ እሞ ኸኣ እዚ ንዕላማኡ ኣጸቢቑ እዩ ዚሰማምዖ።

ድያብሎስ ደኣ እሞ መን እዩ፧ መዓስን ብኸመይንከ እዩ ናብ ህላወ መጺኡ፧ ሎሚኸ ብኸመይ እዩ ንደቅሰብ ዚጸልዎም ዘሎ፧ ነዚ ጽልዋ እዚ ንኽንጻወሮ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎስ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ርጡብ ታሪኽ ሒዙ ይርከብ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናዮ ሕቶታት ድማ ቅኑዕ መልሲ ይህበና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ ማስኬራ ብምግባር ወትሩ ንርእሱ ኺሓብእ ቈሪጹ እንተ ተላዒሉ: ናይ ሓቂ መንነቱ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ