ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ በረኸት የሆዋ የምጽእ
‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’
ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ በረኸት የሆዋ የምጽእ
ሓደ ሰብኣይ ብብሽክለታ ገይሩ ኣብቲ ጽዑቕ ዱር ካመሩን ተጓዕዘ። ንኻልኦት ሰባት ንኼበራትዕ ኢሉ: ንብዙሕ ሰዓታት ዚኣክል: በቲ ብማይ ዕልቕልቕ ዝበለ መገድታትን በቲ ጭቃን ተጓዕዘ። ክልተ ኣብ ዚምባብወ ዚነብሩ ሰባት ከኣ: ነቶም ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ንምምሃር: 15 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ጕዕዞ ተጓዕዙ፣ ክዳውንቶምን ጫማኦምን ምእንቲ ኸይጥልቂ ድማ ኣብ ርእሶም ገይሮም ብርቱዕ ወሓይዝ ሰገሩ። ኣብ ካልእ ቦታ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ንሓንቲ ኣብ ካልእ እዋን ዘይጥዕማ ኣላዪት ሕሙማት ገና ኸይወግሐ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ ኽትምህራ ተንስአት።
ነዞም እዚ ዅሉ ጻዕሪ ዚገብሩ ሰባት እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ ኵሎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ምምሃር እተጸምዱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚበሃሉ: ስርዓታውያንን ፍሉያትን ፓይነራት: ሚስዮናውያን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብወለንታ ዚሰርሑ ቤትኤላውያን እውን ዜጠቓልሉ እዮም። ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ድማ መለለይኦም እዩ። a
ቅኑዕ ድራኸ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ይስዕብዎ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ነዞም በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ምሉእ ኣገልገልቲ ንኪዀኑ ዚድርኾም ግን እንታይ እዩ፧
እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ንምንታይ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ኺሕተቱ ኸለዉ ዚህብዎ መልሲ: ንየሆዋን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ይጠቕሱ። (ማቴዎስ 22:37-39) እዚ መልሲ እዚ ግቡእ እዩ: ከመይሲ ሓደ ስራሕ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዘይትሰርሖ እንተ ዄንካ: እቲ ዚግበር ጻዕሪ ዅሉ ኸንቱ እዩ ዚኸውን።—1 ቈረንቶስ 13:1-3
ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚሓትት ኣገልግሎት
ኵሎም እቶም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነቲ የሱስ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ብምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ተቐቢሎምዎ እዮም። (ማቴዎስ 16:24) ህይወትካ ምቕባጽ ማለት ብየሆዋ ኣምላኽን ብየሱስ ክርስቶስን ንኽትውነንን ንኽትምራሕን ፈቲኻ ንዕኦም ርእስኻ ተገዛኢ ምግባር ማለት እዩ። ንሓያሎ ሰባት ከምዚ ዓይነት መንፈስ እዩ ናብቲ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚሓትት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣትዉ ዚገብሮም።
ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ክብ ንምባል ዓብዪ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብነት ናይ ሓንቲ ዡልያ ዝስማ ኣብ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል እትነብር ጓል 56 ዓመት ዝዀነት ስርዓታዊት ፓይነር እስከ ንርአ። “ሓደ ቻይናዊ ሓውና ናባይ ደዊሉ ቻይንኛ ኽመሃር ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ” በለት። ቀጺላ ድማ “ብዕድመ ስለ ዝደፋእኩ ሓድሽ ቋንቋ ኽመሃር እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ። ይኹን እምበር: ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት ነዚ ብድሆ እዚ ንኽጋጠሞ ወሰንኩ። ሎሚ: ብቻይንኛ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሰ ኸዘራርብ እኽእል እየ” በለት።
ኣብ ፐሩ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ጸብጻብ ለኣኸ:- “ኣብዘን ቀረባ
ዓመታት በማእታት ዚቝጸሩ ስርዓታውያን ፓይነራት: ናብቲ ዘይተሸፈነ ዞባታት ብምግዓዝ: ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣርእዮም እዮም። ናብ ኣዝዩ ርሑቕን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ስራሕን ዘይርከቦ ንኣሽቱ ኸተማታት እዮም ከይዶም። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም ኣብቲ ምድቦም ንምጽናሕ ዝከኣሎም ዘበለ እዮም ገይሮም። እቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ግን እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝያዳ በረኸት ኣምጺኡ እዩ። ከምቲ ጸብጻብ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዚሕብሮ: እዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ስርዓታውያን ፓይነራት እዚኣቶም ሓደስቲ ጕጅለታት ንኺምስረታ ሓጊዞም እዮም።”ሓድሓደ ክርስትያናት ነሕዋቶም ንምሕጋዝ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮምዋ እዮም። (ሮሜ 16:3, 4) ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ብውግእ ኣብ ዝዓነወ ኸባቢ ዚነብር ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኸምዚ ብምባል ጸብጸበ:- “ኣነን ሰበይተይን ኣብቲ ኣብ መንጎ እቶም ተቓወምቲ መንግስቲ እተቘጻጸርዎ ቦታን ኣብ መንጎ እቲ መንግስቲ ዚቈጻጸሮ ቦታን ዘሎ ናይ መወዳእታ መፈተሺ ነቝጣ ቕድሚ ምብጻሕና: ኣርባዕተ ኣዘዝቲ እቶም ተቓወምትን ሓለውቶምን ከቢቦም መንነትና ሓተቱና። ነቲ ወረቐት መንነትና ርእዮም ካብቲ መንግስቲ ዚቈጻጸሮ ኸባቢ ምምጻእና ምስ ፈለጡ ብዓይኒ ጥርጣረ ረኣዩና። ክስልዮም ዝመጻእኩ ገይሮም ከሰሱኒ። ስለዚ: ናብ ሓደ ጕድጓድ ኪድርብዩኒ ወሰኑ። መንነትና ምስ ኣረዳእክዎም ግን ንኽንከይድ ሓደጉና።” እተን በዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ሰብኣይን ሰበይትን እተበጽሓ ጉባኤታት ክሳዕ ክንደይ ኰን እየን ዜመስግናኦም!
ጸገማት እናኣጋጠመ ኽነሱ: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ። (ኢሳይያስ 6:8) እዞም ህርኩታት ዓየይቲ እዚኣቶም ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝረኸብዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምንጽብራቕ ንየሆዋ ይውድስዎ ኣለዉ። የሆዋ ድማ ይባርኾም ኣሎ። (ምሳሌ 10:22) በረኸትን ሓገዝን ከም ዚረኽቡ ብምትእምማን ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ኢሉ ብምዝማር ዘርኣዮ ዓይነት ኣረኣእያ እዮም ዜንጸባርቑ።—መዝሙር 121:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕዳር/ታሕሳስ ርአ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ።”—መዝሙር 110:3
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
የሆዋ ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ይሕብሕቦም
“ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።”—1 ቈረንቶስ 15:58
“ኣምላኽ ነቲ . . . እተገልግልዎ ዘሎኹምን ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”—እብራውያን 6:10