ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስክርነት ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን

ምስክርነት ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን

ምስክርነት ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን

ብ16 ግንቦት 2005 ንግሆ ኣብቲ ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ ዚርከብ ዎችታወር ፋርምስ ዚበሃል ቦታ ባህ ዜብል ኵነታት ኣየርን ብሩህ መዓልትን ነበረ። ቅድሚ ወጋሕታ ማይ ስለ ዝወቕዐ: እቲ ብዚግባእ እተቐምቀመ ሳዕርን ዕምባባታትን የንጸባርቕ ነበረ። ሓንቲ ደርሆ ማይ ምስ ሸሞንተ ጨቓዊታ ኣብ ወሰን እቲ ራህያ ትሕምብስ ነበረት። ናብቲ ቦታ ዝመጹ በጻሕቲ በዚ ዅሉ ጽባቐ ተደነቑ። ነቲ በታ ንግሆ ዝነበረ ጸጥታ ንኸይርብሹ ብዚመስል ህዱእ ዘረባ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ።

እቶም በጻሕቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዚርከባ 48 ሃገራት ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ባህ ዜብል ትርኢት ኣይኰኑን ኪርእዩ መጺኦም። ኣብ ውሽጢ እቲ ብቐይሕ ሕጡብ እተሃንጸ ሰፊሕ ህንጻ ብዛዕባ ዚካየድ ዝነበረ ነገር እዮም ዝያዳ ዚግደሱ ነይሮም። እዚ ኸኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብቲ ዎልኪል ዚበሃል ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቤትኤል እተገብረ ምስፋሕ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ: ጸጥታ እኳ እንተ ዘይነበረ: በቲ ዝረኣይዎ ግን ተገረሙ።

እቶም በጻሕቲ ኣብ ሰገነት ኰይኖም ነቲ ማሺነሪ ተዓዘቡ። ሓሙሽተ ዓበይቲ ሓተምቲ ማካይን ኣብቲ ኻብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ሜዳ ዅዕሶ እግሪ ዚሰፍሕ ብካሻስትሩስ እተሰርሐ ባይታ ተነቢረን ነበራ። መጽሓፍ ቅዱሳትን መጻሕፍትን መጽሔታትን ኣብዚ እዩ ዚሕተም። 1,700 ኪሎ ግራም ዚምዘን ገዘፍቲ እተጠቕለለ ወረቐት: ብፍጥነት ሓንቲ እትጐዪ ዘላ ዓባይ ማኪና ዕንክሊል እናበለ ይዝርዘር። ነፍሲ ወከፉ 23 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ወረቐት ተዘርዚሩ: ኣብ ውሽጢ 25 ደቒቕ ብሓታሚት ማኪና ይሓልፍ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ሓታሚት ማኪና ነቲ ወረቐት ብቐለም ሓቲማ: ኣንቂጻ: ዓጺፋ መጽሔት ምእንቲ ኪኸውን ተዝሕሎ። እዚ በቲ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ መጐዓዓዚ ማሽን ኣቢሉ ብፍጥነት ዚጐዓዝ መጽሔታት: ናብቲ ኣብ ካርቶን ኣትዩ ዚዕሸገሉን ናብ ጉባኤታት ዚልኣኸሉን ቦታ ይኸይድ። ገሊአን ሓተምቲ ማካይን ድማ ክፋላት መጽሓፍ የዳልዋ: ድሕሪኡ እቲ ዘዳለዋኦ ናብቲ ዚጥረዘሉ ኽፍሊ ኽሳዕ ዚኸይድ ኣብቲ ኽሳዕ ናሕሲ ኪኽዝን ዚኽእል ቦታ ይቕመጥ። እቲ ዕዮ ብኮምፕዩተር ዚምራሕ ኰይኑ: ልክዕነት ምንቅስቓሳቱ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

እቶም በጻሕቲ ኻብቲ ሕትመት ዚካየደሉ ኽፍሊ ምስ ወጹ: ናብቲ ዚጥረዘሉ ኽፍሊ ኸዱ። እተን ኣብኡ ዚርከባ ማሽናት ከኣ ኣብ መዓልቲ ኽሳዕ 50,000 ዚኸውን ተሪር ገበር መጻሕፍትን ብሉጽ ኣጠራርዛ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱሳትን የዳልዋ። እቲ ተሓቲሙ ዚመጽእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓንሳእ ይጥርነፍን ይጥረዝን ጫፉ ይቝረጽን። ድሕሪኡ እቲ ገበር ምስኡ ይተሓሓዝ። እቲ መስርሑ ዝወድአ መጻሕፍቲ ኣብ ካርቶናት ይምላእ። እቲ ካርቶናት ብቕጽበት ይዕሸግ: ምልክት ይግበረሉ: ኣብ ልዕሊ ንምጽዓኑ ኸም ዚምሽእ ዚገብር ዕንጨይቲ ድማ ይቕመጥ። ብተወሳኺውን: እቲ ልስሉስ ገበር ዜዳሉ ማሽናት: ኣብ መዓልቲ 100,000 መጻሕፍቲ ኣዳልዩ ይዕሽግ። እዚ ኸኣ ብሓያሎ ማሺነሪ: ማለት ብሓያሎ ሞተራት: መጐዓዓዚታት: ስኒ ዘለዎ ዓንኬላት: መንኰርኰራት: ገመዳት ዝቘመ ዀይኑ: ዅሉ እዚ ብዜደንቕ ፍጥነት እናተንቀሳቐሰ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳሉ።

እቲ ኣብቲ ቤት ማሕተም ብልዑል ፍጥነት ዚዓዪ ማሺናት: ብዚግባእ ብእተሰርሐ ሰዓት ዚዓዪ ዀይኑ: ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዘፍረዮ ዜደንቕ ማሺነሪ እዩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ እውን: ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን ምስክርነት ዚኸውን እዩ። እቲ ዕዮ ሕትመት ካብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ናብ ዎልኪል ዝገዓዘ ግን ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ነቲ ዕዮ ሕትመትን ምልኣኽን ኣብ ሓደ እተማእከለ ቦታ ብምግባር ንምቅላል እዩ። ንሓያሎ ዓመታት መጻሕፍቲ ኻብ ብሩክሊን ተሓቲሙ ይለኣኽ ነበረ: መጽሔታት ከኣ ካብ ዎልኪል ተሓቲሙ ይለኣኽ ነበረ። ነዚ ዕዮታት እዚ ኣብ ሓደ ምጥርናፉ: ዓየይቲ ይንኪ: ነቲ ወፈያ እተገብረ ገንዘብ ብዚግባእ ምጥቃም ድማ የኽእል። ኣብ ርእሲ እዚውን: እተን ኣብ ብሩክሊን ዚርከባ ሓተምቲ ማካይን ይኣርጋ ስለ ዝነበራ: ክልተ ሓደስቲ ኤም.ኤ.ኤን. ሮላንድ ሊቶማን ሓተምቲ ማካይን ካብ ጀርመን ተኣዚዘን መጻ። እዘን ሓተምቲ ማካይን እዚኣተን ኣዝየን ዓበይቲ ብምዃነን ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት ማሕተም ኪኣትዋ ኣይክእላን እየን ነይረን።

የሆዋ ነቲ ዕዮ ደገፎ

ዕላማ እዚ ሕትመት እዚ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ እዩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ኸም ዚባርኾ ተራእዩ እዩ። ካብ 1879 ክሳዕ 1922 መጻሕፍቲ ብናይ ንግዲ ትካላት ይሕተም ነበረ። ብ1922 ኣብ ብሩክሊን 18 ኮንኮርድ ስትሪት ኣብ ዚበሃል ጐደና ዚርከብ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ድሕሪ ምክራይ: መጻሕፍቲ ንምሕታም ዜድሊ መሳርሒታት ተዓደገ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ገሊኦም ሰባት: ኣሕዋት ነቲ ዕዮ እቲ ኺዓይዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ተጠራጢሮም ነይሮም።

ሓደ ኻብቶም እዚ ዘጠራጠሮ ሰብ: ሓላፊ እታ ንመብዛሕትኡ መጻሕፍትና ዝሓተመት ኩባንያ እዩ። ናብ ኮንኮርድ ስትሪት መጺኡ ድሕሪ ምብጻሕ: “ኣብዚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ትካል ሕትመት እኳ እንተለኩም: ነዚ መሳርሒታት እዚ ብኸመይ ከም ዚዕየየሉ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የብልኩምን። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እዚ ዅሉ ማሺናት ኪሰባበር እዩ፣ ኪሓትሙልኩም ዚኽእሉ ሰባት: እቶም ኣቐዲሞም ዝገበርዎን ብእኡ ዚናበሩን ሰባት ምዃኖም ኪርድኣኩም እዩ” በለ።

እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ቤት ማሕተም ተዓዛቢ ዝነበረ ሮበርት ጀይ. ማርቲን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪዛረብ ከሎ: “ሽዑ እቲ ነገር ከምኡ ይመስል እኳ እንተ ነበረ: ንጐይታ ኣብ ግምት ዘእተወ ግን ኣይነበረን፣ ንሱ ድማ ወትሩ ምሳና እዩ። . . . ነዊሕ ከይጸናሕና መጻሕፍቲ ኸነዳሉ ጀመርና” በለ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 80 ዓመት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናታቶም ሓተምቲ ማካይን ገይሮም ብቢልዮናት ዚቝጸር ጽሑፋት ሓተሙ።

ድሕሪኡ ኣብቲ ብ5 ጥቅምቲ 2002 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ: ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር ዕዮ ሕትመት ናብ ዎልኪል ኪግዕዝ ከም ዘጽደቖ ምልክታ ተነግረ። ክልተ ሓደስቲ ሓተምቲ ማካይን ተኣዘዛ: ኣብ ለካቲት 2004 ኪኣትዋ ድማ ተመደበ። ኣሕዋት ነቲ ቤት ማሕተም ኪነድፉን ኬስፍሕዎን: ነተን ሓደስቲ ሓተምቲ ማካይን ንምቕባል ከኣ ኣብ ውሽጢ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም። ድሕሪኡ: ነቲ ሓድሽ መጠረዝን መልኣኽን መስርሕ ንምትካል ዚግበር ዕዮ: ኣብ ውሽጢ እቲ ዚቕጽል ትሽዓተ ወርሒ ኺውዳእ ነበሮ። ገሊኦም ነዚ መደብ እዚ ምስ ሰምዑ: ዘይከኣል ስለ ዝመሰሎም ጥርጣረ ሓዲርዎም ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣሕዋት ብበረኸት የሆዋ: ኪግበር ከም ዚከኣል ፈሊጦም ነበሩ።

“ዜሐጕስ ናይ ምትሕብባር መንፈስ”

እቶም ኣሕዋት: ህዝቢ የሆዋ ፈትዮም ከም ዚመጹ ብምትእምማን ነቲ ፕሮጀክት ጀመርዎ። (መዝሙር 110:3) እቲ ዕዮ ዓብዪ ስለ ዝነበረ: ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ህንጸት ቤትኤል ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዚበዝሑ ሰባት የድልዩ ነበሩ። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካብ ካናዳን ናይ ህንጸት ክእለት ዘለዎም ልዕሊ 1,000 ኣሕዋትን ኣሓትን: ካብ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ኼገልግሉ ብወለንታ መጹ። ካልኦት ኣህጉራውያን ኣገልገልትን ወለንተኛታት ኰይኖም እተመዝገቡን እውን ኣብቲ ፕሮጀክት ኪካፈሉ ጻውዒት ቀረበሎም። ከባብያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተ እውን ብዙሕ ኣበርክቶ ገበሩ።

ሓያሎ ኻብዚኣቶም ኣብቲ ፕሮጀክት ዎልኪል ንኺካፈሉ ኢሎም ናብኡ ንምኻድ ብዙሕ ወጻኢ ዚሓቶም ነበረ: ካብ ዓለማዊ ስርሖም ድማ ዕረፍቲ ወሲዶም ኪመጹ ነበሮም። እንተዀነ ግን: ነዚ መስዋእትታት እዚ ተሓጒሶም ገበርዎ። ነዞም ብዙሓት ወለንተኛታት እዚኣቶም መደቀስን ምግብን ኪዳለወሎም ስለ ዝነበሮ: ስድራ ቤትኤል ነቲ ፕሮጀክት ንምድጋፍ ጻዕሪ ንኺገብሩ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። ልዕሊ 535 ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብሩክሊንን ፓተርሰንን ዎልኪልን: ኣብ ልዕሊ እቲ ሰሙናዊ ዕዮኦም ኣብ ቀዳመ-ቀዳም ኣብቲ ፕሮጀክት ንኺሳተፉ ወለንተኛታት ኰይኖም ቀረቡ። እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ታሪኻዊ ዕዮ እዚ ዝገበርዎ ብዙሕ ደገፍ ኪርከብ እተኻእለ: የሆዋ ነቲ ፕሮጀክት ይባርኾ ብምንባሩ ጥራይ እዩ።

ገሊኦም ድማ ብገንዘብ ደገፍ ሃቡ። ንኣብነት: ኣሕዋት ካብ ሓንቲ ኣቢ እትበሃል ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ኸምዚ እትብል ደብዳበ መጸቶም:- “ስለቲ ግሩም መጻሕፍቲ ብምድላው: እትገብርዎ ዅሉ ዕዮ ብዙሕ እየ ዘመስግን። ኣብ ቀረባ ግዜ ናብኡ እመጽእ እኸውን። ኣቦይ ንዓመታ ኸም እንኸይድ ነጊሩኒ ኣሎ! መን ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡኒ ባጅ ክልጥፍ እየ። ነተን ሓደስቲ ሓተምቲ ማካይን ዚኸውን 20 ዶላር እልእከልኩም ኣለኹ። መውዕሎ ኪዀነኒ እተዋህበኒ ገንዘብ እኳ እንተዀነ: ንዓኻትኩም ነሕዋት ኪህበኩም እየ ዝደሊ።”

ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ነዘን ህያባት ኪዀና ኢለ በዘን ክልተ ንኣሽቱ ኣእዳወይ ዝኣለምክወን ቆብዓት በጃኹም ተቐበሉኒ። እዘን ቆብዓት እዚኣተን ነቶም ኣብ ፕሮጀክት ዎልኪል ንዚዓዩ ኺወሃባ እየ ዚደልየን። ኣልማናክ [ሓበሬታ ዚህብ ዓመታዊ መጽሓፍ] ኣዝዩ ቘራሪ ቐውዒ ኸም ዚኸውን እዩ ገሊጹ። ጸሓፍቱ ሓቆም ይኹኑ ወይ ኣይኹኑ ዝፈልጦ የብለይን። መብዛሕትኡ ኣብ ዎልኪል ዚግበር ዕዮ ግን ኣብ ግዳም ምዃኑ እፈልጥ እየ: ኣሕዋተይን ኣሓተይን ርእሶም ኪማሙቑ ድማ እደሊ እየ። ኣሕዋት ዚደልይዎ ዓይነት ክእለት የብለይን: ቆብዕ ክሰርሕ ግን እኽእል እየ። ስለዚ: በዚ ኽእለት እዚ ተጠቒመ ዝከኣለኒ ኽገብር እደሊ እየ።” ምስታ ደብዳበኣ 106 ቆብዕ ለኣኸት።

እቲ ቤት ማሕተም ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ተዛዘመ። እቲ ናይቲ ቤት ማሕተም ተዓዛቢ ጆን ላርሰን: “ዜሐጕስ ናይ ምትሕብባር መንፈስ እዩ ነይሩ። ነዚ ዕዮ እዚ የሆዋ ይባርኾ ኸም ዝነበረ እሞ መን እዩ ኺጠራጠር ዚኽእል፧ ነገራት ብፍጥነት እዩ ተዓይዩ። ኣብ ግንቦት 2003 ኣብ ጭቃ ደው ኢለ ኣሕዋት መሰረት እቲ ህንጻ ኺስርቱ ኸለዉ ኽርእዮም ትዝ ይብለኒ። ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ኣብታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ ቦታ ዀይነ ሓታሚት ማኪና ኽትዓዪ ኸላ እርኢ ነበርኩ” በለ።

ናይ ወፈያ ፕሮግራም

እቲ ነቲ ሓድሽ ቤት ማሕተምን ሰለስተ መንበሪ ህንጻታትን ንምውፋይ እተገብረ ፕሮግራም: ሰኑይ 16 ግንቦት 2005 ኣብ ዎልኪል እዩ ተኻይዱ። እቲ ኣብ ፓተርሰንን ብሩክሊንን ዚርከብ ቤትኤል: ከምኡውን ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤትኤል ብመስመር ቪድዮ ተራኺቡ ነይሩ። ኵሉ ዅሎም 6,049 ሰባት ኣብቲ ፕሮግራም ተኣኪቦም ነይሮም። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቴዶር ጃራዝ: ኣቦ መንበር ኰይኑ ኣገልገለ: ብዛዕባ ታሪኽ ዕዮ ሕትመት ከኣ ሓጺር መግለጺ ሃበ። ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝዀኑ ጆን ላርሰንን ጆን ኪኮትን ከኣ ብቓለ-መጠይቓትን ብቪድዮን ገይሮም: ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ፕሮጀክት ህንጸትን መስርሕ ሕትመትን ገለጽዎ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ጆን ባር ነቲ ናይ መወዳእታ መደረ ኣቕረበ: ነቲ ሓድሽ ቤት ሕትመትን ሰለስተ መንበሪ ህንጻታትን ከኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፈዮ።

ኣብታ ሰሙን እቲኣ: ኣብ ፓተርሰንን ብሩክሊንን ዚነብሩ ቤትኤላውያን: ነቲ ሓድሽ መሳለጥያታት ኪርእይዎ ኣጋጣሚ ተዋህቦም። ብድምር: 5,920 ሰባት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ በጽሕዎ።

ንሕና ነቲ ቤት ማሕተም ብኸመይ ንርእዮ፧

ኣብቲ ናይ ወፈያ መደረ: ሓው ባር ነቶም ሰማዕቲ: እቲ ቤት ማሕተም ማራኺ እኳ እንተዀነ: ኣገዳሲ ዝገበሮ ግን እቲ ማሺነሪ ዘይኰነስ: ሰባት ምዃኖም ገለጸሎም። እቲ እንሓትሞ ጽሑፋት ኣብ ህይወት ሰባት ዓሚቝ ጽልዋ ኣለዎ።

ነፍሲ ወከፍ እተን ሓደስቲ ሓተምቲ ማካይን: ካብ ሓደ ሰዓት ቍሩብ ኣብ ዚዛይድ ግዜ: ሓደ ሚልዮን ትራክት ኪሓትማ ይኽእላ እየን! ኰይኑ ግን: ሓንቲ ትራክት ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዋ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብ1921 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚሰርሑ ሓደ ጕጅለ ጽገና መገዲ ባቡር: ኣብ ሓደ መገዲ ባቡር ይዓዩ ነበሩ። ካባታቶም ሓደ ክርስቲያና ዚበሃል ሰብኣይ: ሓንቲ ወረቐት ኣብቲ መገዲ ባቡር ተወቲፋ ረኣየ። ሓንቲ ኻብ ትራክትታትና እያ ነይራ። ክርስቲያና ተገዲሱ ኣንበባ። ናብ ሰብኣይ ጓሉ እናጐየየ ኸይዱ: “ሎሚ ንሓቂ ረኺበያ!” ኢሉ ነገሮ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ: ክልቲኦም ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ደብዳበ ጸሓፉ። ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተወሳኺ ጽሑፋት ለኣኸሎም። ክልቲኦም ኣጽንዑ: ተጠመቑ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እውን ንኻልኦት ነገሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዙሓት ሓቂ ተቐበሉ። ክሳዕ መጀመርታ 1990ታት: ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዘርኢ እዞም ሰብኡት እዚኣቶም መሰኻኽር የሆዋ ነበሩ። እዚ ዅሉ ፍረ ኺርከብ እተኻእለ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ትራክት ኣብ መገዲ ባቡር ብምርካቡ እዩ!

ሓው ባር: እቲ እንሓትሞ ጽሑፋት ንሰባት ናብታ ሓቂ ኸም ዜምጽኦም: በታ ሓቂ ንኺመላለሱ ኸም ዜኽእሎም: ዝያዳ ቕንኣት ንኺህልዎም ከም ዚድርኾም: ኣብቲ ሕውነትና ድማ ሓድነት ንኺህሉ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ገለጸ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: እቲ ዅላትና እንዕድሎ ጽሑፋት: ንየሆዋ ኣምላኽና ኽብሪ የምጽኣሉ!

የሆዋ ነቲ ቤት ማሕተም ብኸመይ ይርእዮ፧

ሓው ባር ነቶም ሰማዕቲ: የሆዋ ነቲ ቤት ማሕተም ብኸመይ ከም ዚርእዮ ኺሓስቡ ሓተቶም። ብዘይ እዚ ኻልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ኣይኰነን። ኣእማን ነቲ ብስራት ከም ዚሰብኩ ኺገብር ይከኣሎ እዩ! (ሉቃስ 19:40) ብዘይካዚውን: በቲ ምትሕልላኽ: ዕቤት: ፍጥነት: ወይ ዓቕሚ እቲ ማሺነሪ ኣይድነቕን እዩ። ከመይሲ: ንሱ ንዩኒቨርስ ፈጢሩ እዩ! (መዝሙር 147:10, 11) የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ብሰባት ዘይተማህዘን ዘይተሓስበን ጽሑፋት እተዳልወሉ ዝሓሸ መገድታት ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ብሓቂ ኣኽቢሩ ዚርእዮ እንታይ ነገር እዩ ዚርኢ፧ ኣብቲ ቤት ማሕተም ነቲ ህዝቡ ዜንጸባርቕዎ ኸም ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን ዝኣመሰለ ዜደንቕ ባህርያት እዩ ዚርኢ።

ፍቕሪ በዚ ዚስዕብ ምሳሌ መብርሂ ተዋሂብዋ ነይሩ። ሓንቲ ጓል ንወለዳ ዶልሺ ትስንክት። ወለዳ በዚ ኸም ዚሕጐሱ ፍሉጥ እዩ። ነቶም ወለዲ ዜሐጕሶም ነገር: እቲ ዶልሺ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ: እቲ ጓሎም ብልግሳ ዘርኣየቶም ፍቕሪ እዩ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ሓድሽ ቤት ማሕተም ኪጥምቶ ኸሎ: ካብቲ ህንጻን ማሺነርን ሓሊፉ እዩ ዚጥምት። ብቐዳምነት: ንስሙ እተገብረ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—እብራውያን 6:10

ብተወሳኺውን: ከምቲ የሆዋ ነታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ከም መግለጺ እምነት ገይሩ ዝረኣያ: ነቲ ቤት ማሕተም እውን ከም ጭቡጥ መግለጺ እምነትና ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብ ምንታይ እዩ እምነት ዘሎና፧ ኖህ እቲ የሆዋ ዝነገሮ ነገር ከም ዚፍጸም እምነት ነበረቶ። ንሕና ድማ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም እንነብር: እቲ ብስራት ኣብ ምድሪ ኻብ ዚስማዕ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መልእኽቲ ምዃኑ: ከምኡውን ንሰባት ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ እምነት ኣላትና። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ከም ዜድሕን ንፈልጥ ኢና።—ሮሜ 10:13, 14

የሆዋ ነቲ ቤት ማሕተም ከም መግለጺ ተኣዛዝነትና ገይሩ ኸም ዚርእዮ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺስበኽ ፍቓዱ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ቤት ማሕተም እዚ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታ ዘሎ ኣብያተ-ማሕተም: ነዚ መዝነት እዚ ንምፍጻም ግደ ኣለዎ።

እወ: እቲ ነዚ መሳለጥያታት እዚ ንምምዋልን ንምህናጽን ንምክያድን ዚርአ ፍቕርን እምነትን ተኣዛዝነትን: ኣብቲ ህዝቢ የሆዋ ነቶም ዚሰምዑ ዘበሉ ብምሉኦም ሓቂ ኺእውጁሎም ከለዉ ብቕንኣት ዘርእይዎ ንጥፈታት ይንጸባረቕ እዩ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ምስፋሕ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር ሕትመት

1920:- መጽሔታት ብናይ መጀመርታ ዙረታዊ ማሕተም ኣብ 35 መርትል ኣቨንዩ: ብሩክሊን ተሓትመ።

1922:- እቲ ቤት ማሕተም ናብቲ ኣብ 18 ኮንኮርድ ስትሪት ዚርከብ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ገዓዘ። መጻሕፍቲ ኺሕተም ጀመረ።

1927:- እቲ ቤት ማሕተም ናብቲ ኣብ 117 ኣዳምስ ስትሪት ዚርከብ ሓድሽ ህንጻ ገዓዘ።

1949:- ሸሞንተ ደርቢ ዘለዎ ተወሳኺ ህንጻ: ነቲ ቤት ማሕተም ብዕጽፊ ወሰኾ።

1956:- ኣብቲ 77 ሳንድስ ስትሪት ሓድሽ ህንጻ ምስ ተሃንጸ: እቲ ቤት ማሕተም ኣዳምስ ስትሪት ብዕጽፊ ወሰኸ።

1967:- ትሽዓተ ደርቢ ህንጻ ምስ ተሃንጸ: እቲ ብሓንሳእ እተተሓሓዘ ቤት ማሕተም ካብቲ ፈለማ ዝነበረ ህንጻ ብዓሰርተ ዕጽፊ ኸም ዚሰፍሕ ገበሮ።

1973:- ካልኣይ ቤት ማሕተም ኣብ ዎልኪል ተሃንጸ: እዚ ኸኣ ንመጽሔታት ተባሂሉ እዩ።

2004:- ኵሉ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር መስርሕ ሕትመትን ጥረዛን ምልኣኽን ኣብ ዎልኪል ተጠቓለለ።