ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት

እዚ ኣርእስቲ እታ ብ2004/05 ኣብ እተገብረ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዝወጸት ንእሽቶ መጽሓፍ እዩ። ሓደ ዓይነት ሕታም እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ 96 ገጻት ዘለዎ ዀይኑ: ካብ ሃንጋሪኛ ኽሳዕ ፖርቱጋልኛ ዚርከቦ ብ92 ቋንቋታት እተዳለወ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ኽትሕግዝ ተባሂላ ኸኣ እያ ተዳልያ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮታት በዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ምጥቃም እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ዜርኢ እዩ።

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ስድራቤት ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ምስ ተቐበሉ: ናብ ሰለስተ ህዝባዊ መናፈሻታት ከዱ። ኣብኡ ድማ ካብ ህንዲ: ነዘርላንድስ: ፊሊፒንስ: ከምኡውን ፓኪስታን ዝመጹ ሰባት ረኸቡ። እቲ ሰብኣይ: “እቶም ሰባት እቲኣቶም ቍሩብ እንግሊዝኛ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ መልእኽቲ ብቛንቋኦም ምስ ኣርኣናዮም ኣዝዮም ተደነቑ። ከመይሲ: ካብ ዓዶም በሽሓት ኪሎ ሜተራት እዮም ርሒቖም ነይሮም። እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮናን ሓድነትናን ንጹር ኰነሎም” በለ።

• ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ኻብ ህንዲ ዝመጸ መሳርሕታ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣርኣየቶ። እታ ጽሕፍቲ ብዙሕ ቋንቋታት ብምሓዛ ተደነቐ: ነቲ መልእኽቲ ብቛንቋኡ ምንባቡ ድማ ኣሓጐሶ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምምይጥ ተጀመረ። ሓንቲ ኻብ ፊሊፒንስ ዝመጸት ካልእ መሳርሕታ: ነቲ እተወልደትሉ ቛንቋ ኣብታ ንእሽቶ መጽሓፍ ብምርካባ ኣዝያ ተገረመት። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ንምፍላጥ ድማ ባህጊ ሓደራ።

• ኣብ ካናዳ ሓንቲ ኻብ ነፖል ዝመጸት ሰበይቲ ምስ ሓንቲ ሓብቲ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። ኰይኑ ግን: እታ ሓብቲ ናብ ገዛኣ ኽትመጻ ኣይደለየትን። እታ ሓብቲ ብዛዕባ እታ ብነፖልኛ መልእኽቲ ዝሓዘት ንእሽቶ መጽሓፍ ምስ ነገረታ ግን: ናብ ገዛኣ ንኽትመጽእ ነታ ሓብቲ ዓደመታ። ነቲ ብቛንቋ ኣዴኣ እተጻሕፈ መልእኽቲ ባዕላ ኽትርእዮ ደለየት። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገዛኣ ይግበር ኣሎ።