ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፈጣርየይ ምግልጋል ንክቕጽል ቈሪጸ እየ

ንፈጣርየይ ምግልጋል ንክቕጽል ቈሪጸ እየ

ታሪኽ ህይወት

ንፈጣርየይ ምግልጋል ንክቕጽል ቈሪጸ እየ

ኮንስታንስ ቤናንቲ ዘዘንተወቶ

ኵሉ ነገራት ብቕልጡፍ እዩ ተፈጺሙ። እታ ዓመትን 10 ወርሕን ዝዀና ካሚል እትበሃል ጓልና ብሰንኪ ኸቢድ ረስኒ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ሞተት። ካብ ኣመና ሓዘን ኣነውን ሞት ተመነኹ። ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ እዚ ኪኸውን ዝፈቐደ፧ ፈጺሙ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን።

ወለደይ ኣብ ሲስሊ: ኢጣልያ ኻብ እትርከብ ካስቴላማሬ ዴል ጎልፎ እትበሃል ከተማ ናብ ከተማ ኒው ዮርክ እተሰዱ እዮም ነይሮም። ኣነ ድማ ኣብ 8 ሕዳር 1908 ኣብ ኒው ዮርክ ተወለድኩ። ስድራቤትና ኣቦይን ኣደይን ሸሞንተ ቘልዑ: ማለት ሓሙሽተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን እተጠቓልል እያ። a

ብ1927 ሳንቶ ካታንዛሮ ዚበሃል ኣቦይ ምስቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከብ ጀመረ። ጆቫኒ ዴ ቸካ ዚበሃል ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዚርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት (ቤትኤል ዚበሃል) ዜገልግል ኢጣልያዊ ሓው: ኣብቲ ጥቃ ኒው ጀርሲ ዚርከብ እንነብረሉ ቦታ ኣኼባ ይመርሕ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ኣቦይ ኪሰብኽ ጀመረ: ብ1953 ክሳዕ ዚመውት ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ነበረ።

ኣደይ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድንግል ክትከውን ትደሊ እኳ እንተ ነበረት: ወለዳ ግን ኣይፈቐዱላን። ኣብ መጀመርታ ምስ ኣቦይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይካፈል ጽልዋ ኣሕዲራትለይ ነበረት። ጸኒሑ ግን ኣቦይ ለውጢ ኸም ዝገበረ ኣስተብሃልኩ። ዝያዳ ህዱእን ልዙብን ብምዃኑ ስድራቤትና ሰላም ረኸበት። እዚ ድማ ባህ ኣበለኒ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ምስ ሓደ ኣብ ብሩክሊን እተወልደ ቻርለስ ዚበሃል ብዕድመ መሰታይ ተፋለጥኩ። ስድራቤቱ ልክዕ ከም ስድራቤተይ ካብ ሲስሊ እዮም መጺኦም። ቍሩብ ጸኒሕና ተሓጸና: ኣቦይ ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓብዪ ኣኼባ ተኻፊሉ ምስ ተመልሰ ኸኣ ተመርዓና። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካሚል ጓልና ተወልደት። ንሳ ምስ ሞተት ድማ ልበይ ብሓዘን ተደቝሰ። ሓደ መዓልቲ ቻርለስ እናበኸየ “ካሚል እኮ ኸምቲ ንዓኺ ንዓይውን ጓለይ እያ ነይራ። ስለምንታይ ግን ንሓድሕድና እናተጸናናዕና: ናብራና ዘይንቕጽል፧” በለኒ።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተቐበልና

ቻርለስ ኣብቲ ኣቦይ ኣብ ቀብሪ ካሚል ዝሃቦ መደረ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዝጠቐሰ ኣዘኻኸረኒ። “ንስኻኸ ኣብ ትንሳኤ ትኣምን ዲኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ።

“እወ: እኣምን እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ስለምንታይ ዘይንምርምር፧” በለኒ።

ሽዑ ምሸት ከይደቀስኩ ሓደርኩ። ንጽብሒቱ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ኣቦይ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻዱ: ናብኡ ኸይደ ኣነን ቻርለስን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም እንደሊ ነገርክዎ። ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ ሕቝፍ ኣበለኒ። ኣደይ ኣብ ዓራት ከላ ሰምዓትና። እንታይ ከም ዝዀነ ምስ ሓተተትኒ: “ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን። ኣነን ቻርለስን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ወሲንና” በልኩዋ።

ንሳ ኸኣ “ኵላትና ኢና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ዘሎና” በለት። ስለዚ: ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ሓዊስካ 11 ኣባላት ስድራቤትና ሓቢርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀመርና።

እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እዩ ኣጸናኒዑኒ: ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ዘይርድኣንን ዜጕህየንን ዝነበረ ነገራት ብተስፋ ተተክአ። ድሕሪ ዓመት ማለት ብ1935 ኣነን ቻርለስን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንሰባት ከነካፍል ጀመርና። ኣብ ለካቲት 1937 ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት: ብማይ ምጥማቕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዜብርህ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረ ምስ ሰማዕና: ምስ ብዙሓት ካልኦት ኴንና ኣብ ጥቓና ኣብ ዚርከብ ሆቴል ተጠመቕና። ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰድኩ ንጓለይ እንደገና ኽርእያ ስለ ዝደሊ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ኣጸቢቐ እናፈለጥክዎን እናፈተኽዎን ዝኸድኩ ፈጣሪና ኸገልግል ባህጊ ስለ ዝሓደረኒ እዩ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር

ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎም ኣብ ምስባኽ ይካፈሉ ስለ ዝነበሩ: ብዛዕባ እቲ ዝፈለጥክዎ ነገራት ንኻልኦት ብምንጋር ሓጐስን ዓስብን ረኸብኩ። (ማቴዎስ 9:37) ብ1941 ኣነን ቻርለስን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ማለት ፓይነራት ኰንና። ብዙሕ ከይጸንሐ ተጐታቲት ዘለዋ ማኪና ዓደግና: ቻርለስ ድማ ነቲ ስረ ዚስፈየሉ ናይ ቤተሰብና ፋብሪካ ኣብ ኢድ ፍራንክ ሓወይ ገደፎ። ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸም እተመዘዝና ዚገልጽ ደብዳበ ምስ በጽሓና ኣዚና ተሓጐስና። መጀመርያ ኣብ ኒው ጀርሲ: ደሓር ድማ ኣብ ኒው ዮርክ ኣገልገልና።

ብ1946 ኣብ ባልቲሞር ሜሪላንድ ኣብ እተገብረ ኣኼባ: ምስ ፍሉያት ተወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ኣኼባ ንኽንርከብ ተነግረና። ኣብቲ ኣኼባ ድማ ናታን ኤች. ኖርን ሚልተን ጂ. ሄንሸልን ነበሩ። ብዛዕባ ዕዮ ሚስዮናዊነት: ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ዕዮ ስብከት ኣዘራረቡና። ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንሳተፍ ንደሊ እንተ ዄንና ኸኣ ሓተቱና።

“ሕሰቡሉ እሞ ኻብኡ መልስኹም ትነግሩና” በሉና። ካብቲ ኽፍሊ ምስ ወጻእና: ምስ ቻርለስ ተረኣኣና እሞ ተመሊስና ኣተና። “ሓሲብናሉ: ንጊልዓድ ድሉዋት ኢና” በልናዮም። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኣብ መበል ሻውዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንሳተፍ ጀመርና።

እቲ ሽዑ ኣብ ስልጠና ዘሕለፍናዮ ኣዋርሕ ፈጺሙ ዘይርሳዕ እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዘደነቐና ነገር እቲ እቶም መምህራን ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜጋጥመና ጸገማት ኬዳልዉና ኸለዉ ዜርእይዎ ዓቕልን ፍቅርን እዩ። ኣብ ሓምለ 1946 ምስ ተመረቕና ኣብታ ብዙሓት ካብ ኢጣልያ ዝመጹ ሰባት ዚርከብዋ ኸተማ ኒው ዮርክ ንእተወሰነ እዋን ክንሰብኽ ተመደብና። ካብኡ እታ ዓባይ መዓልቲ መጸት። ኣብ 25 ሰነ 1947 ናብታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገረ ኢጣልያ ኸድና።

ምስ ኵነታት እቲ እተመደብናሉ ሃገር ምልማድ

ብሓንቲ ንወተሃደራዊ ዕላማ እተገልግል ዝነበረት መርከብ ተጓዓዝና። ን14 መዓልቲ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኢጣልያ ናብ እትርከብ ወደብ ጀንዋ በጻሕና። እቲ ኽልተ ዓመት ኣቐዲሙ እተዛዘመ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ነታ ኸተማ በሰላ ገዲፉላ ነበረ። ንኣብነት: ኵሉ መስትያት እቲ መደበር ባቡር ብሰንኪ ደብዳብ ረጊፉ ነበረ። ካብ ጀንዋ ናብታ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መንበሪ ሚስዮናውያን ዚርከባ ሚላን ብናይ ጽዕነት ባቡር ተጐዓዝና።

ኣብ ኢጣልያ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ መነባብሮ ኣዝዩ ትሑት ነበረ። ዳግም ንምህናጽ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተ ነበረ: ድኽነት ግን ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ነዊሕ ከይጸናሕና ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠመኒ። ሓደ ዶክተር ሕማም ልቢ ስለ ዝሓመምኩ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንተ ተመለስኩ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ነገረኒ። ከምቲ ንሱ ዝገመቶ ስለ ዘይኰነ ግን ሕጕስቲ እየ። ከመይሲ: ድሕሪ 58 ዓመት ኣብታ እተመደብኩላ ሃገረ ኢጣልያ እየ ዘለኹ።

ኣብ ኢጣልያ ሒደት ዓመታት ምስ ጸናሕና ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኣሕዋተይ ማኪና ኺዕድጉልና ደለዩ። ኰይኑ ግን: ቻርለስ ነዚ ኣይተቐበሎን ኣነውን ነዚ ውሳኔኡ አድንቖ እየ። ንሕና ኸም እንፈልጦ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኢጣልያ ማኪና ዝነበሮ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ስለዚ: ቻርለስ መነባብሮና ምስቶም ክርስትያን ኣሕዋትና ማዕረ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተሰምዖ። ብ1961 ሓንቲ ንእሽቶ ማኪና ኽሳዕ እነጥሪ ማኪና ኣይነበረናን።

ኣብ ሚላን መጀመርያ እንእከበሉ ዝነበርና ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ቤት ኰይኑ እቲ ባይታ ድማ ሓመድ ነበረ። ሽቓቕ ኣይነበሮን ከምኡውን ብጀካ እቲ ኺሃርም ከሎ ዚኣቱ ማይ: እቲ ኣደራሽና ማይ ኣይነበሮን። ንኣሽቱ ኣናጹ እውን ናብዝን ናብትን እናተጓየያ ምሳና ኣብቲ ኣኼባ ይካፈላ ነበራ። ክልተ ኣምፑል ድማ ብርሃን ይህባና ነበራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት እኳ እንተ ነበረ: ቅኑዓት ሰባት ናብቲ ኣኼባ ኺመጹን ጸኒሖም ድማ ኣብ ኣገልግሎት ኪሓብሩናን ከለዉ ምርኣይ ብዙሕ የጸናንዓና ነበረ።

ሚስዮናውያን ኴንና ዝረኸብናዮ ተመክሮታት

ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ሰብኣይ ፒስካን ኢት ላስት፧ ዘርእስታ ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣበርከትናሉ። ኣብ ምኻድና ሳንቲና እትበሃል ሰበይቱ ኣስቤዛ ተሰኪማ መጸት። ቍሩብ ሕርቕ ብምባል: ነተን ሸሞንተ ውሉዳታ ኽትከናኸን ስለ ዘለዋ ንዓና ዚኸውን ግዜ ኸም ዘይብላ ነገረትና። ተመሊሰ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ሰብኣያ ኣብ ገዛ ኣይነበረን ንሳ ድማ ብኢዳ ጐልፎ ትኣልም ነበረት። “ንኽሰምዓኪ ግዜ የብለይን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ምንባብ ኣይክእልን እየ” በለትኒ።

ብልበይ ናብ የሆዋ ጸለኹ እሞ ገንዘብ ከፊለ ንሰብኣየይ ጐልፎ ኽትሰርሓሉ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተትክዋ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ነቲ ጐልፎ ሰርሓትለይ: በታ “ዘ ትሩዝ ሻል ሜክ ዩ ፍሪ” ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ሳንቲና ምንባብ ተማህረት: ዋላኳ ሰብኣያ ይጻረራ: ዕቤት ገይራ ተጠምቀት። ካብ ደቃ እተን ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና: ሳንቲና ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኪቕበሉ ንብዙሓት ሰባት ሓጊዛ እያ።

ኣብ መጋቢት 1951 ሩት ካነንን b ደሓር ንቢል ወንገርት እተመርዓወት ሎይስ ካለሃን ምስ ዚበሃላ ሚስዮናውያን ኴንና ኣብታ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይርከባ ብረሻ እትበሃል ከተማ ኸነገልግል ተመደብና። ኣቕሑ ዘለዎ ኣፓርታማ ተኻረና: ኰይኑ ግን ድሕሪ ኽልተ ወርሒ እቲ ኣካራዪ ገዛ ብ24 ሰዓት ካብቲ ገዛ ኽንወጽእ ነገረና። ኣብቲ ኸባቢ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዘይነበረ: ናብ እንኸዶ ኣይነበረናን። ስለዚ: ዳርጋ ኽልተ ወርሒ ዚኸውን ኣብ ሆቴል ተቐመጥና።

መዓልታዊ ምግብና ቡንን ሕብስትን እተወሰነ ፎርማጆን ፍረታትን ጥራይ ነበረ። ዋላኳ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ይሃልወና: ብዙሕ በረኸት ረኺብና ኢና። ጸኒሕና ንእሽቶ ኣፓርትማ ረኸብና። ብ1952 ኣብ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ: ኣብታ ኸም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጌርና እንጥቀመላ ዝነበርና ንእሽቶ ኽፍሊ 35 ሰባት ተኣከቡ።

ንኣጸጋሚ ዅነታት ምስጋሩ

ኣብቲ እዋን እቲ ኻህናት ኣብቶም ህዝቢ ሓያል ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ ነበሩ። ንኣብነት: ኣብ ብረሻ ኽንሰብኽ ከለና: ሓደ ኻህን ንገለ ንኣሽቱ ኣወዳት ኣእማን ኪድርብዩልና ኣተባበዖም። ይኹን እምበር: ድሕሪ ግዜ 16 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ሓደ ኻብዚኣቶም ድማ ሓደ ኻብቶም ኣእማን ኪድርብዩልና ድንዕ ድንዕ ዝበሉ ኣወዳት ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓንቲ ኣብ ብረሻ እትርከብ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ኣብ 1955 ካብ ብረሻ ኽንግዕዝ ከለና 40 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ነበሩ።

ድሕሪኡ ኣብ ሌግሆርን (ሊቮርኖ) ንሰለስተ ዓመት ኣገልገልና። ካብቶም ኣብኡ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መብዛሕትና ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝነበርና: እቲ ነወዳት ዚወሃብ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንዓና ይወሃበና ነበረ። ቀጺልና ናብታ ቕድሚ 11 ዓመት ዕዮና ዝጀመርናላ ጀንዋ ኸድና። ሽዑ ሓንቲ ጉባኤ ቘይማ ነበረት። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ እቲ እንነብረሉ ዝነበርና ኣፓርትማ ነበረ።

ኣብ ጀንዋ ንሓንቲ ሰብኣያ ተጓሳጣይ ዝነበረን ኣብ ሓደ ናይ መኸተ ጕስጢ መለማመዲ ጂምናዝዩም ድማ ኣካያዲ ስራሕ ዝዀነን ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓላ ጀመርኩ። እታ ሰበይቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገይራ ክርስትያን ሓብቲ ዀነት። ይኹን እምበር: ሰብኣያ ንነዊሕ ዓመታት ተጻረራ። ካብኡ ግን ምስ ሰበይቱ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ ከይኣተወ ኣብ ደገ ኾፍ ኢሉ እዩ ዚሰምዕ ነይሩ። ካብ ጀንዋ ምስ ተቐየርና ግን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ኸም ዝሓተተ ሰማዕና። ጸኒሑ ተጠሚቑ ፈቃር ክርስትያን ሽማግለ ዀነ። ክሳዕ ዚመውት ድማ እሙን ኰይኑ ቐጸለ።

ምስ ሓንቲ ንሓደ ፖሊስ እተሓጽየት ሰበይቲ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመርኩ። መጀመርያ እቲ ሰብኣይ እውን ተገዳስነት ኣርእዩ እኳ እንተ ነበረ: ድሕሪ መርዓ ግን ኣረኣእያኡ ተቐየረ። ነታ ሰበይቱ ኺጻረራ ስለ ዝጀመረ ድማ መጽናዕቲ ምግባር ኣቋረጸት። ደሓር ግን እንደገና መጽናዕቲ ምግባር ጀመረት። ሰብኣያ ኸኣ መጽናዕቲ ኽንገብር እንተ ረኺብና: ንኽልቴና ኸም ዚቐትለና ጠለቐላ። ንሳ ግን መንፈሳዊ ዕቤት ገይራ እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ንሱ እውን ከምቲ ዝበሎ ኣይቀተለናን። እኳ ደኣስ ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ጀንዋ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ሓደ ሰብ ብድሕረይ መጺኡ ኣዒንተይ ብምዕማት መን ምዃኑ ኽግምት ሓተተኒ። ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣኹ ንብዓተይ ክዓግቶ ኣይከኣልኩን። ሓቝፉ ድማ ርእሱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ከም ዘርኣየ ነገረኒ።

ካብ 1964 ክሳዕ 1972 ቻርለስ ንጉባኤታት ብመንፈሳዊ ንምብርታዕ ኪበጽሐን ከሎ ኣነውን ምስኡ እኸይድ ነበርኩ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ደቡብ ኢጣልያ: ማለት ኣብ ፒድሞት: ሎምባርዲ: ከምኡውን ሊጉሪያ ኣገልጊልና ኢና። ካብኡ ኣብ ጥቓ ፍሎረንስ: ደሓር ድማ ኣብ ቨርቸሊ ፓይነራት ኰይና ኣገልገልና። ብ1977 ኣብ ቨርቸሊ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ነይራ: ብ1999 ካብኡ ኽንግዕዝ ከለና ግን ሰለስተ ጉባኤታት ኰይነን ነበራ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ዕድመይ 91 ስለ ዝመልአ: ኣብ ሮማ ዚርከብ ጽቡቕን ሰላማውን ዝዀነ መንበሪ ሚስዮናውያን ክንነብር ጀመርና።

ካልእ ዜሕዝን ኣጋጣሚ

ኣብ መጋቢት 2002 እቲ ወትሩ ጽቡቕ ጥዕና ዝነበሮ ቻርለስ ሃንደበት ሓመመ። ብ11 ግንቦት 2002 ክሳዕ ዚመውት ጥዕናኡ ኣይተመልሰሉን። ነቲ ዝሓለፈ 71 ዓመት: ዜሕዝን ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ሓቢርና በኺና: በረኸት ክንረክብ ከለና ድማ ሓቢርና ተሓጕስና ኢና ኣሕሊፍናዮ። ሞቱ ኽቱር ሓዘን ኣስዓበለይ።

መብዛሕትኡ እዋን ቻርለስ ባድላ ተኸዲኑ ባርኔጣ ገይሩ እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዚርኣየኒ። ፍሽኽታኡ ይርኣየኒ: ወይ ድማ ስሓቑ ይስምዓኒ። ብሓገዝ የሆዋን ሳላ እቲ ክርስትያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዘርኣዩኒ ፍቕርን ግን ነዚ ዜሕዝን እዋን እዚ ኽሰግሮ ኸኣልኩ። ነቲ ንቻርለስ እንደገና ዝርእየሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።

ኣገልግሎተይ ምቕጻል

ንፈጣርየይ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ ካብ ዝገበርክዎ ዅሉ እቲ ዝበለጸ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት የሆዋ ‘ሰናይ ምዃኑ ጥዒመን ርእየን እየ።’ (መዝሙር 34:8) ፍቕሩን ሓልዮቱን እውን ርእየ እየ። ዋላኳ ጓለይ እንተ ሞተትኒ: የሆዋ ግን ኣብ መላእ ኢጣልያ ዚርከቡ መንፈሳውያን ኣወዳትን ኣዋልድን ሂቡኒ እዩ። ንሳቶምውን ንልበይን ንልቢ የሆዋን ኣሐጒሶምዎ እዮም።

ንኻልኦት ብዛዕባ ፈጣሪየይ ምንጋር ወትሩ ዚፈትዎ ነገር እዩ። ነዚ እየ ኸኣ ንሰባት ምስባኽን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ዘየቋረጽኩ። ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ጥዕና ምስኣነይ ዝበለጸ ኽገብር ብዘይምኽኣለይ ይስምዓኒ እዩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ዓቕመይ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥን ከም ዚፈትወንን ነቲ ዝገብሮ ድማ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን እፈልጥ እየ። (ማርቆስ 12:42) ከምተን ኣብ መዝሙር 146:2 ዚርከባ: ኣነውን “ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ: ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።” c

[እግረ-ጽሑፋት]

a ታሪኽ ህይወት ኣንጄሎ ካታንዛሮ ዚበሃል ሓወይ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1975 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 205-7 ይርከብ።

b ታሪኽ ህይወታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1971 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 277-80 ይርከብ።

c ብ16 ሓምለ 2005 እዛ መጽሔት ክትዳሎ ኸላ ሓብትና ቤናንቲ ኣብ 96 ዕድሚኣ ዓሪፋ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካሚል

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብ1931 ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

እታ ኣብ መጀመርታ ተገዳስነት ዘይነበራ ኣደይ: ደሓር ኵላትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም ዘሎና ተሰማምዐት

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ኣብ እተገብረ ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ ምስ ሓው ኖር እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣጋ ሙማቱ ምስ ቻርለስ እተሰኣልናዮ