ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርማጌዶን መወዳእታ ዓለም ድዩ፧

ኣርማጌዶን መወዳእታ ዓለም ድዩ፧

ኣርማጌዶን መወዳእታ ዓለም ድዩ፧

ኣርማጌዶን! እዛ ቓል እዚኣ ጃምላዊ ጥፍኣት ወይ ከኣ ባርዕ ቆዝሞስ ድያ ኣብ ኣእምሮኻ እትስእለልካ፧ ኣብ ሓያሎ ቦታታት: ሰባት ነዛ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መዓልታዊ ዚዘራረቡለን ካልኦት ቃላት ብብዝሒ ዚጥቀሙላ እያ። እዛ ቓል እዚኣ ነቲ ደቅሰብ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞም ዜሕዝን ነገራት ንምግላጽ ብሰፊሑ እያ እትዝውተር። እቲ ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ድማ ብዛዕባ ዚመጽእ “ኣርማጌዶን” ብዚምልከት ነእምሮ ሰባት ብዜርዕድ ምርኢታት ይመልኦ ኣሎ። እዛ ቓል ብምስጢራትን ብጌጋ ኣምራትን ተዓቢጣ እያ ዘላ። ዋላኳ ብዛዕባ ትርጕም ኣርማጌዶን ብዙሕ እንተ ተባህለ: እቲ ዚወሃብ ግምት ግን ምስቲ ምንጪ እዛ ቓል እዚኣ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣርማጌዶን ምስ ‘መወዳእታ ዓለም’ ዜተሓሕዛ ኻብ ኰነ: ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ንጹር ምርዳእ ኪህልወና ኣድላዪ ዀይኑዶ ኣይስምዓካን፧ (ማቴዎስ 24:3) ንኣርማጌዶን ብዚምልከት መልሲ ንምርካብ: ንዓኻን ንስድራቤትካን ድማ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ናብቲ ቐንዲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ምጽጋዕ ርትዓዊ ደይኰነን፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ምግባርካ: ኣርማጌዶን መወዳእታ ዓለም ዘይኰነስ: ነቶም ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኪነብሩ ዚደልዩ ሰባት ዜሐጕስ መጀመርታ ዜበስር ምዃኑ ኽትርዳእ ኢኻ። ነቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ዘሎ ናይ ሓቂ ትርጕም ኣርማጌዶን ምምርማርካ: ብዛዕባ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንጹር ምርዳእ ንኽትረክብ ኬኽእለካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንስኻኸ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ ምበልካ፧

• ኑክሌራዊ ህልቂት

• ኣከባብያዊ ዕንወት

• ምድሪ ምስቶም ኣብ ጠፈር ዚርከቡ ኣካላት እትገብሮ ምርጻም

• ኣምላኽ ነቶም እኩያት ዜጥፍኣሉ ግዜ