ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ

ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ

ኣርማጌዶን ዜሐጕስ መጀመርታ

እዛ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ካብታ “ሃር-ማጌዶን” እትብል “ከረን መጊዶ” ዝትርጕማ ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት እያ። ኣብታ “ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም” እትብል ራእይ 16:16 ድማ ትርከብ። እቶም ናብ ኣርማጌዶን እተኣከቡ መን እዮም፧ ስለምንታይከ እዮም ተኣኪቦም፧ ክልተ ቝጽርታት ልዕል ኢልና ኣብ ራእይ 16:14: “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ከም እተኣከቡ ነንብብ። እዚ ሓሳብ እዚ እውን ንባዕሉ ኣገዳሲ ሕቶታት ከም ዚለዓል ዚገብር እዩ። እዞም “ነገስታት” እዚኣቶም ኣበይ ኰይኖም እዮም ዚዋግኡ፧ እቲ ዜዋግኦም ጕዳይ እንታይ እዩ፧ ምስ መንከ እዮም ዚዋግኡ፧ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚብልዎ ጃምላዊ ጥፍኣት ዜምጽእ ኣጽዋር ኪጥቀሙ ድዮም፧ ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑኸ ኺህልዉ ድዮም፧ እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ መልሲ ይሃበና።

ኣብቲ ጥቕሲ “ኸረን መጊዶ” ዚብል ሓሳብ ምህላዉ: ኣርማጌዶን ኣብ ሓደ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ ውሱን ቦታ እዩ ኪኸውን ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ: ከምዚ ዝበለ ኸረን ብሓቂ የልቦን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ጥንታዊት መጊዶ ዝነበረትሉ ቦታ 20 ሜተር ዝምብራኹ ዅርባ ጥራይ እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ኣብ ከባቢ መጊዶ ዚርከብ ቦታ ንዅሎም “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ኪሕዝ ኣይክእልን እዩ። (ራእይ 19:19) ይኹን እምበር: መጊዶ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ምብራቕ እተገብረ ውግኣት ጭከና ዝመልኦን ኣዝዩ ወሳንን ውግኣት እተገብረላ ቦታ እያ ነይራ። ስለዚ: እታ ኣርማጌዶን እትብል ቃል ንሓደ ብሓቂ ወሳንን ሓደ ተዓዋቲ ጥራይ ዚህልወሉን ውግእ ከተመልክት ትኽእል እያ።—ነታ ኣብ ገጽ 5 እትርከብ “መጊዶ-ብቕዕቲ ምሳሌ” እትብል ሳጹን ርአ።

ኣርማጌዶን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መራሕቲ ጥራይ ዚግበር ውግእ ኣይኰነን፣ ከመይሲ: ራእይ 16:14 ከም እትሕብሮ “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ብሓደ ኸም ዚሓብሩ እያ እትነግረና። ኤርምያስ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢቱ: “ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ” ምዃኖም ተዛረበ። (ኤርምያስ 25:33) ስለዚ: ኣርማጌዶን ኣብ ሓደ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ ውሱን ቦታ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ዚግበር ውግእ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ናይ የሆዋ ውግእ ኰይኑ ንመላእ ዓለም ዜጠቓልል እዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ ራእይ 16:16 ኣርማጌዶን “ቦታ” ምዃኑ ተጠቒሱ ምህላዉ ኣስተብህል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: “ቦታ” ዚብል ቃል ንሓደ ዅነታት ኬመልክት ይኽእል እዩ። ስለዚ: “ቦታ” ኺብል ከሎ መላእ ዓለም ንየሆዋ ኣብ ምቅዋም ከም ዚሓብሩ ዜርኢ እዩ። (ራእይ 12:6, 14) ኣብ ግዜ ኣርማጌዶን: ኣህዛብ ኣንጻር እቶም በቲ “ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትውን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚእዘዙ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት” ኪሓብሩ እዮም።—ራእይ 19:14, 16

ኣርማጌዶን ጃምላዊ ጥፍኣት ብዜምጽእ ኣጽዋር ዚግበር ህልቂት ወይ ምስ ናይ ጠፈር ኣካላት ዜጋጥም ምርጻም ድዩ፧ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገር ንደቅሰብን ነታ መንበሪቶም ዝዀነት ምድርን ኪወርዶም ከሎ ስቕ ኢሉ ዚርኢዶ ይመስለካ፧ ኣይፋልን። ንምድሪ “ጥራያ ኽትከውን” ዘይኰነስ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” እዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:18፣ መዝሙር 96:10) ብግዜ ኣርማጌዶን: የሆዋ ነዛ ዓለምና ብሓዊ ኣይኬጥፍኣን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” እዩ ዜጥፍኦም።—ራእይ 11:18

ኣርማጌዶን መዓስ እያ እትመጽእ፧

እታ ንዘመናት ዚኣክል ብተደጋጋምን መዓልቦ ዘይብሉ ግምታትን ዚወሃባ ዝነበረት ሕቶ: ‘ኣርማጌዶን መዓስ እያ እትመጽእ፧’ እትብል እያ። ንመጽሓፍ ራእይ ብኻልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ምምርማርና: እዚ ወሳኒ ውግእ ኣበየናይ ከባቢ እዋን ከም ዚፍጸም ንምፍላጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ራእይ 16:15 ንኣርማጌዶን ምስቲ የሱስ ከም ሰራቒ ዀይኑ ዚመጸሉ ዅነታት እያ እተተሓሕዞ። የሱስ እውን ኣብ ልዕሊ እዚ ኣገባብ እዚ ፍርዲ ንምውራድ ንዚመጸሉ ዅነታት ንምግላጽ ተመሳሳሊ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ።—ማቴዎስ 24:43, 44፣ 1 ተሰሎንቄ 5:2

ፍጻመታት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ካብ 1914 ኣትሒዝና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኣገባብ እዚ ኢና እንነብር ዘሎና። a ኣብ መወዳእታ ኽፋል እተን ዳሕሮት መዓልትታት: እቲ የሱስ “መከራ” ኢሉ ዝጸውዖ ግዜ ኺመጽእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ግዜ እቲ ኽንደይ ከም ዚወስድ ኣይነግረናን እዩ፣ እቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ መዓት ግን ኣብ ዓለም ካብ እተራእየ መዓት እቲ ዝኸፍአ እዩ ኪኸውን። እቲ ዓብዪ መከራ ብኣርማጌዶን ኪዛዘም እዩ።—ማቴዎስ 24:21, 29

ሰባት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ናብ ካልእ እዋን ኬመሓላልፍዋ ኣይክእሉን እዮም፣ ከመይሲ ‘ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ውግእ’ እያ። የሆዋ እቲ ውግእ ዚጅምረሉ “ምዱብ ጊዜ” ቘጺሩ ኣሎ፣ “ኣይኪድንጕን ድማ እዩ።”—ኣንባቆም 2:3

እቲ ኣምላኽ ጽድቂ: ፍትሓዊ ዝዀነ ውግእ የካይድ

ኣምላኽ ዓለምለኻዊ ውግእ ኪገብር ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ ኣርማጌዶን ምስታ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ ዝዀነት ፍትሒ እትተሓሓዝ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሔር ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ” ይብል። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990adj.) ንዅሉ እቲ ኣብ ታሪኽ ሰባት እተፈጸመ ምጕዳል ፍትሒ ርእይዎ እዩ። እዚ ድማ ብርግጽ ነቲ ጽድቃዊ ቝጥዓኡ ዜለዓዕል እዩ። ስለዚ: ንብምሉኡ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንምድምሳስ ፍትሓዊ ዝዀነ ውግእ ኬካይድ ወሰነ: ነዚ ንምግባር ድማ ንወዱ ሸሞ።

የሆዋ ጥራይ እዩ ፍትሓውን መምዩ ዜጥፍእን ውግእ ኪገብር ዚኽእል፣ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ኼዕቍቦም ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 24:40, 41፣ ራእይ 7:9, 10, 13, 14) ብተወሳኺውን: ንምድሪ ንሱ ስለ ዝፈጠራ: ንሱ ጥራይ እዩ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺገዝእ መሰል ዘለዎ።—ራእይ 4:11

የሆዋ ኣንጻር እቶም ጸላእቱ እንታይ ዓይነት ሓይሊ እዩ ኺጥቀም፧ ብዛዕባ እዚ እንፈልጦ ነገር የብልናን። ነቶም እኩያት ኣህዛብ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምጥፋእ እኹል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና። (እዮብ 38:22, 23፣ ጸፎንያስ 1:15-18) ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኣምለኽቱ ኣብቲ ውግእ ኣይኪሳተፉን እዮም። ራእይ ምዕራፍ 19 ኸም እትሕብረና: እቶም ኣብቲ ውግእ ዚሳተፉ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊትን ጥራይ እዮም። ዋላ ሓደ ኻብቶም ክርስትያናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብዚ ውግእ እዚ ኣይኪሳተፍን እዩ።—2 ዜና መዋእል 20:15, 17

እቲ ብዓል ጥበብ ዝዀነ ኣምላኽ እኹል መጠንቀቕታ ይህብ

ብዛዕባ እቶም ዚድሕኑኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ መቸም ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍእ ዚደሊ ሰብ የልቦን። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ምዃኑ ገለጸ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ ሓበረ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4

የሆዋ ነዚ ፍቓዱ እዚ ንምፍጻም: እቲ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ብዘላ ምድሪ በማእታት ቋንቋታት ከም ዚስበኽ ይገብር ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዚነብሩ ሰባት ካብዚ ጥፍኣት እዚ ንኺድሕኑ ኣጋጣሚ ይወሃቦም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14፣ መዝሙር 37:34፣ ፊልጲ 2:12) እቶም ነቲ ወንጌል መንግስቲ ብፍታው ዚቕበሉ ሰባት ካብ ኣርማጌዶን ኪድሕኑን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ፍጹማን ኰይኖም ኪነብሩን ይኽእሉ እዮም። (ህዝቅኤል 18:23, 32፣ ጸፎንያስ 2:3፣ ሮሜ 10:13) ሓደ ሰብ ካብቲ ፍቕሪ እዩ እተባህለ ኣምላኽ ከምዚ ዝዓይነቱ ነገር ደይኰነን ዚጽበ፧—1 ዮሃንስ 4:8

እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ኪዋጋእ ይኽእል ድዩ፧

ይኹን እምበር: ሓድሓደ ሰባት እቲ ፍቕሪ እዩ እተባህለ ኣምላኽ ስለምንታይ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ከም ዜውርድ ኣይርድኦምን እዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ሓደ ብባልዕ እተወረረ ገዛ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ጥንቁቕ ዝዀነ ብዓል ገዛ: ንጥዕናን ደሓንን ስድራቤቱ ንምሕላው ኢሉ ነዞም ባልዕ እንተ ዜጥፍኦም ኣይምተሰማማዕካንዶ፧

ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንደቅሰብ ስለ ዜፍቅሮም እዩ እቲ ናይ ኣርማጌዶን ውግእ ኪካየድ ዘለዎ። ዕላማ ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ገነት ንምግባርን ንሰባት ናብ ፍጽምና ንምብጻሕን ‘ዜፍርሆም ዘይብሎም’ ብሰላም ንኺነብሩን እዩ። (ሚክያስ 4:3, 4፣ ራእይ 21:4) እቶም ንሰላምን ደሓንን ዜባላሽዉ ሰባት እንታይ እንተ ተገብሩ ይሓይሽ፧ ኣምላኽ ምእንቲ እቶም ጻድቃን ኢሉ ነዞም መገዶም ዘየዐርዩ ኸም “ባልዕ” ዝዀኑ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ኣለዎ።—2 ተሰሎንቄ 1:8, 9፣ ራእይ 21:8

መብዛሕትኡ እዚ ሎሚ ዘሎ ህውከትን ምፍሳስ ደምን ብሰንኪ እቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ኣገዛዝኣን ሰባት ንሃገራዊ ረብሓ ኢሎም ብዚገብርዎ ስስዐ ዝመልኦ ፋሕተርተርን እዩ ዜጋጥም ዘሎ። (መክብብ 8:9) ሰብኣውያን መንግስትታት ነቲ ዘለወን ጽልዋ ንኼስፋሕፍሓ ኺብላ ነታ ድሮ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ሸለል ይብላኣ ኣለዋ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ እውን ልዑላውነቶም ንየሆዋን ክርስቶስን ከም ዜስተልሙ ዚሕብር ወላ ሓንቲ ነገር የልቦን። (መዝሙር 2:1-9) ስለዚ: ነቲ ብክርስቶስ ዚመሓደር ጽድቃዊ ግዝኣት የሆዋ መገዲ ንምጽራግ: ከምዚኣተን ዝኣመሰላ መንግስትታት ኬልግሳ ኣለወን። (ዳንኤል 2:44) ነቲ ነዛ ምድርናን ንደቅሰብን መን ኪገዝኦም ኣለዎ ዚብል ጕዳይ: ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብ መዕለቢ ንምብጻሕ ውግእ ኣርማጌዶን ኪካየድ ኣለዎ።

እቲ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ዚወስዶ ስጕምቲ ንጥቕሚ ሰባት እዩ። ኣብዚ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም: ኣምላኻዊ ኣገዛዝኣ ጥራይ እዩ ንደቅሰብ ዜድልዮም ኬማልእ ዚኽእል። በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ድማ እዩ ናይ ሓቂ ሰላምን ብልጽግናን ኪርከብ ዚከኣል። ኣምላኽ ንዘለኣለም ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ እንተ ዚቝጠብ ነይሩ: ኵነታት ዓለም እንታይ ምመሰለ፧ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኺርአ ዝጸንሐ: ጽልእን ዓመጻን ውግእን ደይኰነን ዚቕጽል፧ እምበኣር: ውግእ ኣርማጌዶን ንዓና ብሓቂ ዚጠቕመና እዩ!—ሉቃስ 18:7, 8፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

እቲ ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ

ንኣርማጌዶን ካብቶም እተኻየዱ ኻልኦት ውግኣት ፍልይ ዜብሎ ነገር መዛዘሚ ዅሉ ውግእ ብምዃኑ እዩ። መን እዩ እሞ ውግእ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ኰይኑ ኺርኢ ዘይደሊ፧ ይኹን እምበር: እቲ ንውግእ ንምዝዛም ብደቅሰብ እተገብረ ጻዕሪ ዅሉ ፈሺሉ እዩ። እቲ ተደጋጋሚ ፍሽለት ደቅሰብ: ነቲ ኤርምያስ: “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት የጕልሕ። (ኤርምያስ 10:23) መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጽ ከሎ: “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ” ኢሉ ይመባጻዕ።—መዝሙር 46:8, 9

ኣህዛብ ኣብ ንሓድሕዶም ኣጽዋር ኣብ ዜወጣውጡሉን ንኣከባቢ ኣብ ዜስግኡሉን እዋን: ሽዑ እቲ ሰራሕ መሬት ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ዘሎ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (ራእይ 11:18) ስለዚ: እዚ ውግእ እዚ ነቲ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ብተስፋ ኺጽበይዎ ዝጸንሑ ነገር ዚፍጽም እዩ። እዚ ድማ እቲ ወናኒ እዛ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ናይ ምግዛእ መሰል ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ እዩ።

ስለዚ: ኣርማጌዶን ነቶም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ዝዀኑ ሰባት ኣይተፍርሆምን እያ። ኣብ ክንዳኡስ: ተስፋ ንኺገብሩ እያ መሰረት እትዀኖም። ውግእ ኣርማጌዶን ነዛ ምድሪ ኻብ ኵሉ ብልሽውናን እከይን ኣጽርዩ: ነቲ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ኣምላኽ መሲሓዊ መንግስቲ ዚህሉ ጽድቃዊ ኣገባብ መገዲ ዚጸርግ እዩ። (ኢሳይያስ 11:4, 5) ኣርማጌዶን ነቶም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ዜፍርህ መወዳእታ ዓለም ዘይኰነስ: ንጻድቃን ውልቀ-ሰባት ዜሐጕስ መጀመርታ ኸም ዚጅምር ዜመልክት እዩ።—መዝሙር 37:29

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 11 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መጊዶ—ብቕዕቲ ምሳሌ

እታ ጥንታዊት መጊዶ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ እያ እትርከብ ነይራ። ኣብኣ ዄንካ ንምዕራባዊ ሸነኽ እቲ ልሙዕ ስንጭሮ ይዝርኤል ከተማዕዱ ይከኣል ነይሩ። ነቲ ንዓኣ ሰንጢቑ ዚሓልፍ ዝነበረ ኣህጉራዊ ናይ ንግድን ወተሃደራውን መገድታት ትቈጻጸሮ ነበረት። ስለዚ: ኣብ መጊዶ ኣዝዩ ወሳኒ ውግኣት ይካየድ ነበረ። ፕሮፌሰር ግራም ዴቪስ ኣብታ ሲቲስ ኦፍ ዘ ቢብሊካል ዎርልድ—መጊዶ ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “ከተማ መጊዶ . . . ብዅሉ ሸነኻታ ነጋዶን ፈለስትን ብቐሊሉ ኺኣትውዋ ዚኽእሉ ኸተማ እያ ነይራ፣ ከምዚ ዀይኑ ግን እኹል ሓይሊ እንተ ሃልይዋ: ነቲ መስመራት ንግድን ውግእን ክትቈጻጸሮ ትኽእል ነይራ እያ። ስለዚ: . . . ንኺሕዝዋ ዚዋግኡላ ኸተማ: ምስ ሓዝዋ ኸኣ ኣጸቢቖም ዚምክቱላ ምንባራ ዜገርም ኣይኰነን።”

እቲ ነዊሕ ታሪኽ መጊዶ: እቲ ግብጻዊ መራሒ ቱትሞሰ ሳልሳይ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ምስ ሰዓሮም ቅድሚ 3,500 ዓመታት ቅ.ክ. እዩ ዚጅምር። ክሳዕ እቲ ብ1918 ብሪጣንያዊ ጀነራል ኤድመንድ ኣለንቢ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ቱርኪ ዜስካሕክሕ ስዕረት ዘውረደሉ እዋን ድማ ንዘመናት ቀጺሉ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ባራቅ ኣብ ልዕሊ እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ያቢን ከቢድ ስዕረት ንኼውርድ ዘኽኣሎ ኣብ መጊዶ እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 4:12-24፣ 5:19, 20) እቲ ፈራዲ ዝነበረ ጊዴዎን ንሰብ ምድያን ዝሰዓሮም እውን ኣብቲ ኸባቢ እዩ። (መሳፍንቲ 7:1-22) ንጉስ ኣሓዝያን ንጉስ ዮስያስን እውን እንተዀነ ኣብ መጊዶ እዮም ሞይቶም።—2 ነገስት 9:27፣ 23:29, 30

ስለዚ: እዚ ቦታ እዚ ሓያሎ ወሳኒ ውግኣት እተገብረሉ ቦታ ብምዃኑ: ንኣርማጌዶን ምስዚ ምምስሳል ዚግባእ እዩ። እታ ቓል ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ጸላእቱ ዚጐናጸፎ ዓወት ንምምልካት እትበቅዕ ምሳሌ እያ።

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ካብ ኣርማጌዶን ንኺድሕኑ መጠንቀቕታን ኣጋጣምን ይወሃቦም ኣሎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣርማጌዶን ምልክት ዜሐጕስ መጀመርታ እዩ