ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል: ሰሎሞን ኣብ እስራኤል ኪገዝእ ከም ዝጀመረ ብምሕባር እያ እትጅምር። በተን እቲ ፋርሳዊ ዝነበረ ንጉስ ቂሮስ ነቶም ኣብ ምርኮ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን: “[የሆዋ] ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ [ናብ የሩሳሌም] ይደይብ” ብምባል እተዛረቦም ቃላት ድማ ትዛዝም። (2 ዜና መዋእል 36:23) ካህን እዝራ ንኻልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ብ460 ቅ.ክ. እዩ ጽሒፉ ዛዚምዋ፣ ነቲ ኻብ 1037 ክሳዕ 537 ቅ.ክ. ዝነበረ 500 ዓመት ድማ ትሽፍን።

እቲ ቂሮስ ዘውጸኦ ኣዋጅ: ኣይሁዳውያን ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ነቲ ኣምልኾ የሆዋ እንደገና ንኺምስርቱ ኣኽኣሎም። ይኹን እምበር: ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ነዊሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፉ: ዓብዪ ጕድኣት ወሪድዎም ነበረ። እዞም ናብ ዓዶም እተመልሱ ምርኮኛታት እዚኣቶም ታሪኽ ዓዶም ረሲዖምዎ እዮም ነይሮም። ካልኣይ ዜና መዋዕል ድማ ኣብቲ ንጉሳዊ መስመር ዳዊት ዝነበሩ ነገስታት ዝፈጸምዎ ነገራት ጽሙቝ ኣቢላ ኣቕረበትሎም። እዚ ታሪኽ እዚ ንዓናውን ዚጠቅም እዩ፣ ከመይሲ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምእዛዝ እንታይ በረኸት ከም ዜምጽኣልናን ንዕኡ ዘይምእዛዝ ድማ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎን እያ እተጕልሕ።

ሓደ ንጉስ ንየሆዋ ቤት ሃነጸሉ

(2 ዜና መዋእል 1:1-9:31)

የሆዋ ንሰሎሞን ብመሰረት ልባዊ ድሌቱ: ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ርእሲኡውን ሃብትን ክብርን ሃቦ። ሰሎሞን ድማ ንየሆዋ ኣዝያ ምዕርግቲ ቤት ኣብ የሩሳሌም ሃነጸሉ: እቶም ህዝቢ ኸኣ “ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ።” (2 ዜና መዋእል 7:10) ሰሎሞን ከኣ “ብሃብትን ጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ።”—2 ዜና መዋእል 9:22

ሰሎሞን ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ እስራኤል ድሕሪ ምግዛኡ: ‘ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ: ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።’ (2 ዜና መዋእል 9:31) እዝራ: ሰሎሞን ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዝዘንበለ ኣይጸሓፈን። ካብቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ጌጋታት ኣብዛ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዚርከብ: ካብ ግብጺ ብዙሓት ኣፍራስ ምምጻኡን ነታ ጓል ፈርኦን ምምርዓውን ጥራይ እዩ። ስለዚ: እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ነቲ ጸብጻብ ብኣወንታዊ መልክዑ እዩ ኣቕሪብዎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:14—መስመር ወለዶ እዚ ናይ ኢደ ጥበብ ክእለት ዘለዎ ሰብኣይ ካብቲ ኣብ 1 ነገስት 7:14 ተገሊጹ ዘሎ እተፈልየ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ቀዳማይ ነገስት: ኣዲኡ “ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም” ምዃና ትሕብር፣ ከመይሲ: ንሓደ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ዝዀነ ሰብኣይ ተመርዕያ ነይራ እያ። ንሳ ግን ካብ ነገድ ዳን እያ ነይራ። ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ድማ ንሓደ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ተመርዓወት: እዚ ናይ ኢደ ጥበብ ክእለት ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ወዲ እዚ ጢሮሳዊ እዩ።

2:18፣ 8:10—እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ከም ዚሕብራኦ ቝጽሪ እቶም ሓላቑን መዕየይትን 3,600 ከምኡውን 250 ነበረ፣ 1 ነገስት 5:16፣ 9:23 ግን ቍጽሮም 3,300 ከምኡውን 550 ምንባሩ እያ እትሕብር። እዚ ቝጽርታት ከመይ ኢሉ እዩ ኺፈላለ ዝኸኣለ፧ ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ኪህሉ ዝኸኣለ ኣብቲ እቶም ሓላቑ እተኸፋፈሉሉ ኣገባብ እዩ። ካልኣይ ዜና መዋእል 3,600 ዘይእስራኤላውያንን 250 እስራኤላውያንን ሓለፍቲ ገይራ ኽትከፋፍሎም ከላ: ቀዳማይ ነገስት ግን 3,300 መዕየይትን 550 ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ሓላቑን ብምባል ስለ እትመቓቕሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ይኹን በቲ ግን ጠቕላላ ቝጽሪ እቶም ሓለፍቲ 3,850 እዩ ነይሩ።

4:2-4—ነቲ ፍሲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ምስሊ ኣብዑር ዝገበርዎ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ኣብዑር ከም ምልክት ሓይሊ ጌርካ እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። (ህዝቅኤል 1:10፣ ራእይ 4:6, 7) ነዚ ምስሊ እዚ ምምራጾም ድማ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ: እቶም ብነሓሲ እተሰርሑ 12 ኣብዑር ነቲ 30 ቶን ዝኽብደቱ “ባሕሪ” እዮም ጸይሮም ነይሮም። ነዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ምስሊ ኣብዑር ምጥቃሞም ግን ነታ ንሓደ ነገር ንኣምልኾ ኢልካ ምስሊ ምጥቃም እትኽልክል ዝነበረት ካልአይቲ ሕጊ ዚጥሕስ ኣይነበረን።—ዘጸኣት 20:4, 5

4:5እቲ ፍሲ ባሕሪ ኽንደይ ዚኣክል ማይ ኪሕዝ ይኽእል ነበረ፧ ኣፍ ንኣፉ እንተደኣ ተመሊኡ: ክሳዕ ሰለስተ ሽሕ ባት ወይ ከኣ 66,000 ሊትሮ ማይ ኪሕዝ ይኽእል ነበረ። ካብዚ ዅሉ ግን ክልተ ሲሶ ጥራይ እዩ ዚምላእ ነይሩ። ቀዳማይ ነገስት 7:26 “[እቲ ባሕሪ] ክልተ ሽሕ ባት [44,000 ሊትሮ] ይሕዝ ነበረ” ትብል።

5:4, 5, 10—ኣየናይ ኣቕሓ እዩ ኻብቲ ፈለማ ኣብ ማሕደር ዝነበረ: ናብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ዝደየበ፧ ካብቲ ፈለማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ እሞ ናብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ዝመጸ ኣቕሓ እቲ ታቦት ጥራይ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምህናጽ እታ ቤተ መቕደስ ድማ እቲ ማሕደር ካብ ጊብዖን ናብ የሩሳሌም ተወሲዱ ኣብኡ ተቐመጠ።—2 ዜና መዋእል 1:3, 4

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:11, 12 የሆዋ: ልባዊ ድሌት ሰሎሞን ጥበብን ፍልጠትን ምርካብ ምዃኑ ኻብ ልመናኡ ረኣየ። ንሕና እነቕርቦ ጸሎት እውን ልባዊ ድሌትና እንታይ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ስለዚ: ንትሕዝቶ ጸሎትና ምምርማርና ጥበባዊ እዩ።

6:4 ነቲ የሆዋ ዘርኣየና ሳህልን ለውሃትን ዘሎና ልባዊ ሞሳ: ንኸነወድሶ ኺድርኸና ኣለዎ። እዚ ድማ ብፍቕርን ብምስጋናን ንውድሶ ማለት እዩ።

6:18-21 ዋላኳ ኣምላኽ ኣብ ህንጻ ዘይሓድር እንተዀነ: እታ ቤተ መቕደስ ግን ከም ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ዀይና ኣገልጊላ እያ። ሎሚ ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ማሕበረሰብ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ።

6:19, 22, 32 የሆዋ ነቲ ብቕንዕና ዝመጾ ዘበለ: ካብቲ ዝለዓለ ንጉስ ጀሚሩ: ክሳዕ እቲ ዝተሓተ ሰብ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናይ ጓና ጸሎት ይሰምዕ እዩ። aመዝሙር 65:2

እቶም ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝመጹ ነገስታት

(2 ዜና መዋእል 10:1-36:23)

እታ ሓድነት ዝነበራ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ተመቕለት: እታ ሓንቲ እታ ብሰሜን ዝነበረት ዓሰርተ ነገድ ዝሓዘት መንግስቲ ኽትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ኸኣ እታ ብደቡብ ዝነበረት ይሁዳን ብንያምን ዝሓቘፈት መንግስቲ እያ ነይራ። እቶም ኣብ ብምልእታ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ሃገራውነት ንላዕሊ ነቲ ኺዳን መንግስቲ እሙናት ብምንባሮም ምስ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወገኑ። እታ ቤተ መቕደስ ተሰሪሓ ኻብ እተወድኣትሉ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ሃብታ ተሰርቀ።

ካብቶም ንሮብዓም ስዒቦም ዝነገሱ 19 ነገስታት እቶም 5 እሙናት ነበሩ: እቶም 3 ብጽቡቕ ጀሚሮም ኣብ መወዳእታ ግን ዘይእሙናት ኰኑ: ሓደ ኸኣ ካብቲ ኽፉእ ግብሩ ተነስሐ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ። b እቶም ትውክልቶም ኣብ የሆዋ ዘንበሩ ሓሙሽተ ነገስታት ዝገበርዎ ነገራት ጐሊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ህዝቅያስ ንኣገልግሎት ክህነት ናብ ዝነበሮ ኸም ዝመለሶ ኸምኡውን ዮስያስ ዓብዪ ፋስጋ ኸም ዘዳለወ ዚሕብር ጸብጻብ: ነቶም ንኣምልኾ የሆዋ ናብ የሩሳሌም ንምምላስ ባህጊ ዝነበሮም ኣይሁድ ዓብዪ ምትብባዕ ሂብዎም ኪኸውን ኣለዎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

13:5“ናይ ጨው ኪዳን” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ ጨው ናይ ምዕቃብ ክእለት ስለ ዘለዎ: ምልክት ነባርነትን ዘይምልዋጥን እዩ። እምበኣር: “ናይ ጨው ኪዳን” ኪበሃል ከሎ ንሓደ ጽኑዕ ስምምዕ ዜመልክት እዩ።

14:2-5፣ 15:17—ንጉስ ኣሳ ንብምሉኡ እቲ “በረኽቲ” ኣወጊድዎ ድዩ፧ ኣየወገዶን ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ዜምልኹሉ ቦታ ዘይኰነስ: ምናልባት ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጣኦት ዚተሓሓዝ በረኽቲ እዩ ኣወጊድዎ ኪኸውን ዚኽእል። ምናልባት እውን በረኽቲ መሊሱ ተሃኒጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ ወዱ ዮሳፍጥ ኣልገሶ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን እዚ በረኽቲ እዚ ዮሳፍጥ ኪገዝእ ከሎ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን።—2 ዜና መዋእል 17:5, 6፣ 20:31-33

15:9፣ 34:6—መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽትክፈል ከላ: ነገድ ስምኦን ኣብ ጐድኒ መን እዮም ነይሮም፧ ርስቲ ነገድ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ስለ ዝነበረ: ብጂኦግራፍያዊ መዳይ ኪርአ ኸሎ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ይሁዳን ብንያምን እዩ ነይሩ። (እያሱ 19:1) ብሃይማኖት ይኹን ብፖለቲካ ግን ምስታ ሰሜናዊት መንግስቲ ወገኑ። (1 ነገስት 11:30-33፣ 12:20-24) ስለዚ: ስምኦን ምስቶም ብሰሜን ዝነበሩ ዓሰርተ ነገድ ዝሓዙ መንግስቲ እዩ ዚቝጸር።

16:13, 14—ኣሳ ምስ ሞተ ንሬሳኡ ኣንዲዶምዎ ድዮም፧ ኣየንደድዎን። እቲ “ዓብዪ ምሕራር” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ሬሳ ዘይኰነስ ነቲ ኣብኡ ዚሓርር ቀመማት እዩ ዜመልክት።—NW እግረ-ጽሑፍ

35:3ዮስያስ ነቲ ቕዱስ ታቦት ካበይ እዩ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣምጺእዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ቅድሚ ዮስያስ ዝነበሩ እኩያት ነገስታት ናብ ካልእ ቦታ ወሲዶምዎ ይኹኑ ወይ ከኣ ባዕሉ ነቲ ቤተ መቕደስ ኬተዓራሪ ኸሎ ናብ ስቱር ቦታ ወሲድዎ ይኹን ኣይኹን ዋላ ሓንቲ ኣይነግረናን እዩ። ድሕሪ ንግስነት ሰሎሞን: እቲ ታቦት ተጠቒሱሉ ዚርከብ ቦታ: እቲ ዮስያስ ናብቲ ቤተ መቕደስ ዝመለሰሉ እዋን ጥራይ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

13:13-18፣ 14:11, 12፣ 32:9-23 ኣብ የሆዋ ምውካል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዚሕብር ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ዀን እዩ!

16:1-5, 7፣ 18:1-3, 28-32፣ 21:4-6፣ 22:10-12፣ 28:16-22 ምስ ጓና ወይ ድማ ምስ ዘይኣማኒ ኺዳን ምትእትታው ኣዝዩ ዜሕዝን ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። ኣብዛ ዓለም ኣብ ዘየድሊ ነገራት ኢድና እንተ ዘየእተና ጥበባዊ እዩ።—ዮሃንስ 17:14, 16፣ ያእቆብ 4:4

16:7-12፣ 26:16-21፣ 32:25, 26 ንጉስ ኣሳ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዕድሜኡ ትዕቢት ስለ ዘርኣየ: ጽቡቕ ጠባይ ከም ዘይህልዎ ገበሮ። ዕቡይ መንፈስ ንዑዝያ ናብ ውድቀት መርሖ። ህዝቅያስ ነቶም ልኡኻት ባቢሎን: መዝገቡ ኼርእዮም ከሎ: ዘይጥበባዊ: ምናልባት እውን ናይ ትዕቢት ተግባር እዩ ገይሩ። (ኢሳይያስ 39:1-7) መጽሓፍ ቅዱስ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ብምባል የጠንቅቕ።—ምሳሌ 16:18

16:9 የሆዋ ነቶም ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ሰባት ይሕግዞም: ስሊኦም ንሓይሉ ንምጥቃም ድማ ሃንቀው እዩ ዚብል።

18:12, 13, 23, 24, 27 ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ክንዛረብ ከለና: ልክዕ ከም ሚክያስ ተባዓት ክንከውን ኣሎና።

19:1-3 የሆዋ: ዋላኳ ነጕህዮ እምበር ነቲ ዝገበርናዮ ጽቡቕ ነገር ኪረክብ እዩ ዚጽዕር።

20:1-28 መምርሒ ደሊና ብትሕትና ናብ የሆዋ እንተደኣ ተጸጊዕና: ከም ዚርከበልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 15:29

20:17 “ምድሓን እግዚኣብሄር” ክንርኢ ንደሊ እንተ ዄንና: ንመንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ብምድጋፍ ‘ቦታና ኽንሕዝ’ [ትርጕም 1990] ይግባእ። ኣብ ክንዲ ንነገራት ባዕልና ኽንፈትሖ እንጽዕር: ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ብምግባር “ደው” ክንብል ይግባእ።

24:17-19፣ 25:14 ኣምልኾ ጣኦት ንዮኣስን ንወዱ ኣማስያን መፈንጠራ ዀኖም። ሎሚ እውን እንተዀነ ምስ ስስዐን ሃገራውነትን ዚተሓሓዝ ብርቕቕ ዝበለ መገዲ ዚግበር ኣምልኾ ጣኦት መስድዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 3:5፣ ራእይ 13:4

32:6, 7 ንሕናውን “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ለቢስና መንፈሳዊ ውግእ ክንዋጋእ ከለና: ተባዓትን ጽኑዓትን ክንከውን ኣሎና።—ኤፌሶን 6:11-18

33:2-9, 12, 13, 15, 16 ሓደ ሰብ ነቲ ዚስዕቦ ዝነበረ ጌጋ መገዱ ገዲፉ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ቈራጽ ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ እዩ ናይ ሓቂ ነስሓ ኣርእዩ ዚበሃል። ስለዚ: ዋላ ኸምቲ ንጉስ ምናሴ ዝገበሮ ሕማቕ ነገራት እውን ይግበር ልባዊ ነስሓ እንተ ኣርእዩ: ናይ የሆዋ ምሕረት ኪረክብ ይኽእል እዩ።

34:1-3 ብቝልዕነትና ዘጋጠመና ሕማቕ ነገር ንየሆዋ ኻብ ምፍላጥን ንዕኡ ኻብ ምግልጋልን ኪዓግተና የብሉን። ንዮስያስ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝገበረሉ ነገር እቲ እተነስሐ ኣባሓጎኡ ምናሴ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዮስያስ ዝረኸቦ ዝዀነ ይኹን ኣወንታዊ ጽልዋ: ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ንዓናውን ከምዚ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ።

36:15-17 የሆዋ ደንጋጽን ዕጉስን እዩ። ይኹን እምበር: እዚ ድንጋጸኡን ትዕግስቱን ደረት የብሉን ማለት ኣይኰነን። ሰባት: የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኼጥፍኦ ኸሎ ምእንቲ ኺድሕኑ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበልዎ ኣለዎም።

36:17, 22, 23 ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ።—1 ነገስት 9:7, 8፣ ኤርምያስ 25:9-11

ሓንቲ መጽሓፍ ንተግባር ደረኸቶ

ካልኣይ ዜና መዋእል 34:33 “ዮስያስ ድማ ካብ ኵለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዅሉ ኣርሐቐ። ኣብ እስራኤል ንእተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም” ትብል። ዮስያስ ከምዚ ንኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሻፋን እቲ ጸሓፊ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ናብ ንጉስ ዮስያስ ሒዝዎ ምስ መጸ: እቲ ንጉስ ከም ዚንበበሉ ገበረ። በቲ ዝሰምዖ ልቡ ስለ እተተንከፈ ድማ እዩ ብቕንኣት ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ነምልኾ የሆዋ ኼደንፍዕ ዝኸኣለ።

ንቓል ኣምላኽ ምንባብናን ነቲ ዘንበብናዮ ድማ ምስትንታንናን ኣጸቢቑ ኺትንክፈና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጸብጻብ ነገስታት መስመር ወለዶ ዳዊት ምስትንታንና: ኣብነት እቶም ትውክልቶም ኣብ የሆዋ ዝገበሩ ንኽንስዕብን ኣብነት እቶም ትውክልቶም ኣብ የሆዋ ዘይገበሩ ንኸይንቐድሕን ደይኰነን ዜበራትዓና፧ ካልኣይ ዜና መዋእል ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ውፉያት ንኽንከውንን ንዕኡ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽልን እያ እትድርኸና። እቲ መልእኽታ ናይ ብሓቂ ህያውን መስለጥን እዩ።—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፋት]

a ንስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ ቤተ መቕደስን ነቲ ሰሎሞን ሽዑ ዘቕረቦ ጸሎትን ብዚምልከት ዚለዓል ሕቶታት ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 ተወከስ።

b መስርዕ ነገስታት ይሁዳ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ እግሪ ፍሲ ባሕሪ ዝነበረ ምስሊ ኣብዑር ዚበቅዕ ምሳሌ ዝነበረሉ ምኽንያትስ ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዮስያስ ዋላኳ ብቝልዕነቱ ብዙሕ ሓገዝ እንተ ዘይረኸበ: ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ ዓብዩ