ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት” እተዋጽኡ ህዝቢ ነቲ ብስራት ይሰምዑ

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት” እተዋጽኡ ህዝቢ ነቲ ብስራት ይሰምዑ

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት” እተዋጽኡ ህዝቢ ነቲ ብስራት ይሰምዑ

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ . . . እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም።”ዘካርያስ 8:23

1. የሆዋ: ክርስትና ኣብ ብዘላ ዓለም ብብዙሕ ቋንቋታት ንኺስበኽ ምሹእ ግዜን ኵነታትን ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

 እዋኑ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ስለ ዝነበረ: እቲ ኣጋጣሚ ዀነ እቲ ዅነታት ምሹእ ነበረ። ኣይሁድን ጵሮሴሊትን ካብቲ ሰፊሕ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ: ብውሑዱ ኻብ 15 ኸባቢታት: በዓል ፋስጋ ንምብዓል ቅድሚ ሰሙናት ናብ የሩሳሌም መጺኦም ነበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ባቤል ዝነበረ ድብልቕ ዘይኰነስ: ተራ ሰባት መንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም: በቲ ኣብቲ ግዝኣት ዚዝረብ እተፈላለየ ቛንቋታት ነቲ ብስራት ኪነግሩ ኸለዉ ሰምዕዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-12) በዚ ኸምዚ ድማ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወልደት: እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝቐጸለ ኣብ ብዘላ ዓለም ብብዙሕ ቋንቋታት ዚግበር ትምህርታዊ ዕዮ ድማ ተጀመረ።

2. ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረብ ህዝቢ ‘ዘገረምዎ’ ብኸመይ እዮም፧

2 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ ኣዘውቲርካ ዚዝረብ ዝነበረ ሓባራዊ ቛንቋ ግሪኽ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም ዚዀኑ። ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዝረብ ዝነበረ እብራይስጢ እውን ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ በቲ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እተወልዱሉ ቛንቋ ብምዝራቦም: እቶም ህዝቢ “ተገረሙ።” እዚ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ እቲ ብቛንቋ ኣዴኦም ዝሰምዕዎ ሓቂ: ኣልባቦም ተንከፎም። በታ መዓልቲ እቲኣ እታ ንእሽቶ ዝነበረት ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ: ካብ 3,000 ንላዕሊ ዝዀኑ ኣባላት ዘለውዋ ማሕበር ኰነት።—ግብሪ ሃዋርያት 2:37-42

3, 4. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌምን ይሁዳን ገሊላን ኣብ ዝገዓዙሉ እዋን: እቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ሰፍሐ፧

3 ድሕሪ እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ኣብ የሩሳሌም ከቢድ መስጐጕቲ ወረደ። “እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:1-4) ንኣብነት: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ብዛዕባ ሓደ ቛንቋ ግሪኽ ዚዛረብ ፊሊጶስ ዚበሃል ወንጌላዊ ነንብብ ኢና። ንሱ ድማ ንሳምራውያን ሰበኸሎም። ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ መልእኽቲ እተቐበለ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን እውን ንሱ እዩ ሰቢኹሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1-5፣ 8:5-13, 26-40፣ 21:8, 9

4 ክርስትያናት ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ገሊላን ግዒዞም ኣብ ካልእ ኪነብሩ ኺጽዕሩ ኸለዉ: ምስ ካልኦት ዓሌትን ቋንቋን ምርኻቦም ዕንቅፋት ፈጢሩሎም ነበረ። ምናልባት ገለ ኻብኣቶም ንኣይሁድ ጥራይ ይሰብኩ ነይሮም ይዀኑ። ኰይኑ ግን: ሉቃስ እቲ ወደ መዝሙር “ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄሬኔን ነበሩ: እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ: ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ: ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም” ብምባል ጸሓፈ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:19-21

እቲ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣምላኽ ንዅሉ ዚኸውን መልእኽቲ ኣለዎ

5. ምስቲ ብስራት ብእተተሓሓዘ: ኣብ የሆዋ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

5 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ምስ መገድታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ: ከመይሲ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ብዛዕባ ኣህዛብ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ንኼዐሪ የሆዋ ምስ ሓገዞ: “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ መዝሙር 145:9) እቲ ሰጓጕ ክርስትያናት ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ: ፍቓድ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ከም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ: ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ መስከረ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሱናት ዓሌት: ዜግነት: ወይ ቋንቋ ዘለዎም ሰባት እተሓጽረ ኣይኰነን። እዚ ድማ ፈጣሪ ኸም ዘየዳሉ የርኢ።

6, 7. ኣየናይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ብብዙሕ ቋንቋታት ከም ዚስበኽ ዚገልጽ፧

6 እዚ ዓለምለኻዊ ምስፍሕፋሕ እዚ ኸም ዚህሉ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ብመሰረት ትንቢት ዳንኤል “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን [ንየሱስ] ተዋህቦ።” (ዳንኤል 7:14) ንኣብነት: እዛ መጽሔት እዚኣ ብ151 ቋንቋ ስለ እተሓትመት እዩ: ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ኸተንብብ ዝኸኣልካ። እዚ ድማ እቲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ የርኢ።

7 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተፈላለየ ቛንቋታት እተዋጽኡ ሰባት ነቲ ህይወት ዚህብ መልእኽቲ ኸም ዚሰምዑ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ። ዘካርያስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ንብዙሓት ከም ዚስሕቦም ኪንበ ኸሎ: “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ [ክፍሊ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀነ ብመንፈስ እተቐብአ ክርስትያን] ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም” በለ። (ዘካርያስ 8:23፣ ገላትያ 6:16) ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ “እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ” ብምባል ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ጸሓፈ። (ራእይ 7:9) ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ፍጻሜኡ ኺረክብ ከሎ ርኢና ኢና።

ንዅሎም ሰባት ንምብጻሕ ጻዕሪ ምግባር

8. ሎሚ እንታይ ዓይነት ኵነታት ስለ ዘሎ እዩ ኣብ ዕዮ ስብከትና ምትዕርራያት ክንገብር ዜድልየና፧

8 ሎሚ ብዙሓት ሰባት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ይግዕዙ እዮም። ዓለምለኻውነት ወይ ግሎባላይዜሽን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኺግዕዙ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ካብቲ ውግእን ቍጠባዊ ጸገምን ዘለዎ ኸባቢ: ምርግጋእን ዝሓሸ መነባብሮን ናብ ዘለዎ ኸባቢ ይግዕዙ እዮም። ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝገዓዙ ብዙሓት ስደተኛታት ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረቡ ማሕበረሰብ ኣቚሞም እዮም። ንኣብነት: ኣብ ፊንላንድ ልዕሊ 120፣ ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 200 ዚኸውን እተፈላለየ ቛንቋታት ይዝረብ። ኣብታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ከተማ ሳንድያጎ: ልዕሊ 100 ቛንቋታት ይዝረብ።

9. ኣብ ዞባና እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ምህላዎም ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

9 ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ከባቢና ምህላዎም ነገልግሎትና ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ጌርና ዲና እንርእዮ፧ ኣይፋልን! ኣብ ክንዳኡስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብምህላዎም እነገልግለሉ ዞባ ኸም ዝሰፍሐን ‘ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወን’ ጌርና ኢና እንወስዶ። (ዮሃንስ 4:35) ቋንቋኦም ኰነ ዜግነቶም ብዘየገድስ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሰባት: ክንሕግዞም ኢና እንጽዕር። (ማቴዎስ 5:3 NW) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ዘለዉ ሰባት ቍጽሮም ዓመት ዓመት ይውስኽ ኣሎ። (ራእይ 14:6) ንኣብነት: ኣብ ነሓሰ 2004 ኣብ ጀርመን እቲ ስብከት ዕዮ ብ40 ዚኸውን ቛንቋታት ተሰቢኹ እዩ። ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚስበኸሉ ዝነበረ ቛንቋታት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ 18 ናብ 30 ተጸጊዑ ኣሎ። ኣብ ግሪኽ ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ 20 ብዚኸውን እተፈላለየ ቛንቋታት ኪሰብኩ ጽዒሮም እዮም። ኣብ ዓለምለኸ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ልሙድ ኣህጉራዊ ቛንቋ ዝዀነ እንግሊዝኛ ወጻኢ ኻልእ ቋንቋ ይዛረቡ እዮም።

10. ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ “ንዅሎም ኣህዛብ” ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እንታይ ግደ ኣለዎ፧

10 ብርግጽ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ይፍጸም ኣሎ። (ማቴዎስ 28:19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ ብምስዓብ ኣብ 235 ሃገራት ብልዕሊ 400 ቛንቋታት ዚሕተም ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ንጡፋት ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። ማሕበር የሆዋ ንዅሎም ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዜድሊ ጽሑፋት ተዳሉ እኳ እንተ ዀነት: ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ በቲ ጽቡቕ ገይሮም ዚርድእዎ ቛንቋ ‘ንዅሎም’ ሰባት ንምስባኽ ተበግሶ ኺወስድ ኣለዎ። (ዮሃንስ 1:7) እዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ እዚ እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ብስራት ንኺሰምዑ ኣኽኢልዎም እዩ። (ሮሜ 10:14, 15) እወ: ኵላትና ኣገዳሲ ግደ ኣሎና።

ነቲ በዳሂ ዅነታት ምግጣሙ

11, 12. (ሀ) እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥመና፧ ነዚ ንኽንዋጽኣሉ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧ (ለ) ንሰባት በቲ ቛንቋ ኣዴኦም ምስባኽ ሓጋዚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሎሚ ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካልእ ቋንቋ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ኰይኑ ግን: መንፈስ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኻልእ ቋንቋ ኸም ዚዛረቡ ኺገብሮም ኣይጽበዩን እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:8) ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር ዓብዪ ዕማም እዩ። እቶም ካልእ ቋንቋ ዚኽእሉ እውን ከይተረፉ ነቶም ነቲ ቛንቋ ዚዛረቡ ግን ከኣ እተፈላለየ ኣተዓባብያን ባህልን ዘለዎም ሰባት: ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚስሕብ መገዲ ንምቕራብ: ኣተሓሳስባኦምን ኣቀራርባኦም ኪቕይሩ የድልዮም ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቶም ናብቲ ኸባቢ ዝገዓዙ ሰባት ሓፋራት ብምዃኖም: ኣተሓሳስባኦም ንምርዳእ ጻዕሪ ይሓትት እዩ።

12 ሕጂውን እንተዀነ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ንኺሕግዙ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕርታት መንፈስ ቅዱስ ኣባታቶም ይዓዪ እዩ። (ሉቃስ 11:13) እዚ መንፈስ እዚ ብተኣምራዊ መገዲ ኻልእ ቋንቋ ኸም እንዛረብ ይገብረና ዘይኰነስ: ነቲ ንኻልኦት ሰባት ብቛንቋኦም ንምዝራብ ዘሎና ባህጊ ኼዕምቖ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 143:10) ንሰባት ኣጸቢቖም ብዘይፈልጥዎ ቛንቋ ብምስባኽ ወይ ብምምሃር: ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኦም ከነስርጾ ንኽእል ንኸውን። ኰይኑ ግን: ልቢ ሰማዕትና ንምትንካፍ በቲ ነቲ ዓሚቝ ባህግታቶምን ድራኼኦምን ተስፋታቶምን ኪትንክፍ ዚኽእል ቋንቋ ኣዴኦም ክንነግሮም ኣሎና።—ሉቃስ 24:32

13, 14. (ሀ) ንገሊኦም ብኻልእ ቋንቋ ንኼገልግሉ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ (ለ) ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧

13 ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ጽቡቕ ምላሽ ዚርከበሉ ብናይ ወጻኢ ቛንቋታት ዚግበር ኣገልግሎት ኪሳተፉ ጀሚሮም እዮም። ካልኦት ከኣ ኣገልግሎቶም በዳሂ ዅነታት ዘለዎን መሳጥን ኪኸውን ከሎ ዝያዳ ይበራትዑ። ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ካብቶም ካብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዝመጹ መብዛሕትኦም ሓቂ ዚጸምኡ እዮም” በለ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሕጋዝስ ከመይ ዜዕግብ ኰን እዩ!—ኢሳይያስ 55:1, 2

14 ይኹን እምበር: ኣብዚ ዕዮ እዚ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ንምግባር ቈራጽነትን ጥቕሚ ርእሲ ምስዋእን የድልየና። (መዝሙር 110:3) ንኣብነት: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ጃፓናውያን ስድራቤታት ኣብ ከተማ ዝነበሮም ምሹእ ናብራ ገዲፎም: ነቶም ካብ ቻይና ዝመጹ ስደተኛታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦም ንምሕጋዝ ናብ እተገለለ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ: ብፊሊፒኖ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ካብ ሓደ ኽሳዕ ክልተ ሰዓት ብማኪና ይጐዓዙ። ኣብ ኖርወይ ዚነብሩ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ካብ ኣፍጋኒስታን ንዝመጹ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ከለዉ ብእንግሊዝኛን ብኖርወጅያውን እተዳለወት ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር እዮም ዚጥቀሙ። a እቶም ስድራቤት ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ምስቲ እተወልዱሉ ዳሪ ዚበሃል ቋንቋ ብዚመሳሰል ቋንቋ ፋርስ የንብብዎ። ካብኡ ብእንግሊዝኛን ኖርወጅያን ይመያየጡ። ወጻእተኛታት ነቲ ብስራት ኪቕበሉ ኸለዉ ኸምዚ ዓይነት ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈስ ምርኣይን ተዓጻጻፊ ምዃንን ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ። b

15. ኣብቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ንምስባኽ ዚግበር ጻዕሪ ብኸመይ ኢና ዅላትና ኽንሳተፍ እንኽእል፧

15 ንስኻኸ ኣብዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ዚካየድ ዕዮ ኽትሳተፍ ትኽእል ዲኻ፧ ንምንታይ ኣብ ከባቢኻ ኣየናይ ናይ ወጻኢ ቛንቋታት ብብዝሒ ኸም ዚዝረብ ብምፍላጥ ዘይትጅምር፧ ካብኡ በቲ ቛንቋታት እተዳለወ ትራክትታትን ብሮሹራትን ምሳኻ ሓዝ። እታ ብ2004 ዝወጸት ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ: ነቲ መልእኽቲ ቐሊልን ሃናጽን ብዝዀነ መገዲ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ብምቕራብ: ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይራ እያ።—ነቲ ኣብ ገጽ 32 ዚርከብ “ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።

“ስደተኛ ፍተዉ”

16. ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ናይ ወጻኢ ቛንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ስስዐ ዘይብሉ ተገዳስነት ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

16 ካልእ ቋንቋ ተማሃርና ኣይተማሃርና ብዘየገድስ: ኵላትና ነቶም ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ወጻእተኛታት መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንህዝቡ “ስደተኛ ፍተዉ” ብምባል ኣዚዙዎም እዩ። (ዘዳግም 10:18, 19) ንኣብነት: ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ሓንቲ ገፋሕ ከተማ: ሓሙሽተ ጉባኤታት ኣብ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እየን ዚጥቀማ። ከምቲ ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ዚግበር እተን ጉባኤታት ዓመት ዓመት ኣኼባ ዝገብራሉ ሰዓታት ይቕይራ እየን። በዚ መሰረት ድማ እቲ ብቻይንኛ ዚግበር ኣኼባ ናብ ሰንበት ናይ ምሸት ኪቕየር ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ግን ነቶም ምስ ቤት ምግቢ እተተሓሓዘ ስራሕ ዚሰርሑ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ኣኼባ ንኸይእከቡ ይገብሮም። ስለዚ: እቶም ናይ ካልእ ጉባኤ ሽማግለታት እቲ ብቻይንኛ ዚግበር ኣኼባ ሰንበት ንግሆ ንኺግበር ብሕያውነት ምድላዋት ገበሩ።

17. ገሊኦም ኣሕዋት ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ጕጅለ ንምድጋፍ ኪግዕዙ እንተ ወሲኖም: ከመይ ኪስምዓና ይግባእ፧

17 ፈቃራት ሽማግለታት ነቶም ካልእ ቋንቋ ንዚዛረባ ጕጅለታት ንምድጋፍ ኢሎም ዚግዕዙ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ይንእድዎም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተመክሮ ዘለዎም መምሃራን መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ቦታ ኺግዕዙ ኸለዉ: ነታ ጉባኤ ብእተወሰነ ዚጐድኣ እኳ እንተዀነ: እቶም ሽማግለታት ግን ከምቶም ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዝነበሩ ሽማግለታት እዩ ዚስምዖም። እቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ሽማግለታት: ጢሞቴዎስ ንጉባኤኦም ኣዝዩ ዚጠቅም እኳ እንተ ነበረ: ምስ ጳውሎስ ንኸይከይድ ኣይከልከልዎን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1-4) ብተወሳኺ ድማ እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ቀዳምነት ዚወስዱ ብሰንኪ እቲ እተፈለየ ኣተሓሳስባ: ልማድ: ወይ ባህሪ እቶም ወጻእተኛታት ኣይተዓናቐፉን እዮም። የግዳስ: ነቲ ዘሎ ፍልልይ ተቐቢሎም ምእንቲ ወንጌል ጽቡቕ ርክብ ንምፍጣር እዮም ዚጽዕሩ።—1 ቈረንቶስ 9:22, 23

18. እንታይ ብዙሕ ዕዮ ዘለዎ ደገ እዩ ንዅላትና ተኸፊቱልና፧

18 ከምቲ ብትንቢት እተነግረ እቲ ብስራት ኣብ “ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ይስበኽ ኣሎ። ኣብቲ ብናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚግበር ኣገልግሎት ጌና ብዙሕ ወሰኽ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብዙሓት ብልሓተኛታት ኣስፋሕቲ በቲ ብዙሕ ዕዮ ዘለዎ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ኣትዮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 16:9) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዞባ ፍረ ንምርካብ ካልእ ክንገብሮ ዜድልየና ነገራት ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ተወሳኺ ኣብነታት ንምርካብ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-8 “ንእሽቶ መስዋእቲ ብዙሕ በረኸት ኣምጸኣልና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኣድልዎ ብዘይምግባር ዝመጸ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

• ነቶም ቋንቋና ዘይዛረቡ ኣብ ዞባና ዚርከቡ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዚግብኣና፧

• ንሰባት ብቛንቋ ኣዴኦም ክንሰብከሎም ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ነቶም ኣብ መንጎና ዚነብሩ ወጻእተኛታት ብኸመይ ኢና ሓልዮት ከነርእዮም እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሮሜ

ቅሬጥስ

እስያ

ፍርግያ

ጰምፊልያ

ጶንጦስ

ቀጶዶቅያ

መሶጶታምያ

ሜዶን

ጴርቴ

ኤላም

ዓረብ

ሊብያ

ግብጺ

ይሁዳ

የሩሳሌም

[ማያት]

ባሕሪ መዲተራነያን

ጸሊም ባሕሪ

ቀይሕ ባሕሪ

ወሽመጥ ፋርስ

[ስእሊ]

ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ካብ 15 ክፍልታት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝመጹ ሰባት ነቲ ብስራት በቲ እተወልዱሉ ቛንቋ ሰምዑ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ወጻእተኛታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚሕብር ምልክት: ብሓሙሽተ ቛንቋታት