ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገስገስትን ተዓጻጸፍትን ኣገልገልቲ ምዃን

ገስገስትን ተዓጻጸፍትን ኣገልገልቲ ምዃን

ገስገስትን ተዓጻጸፍትን ኣገልገልቲ ምዃን

“ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ።”1 ቈረንቶስ 9:22

1, 2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ንፉዕ ኣገልጋሊ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ብኸመይ ገለጾ፧

 ምስ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ዀነ ምስ ትሑታት ሰፈይቲ ድንኳን ብህድኣት ተዘራረበ። እቲ ንሱ እተዛረቦ ነገር ንሰበ-ስልጣን ሮሜን ንገባሮ ፍርግያን ኣእመኖም። እቲ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ነቶም ለውጢ ዚቕበሉ ግሪኻውያን ኰነ ነቶም ባህላዊ ኣገባባት ዚኽተሉ ኣይሁድ ድራኸ ኣሕደረሎም። እቲ ዘቕረቦ መርትዖታት ዘየማትእ: ምሕጽንታኡ ድማ ሓያል ነበረ። ገሊኣቶም ብክርስቶስ ምእንቲ ኺኣምኑ ምስ ኵሉ ዜሰማምዖ ሓባራዊ ነገር የናዲ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:21

2 እዚ ሰብኣይ እዚ እቲ ንፉዕን ገስጋስን ኣገልጋሊ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12) የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን [ስሙ] ኪጸውር” መዘዞ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15) ንሱኸ ነዚ መዝነት እዚ ብኸመይ ተቐበሎ፧ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ። እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) ኣብ ናይ ስብከትን ምምሃርን ዕዮና ዝያዳ ውጽኢት ንኽንረክብ ዚሕግዘና እንታይ ትምህርቲ ኻብ ኣብነት ጳውሎስ ክንረክብ ንኽእል፧

ሓደ እተቐየረ ሰብኣይ ነቲ ኣጸጋሚ ዕዮ ተዋጽኣሉ

3. ጳውሎስ ቅድሚ ምቕያሩ ንክርስትያናት ብኸመይ ይርእዮም ነበረ፧

3 ጳውሎስ ካብ ቀደሙ ዓቃል: ሓላዪ: ከምኡውን ነቲ እተዋህቦ መዝነት ዚበቅዕ ሰብ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይነበረን። ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ንሳውል (ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዚፍለጠሉ ዝነበረ ስም) ቀንዲ ሰጓጕ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዚኸውን ገበሮ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንምቕታል እስጢፋኖስ ሰሚሩ ነበረ። ብድሕርዚ እውን ንክርስትያናት ብዘይ ንሕስያ የሳጕግ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ 8:1, 3፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:13) “ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ።” ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣመንቲ ብምስጓግ ስለ ዘይዓገበ ኸኣ: ነዚ ወፈራ እዚ ብሸነኽ ሰሜን ክሳዕ ደማስቆ ንኪቕጽሎ መደበ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2

4. ጳውሎስ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም እንታይ ምትዕርራይ ኪገብር ነበሮ፧

4 ቀንዲ መበገሲ ጽልኢ ጳውሎስ: እቲ ሓድሽ እምነት ንኣይሁድነት ምስቲ ዘይድለ ኣተሓሳስባ ኣህዛብ ሓዋዊሱ ኼበላሽዎ እዩ ዚብል እምነት ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ: ጳውሎስ ፈሪሳዊ እዩ ነይሩ: እታ “ፈሪሳዊ” እትብል ቃል ከኣ “እተፈልየ” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:6) ኣምላኽ ብዛዕባ ክርስቶስ ንኺሰብኽ ከም ዝመረጾ: እሞ ኸኣ ነህዛብ ከም ዚሰብከሎም ምስ ፈለጠ እተሰምዖ ስምባድ እሞ ገምቶ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:14, 15፣ 26:16-18) ፈሪሳውያን ምስቶም ሓጢኣተኛታት ገይሮም ዚርእይዎም ሰባት: ምግቢ እኳ ኣይምገቡን ነበሩ! (ሉቃስ 7:36-39) ጳውሎስ ነተሓሳስባኡ ምስ ፍቓድ እቲ ዅሎም ሰባት ኪድሕኑ ዚደሊ ኣምላኽ ንኼሰማምዕ ብዙሕ ጻዕሪ ኺገብር ከም ዘድለዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ገላትያ 1:13-17

5. ኣብ ኣገልግሎትና ንጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

5 ምናልባት ንሕናውን ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር የድልየና ይኸውን። ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብብዙሕ ቋንቋታት ዚካየድ ዕዮ ስብከትና እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ስለ እንረክብ: ነተሓሳስባና መርሚርና ዝዀነ ይኹን ዓሌታዊ ጽልኢ ኸነወግድ ኣሎና። (ኤፌሶን 4:22-24) ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኵላትና ዝዓበናሉ ማሕበራውን ትምህርታውን ኵነታት ጽልዋ ኣሕዲሩልና እዩ። እዚ ድማ ቄናንን ድርቕ ዝበለን ኣረኣእያ ኣብ ውሽጥና ኺሰርጸልና ይኽእል እዩ። ኣባጊዕ መሰል ሰባት ረኺብና ኽንሕግዞም እንተደኣ ዄንና ግን: ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸነወግዶ ኣሎና። (ሮሜ 15:7) ጳውሎስ እውን ከምዚ እዩ ገይሩ። ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ: ነቲ በዳሂ ዅነታት ተጋጠሞ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ ንሕናውን ክንቐድሖ ዚግብኣና ኽእለት ኣመሃህራ ኣማዕበለ። ነገልግሎት እቲ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝነበረ ምስ እንምርምር: እቲ ሃዋርያ ኣብ ዕዮ ስብከቱን ትምህርቱን ትኩር: ተዓጻጻፊ: ከምኡውን ብልሂ ኸም ዝነበረ ንግንዘብ። aሮሜ 11:13

ሓደ ገስጋሲ ኣገልጋሊ ብግብሪ ኺርአ ኸሎ

6. ጳውሎስ ንዅነታት ሰማዕቱ ኣብ ግምት ዜእቱ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧

6 ጳውሎስ ንእምነትን ኵነታትን ሰማዕቱ ኣብ ግምት ብምእታው ዝመጸ ትኩር ነበረ። ምስ ንጉስ ኣግሪጳ ኻልኣይ ኪዘራረብ ከሎ: ነቲ ንጉስ “ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን” ከም ዚፈልጥ ኣፍልጦ ሃበሉ። ነቲ ብዛዕባ እምነታት ኣግሪጳ ዚፈልጦ ነገራት ተጠቒሙ ድማ ነቲ ንጉስ ኣጸቢቑ ኺርድኦ ዚኽእል ነገራት ኣመያየጦ። እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ መረዳእታ ንጹርን ዜእምንን ብምንባሩ: ኣግሪጳ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 3, 27, 28

7. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ልስጥራ እተኣከበ ህዝቢ ኺሰብኽ ከሎ ተዓጻጻፍነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ጳውሎስ ተዓጻጻፊ እውን እዩ ነይሩ። ኣብ ከተማ ልስጥራ እተኣከቡ ህዝቢ ንዕኡን ንበርናባስን ከም ኣማልኽቲ ኼምልኽዎም ምስ ደለዩ: ነዚ ብኸመይ ከም ዘጐናደቦ እሞ ኣስተብህል። እቶም ቋንቋ ሊቃኦንያ ዚዛረቡ ህዝቢ ምስቶም ካልኦት ኪነጻጸሩ ኸለዉ ዘይተማህሩን ኣጕል እምነት ዘለዎምን ከም ዝነበሩ ይንገር እዩ። ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 14:14-18 ጳውሎስ ነቲ እቶም ህዝቢ ንዕቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚገልጽ ፍጥረታትን ተፈጥሮኣዊ ውህበታትን ጠቐሰሎም። እቲ መደረ ብቐሊሉ ዚርዳእ ስለ ዝነበረ: ንጳውሎስን በርናባስን ‘ከይስውኡሎም: ነቶም ህዝቢ ኸልከሎም።’

8. ጳውሎስ ዋላኳ ዜሕርቕ ነገራት የጋጥሞ ተዓጻጻፍነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 ሓቂ እዩ ጳውሎስ ፍጹም ኣይነበረን: ሓድሓድ ግዜ ዜሕርቖ ነገራት እውን ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ሃናንያ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ብዜዋርድን ፍትሓዊ ብዘይኰነን ኣገባብ ምስ ተዛረቦ: ሓሪቑ ጸረፎ። ኰይኑ ግን ብዘይፍላጥ ነቲ ሊቀ ኻህናት ከም ዝጸረፎ ምስ ፈለጠ: ሽዑ ንሽዑ ይቕረታ ሓተተ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:1-5) ኣብ ኣቴና ድማ “እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረአየ: [“ብቝጥዓ ነደደ” ትርጕም 1990]።” ኣብ ኣርዮስፋጎስ መደረ ኺህብ ከሎ ግን ነቲ ቝጥዓኡ ኣየንጸባረቖን። ኣብ ክንዳኡ ንኣቴናውያን ኣብቲ ኣደባባዮም ኰይኑ ነቲ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዝገበርዎ መሰውእን ሓንቲ ኻብ ቅኔታቶም ብምጥቃስ ካብ ሓባራዊ ዜገድሶም ነገር ብምብጋስ ገለጸሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:16-28

9. ጳውሎስ ምስ እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ሰማዕቲ ኺዘራረብ ከሎ: ብልሓት ዚጥቀም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

9 ጳውሎስ ነቶም እተፈላለየ ዝመበቈሎም ሰማዕቲ ብብልሓት እዩ ዚሕዞም ነይሩ። ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባ እቶም ሰማዕቱ ጽልዋ ኼሕድር ዚኽእል ባህልን ኣከባብን ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ ኣብ ርእሰ-ኸተማ እታ ኣብቲ እዋን እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበራ ሃገር ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቀንዲ ሓሳብ እቲ ናብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ሓጢኣት ኣዳም ብመስዋእቲ ክርስቶስ ከም እተሳዕረ ዚገልጽ ነበረ። ነቶም ኣብ ሮሜን ከባቢኣን ዝነበሩ ክርስትያናት ንልቦም ኪትንክፍ ብዚኽእል መገዲ ተዛረቦም።—ሮሜ 1:4፣ 5:14, 15

10, 11. ጳውሎስ ምስቶም ሰማዕቱ ዚሰማማዕ ምሳሌታት ዚህብ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

10 ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዓሚቝ ሓቂ ኼብርህ ከሎ: እንታይ ይገብር ነበረ፧ እቲ ሃዋርያ ኽብድ ዝበለ መንፈሳዊ ሓሳባት ኪገልጽ ከሎ: ልሙድን ንምርዳእ ቀሊልን ዝዀነ ምሳሌታት እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣብታ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ባርነት ከም ዚፈልጡ ይፈልጥ ነበረ። ኣረ ኻብቶም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ብዙሓት ባሮት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ጳውሎስ: ሓደ ሰብ ንሓጢኣት ወይ ንጽድቂ ኺግዛእ ብዛዕባ ዚገብሮ ምርጫ ኣገዳሲ ነጥቢ ኬቕርብ ከሎ: ንባርነት ከም ምሳሌ ገይሩ ጠቐሶ።—ሮሜ 6:16-20

11 ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ሓደ ሮማዊ ወናኒ ንባርያኡ ብዘይ ገለ ሓራ ኼውጽኦ ወይ ድማ እቲ ባርያ ባዕሉ ነቲ ወናኒኡ ብምኽፋል ናጽነቱ ኺዕድጋ ይኽእል ነበረ። እቲ ዋንነት ናብ ሓደ ኣምላኽ እንተ ተመሓላሊፉ እውን: እቲ ባርያ ሓራ ኺወጽእ ይኽእል ነበረ” በለ። ሓደ ሓራ ዝወጸ ባርያ ደሞዝ እናተኸፍሎ ንጐይታኡ ምግልጋል ኪቕጽል ይኽእል ነበረ። ጳውሎስ ሓደ ሰብ ንሓጢኣት ወይ ንጽድቂ ንምእዛዝ ብዛዕባ ዚገብሮ ምርጫ ኺጽሕፍ ከሎ: ነዚ ልምዲ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም: ብኣምላኽ እዮም ዚውነኑ ነይሮም። ንኣምላኽ ኬገልግሉ ወይ ድማ እንተ ደልዮም ነቲ ቐደም ጐይታኦም ዝነበረ ሓጢኣት ምግልጋል ኪቕጽሉ ናጽነት ነበሮም። እቲ ቐሊልን ኣብቲ እዋን እቲ ልሙድን ዝነበረ ምሳሌ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ነየናይ ጐይታ እየ ዘገልግል ዘለኹ፧’ ኢሎም ንርእሶም ከም ዚሓቱ ዚገብር እዩ። b

ካብ ኣብነት ጳውሎስ እንረኽቦ ትምህርቲ

12, 13. (ሀ) ሎሚ ንልቢ እቶም እተፈላለዩ ሰማዕትና ንምትንካፍ እንታይ ጻዕሪ ኽንገብር የድሊ፧ (ለ) እተፈላለየ መበቈል ንዘለዎም ሰባት ክትሰብኽ ከለኻ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብካዮ እንታይ መገዲ ኣሎ፧

12 ንልቢ እቶም እተፈላለዩ ሰማዕትና ንምትንካፍ ንሕናውን ከም ጳውሎስ ትኩራት: ተዓጻጸፍቲ: ከምኡውን ብልህታት ክንከውን ኣሎና። ሰማዕትና እቲ ብስራት ኣጸቢቑ ኺርድኦም ስለ እንደሊ: ንማለቱ ጥራይ ነቲ እተዳለናሉ መልእኽቲ ነጊርና ወይ እተወሰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ገዲፍናሎም ጥራይ ክንከይድ ኣይንደልን ኢና። ብዛዕባ ዜድልዮምን ዜሻቕሎምን ነገራት: ዚፈትውዎን ዘይፈትውዎን ነገራት: ከምኡውን ንዓና ዚፈርህሉን ዚጸልኡሉን ምኽንያት ንምፍላጥ ክንጽዕር ኣሎና። እዚ ግዜ ወሲድካ ምሕሳብን ብዙሕ ጻዕርን ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ ሃንጋሪ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ኣሕዋት ንባህልን ኣነባብራን እቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት የኽብሩሎም እዮም: ምስቲ ናይቲ ኸባቢ ባህሊ ኺወሃሃዱ ድማ ኣይጽበይዎምን እዮም” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። ኣብ ካልእ ቦታታት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምዚ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ።

13 ኣብ ሓንቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ እትርከብ ዓዲ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ጥዕና: ንውሉድ ምስልጣን: ከምኡውን ብዛዕባ ትምህርቲ እዮም ዝያዳ ዚግደሱ። ስለዚ: እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቲ እናንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ወይ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ጸገማት ዜመያይጥዎም: ኣብቲ ነቶም ሰባት ዜገድሶም ነገራት እዮም ዜተኵሩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኣስፋሕቲ ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ሰባት ከም ብልሽውና: ጻዕቂ ማካይን: ከምኡውን ዓመጻ ዝኣመሰሉ ነገራት ከም ዜሻቕልዎም ኣስተብሃሉ። ስለዚ: እቶም ኣሕዋት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ንምጅማር ተጠቕሙሉ። ንፉዓት መምሃራን መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ዝመያየጡሉ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ኣወንታውን ዜተባብዕን ነገራት ኪዛረቡ ኸምኡውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዜምጽእን ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ብሩህ ተስፋ ኸም ዝሃበን ኬጕልሑ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ 52:7

14. ምስ እተፈላለየ ድሌትን ኵነታትን ሰባት ብኸመይ ክንወሃሃድ ንኽእል፧

14 ሰባት እተፈላለየ ባህልን ደረጃ ትምህርትን ሃይማኖትን ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ኽንቀያይሮ ኣሎና። ነቶም ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንዚኣምኑ ግን ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘይኣምኑ ሰባት እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ኻብቲ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት እንጥቀመሉ ኣቀራርባ እተፈልየ እዩ። ንሓደ ዅሉ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ፕሮፓጋንዳ ንምዝርጋሕ ከም ዚውዕል ዚኣምን ሰብ ንምዝርራብ እንጥቀመሉ ኣቀራርባን ንሓደ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ንዚቕበል ሰብ እንጥቀመሉን እተፈላለየ እዩ። እተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ዘለዎም ሰባት ክንዘራረብ ከለና እውን ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና። ክኢላታት መምሃራን ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ መረድእታትን መብርሂታትን እዮም ዚጥቀሙ።—1 ዮሃንስ 5:20

ንሓደስቲ ኣገልገልቲ ዚኸውን ሓገዝ

15, 16. ንሓደስቲ ኣገልገልቲ ምስልጣን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ጳውሎስ ኣመሃህራኡ ኣብ ምምሕያሽ ጥራይ ኣይኰነን ዜተኵር ነይሩ። የግዳስ: ከም እኒ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዝኣመሰሉ መንእሰያት: ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ንኪዀኑ ስልጠናን ምድላውን ከም ዜድልዮም ተገንዚቡ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 2:2፣ 3:10, 14፣ ቲቶስ 1:4) ብተመሳሳሊውን ሎሚ ንኻልኦት ምስልጣን ኰነ ስልጠና ምቕባል ኣገዳስነት ኣለዎ።

16 ብ1914 ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣስታት 5,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም: ሎሚ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስታት 5,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ይጥመቑ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 54:2, 3፣ ግብሪ ሃዋርያት 11:21) ሓደስቲ ሰባት ምስ ጉባኤና ኺሓብሩን ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱን ምስ ዚደልዩ: መምርሕን ስልጠናን ኪወሃቦም የድሊ እዩ። (ገላትያ 6:6) መራሒና የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንምምሃርን ንምስልጣንን እተጠቕመሉ ሜላ ኽንጥቀመሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። c

17, 18. ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ምትእምማን ንኺሓድሮም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

17 የሱስ ንሃዋርያቱ ስቕ ኢሎም ንሰባት ምዝርራብ ኪጅምሩ ኣይኰነን ኣዚዝዎም። ኣብ ክንዳኡስ መጀመርያ ስብከት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሓሎም፣ ኣብቲ ዕዮኦም የሆዋ ምእንቲ ኺድግፎም ኪጽልዩ ኣተባብዖም። ብድሕሪኡ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ማለት መገላግልቲ: ዞባ: ከምኡውን ዜመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሃቦም። (ማቴዎስ 9:35-38፣ 10:5-7፣ ማርቆስ 6:7፣ ሉቃስ 9:2, 6) ንሕናውን ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ንውሉድና: ንሓድሽ ተመሃራይ ወይ ንሓደ ኣብ ዕዮ ስብከት ንእተወሰነ እዋን ዘይተሳተፈ ሰብ ንሕግዝ እንተሊና: በዚ መገዲ እዚ ንምስልጣን ክንጽዕር ኣሎና።

18 ሓደስቲ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ኪነግሩ ኸለዉ ምትእምማን ንኺሓድሮም ሓገዝ የድልዮም እዩ። ዚስሕብ ኣቀራርባ ንኼዳልዉን ብቕልል ዝበለ መገዲ ንኺጥቀምሉን ክትሕዞም ትኽእልዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት ካብቲ እትጥቀሙሉ ናይ መጀመርታ ሒደት ኣቀራርባታት ምእንቲ ኺመሃሩ ኣብነት ኩኖም። ከምቲ ጌዴዎን ነቶም ተዋጋእቲ ብጾቱ “ንኣይ ርአዩ: ከምኡ ኸኣ ግበሩ” ዝበሎም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (መሳፍንቲ 7:17) ብድሕርዚ ንሳቶም እውን ኪሳተፉ ኣጋጣሚ ሃቦም። በቲ ዘርኣይዎ ጻዕርታት ንኣዶም: ዝያዳ ንኼመሓይሹ ድማ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ሃቦም።

19. ‘ኣገልግሎትካ ንምምላእ’ እንታይ ንምግባር ክትቈርጽ ኣሎካ፧

19 ‘ኣገልግሎትና ንምምላእ:’ ምስ ኵነታት ዚኸይድ ኣቀራርባ ንምጥቃምን ሓደስቲ ኣገልገልቲ እውን ከምኡ ንኺገብሩ ንምስልጣንን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ኣገዳስነት እቲ ዕላማና: ማለት ኣገዳስነት እቲ ንምድሓን ዚኸውን ፍልጠት ኣምላኽ ምክፋል ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸነድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ኽንከውን’ ዜድሊ ዅሉ ኽንገብር ከም ዚግብኣና የገንዝበና።—2 ጢሞቴዎስ 4:5፣ 1 ቈረንቶስ 9:22

[እግረ-ጽሑፋት]

a ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ብኸመይ ከም ዘንጸባረቐ ንምርኣይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:9, 16-42፣ 17:2-4፣ 18:1-4፣ 19:11-20፣ 20:34፣ ሮሜ 10:11-15፣ 2 ቈረንቶስ 6:11-13 ተወከስ።

b ብተመሳሳሊውን ጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ “ውሉድ” ዘሎ ርክብ ንምግላጽ: እቲ ብመሰረት በዅሪ ጽሑፍ “ርዕመት” ዚበሃል ነቶም ኣብ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣንበብቲ ኺርድኦም ዚኽእል ሕጋዊ ኣምር እዩ ተጠቒሙ። (ሮሜ 8:14-17) ሰይንት ፖል ኣት ሮም ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብ ሮማውያን ርዕመት ልሙድን ምስቲ ብዛዕባ ስድራቤት ዝነበሮም ኣረኣእያ እተኣሳሰረን ነበረ” በለት።

c ኣብዚ እዋን እዚ ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ ዚበሃል ምድላው ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሎ። እዚ ምድላው እዚ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ነቶም ተመክሮ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ ኸም ዜሰልጥንዎም ይገብር።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ኣገልግሎትና ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣብ ኣተሓሳስባና እንታይ ምትዕርራይ ክንገብር ኣሎና፧

• ንመልእኽትና ኣወንታዊ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ርእሰ-ምትእምማን ንኺሓድሮም እንታይ የድልዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጳውሎስ ኪሰብኽን ኪምህርን ከሎ: ትኩር: ተዓጻጻፊ: ከምኡውን ብልሂ ነበረ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት: ማለት መገላግልቲ: ዞባ: ከምኡውን ዜመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሃቦም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ጳውሎስ ተዓጻጻፊ ብምዃን ምስ እተፈላለየ ዝመበቈሎም ሰማዕቲ ኺዘራረብ ከኣለ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንፉዓት ኣገልገልቲ ንባህሊ ሰማዕቶም ኣብ ግምት የእትዉ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ገስገስቲ ኣገልገልቲ ንሓደስቲ ሰባት ነገልግሎት የዳልውዎም