ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ንኺትርጐም ዘጋጠመ ጸገማት

መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ንኺትርጐም ዘጋጠመ ጸገማት

መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ንኺትርጐም ዘጋጠመ ጸገማት

“መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሃገርና [ኢጣልያ] ሓደ ኻብቲ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ዘሎ መጻሕፍቲ እኳ እንተዀነ: ሓደ ኻብቶም ብዙሕ ዘይንበቡ መጻሕፍቲ ኸኣ እዩ። እቶም እሙናት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ኺገብሩን ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ንኼንብብዎን ምትብባዕ ኰነ ሓገዝ ኣይወሃቦምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ዚደልዩ ሰባት እኳ እንተለዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ እንጌራ ቓል ኣምላኽ ቈሪሱ ዜቕርበሎም የለን።”

እዚ ብ1995 ኣብ ዋዕላ ጳጳሳት ኢጣልያ ዝቐረበ ሓሳባት: ብዙሕ ሕቶታት የበግስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ክሳዕ ክንደይ እዩ ተነቢቡ፧ ዝርጋሐኡ ኻብቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተሓተ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ኢጣልያ ኻብቲ ብዙሕ ዘይተነበ መጻሕፍቲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ ብጣልያንኛ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሕለፎ ታሪኽ ብምምርማር ነዚ ሕቶታት እዚ መልሱ ኽንረኽቦ ኢና።

ከም እኒ ፈረንሳይኛ: ጣልያንኛ: ፖርቱጋልኛ: ስጳንኛ ዝኣመለሰ ቛንቋታት ካብ ላቲን ንኺምዕብል ዘመናት እዩ ወሲዱሉ። ኣብተን ላቲን ዝመበቈሉ ቛንቋ ዚጥቀማ እተፈለለያ ሃገራት ኣውሮጳ: እቲ ዚጥቀማሉ ቛንቋ ቐስ እናበለ ዓብዪ ግምት ኪወሃቦን ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኪሰፍርን ጀመረ። እቲ ቛንቋ እናማዕበለ ምኻዱ ኸኣ ኣብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ጽልዋ ነበሮ። ብኸመይ፧ ኣብ መንጎ እቲ ኸም ቅዱስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቋንቋ ዚቝጸር ላቲንን ኣብ መንጎ እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ላህጃታትን እተፈላለየ ኣማራጺታትን ብምዝውታር እቲ ተራ ህዝቢ ዚጥቀመሉ ቛንቋን ዝነበረ ሃጓፍ ኣዝዩ እናገፍሐ ስለ ዝኸደ: ላቲን እቶም ዘይተማህሩ ሰባት ዘይርድእዎ ቛንቋ ዀይኑ ተረፈ።

ብዓመት 1000 ድ.ክ. መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ሓውሲ-ደሴት ኢጣልያ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ: ነቲ ብላቲን እተዳለወ ቩልጌት ተባሂሉ ዚፍለጥ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽብዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ንምርዳኡ ግን የጸግሞም ነበረ። ንዘመናት ዚኣክል ትምህርቲ: እንተላይ እቲ ኣብተን ሽዑ ዝነበራ ሒደት ዩኒቨርስቲታት ዚቐርብ ዝነበረ እውን ከይተረፈ: ኣብቶም ስልጣን ዝነበሮም ካህናት ጥራይ እተሓጽረ እዩ ነይሩ። እወ: ሒደት ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ጥራይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ነይሮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ “ዘይፍለጥ መጽሓፍ” ኰነ። ምስናይዚ ግን ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎምን ብቛንቋኦም ኪርድእዎን ሃረር ይብሉ ነበሩ።

ብሓፈሻ: እቶም ካህናት ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ መናፍቕነት ከም ዜስፋሕፍሕ ኪገብር ይኽእል እዩ ብዚብል ፍርሂ ኸይትርጐም ይቃወሙ ነበሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ማሲሞ ፊርፖ “ንቛንቋ እቲ ህዝቢ ምጥቃም ማለት: ነቲ ኻህናት ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ዚገብርዎ ምሉእ ምቍጽጻር ዝዓቀበ ናይ ቋንቋ ሓጹር [ቋንቋ ላቲን] ምውጋድ ማለት እዩ” በለ። ስለዚ እምበኣር: ባህላውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን ረቛሒታት ተደማሚሩ ኣብ ኢጣልያ ኽሳዕ እዚ እዋን እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኸም ዘየስፋሕፍሕ ገበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸፊል ኪትርጐም ይጅመር

ኣብ መበል 13 ዘመን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ላቲን ናብ ጣልያንኛ ተተርጐመ። እዚ ኸፊላዊ ትርጕም እዚ ብኢድ እዩ ዚቕዳሕ ነይሩ: ኣዝዩ ኽቡር ድማ ነበረ። ኣብ መበል 14 ዘመን እቲ ትርጕም እናቐጸለ ስለ ዝኸደ: ዳርጋ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ተተርጐመ። ይኹን እምበር: እቲ መጻሕፍቲ ብእተፈላለዩ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ግዜያትን ቦታታትን እዩ ተተርጒሙ። ንመብዛሕትኡ እቲ ስሞም ብዘይተጠቕሰ ተርጐምቲ እተዳለወ ትርጕማት ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ሃብታማት ወይ ምሁራት ጥራይ እዮም ነይሮም። ሕትመት ምስ ተጀመረ ዋጋ መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱስን ብብዙሕ እኳ እንተ ነከየ: ጸሓፍ ታሪኽ ጂልዮላ ፍራኚቶ ብዝበሎ መሰረት “ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ኪረኽብዎ ዚኽእሉ” ነይሮም።

ንዘመናት ዚኣክል መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኢጣልያ መሃይምነት ኣየጥፍኡን ነበሩ። ኢጣልያ ብ1861 ሓንቲ ሃገር ምስ ኰነት እውን ከይተረፈ 74.7 ሚእታዊት እቲ ህዝቢ መሃይምነት ኣየጥፍአን ነበረ። እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኢጣልያ ህዝባዊ ትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ክፉት ኰይኑ ብናጻን ብግዴታን ንኺመሃር ምድላዋት ምስ ገበረ: ጳጳስ ፓየስ 9ይ ብ1870 ናብ ንጉስ ጽሒፉ ነቲ ሕጊ ኺቃወሞ ተላበዎ። እቲ ጳጳስ ነቲ ሕጊ “ንናይ ካቶሊክ ኣብያተ-ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ንምዕናው” ዝዓለመ “መቕዘፍቲ” ዚብል መግለጺ ሃቦ።

ብጣልያንኛ እተተርጐመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ ብጣልያንኛ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1471 ኣብ ቨኒስ እዩ ተሓቲሙ። እዚ ድማ እታ ተንቀሳቓሲት ሓታሚት ማኪና ኣብ ኣውሮጳ ኽትዝውተር ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ገለ 16 ዓመታት ዚኸውን ጸኒሑ እዩ። ኒኮሎ ማለርቢ እተባህለ ኣብ ካማልዶሊ ዚነብር ፈላሲ ነዚ ትርጕም እዚ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ወድኦ። ብዓብዪኡ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ትርጕምን ኣብ ቩልጌትን ተመርኲሱ እዩ ኣዳልይዎ: ንገለ ገለ ቓላት ከኣ በቲ ኣብቲ ቨኒስ ዚበሃል ዚነብረሉ ኸባቢ ዝውቱር ዝነበረ ቓላት ተክኦ። እቲ ንሱ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ተሓቲሙ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

ኣብ ቨኒስ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘሕተመ ኻልእ ሰብኣይ ከኣ ኣንቶንዮ ብሩቾሊ ይበሃል። ደጋፊ ፕሮተስታንት እኳ እንተ ነበረ: ምስ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሮ ርክብ ግን ኣይበተኾን። ብ1532 ከኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ በዅሪ ቛንቋታት ዝዀነ እብራይስጥን ግሪኽን ናብ ጣልያንኛ ተርጐሞ። እዚ ትርጕም እዚ ኻብቲ በዅሪ ጽሑፋት ናብ ጣልያንኛ እተተርጐመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። እቲ ትርጕም በቲ ብሉጽ ናይ ጣልያንኛ ስነ-ጽሑፍ እተዳለወ እኳ እንተ ዘይነበረ: ነቲ ሽዑ ዝነበረ ውሱን ፍልጠት ጥንታዊ ቛንቋ ኣብ ግምት ብምእታው ግን ነቲ በዅሪ ጽሑፍ እሙን ምዃኑ ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ። ብሩቾሊ ኣብ ገሊኡ ቦታታትን ሕታማትን ንስም ኣምላኽ “የኦቫ” ብምባል ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ መሊስዎ ኣሎ። እቲ ንሱ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ኣብቶም ኢጣልያውያን ዝዀኑ ፕሮተስታንትን ሃይማኖታውያን ተቓወምትን ኣዝዩ ህቡብ እዩ ነይሩ።

ከም ሓቂ ኺርአ ኸሎ ነቲ ብሩቾሊ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽላስ ዝቐረበ ኻልእ ብጣልያንኛ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱሳት እውን ተሓቲሙ እዩ: ገለ ኻብዚ ብካቶሊካውያን እዩ ተዳልዩ። ይኹን እምበር: እዚ ኻልእ ትርጕማት እዚ ርኡይ ዝርጋሐ ኣይነበሮን። ብ1607 ወለዱ ኻብ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ንምምላጥ ናብ ስዊዘርላንድ ዝሃደሙ ናይ እምነት ካልቪን ፓስተር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጆቫኒ ዲዮዳቲ: ኣብ ጀኔቫ ዀይኑ ኻብቲ በዅሪ ቛንቋታት ናብ ጣልያንኛ ብምትርጓም ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተመ። ኢጣልያውያን ፕሮተስታንት ነቲ ጆቫኒ ዜዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንዘመናት ዚኣክል ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣብቲ እተዳለወሉ እዋን ብሉጽ ናይ ጣልያንኛ ትርጕም ጌርካ እዩ ዚውሰድ ነይሩ። ንኢጣልያውያን ከኣ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ሓጊዝዎም እዩ። ይኹን እምበር: እቶም ስልጣን ዝነበሮም ካህናት ብዚገብርዎ ዝነበሩ ምምማይ ነዝን ንኻልእ ትርጕማትን ኣገድዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ—“ዘይፍለጥ” መጽሓፍ

ኢንሳይክሎፔድያ ካቶሊካ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እታ ቤተ-ክርስትያን ንመጻሕፍቲ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽራ ትገብሮ እኳ እንተ ነበረት: እቲ ኸም ሓደገኛ ዚቝጸር ዝነበረ መጻሕፍቲ ይቃጸል ስለ ዝነበረ ኽሳዕ እቲ ሕትመት እተማህዘሉ እዋን እተኸልከለ መጻሕፍቲ ብዝርዝር ዚገልጽ መዝገብ ምሓዝ ኣድላዪ ገይራ ኣይትወስዶን እያ ነይራ።” ናይ ፕሮተስታንት ተሓድሶ ድሕሪ ምቕልቃሉ እውን ከይተረፈ: ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ዝነበሩ ካህናት ነቲ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ዚብልዎ ጽሑፋት ንኸይዝርጋሕ ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ነበሩ። ኣብቲ ብ1546 እተገብረ ዋዕላ ትረንት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ህዝቢ ብዚዛረበሉ ቛንቋታት ምትርጓም ዚምልከት ሕቶ ምስ ተመያየጡሉ ሓደ ዓብዪ ለውጢ ተራእየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽልተ በበይኑ ኣረኣእያ በሎኽ በለ። እቶም ኪኽልከል ኣለዎ በሃልቲ: እቲ ህዝቢ ብዚዛረበሉ ቛንቋ ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ኵሎም መናፍቓት ኣደን መበቈልን” እዩ ዚብል ርእይቶ ነበሮም። እቶም ኪኽልከል የብሉን በሃልቲ ድማ እቶም “ተጻረርቲ:” ወይ ፕሮተስታንት: ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዚግበር “ምትላልን ሸፈጥን” ምእንቲ ኽትሽፍን: መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ህዝቢ ዚዛረበሉ ቛንቋታት ንኸይትርጐም ከልኪላ ኺብሉ እዮም: ዚብል ርእይቶ ነበሮም።

ብምኽንያት ዘይምስምማዖም ከኣ እቲ ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንጹር ውሳነ ኣይገበረን: ኣብ ክንዳኡ ነቲ ዳሕራይ ቅቡል ጽሑፍ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ዝዀነ ትርጕም ቩልጌት ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጽሑፍ ከም ዝዀነ ገይሮም ደገፎም ሃብዎ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ፖነቲፊካል ዩኒቨርሲቲ ሳለስያኑም ዚምህር ካርሎ ቡዘቲ ብዛዕባ ቩልጌት “ሓቅነቱ እተረጋገጸ” ጽሑፍ ምዃኑ ምግላጽ: “ብተግባር ኪርአ ኸሎ እቲ ብሕጋዊ መዳይ ቅቡል መጽሓፍ ቅዱስ ንሱ ጥራይ እዩ: ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ” በለ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ነገራት ተረጋጊጹ እዩ።

ብ1559: ጳጳስ ጳውሎስ 4ይ ካቶሊካውያን ከየንብብዎ: ከይሸጥዎ: ከይትርጕምዎ: ወይ ከይውንንዎ እተኸልከልዎ ስም ዝርዝር መጻሕፍቲ ዝሓዘ ናይ መጀመርታ መሐበሪ ኣሕተመ። እዚ ጥራዛት እዚ ንእምነትን ንስነ-ምግባራዊ ንጽህናን ዜበላሹ ኽፉእን ሓደገኛን ከም ዝዀነ ጌርካ ተወስደ። እቲ መሐበሪ ንዅሉ እቲ ብጣልያንኛ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ: እንተላይ ነቲ ብሩቾሊ ዘዳለዎ ኸይንበብ ዚኽልክል ነበረ። ነዚ ሕጊ እዚ ዝጠሓሱ ይውገዙ ነበሩ። እቲ ብ1596 እተዳለወ መሐበሪ እሞ ኸኣ ዝያዳ ቐያዲ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ኺትርጐም ኰነ ኺሕተም ፍቓድ ምሃብ እውን ተኸልከለ። እቲ ድሮ እተዳለወ እውን ኪቃጸል ነበሮ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ድሕሪ መበል 16 ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ሳዕ ይቃጸል ነበረ። ብሓፈሻ እቶም ህዝቢ ንቕዱሳት ጽሑፋት ናይ መናፍቓት መጽሓፍ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ ነይሮም: እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኣሎ። ዳርጋ ዅሉ ኣብ ናይ ህዝቢ ይኹን ኣብ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱሳትን ንመጽሓፍ ቅዱስ መብርሂ ዚህብ መጻሕፍትን ኣጥፍእዎ: ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 200 ዓመት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጣልያንኛ ዝተርጐመ ዋላ ሓደ ካቶሊክ ኣይነበረን። ኣብታ ሓውሲ-ደሴት ኢጣልያ ዚዝውተር ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳት እቲ ብምሁራት ፕሮተስታንት እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ እውን እንተ ተረኺቡ ምእንቲ ኸይግበት ብሕቡእ እዩ ዚዘውር ነይሩ። ስለዚ ድማ ጸሓፍ ታሪኽ ማርዮ ቺኞኒ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ምእመናን ንዘመናት ዚኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ፈጺሞም ኣቋሪጾም ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ዘይፍለጥ መጽሓፍ እዩ ዀይኑ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኢጣልያውያን ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ገጽ እውን ትኹን ከየንበቡ ተሓሪሞም ይነብሩ ነበሩ።”

እገዳ ነከየ

ድሕሪ ገለ ግዜያት ጳጳስ በነዲክት መበል 14 ኣብቲ 13 ሰነ 1757 ዝዕለቱ መሐበሪ: “በቲ ቕዱስ መንበረ ጵጵስና እተደገፈ ብመሪሕነት ጳጳሳት ከኣ እተሓትመ: በቲ ህዝቢ ዚዛረበሉ ቛንቋ እተዳለወ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዜፍቅድ” ኣዋጅ ብምውጻእ ነቲ ናይ መጀመርታ ሕጊ ኣመሓየሾ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ዳሕራይ ሊቀ-ጳጳሳት ፍሎረንስ ዝዀነ ኣንቶንዮ ማርቲኒ ንቩልጌት ኪትርጕሞ ተዳለወ። እቲ ናይ መጀመርታ ኽፋሉ ብ1769 ተሓቲሙ: ብምሉኡ እቲ ዕዮ ብ1781 ተዛዘመ። ብመሰረት ሓደ ናይ ካቶሊክ መወከሲ ዝበሎ ድማ እቲ ማርቲኒ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “ብፍላይ ኪጥቀስ ዚግብኦ ናይ መጀመርታ” ትርጕም እዩ። ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ግን እቶም ላቲን ዘይፈልጡ ካቶሊካውያን ነቲ ብቤተ-ክርስትያን እተፈቕደ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 150 ዓመት: ኢጣልያውያን ካቶሊክ ኬንብብዎ ዚፍቀደሎም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ማርቲኒ ዘዳለዎ ትርጕም ጥራይ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕብረት ኣብያተ-ክርስትያን ዚምልከት ዋዕላ ኻልኣይ ቫቲካን ሓደ ዓብዪ ለውጢ ተራእየ። ብ1965 እቲ ዳይ ቨርቡም እተባህለ ጽሑፍ “ዚሰማማዕን ቅኑዕን ትርጕማት ብኻልእ ቋንቋታት: ብፍላይ ከኣ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ እቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ” ኺትርጐም ንመጀመርታ ግዜ ኣተባብዐ። ቀቅድሚ 1958 ከኣ እቲ ፖንቲፊቾ ኢስቲቶ ቢብሊኮ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጳጳሳዊ ትካል መጽሓፍ ቅዱስ: “ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ናይ ካቶሊክ ምሉእ ትርጕም” ኣሕተመ። እዚ ትርጕም እዚ ነቲ መለኮታዊ ስም “ጃቨ” ብምባል ኣብ ሒደት ጥቕስታት ኣብቲ ቦታኡ መሊስዎ ኣሎ።

እቲ ህዝቢ ብዚጥቀመሉ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይዳሎ ዚግበር ዝነበረ ምቅዋም ዕንወት ኬስዕብ ጸኒሑ እዩ: እቲ ሕማቕ ሳዕቤኑ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ጂልዮላ ፍራኚቶ ኸም ዝገለጾ: እዚ ተቓውሞ እዚ “ኣመንቲ ነቲ ንምፍላጥን ብሕልናኦም ተመሪሖም ንምውሳንን ዘለዎም ክእለት ምጥርጣር ከም ዚሓድሮም” ገይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ሓያሎ ካቶሊካውያን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይሮም ዚምልከትዎ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘሕደሮ ተጽዕኖ እውን ኣሎ። ሽሕኳ መሃይምነት እንተ ጠፍአ: እዚ ዅሉ ረቛሒታት እዚ ግን ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርሕቑ ገይርዎም እዩ።

ይኹን እምበር: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ዕዮ ወንጌላውነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብጣልያንኛ ንኺዳሎ ኸም ብሓድሽ ተገዳስነት ከም ዚለዓዓል ገይሩ እዩ። ብ1963 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብጣልያንኛ ኣሕቲሞም እዮም። ብ1967 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተዳለወ። እዚ ትርጕም እዚ ኣብ ኢጣልያ ጥራይ ብ4,000,000 ቅዳሓት ተዘርግሐ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ብምምላስ ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ብጥንቃቐ ኸም ዚስዕቦ ኣርእዩ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ተስፋ ንዅሎም ዚሰምዑ ሰባት የንብቡሎምን ይገልጹሎምን እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ኣብ ዚመጽእ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ከለኻ: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ “ጽድቂ ዚነበረሉ” “ሓድሽ ምድሪ” ኼምጽእ ምዃኑ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋታት ኣምላኽ: እቲ ንስኻ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ኬርእዩኻ ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧—2 ጴጥሮስ 3:13

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቨኒስ

ሮማ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብሮቾሊ ኣብቲ ዘዳለዎ ትርጕም ነቲ የኦቫ ዚብል መለኮታዊ ስም ተጠቒሙ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ዝርዝር እተኸልከለ መጻሕፍቲ ዝሓዘ መሐበሪ: ናብ ጣልያንኛ እተተርጐመ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደገኛ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Bible title page: Biblioteca Nazionale Centrale di Roma

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Brucioli’s translation: Biblioteca Nazionale Centrale di Roma; Index: Su concessione del Ministero per i Beni e le Attività Culturali