ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ነቲ እትደልዮ ዘበለ ኼማልእ ድዩ፧

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ነቲ እትደልዮ ዘበለ ኼማልእ ድዩ፧

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ነቲ እትደልዮ ዘበለ ኼማልእ ድዩ፧

“ጴጥሮስ [ዓብዪ] ኣብ 1 ጥሪ ዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ንሓድሽ ዓመት ብፍሉይ ኣገባብ ኬብዕላ ኣዘዘ። ብተወሳኺ ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ልዳት ማዕጾ ብጨናፍር እቲ ወትሩ ሓምላይ ኦም ጌርካ ኺስለም ከምኡውን ዜጋታት ሞስኮ ኣብ ንሓድሕዶም ‘ዓው ኢሎም ሰናይ ትምኒቶም ብምግላጽ ሓጐሶም ኬርእዩ’ ኣዘዘ።” —ፒተር ዘ ግሬት—ሂዝ ላይፍ ኤንድ ዎርልድ

ንስኻኸ ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን እንታይ ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ ዘለኻ፧ እዚ እዋን በዓል ንውሕ ዝበለ ግዜ ዚሽፍን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ወለድን ውሉዳትን ዕረፍቲ ስለ ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤት ብሓንሳእ ግዜ ንኼሕልፉ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም። በዓል ልደት: ክርስቶስ እተወልደሉ መዓልቲ ዚበዓለሉ በዓል እዩ። ገለ ሰባት: በዓል ልደት እቲ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኽፋል እዚ ወቕቲ እዚ ምዃኑ ስለ ዝኣምኑ: ኣብዚ እዋን እዚ ንክርስቶስ ኬኽብርዎ ይደልዩ። ንስኻውን ከምኡ ይስምዓካ ይኸውን።

ንክርስቶስ ንምኽባር ይኹን: ምስ ስድራቤት ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ወይ ድማ ንኽልቲኡ ብዘየገድስ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ነዚ እዋን እዚ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። ኣብዛ ዓመት እዚኣኸ፧ ንስድራቤታት ፍሉይ እዋን ኪኸውን ድዩ፧ ንኣምላኽከ ባህ ዜብል ድዩ፧ ምስ ስድራቤት እትተኣኻኸበሉ እዋን እንተ ዀይኑ: ነቲ እትደልዮ ዘበለ ኼማልእ ድዩ፧ ወይስ ዜጕህየካ እዩ ኪኸውን፧

ብዙሓት ሃይማኖታውያን ኣብ በዓል ልደት ኰነ ኣብ በዓል ሓድሽ ዓመት ክርስቶስ ከም ዘይዝከር ይዛረቡ። ኣብ ክንዳኡ ኣብዚ ዚመጽእ እዋን በዓላት ሰባት ህያባት ንምቕባል: ንክርስቶስ ክብሪ ዘየምጽእ ነገራት ናብ ዚፍጸመሉ ቐይዲ-በተኽ ትልሂታት ንምኻድ: ወይ ድማ ምስ ስድራቤት ንምትእኽኻብ እዮም ዚህንጠዩ። መብዛሕትኡ እዋን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣባል ስድራቤት ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዑ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብምብዝሑ: ወይ ናብ ባእሲ ዜምርሕ ክርክር ብምልዓሉ እቲ ምትእኽኻብ ይበላሾ እዩ። ንስኻውን ነዚ ኣስተብሂልካሉ ትኸውን ወይ ድማ ኣጋጢሙካ ይኸውን እዩ።

ሕጂ ዘሎ ዅነታት ካብቲ እቲ ኣብቲ መእተዊ እተጠቕሰ ናይ ሩስያ ዛር ወይ ንጉስ ጴጥሮስ ዓብዪ ዝነበረሉ ብዙሕ ዘይተቐየረ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። በቲ ሎሚ ዘሎ ዅነታት ዚጕህዩ ብዙሓት ሰባት: እዚ እዋን በዓላት እዚ ሃይማኖታውን ጥዑይ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ዚግበረሉን በዓል ኪኸውን እዮም ዚደልዩ። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ምኽንያት እዋን ዓውደ ዓመት የሱስ እዩ ዚብል ጭርሖታት የቃልሑ እዮም። ይኹን እምበር: ለውጢ ኺመጽእ ይኽእል ድዩ፧ እዚ ንክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኽብሪ ዜምጽእ ድዩ፧ ሰባት ብዛዕባ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ነዚ ዜዕግብ መልስታት ንምርካብ: ነቲ ዅነታት በረኣእያ ሓደ ንእዋን ዓውደ ዓመት ሞሳ ንኼርኢ ፍሉይ ምኽንያት ዘለዎ ህዝቢ እስከ ንመርምሮ።