ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

እቲ መጀመርታ እተፈጸመ ሓጢኣት: ማለት ኣዳም ዝፈጸሞ ዘይምእዛዝ: ምስ ተመሓላላፊ ሕማም ኪመሳሰል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ኣዳም ናብቶም ዘርኡ ሓጢኣት ስለ ዘመሓላለፈ: ሓጢኣት ልክዕ ከም ተመሓላላፊ ሕማም እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ሓድሓደ ቘልዑ ኻብ ወለዶም ሕማም ዚወርሱ: ንሕና ድማ ሓጢኣት ወሪስና ኢና።—15/8 ገጽ 5

ነዚ ኣብዚ ግዜና እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻ ቐንዲ ጠንቁ እንታይ እዩ፧

ሰይጣን በቲ ዜስካሕክሕ ጭካነን ቅትለትን ንኽትፍጽም ዜበራትዕ ከም ፊልምታት: ሙዚቃ: ከምኡውን ናይ ኮምፒዩተር ጸወታታት ገይሩ ኣብ ልቢ ሰባት መንፈስ ዓመጻ ብምዝራእ ካብ የሆዋ ኺፈልዮም ይጽዕር ኣሎ። እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ ዓመጻ እውን ሓደ ዓብዪ ተራ ኣለዎ።—1/9 ገጽ 29

ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧

ሓደ ዝተሓተ ስልጣን ዝነበሮን ኣብ ሰራዊት ሮሜ ዝነበረን ሰብ እዩ ነይሩ። ብ26 ድ.ክ. ናይ ሮሜ ሃጸይ ጢቤርዮስ ኣብ ይሁዳ ኣመሓዳሪ ገይሩ ሸሞ። ጲላጦስ ነቲ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ንየሱስ ዘቕረቡሉ ኽስታት ሰምዖ። ነቲ ህዝቢ ንምሕጓስ ድማ ንኪቕተል ኣሕሊፉ ሃቦ።—15/9 ገጽ 10-12

እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:3 ተጠቒሱ ዘሎ “ትእምርቲ” እንታይ እዩ፧

እዚ እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈ መለለዪ ምልክት እዩ። እዚ ምልክት እዚ ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ዜጠቓልል እዩ፣ ንሰዓብቲ የሱስ ከኣ ‘ህላወኡን’ (NW) “መወዳእታ ዓለምን” ንኼለልዩ ዜኽእሎም እዩ ነይሩ።—1/10 ገጽ 4-5

ኣይሁድ ኣበይ እዮም ተበታቲኖም ነይሮም፧

ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ እዮም ተበታቲኖም ነይሮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተን ቀንዲ ኣይሁድ ዚነብሩለን ዝነበሩ ኸባቢ: ሶርያ: ንእሽቶ እስያ: ባቢሎንያ: ከምኡውን ግብጺ እየን፣ ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከብ ግዝኣት ሮሜ እውን ሒደት ማሕበረሰባት ኣይሁድ ይነብሩ ነበሩ።—15/10 ገጽ 12

ሓደ ክርስትያን: ብረት ንኺዓጥቕ ዚሓትት ስራሕ እንተ ዚቕበል: ጽሩይ ሕልናዶ ምሃለዎ፧

ብረትን ካልእ ኣጽዋርን ንኽትጥቀም ኣብ ዚሓትት ዓይነት ስራሕ ምስራሕ: ብብሕቲ ዚውሰን ጕዳይ እዩ። ገለ ነገር ተፈጢሩ ነዚ ኣጽዋር እዚ ንኺጥቀመሉ እንተደኣ ተገዲዱ ግን ናይ ደም ገበነኛ ኺገብሮ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ርእስኻ ናይ መጕዳእቲ ወይ ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ኼስዕብ ንዚኽእል ቀጥታዊ ዀነ ኣዘንጊዕካ ንዚግበር መጥቃዕቲ እውን ዜቃልዕ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣጽዋር ዚዕጠቕ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ፍሉይ መሰላት ብቑዕ ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 3:3, 10)—1/11 ገጽ 31

እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል: ካብታ “ከረን መጊዶ” እትብል ቃል ዝመጸት ብምዃና: እቲ ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ሓደ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከብ ከረን እዩ ዚካየድ ማለት ድዩ፧

ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ: ሕጂ ኸረን መጊዶ ዚበሃል የልቦን፣ የግዳስ: ኵርባ ጥራይ እዩ ዘሎ። እቲ ኸባቢ ድማ ንዅሎም “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ኪሕዝ ኣይክእልን እዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ውግእ ንመላእ ዓለም ዜጠቓልል እዩ፣ መዛዘሚ ዅሉ ውግእ ድማ ኪኸውን እዩ። (ራእይ 16:14, 16፣ 19:19፣ መዝሙር 46:8, 9)—1/12 ገጽ 4-7