ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመን ኢኻ እትእዘዝ፧ ንኣምላኽዶ ወይስ ንሰብ፧

ንመን ኢኻ እትእዘዝ፧ ንኣምላኽዶ ወይስ ንሰብ፧

ንመን ኢኻ እትእዘዝ፧ ንኣምላኽዶ ወይስ ንሰብ፧

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።”ግብሪ ሃዋርያት 5:29

1. (ሀ) እታ ቐንዲ ጥቕሲ እዛ መጽናዕቲ እዚኣ እንታይ እያ፧ (ለ) እቶም ሃዋርያት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተዉ ስለምንታይ እዮም፧

 እቶም ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ነዲሮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ከመይሲ: እሱራት ጠፊኦምዎም እዮም። እቶም እሱራት: ሃዋርያት እቲ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኺመውት እተፈርዶ የሱስ ክርስቶስ ዚበሃል ሰብ እዮም ነይሮም። እቲ ቤት ፍርዲ ነዞም ኣጸቢቖም ዚቐርብዎ ሰዓብቱ ኺፈርዶም ተዳልዩ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኼምጽእዎም ምስ ከዱ ግን: እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ እኳ እንተ ጸንሖም: ውሽጡ ግን ጥራዩ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሑ እቶም ሃዋርያት ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ብትብዓት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ይምህሩ ምህላዎም ፈለጡ: እቲ ዜገርም ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ተኣሲሮም ነይሮም! እቶም ሓለውቲ ብኡንብኡ ናብቲ ቤተ መቕደስ ከይዶም ነቶም ሃዋርያት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣምጽእዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:17-27

2. ሓደ መልኣኽ ንሃዋርያት እንታይ ኪገብሩ እዩ ትእዛዝ ዝሃቦም፧

2 ነቶም ሃዋርያት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘውጽኦም: መልኣኽ እዩ ነይሩ። ከምኡ ዝገበረ ግን ካብቲ ዚወርዶም ዝነበረ መስጐጕቲ ንምንጋፍ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: ተቐማጦ የሩሳሌም ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ብስራት ምእንቲ ኺሰምዑ ኢሉ እዩ። እቲ መልኣኽ ነቶም ሃዋርያት ዝሃቦም መምርሒ “እዚ ዅሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” ዚብል ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:19, 20) እቶም ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ነቶም ሃዋርያት ኪረኽብዎም ከለዉ እውን: ነዚ ትእዛዝ እዚ ብተኣማንነት እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም።

3, 4. (ሀ) ጴጥሮስን ዮሃንስን ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም እንታይ ኢሎም እዮም ዝመለሱ፧ (ለ) ካልኦት ሃዋርያትከ እንታይ ኢሎም እዮም ዝመለሱ፧

3 ክልተ ኻብቶም ጽኑዓት ሰበኽቲ: ማለት ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን: ኣቐዲሞም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ነይሮም። እቲ ላዕለዋይ ዳኛ ዝነበረ ዮሴፍ ቀያፋ ድማ: “በዚ ስም እዚ [ብስም የሱስ] ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ: ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ” ኢሉ መርመሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:28) ቀያፋ: ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ቤት ፍርዲ እንደገና ምቕራቦም ኬገርሞ ኣይነበሮን። ኣብቲ ቐዳማይ እዋን: እቶም ክልተ ሃዋርያት ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም: “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ: ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ: እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ” ኢሎም እዮም መሊሶም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ኤርምያስ: ነቲ እተዋህቦም መዝነት ካብ ምፍጻም ድሕር ኪብሉ ኣይኰነሎምን።—ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ ኤርምያስ 20:9

4 ካልኣይ ሳዕ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ ግን: ጴጥሮስን ዮሃንስን ጥራይ ዘይኰኑስ: ኵሎም ሃዋርያት: እንተላይ እቲ ሓድሽ እተመርጸ ማትያስ: ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ኣቕዋሞም ኬፍልጡ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:21-26) ደጊም ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም: ንሳቶም እውን ብትብዓት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ንኣምላኽ ዘርእይዎ ተኣዛዝነት ምስቲ ንሰብ ዘርእይዎ ተኣዛዝነት ኪጋጮ ኸሎ

5, 6. እቶም ሃዋርያት ነቲ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦም ትእዛዝ ዘይሓለዉ ስለምንታይ እዮም፧

5 እቶም ሃዋርያት ኣብ ንቡር እዋን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይጥሕሱ ሕጊ ዜኽብሩ ሰባት እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ዝሓዞ ስልጣን ብዘየገድስ: ንኻልእ ሰብ ትእዛዝ ኣምላኽ ከይሕሉ ኺእዝዞ ኣይክእልን እዩ። የሆዋ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” እዩ። (መዝሙር 83:18) “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ዝለዓለ ሓጋግ ሕግን ንጉስ ዘለኣለምን እዩ። ዝዀነ ይኹን ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚስርዝ ቤት ፍርዲ ዚህቦ ትእዛዝ: ብዓይኒ ኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን።—ዘፍጥረት 18:25፣ ኢሳይያስ 33:22

6 ገሊኦም ብሉጻት ክኢላታት ሕጊ: ነዚ ነገር እዚ ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም። ንኣብነት: እቲ ዊልያም ብላክስቶን ዚበሃል ኣብ መበል 18 ዘመን ዝነበረ ፍሉጥ እንግሊዛዊ ኽኢላ ሕጊ: ዋላ ሓደ ሕጊ ወድሰብ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ኣምላኽ ዝገለጾ ሕጊ” ኺጋጮ ኺፍቀደሉ ኸም ዘይብሉ ጸሓፈ። ስለዚ: እቲ ሳንሄድሪን ወይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ: ነቶም ሃዋርያት ከይሰብኩ ኺእዝዞም ከሎ: ኣብ ዘይቦታኡ እዩ ኣትዩ። እቶም ሃዋርያት ነቲ ትእዛዝ እቲ ኬኽብሩ ኣይኰነሎምን እዩ።

7. ዕዮ ስብከት ንሊቃውንቲ ኻህናት ዘቘጠዖም ስለምንታይ እዩ፧

7 እቶም ሃዋርያት ስብከቶም ንኪቕጽሉ ዝነበሮም ቈራጽነት ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣቘጥዖም። ገሊኦም ካህናት: እንተላይ ቀያፋ ንባዕሉ: ኣብ ትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰዱቓውያን እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1, 2፣ 5:17) እንተዀነ ግን: እቶም ሃዋርያት: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ምዝራብ ኣይሓደጉን። ኣብ ርእሲ እዚውን: ገሊኦም ሊቃውንቲ ኻህናት ካብ ሰበ-ስልጣን ሮሜ ሞገስ ንኺረኽቡ ኢሎም ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ገይሮም። የሱስ ኣብ ዚምርመረሉ እዋን ከም ንጉሶም ንኪቕበልዎ ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተሎም: “ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም ክሳዕ ምጭዳር በጺሖም እዮም። (ዮሃንስ 19:15) a እቶም ሃዋርያት: የሱስ ከም ዝተንስአ ጥራይ ኣይኰኑን ዜረጋግጹ ነይሮም: የግዳስ ብዘይካ ብስም የሱስ: “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን” ኢሎም እውን ይምህሩ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36፣ 4:12) ስለዚ ድማ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ: እቶም ህዝቢ ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ከም መራሒኦም ገይሮም ኪርእይዎ እንተ ጀሚሮም: ሮማውያን መጺኦም ‘ምድሮምን ህዝቦምን’ ከይወስዱሎም ፈርሁ።—ዮሃንስ 11:48

8. ገማልኤል ነቲ ሳንሄድሪን እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

8 ነቶም ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ: ሕማቕ ነገር ዜጋጥሞም ይመስል ነበረ። እቶም ደያኑ ሳንሄድሪን ንኪቐትልዎም ቈሪጾም ተላዒሎም እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:33) ይኹን እምበር: ትጽቢት ዘይተገብረሉ ለውጢ ኣጋጠመ። ገማልኤል ዚበሃል ፈላጥ ሕጊ ተንሲኡ: ነቶም መሳርሕቱ ተቐላጢፎም ስጕምቲ ኸይወስዱ ኣጠንቀቖም። “እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ: ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና: ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡ” ብምባል ጥበባዊ ምኽሪ ሃበ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:34, 38, 39

9. እቲ ሃዋርያት ዝዓይዎ ዕዮ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ እዩ ዝነበረ፧

9 እቲ ዜገርም ከኣ: እቲ ቤት ፍርዲ ንምኽሪ ገማልኤል ሰምዐ። “ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም: ብስም የሱስ ከይዛረቡ አዚዞም ከኣ ሐደግዎም።” እቶም ሃዋርያት ግን ኣብ ክንዲ ዚፈርሁ: ነቲ እቲ መልኣኽ ኪሰብኩ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ኪሕልዉ ቘሪጾም እዮም ነይሮም። ስለዚ: ካብኡ ምስ መጹ: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 5:40, 42) የሆዋ ድማ ነቲ ጻዕርታቶም ባረኾ። ክሳዕ ክንደይ እዩ ባሪኽዎ፧ “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ: ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ።” አረ “ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተአዘዙ።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:7) እዚ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ክሳዕ ክንደይ ኰን ረቢሽዎም ኪኸውን ኣለዎ! እቲ መርትዖ ኪዅመር ጀመረ። እቲ ሃዋርያት ዚዓይዎ ዕዮ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ!

ምስ ኣምላኽ ዚበኣሱ ኣይዕወቱን እዮም

10. ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ኺርአ ኸሎ: ቀያፋ በቲ ስልጣኑ ዚተኣማመን ዝነበረ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ምትእምማኑ ጌጋ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣብ ቀዳማይ ዘመን እቲ ናይ ኣይሁድ ሊቀ ኻህናት ብሰበ-ስልጣን ሮሜ እዩ ዚሽየም ነይሩ። ነቲ ሃብታም ዝነበረ ዮሴፍ ቀያፋ ዝሸሞ እውን ቫለሪዩስ ግራቱስ እዩ ነይሩ። ቀያፋ ኻብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንዝነውሐ ግዜ: ነዚ ስልጣን እዚ ሓዘ። ነዚ ኺገብር ዝኸኣለ ግን: ኣምላኽ ስለ ዝሓገዞ ዘይኰነስ: በቲ ዝነበሮ ኽእለት ዲፕሎማስን ምስ ጲላጦስ ዝነበሮ ዕርክነትን ምዃኑ ይፍለጦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ: እቲ ኣብ ሰባት ዝነበሮ ምትእምማን ጌጋ እዩ ነይሩ። እቶም ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ካብ ዝቐረቡሉ እዋን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት: ቀያፋ ኣብ ሰበ-ስልጣን ሮሜ ዝነበሮ ሞገስ ሰኣነ: ካብቲ ኸም ሊቀ ኻህናት ዝነበሮ ስልጣን ድማ ወረደ።

11. ጶንጥዮስ ጲላጦስን ኣገባብ ኣይሁድን ኣብ መወዳእታ እንታይ ኣጋጠሞ፧ ካብዚኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢኻ እትበጽሕ፧

11 ንቀያፋ ኻብ ስልጣኑ ንምውራድ እተዋህበ ትእዛዝ ካብቲ ንጲላጦስ ሓለቓኡ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ሶርያ ሉክዩስ ቪተሊዩስ እዩ መጺኡ: እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ቀያፋ ዝነበረ ጲላጦስ ድማ ነዚ ኼወግዶ ኣይከኣለን። አረ ቀያፋ ኻብ ዚወርድ ድሕሪ ሓደ ዓመት: ጲላጦስ ንባዕሉ ኻብ ስልጣኑ ወሪዱ ንዝቐረበሉ ኸቢድ ክስታት መልሲ ንኺህብ ናብ ሮሜ ተጸውዐ። ነቶም ኣብ ቄሳር እተወከሉ መራሕቲ ኣይሁድ ከኣ: ሮማውያን መጺኦም ‘ንምድሮምን ህዝቦምን’ ወሲዶምሎም እዮም። እዚ ድማ ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ንኸተማ የሩሳሌም ኰነ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ቤተ መቕደስን ኣደራሽ ሳንሄድሪንን ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣጥፍእዎ ተፈጸመ። ኣብዚ መዳይ እዚ: እተን “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ሓቅነተን እተረጋገጸ!—ዮሃንስ 11:48፣ መዝሙር 146:3

12. እቲ የሱስ ኣብ መወዳእታ ዝረኸቦ ነገር: ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ጥበባዊ መገዲ ኸም ዝዀነ ዘመስከረ ብኸመይ እዩ፧

12 ብኣንጻሩ ግን: ኣምላኽ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ገይሩ ሸሞ። ነዚ ሽመት እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኪስርዞ ኣይክእልን እዩ። እወ: የሱስ “ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ።” (እብራውያን 2:9፣ 7:17, 24፣ 9:11) የሆዋ ንየሱስ ፈራዲ ህያዋንን ምዉታትን እውን ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:5) በዚ ስልጣን እዚ ኸኣ: ዮሴፍ ቀያፋን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ኣብ መጻኢ ህይወት ኣጋጣሚ ዚወሃቦም እንተ ዀይኑ: የሱስ እዩ ዚውስን።—ማቴዎስ 23:33፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ተባዓት ዘመናውያን ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ

13. ኣብዚ ግዜና እንታይ ዕዮ እዩ ኻብ ሰብ ምዃኑ እተፈልጠ፧ እንታይ ዕዮኸ እዩ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ እተፈልጠ፧ ነዚ ብኸመይ ፈሊጥካ፧

13 ኣብዚ ግዜናውን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ብዙሓት ‘ምስ ኣምላኽ ዚበኣሱ’ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:39) ንኣብነት: ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣዶልፍ ሂትለር ከም ፍዩረር ወይ መራሒ ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ኣበይዎ: ሂትለር ኬጽንቶም ምዃኑ ፈከረ። (ማቴዎስ 23:10) እቲ ሰባት ንምቕታል ዚጥቀመሉ ዝነበረ ብሉጽ ሜላ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐሊሉ ዜጥፍኦም ይመስል ነበረ። ኣባላት ናዚ በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሐሒዞም: ናብ መዳጐኒ ደምበታት ኣእተውዎም። ንገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ቀተልዎም። እንተዀነ ግን: ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ኬምልኹ ዝገበርዎ ቘራጽነት ከም ዜፍርሱ ኺገብርዎም ኣይከኣሉን: ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ኼጥፍእዎም ድማ ኣይከኣሉን። እቲ እዞም ክርስትያናት ዚዓይዎ ዕዮ ኻብ ሰብ ዘይኰነስ: ካብ ኣምላኽ እዩ። ዕዮ ኣምላኽ ድማ ኪፈርስ ኣይክእልን እዩ። ድሕሪ 60 ዓመት: ካብ ናይ ሂትለር መዳጎኒ ደምበ ዝደሓኑ እሙናት ሰባት ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓሳቦምን’ የገልግልዎ ኣለዉ: ሂትለርን ሰልፊ ናዝን ግን ብሕማቕ ተግባራቶም ጥራይ እዮም ዚዝከሩ።—ማቴዎስ 22:37

14. (ሀ) ተጻረርቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኼካፍኡ ኢሎም እንታይ ጻዕርታት እዮም ገይሮም፧ እንታይ ፍረኸ ረኸቡሉ፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ንህዝቢ ኣምላኽ ነባሪ ጕድኣት የምጽኣሎም ድዩ፧ (እብራውያን 13:5, 6)

14 ድሕርቲ ናዚ ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣብ ዝነበረ ዓመታት እውን: ካልኦት ምስ የሆዋን ህዝቡን ተቓሊሶም: ተሰኒፎም እዮም። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ: ተንኮለኛታት ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ሓደገኛ ኣንቈራ’ ዚብል ስም ኪልጥፉሎም ጽዒሮም እዮም: እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዜጋጥሞም ዝነበረ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) ከም ሓቂ ግን ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ኣንቈራ ዘይኰነስ: ከም ሃይማኖት እዩ ዚፈልጦም። ተጻረርቲ ነዚ ኺፈልጥዎ ይግባእ። እንተዀነ ግን: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ምክፋእ ኣይተቘጠቡን። ብሰንኪ እዚ ጸለመ እዚ: ገሊኦም ክርስትያናት ካብ ስርሖም ተሰጒጎም እዮም። ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ትምህርቲ ተጋፊዖም እዮም። ፈራሃት ኣካረይቲ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ ግዜ ኸም መአከቢኦም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ህንጻታት ዝነበሮም ውዕል ሰሪዞምዎ እዮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ: መንግስታዊ ትካላት ንውልቀ-ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ ጥራይ: መሰል ዜግነቶም ከልኪሎምዎም እዮም! እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድምብርጽ ኣይበሎምን።

15, 16. ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንክርስትያናዊ ዕዮኦም ዘጋጠሞ ምጽራር ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧ ስብከቶም ዘይሓድጉኸ ስለምንታይ እዮም፧

15 ንኣብነት: ህዝቢ ፈረንሳ ብሓፈሻኡ ርትዓውያንን ፍትሓውያንን እዮም። ይኹን እምበር: ሒደት ተጻረርቲ ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኬልምስ ኢሎም ዝሓሰብዎ ሕግታት የስፋሕፍሑ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚገብርዎ ንጥፈታቶም: ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኣጐሃሃርዎ: እዚ ድማ ዜሐጕስ ፍረ ኣምጸኣሎም። (ያእቆብ 4:7) ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ: ቍጽሪ እቶም ኣብታ ሃገር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምርሓሎም ብ33 ሚእታዊት ወሰኽ ገበረ! ድያብሎስ ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት: ነቲ ብስራት ኪቕበሉ ምርኣዩ ኣነዲርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ራእይ 12:17) ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ክርስትያናት ብጾትና: እቲ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ” ዚብል ቃላት ኢሳይያስ ኣባታቶም ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት እዮም።—ኢሳይያስ 54:17

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎ: ባህ ኣይብሎምን እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣምላኽ ንዅሎም ክርስትያናት ዝሃቦም ትእዛዝ ካብ ዘለዎም ተኣዛዝነት: ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ነገራት ምዝራብ ኪሓድጉ ኣይኰነሎምን እዩ። ንፉዓት ዜጋታት ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብ መንጎ ሕጊ ኣምላኽን ሕጊ ሰብን ግጭት ምስ ዚፍጠር ግን: ንኣምላኽ እዮም ኪእዘዙ ዚግባእ።

ኣይትፍርህዎም

17. (ሀ) ንጸላእትና ኽንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንሰጐጕቲ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

17 ጸላእትና ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ዘለዉ። ምስ ኣምላኽ እዮም ዚቃለሱ ዘለዉ። ስለዚ: ምስ ትእዛዝ የሱስ ብምስምማዕ ነቶም ዚሰጉና ኣብ ክንዲ እንፈርሆም: ክንጽልየሎም እዩ ዘሎና። (ማቴዎስ 5:44) ከም ሳውል ብዓል ጠርሴስ ብዘይፍላጥ ንኣምላኽ ዚጻረሩ እንተደኣ ኣልዮም: የሆዋ ብጸጋኡ ነቲ ሓቂ ኺርእዩ ኣዒንቶም ኪኸፍተሎም ንጽሊ ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሳውል: ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ: በቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን እውን ብዙሕ ስቓይ ወረዶ። ኰይኑ ግን: ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ “ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ: ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ [ነቶም ብርቱዓት ሰጐጕቲ እውን ከይተረፈ ኸይጸርፉ]: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ” ኻብ ምዝኽኻር ኣየብኰረን። (ቲቶስ 3:1, 2) ኣብ ፈረንሳን ኣብ ካልእን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነዚ ምኽሪ እዚ ኺዓዩሉ ይጽዕሩ እዮም።

18. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ በየናይ መገድታት ኬናግፎም ይኽእል፧ (ለ) ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚህሉ፧

18 ኣምላኽ ንነብዪ ኤርምያስ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ” በሎ። (ኤርምያስ 1:8) የሆዋ ኻብዚ ሎሚ ዜጋጥመና መስጐጕቲ ዜናግፈና ብኸመይ እዩ፧ ከም ገማልኤል ዝኣመሰለ ፍትሓዊ ዳኛ የላዕል ይኸውን። ወይ ንሓደ ብልሹው ወይ ተጻራሪ ብዓል ስልጣን: ብሃንደበት ብሓደ ዝያዳ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብዓል ስልጣን ከም ዚትካእ ይገብር ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ግን የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቡ ዚወርድ መስጐጕቲ ኪቕጽል ይፈቅድ ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ኣምላኽ መስጐጕቲ ኺወርደና እንተ ፈቒዱ: ወትሩ ነቲ መስጐጕቲ ንኽንጻወሮ ዜኽእለና ሓይሊ ይህበና እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ኣምላኽ ዝፈቕዶ ፈተና ብዘየገድስ ከኣ: ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ውጽኢት ከም ዚህሉ ኣይንጠራጠርን ኢና። እቶም ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዚበኣሱ: ምስ ኣምላኽ እዮም ዚበኣሱ: ምስ ኣምላኽ ዚበኣሱ ኸኣ ኣይዕወቱን እዮም።

19. ናይ 2006 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ እያ፧ ንምንታይከ እያ ብቕዕቲ እትኸውን፧

19 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸበባ ኺወርዶም ኪጽበዩ ነገሮም። (ዮሃንስ 16:33) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: እተን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ዚርከባ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብላ ቓላት ኣብዚ ግዜና ብዝያዳ እዋናውያን እየን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዘን ባህ ዜብላ ቓላት እዚኣተን: ናይ 2006 ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀና ተመሪጸን ኣለዋ። ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኰነ ንዘለኣለም: ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንኣምላኽ ክንእዘዞ ቘራጽነት ንግበር!

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ብወግዒ እተቐበልዎ “ቄሳር:” እቲ ግቡዝን ቀታልን ዝነበረ ንዑቕ ሮማዊ ሃጸይ ጢቤርዮስ እዩ ነይሩ። ጢቤርዮስ በቲ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራቱ እውን ይፍለጥ ነበረ።—ዳንኤል 11:15, 21

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• እቶም ሃዋርያት በቲ ንዘጋጠሞም ምጽራር እተዋጽኡሉ መገዲ እንታይ ዜተባብዕ ኣብነት እዮም ሓዲጎምልና፧

• ወትሩ ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

• ተጻረርትና ብሓቂ ምስ መን እዮም ዚበኣሱ ዘለዉ፧

• እቶም መስጐጕቲ ዚጻወሩ እንታይ ውጽኢት ኪረኽቡ ኢና እንጽበ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ 2006 ዓመታዊት ጥቕሲ:- “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።” —ግብሪ ሃዋርያት 5:29

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቀያፋ ኣብ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ኣብ ሰብ ተወከለ