ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ይስበኽ’

‘ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ይስበኽ’

‘ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ይስበኽ’

የሱስ ስብከቱ ኺጅምር ከሎ: ሓደ ኽፋል መዝነቱ “ንምሩኻት . . . ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ” ብምባል ሓበረ። (ሉቃስ 4:18) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ጐይታኦም ብምስዓብ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ን“ዅሉ ሰብ” እናሰበኹ ንሰባት ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ሓራ የውጽእዎምን ህይወቶም ንኼመሓይሹ ይሕግዝዎምን ኣለዉ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4

ሎሚ: እዚ ዕዮ ስብከት እዚ ነቶም እሱራት ዝዀኑ ሰባት: ማለት ነቶም ብምኽንያት እተፈላለየ ገበናት እተኣስሩ ኸምኡውን ነቶም ብመንፈሳዊ ነጻ ምዃን ዘማስዉሉ ሰባት ምስባኽ ዜጠቓልል እዩ። ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ኣብተን ኣብ ዩክረይንን ኣብ ካልእ ቦታታት ኣውሮጳን ዚርከባ ኣብያተ-ማእሰርቲ እተገብረ ዕዮ ስብከት ዚገልጽ ዜተባብዕ ጸብጻብ: ዜሐጕስ ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።

ውሉፋት ሓሽሽ ዝነበሩ ክርስትያናት ኰኑ

ካብተን ሰርሂ a ኣብ ህይወቱ ዘሕለፈን 38 ዓመት እተን 20 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ እዩ ኣሕሊፉወን። ትምህርቱ እውን ኣብኡ ዀይኑ እዩ ወዲኡ። “ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሰብ ስለ ዝቐተልኩ ተኣሲረ: ብሕጂውን እተወሰነ ግዜ ኣብዚ ኽጸንሕ እየ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ልክዕ ከም ውልቀ-መላኺ እየ ነይረ: ካልኦት እሱራት ድማ ይፈርሁኒ ነበሩ” በለ። እዚ ግን ነጻነት ከም ዚስምዖዶ ገበሮ፧ ኣይገበሮን። የግዳስ: ንሓያሎ ዓመታት ባርያ ሓሽሽን ኣልኮልን ትምባኾን ኰይኑ ነበረ።

ብድሕርዚ ሓደ መተኣስርቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነገሮ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዜብርሃልካ ጩራ ብርሃን እዩ ዀይንሉ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ካብቲ ወልፍታቱ ናጻ ዀነ፣ ሰባኺ እቲ ብስራት ከኣ ኰነ: ብድሕሪኡ ድማ ተጠምቀ። ሕጂ ሰርሂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ስለ ዜገልግል: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ወትሩ ብስራሕ ትሑዝ እዩ። ንኻልኦት ሸውዓተ ዝዀኑ እሱራት ድማ መገዶም ንኪቕይሩን መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ንኪዀኑን ሓጊዝዎም እዩ። ካብዚኣቶም እቶም ሽዱሽተ ተፈቲሖም እዮም: ሰርሂ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣይወጸን። በዚ ግን ኣይጕህን እዩ: ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኻልኦት እሱራት ካብ መንፈሳዊ ባርነት ሓራ ንምውጻእ ስለ ዜኽእሎ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሓደ ኻብቶም ሰርሂ መጽናዕቲ ዝገበረሎም ሰባት እቲ ቐደም ሓሽሽ ዚነግድን ዚጥቀምን ዝነበረ ቪክቶር እዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ መንፈሳዊ ዕብየት ምግባሩ ቐጸለ: ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ድማ ተመረቐ። ሕጂ ኣብ ሞልዶቫ ኸም ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ። ቪክቶር ከምዚ ብምባል ይዛረብ:- “ወዲ 8 ዓመት ከለኹ ሽጋራ ኸትክኽ: ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኽሰቲ: ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ሓሽሽ ክጥቀም ጀመርኩ። ዋላኳ ንህይወተይ ክቕይራ እንተ ጸዓርኩ: ኵሉ እቲ ጻዕርታተይ ግን ፈሸለ። ብ1995 ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ካብቶም ስድታት መሓዙተይ ምእንቲ ኽንርሕቕ ናብ ካልእ ቦታ ኽንግዕዝ እናሓሰብና ኸለና: ሰበይተይ ብሓደ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ተቐትለት። ብድሕርዚ ህይወት ጽልምት በለትኒ። ‘ሰበይተይ ኣበይ ኰን ትህሉ ትኸውን፧ ሰብ ምስ ሞተኸ እንታይ እዩ ዚኸውን፧’ ዚብል ሕቶታት እሓትት ነበርኩ: መልሲ ግን ኣይረኸብኩን። ነቲ ዝነበረኒ ናይ ባዶነት ስምዒት ንምምላእ መመሊሰ ሓሽሽ እጥቀም ነበርኩ። ሓሽሽ ክነግድ ስለ እተተሓዝኩ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። ኣብኡ ኸኣ ሰርሂ ነቲ ዝነበረኒ ሕቶታት መልሲ ንኽረክብ ሓገዘኒ። ካብ ወልፊ ሓሽሽ ሓራ ንክኸውን ብዙሕ ሳዕ እየ ፈቲነ: ክዕወት ዝኸኣልኩ ግን ሳላ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓገዝ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ሓይሊ ኣለዎ።”—እብራውያን 4:12

ተረርቲ ዝነበሩ ገበነኛታት ለውጢ ገበሩ

ቫሲል ሓሽሽ ኣይጥቀምን እዩ ነይሩ: ካብ ሓደ ዓይነት ምርኮ ግን ኣየምለጠን። “ንዓይ ርግሒት ጕስጢ ዚበሃል ጸወታ እዩ ወልፊ ዀይኑኒ ነይሩ” ይብል። ቀጺሉ ድማ “ኣብ ሰባት ዋላ ሓንቲ ስምብራት ከይሓደግኩ ንኽወቕዖም እየ ንርእሰይ ኣሰልጢነያ” በለ። ቫሲል ነዚ ኽእለት እዚ ንሰባት ንምዝራፍ ይጥቀመሉ ነበረ። ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “ሰለስተ ሳዕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተኹ: ብሰሪ እዚ ድማ ምስ ሰበይተይ ተፋታሕና። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ክረክብ ጀመርኩ። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብ ደረኸኒ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተዀነ ነቲ ሕጊ ዘይብሉ ቕልስ ዚበሃል ዓይነት ጸወታ እፈትዎ ነበርኩ።

“ይኹን እምበር: ንሽዱሽተ ወርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባብ: ሓደ ነገር ኣብ ውሽጠይ ተቐየረ። ከምቲ ሓደ ግዜ ቓልሲ ብምስዓረይ ዚስምዓኒ ዝነበረ ዕግበት ኣይስምዓንን ነበረ። ስለዚ: ብሓገዝ ኢሳይያስ 2:4 ገይረ ንህይወተይ ክምርምራ ጀመርኩ: ኣተሓሳስባይ እንተ ዘየተዓራርየ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዜሕልፎ ድማ ተረዳእኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንብምሉኡ እቲ ዝነበረኒ ዕጥቂ ደርብየ ጠባየይ ንኸዐሪ ኽጽዕር ጀመርኩ። ከምዚ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን: ምስትንታንን ጸሎትን ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ሕማቕ ኣመላተይ ንኸወግዶ ሓገዘኒ። ሓድሓደ እዋን ካብቲ ሕማቕ ኣመላት ናጻ ምእንቲ ክኸውን ንየሆዋ እናነባዕኩ እጽሊ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓወትኩ።

“ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ምስ ስድራቤተይ ከም ብሓድሽ ተኣኻኸብና። ሕጂ ኣብ መዐደኒ ኸሰል እሰርሕ ኣለኹ። እዚ ድማ ምስ ሰበይተይ ኰይነ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኽካፈልን ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኽፍጽምን እኹል ግዜ ኸም ዚህልወኒ ገበረኒ።”

ሚኮላን ኣዕሩኽቱን ኣብ ዩክረይን ዚርከባ ሓያሎ ባንክታት ዘሪፎም እዮም። ብሰሪ እዚ ድማ ንዓሰርተ ዓመት ንኺእሰር ተፈርዶ። ቅድሚ ምእሳሩ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ናብ ቤተ-ክርስትያን ከይዱ: እዚ ድማ ነታ ቤተ-ክርስትያን ከመይ ገይሮም ከም ዚዝርፍዋ ንምጽናዕ እዩ ነይሩ። እቲ ውጥኖም ፈሸለ፣ እቲ ሚኮላ ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝገበሮ ምብጻሕ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክስን ጥዋፍን ሃይማኖታዊ በዓላትን ዝመልአ ዘሰልኪ መጽሓፍ እዩ ኢሉ ኸም ዚኣምን ገበሮ። “ስለምንታይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከንብብ ጀመርኩ። ከምቲ ዝሓስቦ ዝነበረ ዘይምዃኑ ምስ ረኣኹ ኸኣ ኣዝዩ ገረመኒ” በለ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሉ ሓተተ: ብ1999 ድማ ተጠምቀ። እዚ ሕጂ ትሑት ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዘሎ ሰብ: ቀደም ባንክ ይዝርፍ ዝነበረ እዩ እንተ ዚብሉኻ ንምእማኑ እዩ ዜጸግም።

ቭላድሚር ንሞት እዩ ተፈሪዱ ነይሩ። ንኪቕተል እናተጸበየ ኸሎ: ንኣምላኽ ብጸሎት ገይሩ ኻብ ሞት እንተ ድሒኑ ኸም ዜገልግሎ ቓል ኣተወ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ሕጊ ተቐይሩ: ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ናብ ናይ ዕድመ ይፍታሕ ተቐየረሉ። ከምታ መብጽዓኡ ድማ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኬናድያ ጀመረ። ብምልእኣኽ ትምህርቲ ተማሂሩ ድማ ካብ ኣድቨንቲስት ዲፕሎማ ረኸበ፣ እንተዀነ ግን ዕግበት ኣይረኸበን።

ይኹን እምበር: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ረኺቡ ኣንበቦ: ምእንቲ ኺበጽሕዎ ድማ ናብቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ ጸሓፈ። እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነበሩ ኣሕዋት ኪበጽሕዎ ኸለዉ: ድሮ ንርእሱ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር ገይሩ ስለ ዝወሰዳ ኺሰብኽ ጀሚሩ ነበረ። ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሒ ንኪኸውን ድማ ሓገዝ ተገብረሉ። እዛ ዓንቀጽ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረ እዋን: ቭላድሚርን ሸውዓተ ኻልኦትን ንኺጥመቑ ይጽበዩ ነበሩ። ሓደ ሽግር ግን ኣጋጠሞም። እቶም ዕድመ ይፍታሕ እተፈርዶም ሰባት በብሃይማኖቶም ኣብ ሓደ ኽፍሊ ስለ እተኣስሩ: ቭላድሚርን እቶም ምስኡ ኣብቲ ኽፍሊ ዘለዉ ሰባትን ሓደ ዓይነት እምነት እዩ ዘለዎም። ንመን ደኣ እዮም እሞ ኺምስክሩ፧ ነቲ ብስራት ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሓለውቲ የካፍልዎም: ብደብዳበ ገይሮም ድማ ይሰብኩ።

ናዛር ካብ ዩክረይን ናብ ሪፓብሊክ ቸክ ከደ: ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ጕጅለ ሰረቕቲ ተጸምበረ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ተኣስረ። ካብ ካርሎቪ ቫሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎ ምስ መጹ: ነቲ መልእኽቶም ተቐቢሉ ሓቂ ተማህረ: ምሉእ ብምሉእ ድማ ናይ ጠባይ ለውጢ ገበረ። ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ነዚ ለውጢ እዚ ብምርኣይ ነቶም ምስ ናዛር ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት “ንስኻትኩም እውን ልክዕ ከምቲ ዩክረይናዊ እንተ ትዀኑ ኔርኩም: ስርሐይ ምቐየርኩ ነይረ” በሎም። ካልእ ሓላዊ ድማ “እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ብሓቂ ኽኢላታት እዮም። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺኣቱ ኸሎ ገበነኛ ዝነበረ: ኪወጽእ ከሎ ውርዙይ ኰይኑ እዩ ዚኸይድ” በለ። ብድሕርዚ ናዛር ናብ ገዛኡ ተመልሰ። ጽርበት ዕንጨይቲ ተማህረ: ተመርዕዩ ድማ ምስ ሰበይቱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘማስወሉ!

ወግዓዊ ተፈላጥነት

ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚህብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት: እቶም እሱራት ጥራይ ኣይኰኑን ዜመስግኑሉ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፖላንድ ዚርከባ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኸም ኣፈኛ ዀይኑ ዚሰርሕ ሚሮስላቭ ኮቫልስኪ ዝስሙ ሰብ: “ነቲ ዚገብርዎ ምብጻሕ ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ሓድሓደ እሱራት ዜሕዝን ኣተዓባብያ እዮም ዓብዮም። ምናልባት ከም ሰባት ኣይርኣዩን ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። . . . ሕጽረት ሰራሕተኛታትን መምህራንን ስለ ዘሎና: እቲ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ዚገብሩልና ሓገዝ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ” በለ።

ሓደ ናይ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ድማ ነቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ንጥፈት ንኺውስኹሉ ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ጸሓፈ። ስለምንታይ፧ ነዚ ኺገልጽ ከሎ: “በቶም ተወከልቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዚግበር ተደጋጋሚ ምብጻሕ: ነቶም እሱራት ኣብ መንጎኦም ዚፍጸም ዓመጻ ኸም ዚቈጻጸርዎ ብምግባር: በቲ ማሕበረሰብ ተደላዪ ዝዀነ ባህርያት ንኼማዕብሉ ዚሕግዝ እዩ” በለ።

ሓንቲ ኣብ ዩክረይን እትሕትም ጋዜጣ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ-ቕትለት ኪፍጽም ዝሓሰበ እሞ: ደሓር ግን ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓገዝ ናይ ዝረኸበ ሰብ ጸብጻብ ኣቕሪባ ነበረት። እቲ ጸብጻብ: “ሕጂ እዚ ሰብ እዚ ብስምዒታዊ ዝመጸ ይጥዒ ኣሎ” ይብል። ቀጺሉ እውን “ምስቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ተሰማሚዑ ይነብር ኣሎ: ነቶም ካልኦት እሱራት ድማ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዀይንዎም” በለ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ዚረኽብዎ ረብሓታት

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚህብዎ ሓገዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተደረተ ኣይኰነን። እቶም እሱራት ምስ ተፈትሑ እውን ዚቕጽል እዩ። ብሪጊተን ሬናተን ዝስመን ክልተ ክርስትያናት ንሓያሎ ዓመታት በዚ መገዲ እዚ ንእሱራት ይሕግዛ ነበራ። ሓንቲ ኣብ ጀርመን እትሕትም መይን-ኤኾ ኣሻፍንቡርክ ዘርእስታ ጋዜጣ ብዛዕባአን ከምዚ ብምባል ጸብጸበት:- “እተን እሱራት ካብ ዚፍትሓ ኻብ ሰለስተ ኽሳዕ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ: እናተኸታተላ ዕላማ ህይወት ንኺርድአን ይሕግዛአን። . . . ብወለንታ ንእሱራት ዚከታተላ ሰባት ምዃነን ብወግዒ ተፈላጥነት ረኺበን እየን። . . . ምስቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰራሕተኛታት እውን ሃናጽን ኣወንታውን ርክብ እዩ ዘለወን።” ሓያሎ ሰባት ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ብምርካቦም ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም እዮም።

እቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣናት እውን በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት: ሮማን ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሜጀርነት መዓርግ ዘለዎን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ኰይኑ ዚሰርሕን ሰብ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛኡ ምስ መጽዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብር ተሰማምዐ። ብድሕርዚ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ኣብቲ ንሱ ዚሰርሓሉ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ኪራኸቡ ኸም ዘይክእሉ ፈለጠ። ስለዚ: ምስቶም እሱራት ኣብ ዚራኸበሉ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጥቀም ይኽእል እንተ ዀይኑ ነቲ ሓላፊ ሓተቶ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጥቀም ተፈቕደሉ: ዓሰርተ ዚዀኑ እሱራት ድማ ተገዳስነት ኣርኣዩ። ሮማን ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠቱ ነቶም እሱራት የካፍሎም ነበረ: እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኸኣ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ሓድሓደ ኻብቶም እሱራት ድሕሪ ምፍታሖም ዕብየት ገይሮም እተጠመቑ ክርስትያናት ኰኑ። ሮማን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ይርኢ ብምንባሩ ንመጽናዕቱ ብርዝነት ይርእዮ ነበረ። ወተሃደር ምዃን ሓዲጉ ድማ ኣብ ንጥፈታት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋሉ ቐጸለ። ሕጂ ምስ ሓደ ቐደም እሱር ዝነበረ ሓው ኰይኑ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ይካፈል ኣሎ።

ሓደ እሱር “ኣብዚ ቦታ እዚ ብመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንነብር” በለ። እዘን ቃላት እዚኣተን ገለገለ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከም ዚደልያ ዚሕብር እዩ። ሓንቲ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ጉባኤ ብዛዕባ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ እትገብሮ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገልጽ ከላ: “ጽሑፋት ስለ እነምጽኣሎም እቲ ምምሕዳር ብዙሕ እዩ ዜመስግን። ካብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! 60 ዚኸውን ቅዳሕ ኢና እንወስደሎም” በለት። ካልእ ጉባኤ ድማ “ንሕና ድማ ናብ ሓደ 20 ንኣሽቱ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ኢና ጽሑፋትና እንልእኽ። ንነፍሲ ወከፍ ቤተ-መጻሕፍቲ ድማ ካብ ጽሑፋትና ነብጽሓላ። እዚ ድማ 20 ካርቶን ጽሑፋት ማለት እዩ” በለት። ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ ሓላዊ: እቶም እሱራት ካብ ነፍሲ ወከፍ ጽሑፋትና ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሉ ኣብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፋይል ገይሩሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብ2002 ሓደ ንቤት ማእሰርቲ ዚምልከት ጕዳያት ዚከታተል ክፍሊ መስረተ። እዚ ኽፍሊ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ምስ 120 ዝዀና ኣብያተ-ማእሰርቲ ተራኺቡ ኣሎ: ነዚኣቶም ቀጻሊ ሓገዝ ንምሃብ ድማ ጉባኤታት መዲቡ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኻብቶም እሱራት 50 ዚኸውን ደብዳበታት ይመጽእ እዩ: መብዛሕትኦም ድማ ጽሑፋት ንኺለኣኸሎምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንኺግበረሎምን እዮም ዚሓቱ። ክሳዕ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣሕዋት ዚራኸቡ ድማ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መጻሕፍትን መጽሔታትን ብሮሹራትን ይልእከሎም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያን ብጾቱ ‘ንእሱራት ዘክርዎም’ ብምባል ጸሓፈሎም። (እብራውያን 13:3) ከምዚ ኺብል ከሎ ነቶም ብሰንኪ እምነቶም እተኣስሩ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቶም እተኣስሩ ሰባት ይዝክርዎም እዮም: ናብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምብጻሕ ብምግባር ድማ ‘ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ይሰብኩሎም’ ኣለዉ።—ሉቃስ 4:18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ለቪፍ: ዩክረይን ዚርከብ መንደቕ ቤት ማእሰርቲ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሚኮላ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቫሲል ምስ ሰበይቱ ኣይሪና

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቪክቶር