ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መክሲኮ ንዚነብሩ ቻይናውያን ምሕጋዝ

ኣብ መክሲኮ ንዚነብሩ ቻይናውያን ምሕጋዝ

ኣብ መክሲኮ ንዚነብሩ ቻይናውያን ምሕጋዝ

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም።” (ዘካርያስ 8:23) ሎሚ እዚ ባህ ዜብል ትንቢት እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ይፍጸም ኣሎ። “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኼምልኹ ምስቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ይጠብቁ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ልባዊ ተገዳስነት እዩ ዘለዎም። ሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኺሳተፉ ኻልእ ቋንቋ ይመሃሩ ኣለዉ።

ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብዚ እተፈልዩ ኣይኰኑን። ኣብታ ሃገር ብግምት 30,000 ዝዀኑ ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት ኣለዉ። ካብዚኣቶም 15 ዝዀኑ ኣብቲ ብ2003 ኣብ መክሲኮ ሲቲ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣኪቦም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት መንፈሳዊ ዕብየት ኪገብሩሉ ዚኽእሉ ሃዋሁ ኸም ዘሎ ተገንዘቡ። ነዞም ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት ዚግደሱሎም ዝያዳ ሰበኽቲ ምእንቲ ኺርከቡ: ነቶም ኣብ መክሲኮ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብማንዳሪን ቻይንኛ ቕልል ዝበለ መእተዊ ተጠቒሞም ምእንቲ ኺሰብኩ ናይ ሰለስተ ወርሒ ኮርስ ኪወሃብ ምድላዋት ተገብረ። ብጠቕላላ 25 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኮርስ ተኻፈሉ። ኣብ መደምደምታ እቲ ኮርስ ከኣ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ናይ ዚርከቡ ማንዳሪን ዚዛረቡ ማሕበረሰብ በዓል መዚ ኣብቲ መመረቕታ ተኻፈለ። እዚ ኸኣ እቲ ትምህርቲ ኣብቶም ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዜሕደረ ዚሕብር እዩ። ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ናይ ቋንቋ ቻይና ትካል ንሰለስተ ኻብቶም ተመሃሮ ቻይንኛኦም ንኸመሓይሹ ኣብ ወጻኢ ኸይዶም ትምህርቶም ኪከታተሉ ናይ ትምህርቲ ጠለብ ሃቦም።

እቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ: ግብራዊ ልምምድ ዝሓቘፈ ነበረ። እቶም ቀናኣት ተመሃሮ: መሰረታዊ ሓረጋት ምስ ተማህሩ ብኡንብኡ ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ዚርከብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብቻይንኛ ኺሰብኩ ጀመሩ: 21 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣጀመሩ። እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ በቲ ቻይንኛ ንምንባብ ዚሕግዝ ፒንያን ዚበሃል ናይ ላቲን ፊደላት ተተርጒማ እተዳለወት ብሮሹር ብዙሕ ሓጊዛቶም እያ።

እዞም ትምህርቲ ቻይንኛ ገና መጀመርታኦም ጥራይ እተመሃሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ገይሮም እዮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ነይሮም፧ ኣብ መእተዊ “ሺንግ ዱ [በጃኻ ኣንብብ]” ጥራይ ይብሉ እሞ መጀመርታ ናብቲ ሕጡብ ጽሑፍ: ቀጺሎም ከኣ ናብቲ ሕቶ የመልክቱ። እቲ ሰብ ብቻይንኛ ኣንቢቡ ምስ መለሰ ኸኣ “ሸ ሸ [አመስግነካ]” ከምኡውን “ሄን ሃው [ብጣዕሚ ጽቡቕ]” ይብልዎ።

ሓንቲ ኻብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እተመርሓላ ሰበይቲ ስመ ክርስትያን እያ ነይራ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ሰለስተ ሳዕ ዚኸውን መጽናዕቲ ምስ መርሓትላ: ነቲ ሓሳባት ብሓቂ ተረዲኣቶ ምዃናን ዘይምዃናን ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት: ንሓደ ቻይንኛ ዝቛንቋኡ ሓው ኣብቲ መጽናዕቲ ዓደመቶ። እቲ ሓው ነታ ሰበይቲ ሕቶ እንተልይዋ ምስ ሓታት: እታ ሰበይቲ “ንኽጥመቕ ምሕምባስ ክኽእል የድልየኒ ድዩ፧” ኢላ ሓተተቶ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብገምጋም 9 ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባትን 23 መክሲካውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዚርከብዋ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ቈመት። ካብቶም ተኣከብቲ ሓደ ቻይናዊ ሓኪም ይርከቦም። እዚ ሓኪም እዚ ኻብ ሓንቲ ኻብቶም ሕሙማት ብስጳንኛ እተዳለወ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ተቐቢሉ ነበረ። ስጳንኛ ስለ ዘየንብብ ግን ሒደት ሓሳባት ከም ዚትርጐመሉ ገበረ። እቲ መጽሔታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ ነታ ነቲ መጽሔታት ዝሃበቶ: ብቻይንኛ ኽትረኽበሉ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተታ። ረኸበትሉ እሞ ብመገዲ እቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይራ: ቻይንኛ ዚዛረብ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሖ ምድላዋት ተገብረ። እቲ ሓኪም: እታ ኣብ ቻይና እትነብር ኣዲኡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበራ የንብቦ ነበረ። ናብ መክሲኮ ኪኸይድ ምስ ወሰነ ኸኣ ኣዲኡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከየቋርጽ ተላበወቶ። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ዚምህሮ ሰብ ኪረክብ ይጽሊ ነበረ። እዚ ምድላዋት እዚ ምስ ተገብረሉ ኸኣ “ኣምላኽ ጸሎተይ ሰምዐ” በለ።

ኣብ ቤት ሓንቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዝነበረት መክሲካዊት ሓብቲ እተኻረዩ ቻይናውያን ስድራቤት እውን ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይካፈሉ ነበሩ። እቶም ስድራቤት ሽሕኳ ስጳንኛ ብዙሕ ዘይፈልጡ እንተ ነበሩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ኪግበር ከሎ ኾፍ ኢሎም ይከታተሉ ነበሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ እቶም ስድራቤት ነታ ትምህርቲ መጽሓፍ እትመርሕ ዝነበረት ሓብቲ ብቻይንኛ ጽሑፋት ክትረኽበሎም ትኽእል እንተ ዀይና ሓተትዋ። ብኡንብኡ ብቻይንኛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሓሎም። ነዊሕ ከይጸንሑ: ንደቂ ዓዶም ኪሰብኩሎምን ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ዘለዎም ባህጊ ገለጹ።

ቻይንኛ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ቛንቋ ምዃኑ ዘይክሓድ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ ኣብ መክሲኮ ይኹን ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ እተፈላለየ ቛንቋታት እንተላይ ቻይንኛ ዚዛረቡ ሰባት ብሓገዝ የሆዋ ፍቓድ ኣምላኽ ይመሃሩ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ መክሲኮ ሲቲ ትምህርቲ ቛንቋ ቻይና ዚወሃበሉ ኽፍሊ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ብቻይንኛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እትመርሕ ዘላ መክሲካዊት ሓብቲ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ መክሲኮ ሲቲ ንዚርከቡ ቻይናውያን ንምብጻሕ ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት