ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዋን ልደት ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧

እዋን ልደት ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧

እዋን ልደት ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧

ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ሰባት በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ምስ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ተራኺቦም ፍቕሮም ዜደልድሉሉ እዋን እዩ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ውልደት የሱስ ክርስቶስን ንደቅሰብ ኣብ ምድሓን ዘለዎ ግደን ዜተኵሩሉ እዋን እዩ። ኣብ ሩስያ: ካብ ካልኦት ሃገራት ብእተፈልየ: ሰባት በዓል ልደት ኬብዕሉ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ዋላኳ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናት በዓል ልደት ብግልጺ ተብዕል እንተ ነበረት: ኣብ መብዛሕትኡ መበል 20 ዘመን ግን ከምዚ ምግባር ኣይፍቀደላን ነበረ። ስለምንታይ እዩ ግን ከምዚ እተገብረ፧

ድሕሪ እቲ ብ1917 እተባርዐ ኮምዩኒስታዊ ሰውራ ቦልሸቪክ: ሰበ-ስልጣን ሶቭየት ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ኣምላኽ የልቦን ዚብል እምነት ከም ዚሰፍሕ ገበሩ። በዓል ልደትን ሃይማኖታዊ ልምድታቱን ከኣ ተቐባልነት ሰኣነ። መንግስቲ ኣንጻር በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ፕሮፓጋንዳ ኺነዝሕ ጀመረ። ነቲ ኸም መለለዪ እቲ እዋን ዚርአ ኦም በዓል ልደት ከምኡውን ነቲ ሩስያውያን ከም ሳንታ ክላውስ ዚርእይዎ ድየድ መሮዝ ወይ ግራንድፋዘር ፍሮስት ከይተረፈ ብግልጺ ተወገዘ።

እቲ ብ1935 ዘጋጠመ ለውጢ ነቲ ሩስያውያን በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዜብዕሉሉ ኣገባብ ቀየሮ። ህዝቢ ሶቭየት ንግራንድፋዘር ፍሮስት: ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዚግበር ኦም: ከምኡውን በዓል ሓድሽ ዓመት ከም ብሓድሽ ብእተፈልየ መልክዕ ኣቘሞ። ግራንድፋዘር ፍሮስት ኣብ በዓል ልደት ዘይኰነስ: ኣብ በዓል ሓድሽ ዓመት ህያባት ከም ዜምጽእ ተነግረ። ብተመሳሳሊ ድማ እቲ ኣብ በዓል ልደት ዚግበር ዝነበረ ኦም ኣብ በዓል ሓድሽ ዓመት ከም ዚግበር ተገብረ። በዚ ኸምዚ ድማ በዓል ልደት ብበዓል ሓድሽ ዓመት ብምትካእ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዓብዪ ለውጢ ተገብረ።

እዋን ልደት ዋላ ሓንቲ ሃይማኖታዊ ትርጕም ዘይብሉ ዓለማዊ በዓል ኰነ። ኦም ሓድሽ ዓመት ድማ ብሃይማኖታዊ ምስልታት ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዚርአ ዝነበረ ምዕባለ ብዜንጸባርቕ ቅርጽታት ይስለም ነበረ። ኣብ ሩስያ እትሕተም ቫክሩግ ስቭየታ (ካብ ከባቢ ዓለም) ዘርእስታ መጽሔት: “በቲ ኣብ እተፈላለየ መዋእል ሶቭየት ኦም በዓል ሓድሽ ዓመት ዚስለመሉ ዝነበረ ስልማት: ብዛዕባ ታሪኽ ኣመሰራርታ ኮሚኒስታዊ ማሕበረሰብ ምፍላጥ ይከኣል እዩ። ኣብ ጐድኒ እቲ ልሙድ ዝዀነ ቕርጺ ማንቲለ: ጭራሮ በረድ: ሕብስቲ: ናይ ማዕጺድን ሞደሻን ትራክተርን ቅርጽታት ተሰርሐ። እዚ ድማ ጸኒሑ ብቕርጺ ዓደንትን ጠፈርተኛታትን: ነዳዲ ዘይቲ ንምውጻእ ዜገልግል መሳርሒ: ሮኬታት: ከምኡውን ብቕርጺ ኣብ ወርሒ ዚንቀሳቐስ መንኰርኰር ተተክአ” በለት።

እቲ በዓል ልደት ዚበዓለሉ መዓልቲኸ፧ ከም ቀደሙ ኣይቀጸለን። ኣብ ክንዳኡስ ሰበ-ስልጣን ሶቭየት ተራ መዓልቲ ስራሕ ንኪኸውን ወሰኑ። እቶም በዓል ልደት በቲ ሃይማኖታዊ ልምዲ ኼብዕሉ ዚደልዩ ሰባት: ተሓቢኦም ኪገብርዎ ነበሮም። ከመይሲ: ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኺጽልኡን ሕማቕ ሳዕቤን ኬምጽኣሎምን ይኽእል ነበረ። በዚ ኸምዚ: ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ሩስያ: በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ካብ ሃይማኖታዊ በዓል ናብ ዓለማዊ በዓል ተቐየረ።

ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ለውጢ

ኣብ 1991 ሕብረት ሶቭየት ስለ እተመቓቐለት: ኣብ ኣምልኾ ዝያዳ ናጽነት ተረኽበ። እቲ ኣምላኽ የልቦን ዚብል እምነት እውን ተወገደ። ኣብተን ሓደስቲ ዝቘማ ሃገራት ቤተ-ክርስትያን ካብ መንግስቲ እተፈልየት ነበረት። ብዙሓት ሃይማኖታውያን: ሃይማኖታዊ እምነቶም ኬካይዱ ኸም ዚኽእሉ ተሰምዖም። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ሃይማኖታዊ በዓል ዝዀነ በዓል ልደት ኬብዕሉ ጀመሩ። እዚ ግን ንብዙሓት ጓሂ ኣስዓበሎም። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ እቲ በዓል ዝያዳ ኣብ ንግዲ ዘተኰረ ዀነ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት እዋን በዓል ልደት ኣፍረይቲ ትካላት: ሸቃጦ: ከምኡውን ነጋዶ እቲ መኽሰብ ዚረኽቡሉ ዝበለጸ እዋን እዩ። ንእዋን ልደት ዚኸውን ስልማታት ኣብ ድኳናት ብብዝሒ እዩ ዚርከብ። ኣብ ሩስያ ዘይፍለጥ ዝነበረ ናይ ምዕራባውያን ናይ ልደት ሙዚቃን መዝሙራትን ኣብ ድኳናት ይሽየጥ። ብዓበይቲ ኸረጺት ንበዓል ልደት ዚኸውን ቀንጠመንጢ ዝሓዙ ሸየጥቲ ኣብ ተመላለስቲ ባቡራትን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን ኰይኖም ይሸጡ። ሎሚ ኣብ ሩስያ ኣብ እዋን ዓውደ ዓመት ዘሎ ዅነታት እዚ እዩ።

እቶም በዚ ንግዳዊ ንጥፈታት ሕርኽርኽ ዘይብሎም ሰባት እውን እንተዀኑ: እቲ ኣብቲ እዋን ዚርአ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን እቲ እዚ ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናትን የሻቕሎም ይኸውን። ኣብ ሞስኮ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ሓደ ናይ ድንገተኛ ኽፍሊ ሓኪም: “ዶክተራት ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ካብ ጐንጽን ስምብራትን ክሳዕ ብኻራን ብጥይትን ዚበጽሕ ሓደጋታት ከም ዜጋጥም ይጽበዩ እዮም። መብዛሕትኡ እዚ ዜጋጥም ድማ ኣብ ገዛን ብሰንኪ ስኽራን ብዚለዓል ባእሲ ኸምኡውን ብሓደጋ ማኪና እዩ” በለ። ኣብ ሓደ ጨንፈር ናይ ሩስያ ኣካዳሚ ስነ-ፍልጠት ዚሰርሕ ሊቅ “ብዝሒ እቲ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ዜጋጥም ሞት ወሲኹ እዩ። ብሕልፊ ኸኣ ኣብ 2000 ኣዝዩ በዚሑ ነበረ። ቍጽሪ ርእሰ-ቕትለትን ቅትለትን እውን ወሲኹ እዩ” በለ።

እቲ ዜሕዝን ከኣ ነቲ ኣብ ሩስያ ኣብ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዚርአ ዅነታት ዜጋድዶ ነገር ኣሎ። ኣብ ሩስያ እትሕተም ኢዝቨስቲያ ዘርእስታ ጋዜጣ ኣብ ትሕቲ “ሩስያውያን ክልተ ሳዕ በዓል ልደት የብዕሉ” ዚብል ዓንቀጽ: “ዳርጋ ኻብ 10 ሩስያውያን 1: ክልተ ሳዕ እዩ ልደት ዜኽብር። ብመሰረት ኣር.ኦ.ኤም.ኣይ.ኣር. ዝገበሮ መጽናዕቲ ኻብቶም መልሲ ዝሃቡ 8 ሚእታዊት ልደት ኣብ 25 ታሕሳስ: ማለት ብኣቈጻጽራ ካቶሊክን ኣብ 7 ጥሪ: ማለት ብኣቈጻጽራ ኦርቶዶክስን እዮም ዜኽብሩ . . . ስለዚ እምበኣር ንገሊኣቶም እቲ ሃይማኖታዊ ትርጕም ልደት ዘይኰነስ እቲ ኣብቲ እዋን ዚግበር ፌስታ እዩ ዝያዳ ዜገድሶም” በለት። a

እዚ ሎሚ ዚግበር ኣበዓዕላ ልደት ናይ ብሓቂ ንክርስቶስ ዜኽብር ድዩ፧

ኣብዚ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ንኣምላኽ ዘጕሂ ሕማቕ ተግባራት ከም ዚፍጸም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገለ ሰባት እቲ በዓል ንኣምላኽን ንክርስቶስን ብዜኽብር መገዲ ኺበዓል ከም ዘለዎ እዩ ዚስምዖም። ንኣምላኽ ንምሕጓስ ባህጊ ምርኣይ: ዚነኣድ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽን ክርስቶስን ብበዓል ልደት ይሕጐሱ ድዮም፧ መበቈል እዚ በዓል እዚ ኻበይ ምዃኑ እስከ ንምርምር።

ንኣብነት: ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶቭየት በዓል ልደት ዚበዓለሉ መገዲ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ነቲ ኣብ ግሬት ሶቭየት ኢንሳይክሎፔድያ ተገሊጹ ዚርከብ ታሪኻዊ ሓቅታት ኪኽሕዶ ኣይክእልን እዩ። ኣብኡ ኸምዚ ይብል:- “በዓል ልደት . . . ካብቲ ቕድሚ ክርስትና ነቶም ‘ዚሞቱን ካብ ሞት ዚትንስኡን ዘለዉ’ ኣማልኽቲ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ እተወስደ እዩ። ብፍላይ እቶም ብሕርሻ ዚናበሩ ሰባት ኣብተን ዝወሓደ ብርሃን ዚህልወለን መዓልትታት ማለት ካብ 21-25 ታሕሳስ: ‘ንውልደት’ እቲ ንተፈጥሮ ሓድሽ ህይወት ዚህቦ መድሓኒ ኣምላኽ የብዕሉ ነበሩ።”

እቲ ኢንሳይክሎፔድያ “ኣብ ቀዳመይ ዘመን ኣብ ዝነበረ ክርስትና በዓል ልደት ኣይፍለጥን ነበረ። . . . ካብ መፋርቕ ራብዓይ ዘመን ኣትሒዙ ክርስትና ነቲ ዝወሓደ ብርሃን ኣብ ዚህልወለን መዓልትታት ዚግበር ኣምልኾ ሚትራ ናብ በዓል ልደት ቀይሩ ተቐበሎ። እቶም መጀመርያ በዓል ልደት ዘኽበሩ: ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብ ሮሜ እዮም። ካብኡ ኣብ ዓስራይ ዘመን: በዓል ልደት ምስ ክርስትና ተተሓሒዙ ናብ ሩስያ ተኣታተወ: ኣብኡ ኸኣ ምስቲ ጥንታዎት ስላቫውያን ንመንፈስ ኣቦታቶም ንምኽባር ዚገብርዎ በዓል ተጣመረ” ብምባል ዚገልጾ ሓቂ ኣገዳሲ ዀይኑ ትረኽቦ ትኸውን።

‘እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ብዛዕባ ምውላዱ እንታይ ይብል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከም ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዓልቲ ልደት የሱስ ኣይሕብርን እዩ። የሱስ እውን ይትረፍዶ ንኽትክበር ኪእዝዝ: ብዛዕባ እታ መዓልቲ ኸም እተዛረበ ዚገልጽ ጸብጻብ የልቦን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ እተወልደሉ ወርሓት ንኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።

ብመሰረት ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 26ን 27ን: የሱስ ምሸት 14 ኒሳን: ማለት ኣብ መዓልቲ ፋስጋ 31 መጋቢት 33 ድ.ክ. እዩ ተቐቲሉ። ወንጌል ሉቃስ የሱስ ተጠሚቑ ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ ዳርጋ 30 ዓመቱ ኸም ዝነበረ ይነግረና። (ሉቃስ 3:21-23) ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድማ ኣገልግሎቱ ቐጸለ። ስለዚ: የሱስ ኪመውት ከሎ ወዲ 33 1/2 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ 1 ጥቅምቲ 33 ድ.ክ. 34 ዓመት ምዀኖ ነይሩ። ሉቃስ ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን “ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ” ብምባል ይነግረና። (ሉቃስ 2:8) ኣብቲ ቘራሪ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ውርጪ እውን ከይተረፈ ኺዘንም ስለ ዚኽእል: ጓሶት ምስ ማሎም ኣብ ደገ ኺሓድሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ 1 ጥቅምቲ ግን ኣብ ደገ ኺሓድሩ ይኽእሉ እዮም: ከመይሲ: እዚ ዝረኣናዮ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ የሱስ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እዩ ተወሊዱ።

ብዛዕባ በዓል ሓድሽ ዓመትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከምቲ ዝረኣናዮ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ጸይቂ ተግባራት እዩ ዚፍጸም። ሽሕኳ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ንኸይህልዎ ጻዕርታት ይገበር: እዚ በዓል እዚውን ዜተሓታትት መበቈል እዩ ዘለዎ።

ስለዚ እምበኣር: ነቲ ኣብ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዚግበር ነገራት ክንርኢ ኸለና: እቲ ኸም ምኽንያት እዋን ዓውደ ዓመት የሱስ እዩ ዝኣመሰለ ጭርሖታት ትርጕም ኣይህብን እዩ። እቲ ኣብ እዋን ልደት ዚርአ ንግድን ሕማቕ ባህርያትን ከምኡውን እቲ ኣረማዊ መበቈሉ ዜጕህየካ እንተ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንኣምላኽን ንክርስቶስን ግቡእ ክብሪ ኸተርእየሉን ምስ ስድራቤትካ ዘሎካ ርክብ ከተደልድለሉን እትኽእል ቅኑዕ መገዲ ኣሎ።

ንኣምላኽን ንክርስቶስን ኣኽብሮት እነርእየሉ ዝሓሸ መገዲ

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ክርስቶስ ነፍሱ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ ይገልጽ። (ማቴዎስ 20:28) ምእንቲ ሓጢኣትና ኢሉ ኪቕተል ፍቓደኛ ዀነ። ገሊኦም ንክርስቶስ ንምኽባር እቲ ዝበለጸ ግዜ እዋን በዓል ልደት ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: ከምቲ ዝረኣናዮ ልደትን በዓል ሓድሽ ዓመትን ምስ ክርስቶስ ምትሕሓዝ ዘይብሉን ኣረማዊ መበቈል ዘለዎን እዩ። ንገሊኦም እቲ ኣብቲ እዋን ዚህሉ ንግዳዊ ምንቅስቓስ እዩ ዝያዳ ዜገድሶም። ብተወሳኺውን ኣብ እዋን ልደት ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዜሕዝን ሕማቕ ተግባራት ከም ዚፍጸም ዚከሓድ ኣይኰነን።

ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደሊ ሰብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ሓደ ቕኑዕ ሰብ ኣብ ክንዲ ነቲ ሃይማኖተኛ ኸም ዝዀነ ንኺስምዖ ዚገብር ግን ከኣ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጻረር ስርዓታት ሰብ ኣጥቢቑ ዚሕዝ: ንኣምላኽን ክርስቶስን በቲ ናይ ሓቂ መገዲ ንምኽባር እዩ ዚጽዕር። ናይ ሓቂ መገዲ ግን እንታይ እዩ፧ እንታይ ክንገብርከ ይግብኣና፧

ክርስቶስ ባዕሉ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉና ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) እወ: ሓደ ናይ ሓቂ ቕኑዕ ሰብ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ንምኽባር ዜኽእሎ ርጡብ ፍልጠት ንምርካብ እዩ ዚጽዕር። ካብኡ ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ዓመት ኣብ እተወሰነ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ኣብ ግብሪ የውዕሎ። ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ብቕንዕና ዚግበር ጻዕሪ ይሕጐስ እዩ።

ስድራቤትካ ኻብ መንጎ እቶም ንኣምላኽን ንክርስቶስን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚሰማማዕ መገዲ ዜኽብሩ ኪዀኑ ትደሊ ዲኻ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም: ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ስድራቤታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ፍልጠት ንኺረኽቡ ሓጊዞምዎም እዮም። ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ: ወይ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 2 እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ክትጽሕፍ ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቅድሚ እቲ ጥቅምቲ 1917 እተላዕለ ሰውራ: ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኪጥቀማ ኸለዋ ሩስያ ግን በቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ እያ ትጥቀም ነይራ። ኣብ 1917 ዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ካብ ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ብ13 መዓልቲ ይድሕር ነበረ። ድሕሪ እቲ ሰውራ ግን ሩስያ ምስ ካልኦት ሃገራት ሓደ ዓይነት ኣቈጻጽራ ንኺህልዋ ህዝቢ ሶቭየት ብጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኪጥቀም ጀመረ። ይኹን እምበር: ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ በዓላታ ኢላ ብዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ምጥቃማ ቐጸለት: “ጥንታዊ” ዓውደ ኣዋርሕ ዚብል ስም ድማ ሃበቶ። ኣብ ሩስያ በዓል ልደት ኣብ 7 ጥሪ ኸም ዚበዓል ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግን: በቈጻጽራ ጎርጎርሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ 7 ጥሪ ኪበሃል ከሎ: ብዩልዩሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ 25 ታሕሳስ እዩ ዚውዕል (ብሓበሻ ኸኣ 28 ታሕሳስ ይውዕል)። ስለዚ: ሩስያውያን 25 ታሕሳስ በዓል ልደት ምዕራባውያን: 1 ጥሪ በዓል ሓድሽ ዓመት: 7 ጥሪ በዓል ልደት ኦርቶዶክስ: 14 ጥሪ ጥንታዊ በዓል ሓድሽ ዓመት የብዕሉ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መበቈል በዓል ሓድሽ ዓመት

ሓደ ፈላሲ ናይ ጆርጅያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን እተዛረቦ

“መበቈል በዓል ሓድሽ ዓመት: ከም ካልእ ብዙሕ ኣረማዊ በዓላት ካብ ጥንታዊት ሮሜ እዩ። 1 ጥሪ [ብእንግሊዝኛ ጃንዋሪ] ጃኑስ ንዚበሃል ኣምላኽ በዓል ዚበዓለላ መዓልቲ ነበረት: እታ ወርሒ እውን ብስሙ እያ ተሰምያ። ምስሊ ጃኑስ ናብ ኣንጻር ወገን ዚርኢ ኽልተ ገጽ ነበሮ: እዚ ድማ ናይ ዝሓለፈን ናይ መጻእን ኪርኢ ኸም ዚኽእል ይገልጽ። ን1 ጥሪ ብሓጐስን ብስሓቕን ብምብላዕን ምስታይን እተቐበላ ሰብ: ብምልእታ ዓመት ሓጐስን ጥዕናን ከም ዚረክብ ይእመን ነበረ። ሎሚ እውን እቶም ሓድሽ ዓመት ዜኽብሩ ዜጋታትና ተመሳሳሊ ማሪታዊ እምነት እዩ ዘለዎም . . . ኣብ ገሊኡ ኣረማዊ በዓላት ሰባት ንጣኦት ብቐጥታ መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ገሊኣቶም በቲ ዚፍጽምዎ ጾታዊ ርኽሰት: ምንዝር: ዝሙት ዕሉላት ነበሩ። ኣብ ከም ንጃኑስ ዚግበር በዓል ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕን ምስታይን ስኽራንን ምስኡ ኸኣ ርኹስ ተግባራት ይፍጸም ነበረ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን በዓል ሓድሽ ዓመት ብኸመይ ከም ዘብዓልና ምስ እንዝክር: ንሕናውን ተኻፈልቲ እዚ ኣረማዊ በዓል ምዃንና ንኣምን ኢና።”—ኣብ ጆርጅያ ዚሕተም ጋዜጣ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ህዝበ-ክርስትያን ንኣምልኾ ሚትራ ተቐቢላቶ

[ምንጪ ስእሊ]

Museum Wiesbaden

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጓሶት ኣብቲ ቘራሪ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ደገ ኺሓድሩ ኣይክእሉን ነበሩ