ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኦም ሓድሽ ዓመት ካብ ሩስያውያን ድዩ ወይስ ካብ ክርስትያናት፧

ኦም ሓድሽ ዓመት ካብ ሩስያውያን ድዩ ወይስ ካብ ክርስትያናት፧

ኦም ሓድሽ ዓመት ካብ ሩስያውያን ድዩ ወይስ ካብ ክርስትያናት፧

“ክሳዕ መጀመርያ 1830ታት እቲ ወትሩ ሓምላይ ኦም ‘ማራኺ ዝዀነ ናይ ጀርመናውያን ኣተሓሳስባ’ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እተን ዓሰርተ ዓመት ግን ኣብ መንበሪ እቶም ፍሉጣት ሰብ ሰይንት ፒተርስበርግ ‘እተለምደ’ ነገር ኰነ። . . . ኣብ መበል 19 ዘመን እቲ ወትሩ ሓምላይ ኦም ናብ መንበሪ ካህናትን ገባሮን ጥራይ እዩ ዘይተኣታተወ።  . . .

“ቅድሚኡ እቲ ኦም . . . ተቐባልነት ኣይረኸበን ነይሩ። ከመይሲ: ብመሰረት ያታ ሩስያውያን እዚ ኦም ምልክት ሞትን ምስ ‘ካልኣይ ዓለም’ እተኣሳሰረን ጌርካ እዩ ዚርአ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ኦም ኣብ ናሕሲ እንዳ መስተ ናይ ምግባር ልምዲ ምስቲ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ዚርአ ዝነበረ ናይ ባህሪ ለውጢ ዚሰማማዕ ኣይነበረን። . . . እዚ ናይ ወጻኢ ልምዲ ተቐባልነት ኣብ ዝረኸበሉ እዋን: ከምቲ ኣብ ምዕራባውያን ኦም ልደት ምስ በዓል ልደት ዚተሓሓዝ ትርጕም እተዋህቦ: እዚውን ተመሳሳሊ ትርጕም ከም ዝሓዘ ርዱእ እዩ። . . . 

“ኣብ ሩስያ እቲ ነዚ ኦም ኣብ ክርስትና ንምትእትታው እተገብረ ጻዕሪ ብዙሕ ጸገም ኣጋጢምዎ ነበረ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ተቓውሞ ኣልዒላ ነበረት። እቶም ኣቕሽሽቲ ድማ እዚ ሓድሽ በዓል: ‘ኣጋንንታዊ:’ ምስ ውልደት እቲ መድሓኒ ምንም ርክብ ዘይብሉ ኣረማዊ ልምዲ: ከምኡውን ናይ ምዕራባውያን ልምዲ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።”—ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰይንት ፒተርስበርግ: ዶክተር ፊሎሎጅያዊ ስነ-ፍልጠት ዝዀነት ፕሮፌሰር የለና ቪ. ዱሸንኪና።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photograph: Nikolai Rakhmanov