ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወሳኒ ስጕምቲ እትወስደሉ እዋን ሕጂ እዩ

ወሳኒ ስጕምቲ እትወስደሉ እዋን ሕጂ እዩ

ወሳኒ ስጕምቲ እትወስደሉ እዋን ሕጂ እዩ

“ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧”—1 ነገስት 18:21

1. ግዜና ኻብ ዝሓለፈ ኣዝዩ እተፈልየ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

 የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ትኣምንዶ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ምዃኑ ኸም ዚሕብርከ ትኣምንዶ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ነዚ ትኣምነሉ እንተ ዄንካ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: ሕጂ ወሳኒ ስጕምቲ እትወስደሉ እዋን ምዃኑ ኸም እትሰማምዓሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ከም ሕጂ ገይሩ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ።

2. ብግዜ ንግስና ንጉስ ኣከኣብ ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እንታይ ይግበር ነበረ፧

2 ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ.: ህዝቢ እስራኤል ኣዝዩ ኸቢድ ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ንመን እዮም ኬገልግሉ፧ ንጉስ ኣከኣብ በታ ኢዛቤል ዝስማ ኣረማዊት ሰበይቱ እናተጸልወ: ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ኣምልኾ በዓል ኣስፋሕፍሐ። በዓል: ዝናምን ፍርያም እኽልን ዚህብ ተባሂሉ ዚእመነሉ ናይ ፍርያምነት ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ሓያሎ ኣምለኽቲ በዓል ነቲ ጣኦት ኣምላኾም ተሳሊሞምዎ ወይ ሰጊዶምሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዓል ንእኽሎምን ማሎምን ምእንቲ ኺባርኸሎም: እቶም ኣምለኽቱ ምስ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ጾታዊ ርክብ ይገብሩ ነበሩ። ደሞም ክሳዕ ዚፈስስ ንኣካላቶም ናይ ምትፍታፍ ልምዲ እውን ነበሮም።—1 ነገስት 18:28

3. ኣምልኾ በዓል ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ እዩ ዝነበሮ፧

3 ኣስታት 7,000 ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣምልኾ ጣኦትን ርኽሰትን ሓይሊ እተሓወሶን ዓይነት ኣምልኾ ፈጺሞም ኣይተሳተፉን። (1 ነገስት 19:18) ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኺዳን ብተኣማንነት ለገቡ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መስጐጕቲ ወረዶም። ንኣብነት: ንግስቲ ኢዛቤል ሓያሎ ነብያት የሆዋ ቐተለት። (1 ነገስት 18:4, 13) ፈታኒ ዅነታት ስለ ዝነበረ: መብዛሕትኦም እስራኤላውያን እተሓናፈጸ እምነት ሓዙ: ማለት ንየሆዋን ንበዓልን ኬሐጕሱ ጸዓሩ። እንተዀነ ግን: እስራኤላውያን ካብ የሆዋ ርሒቖም ንናይ ሓሶት ኣምላኽ እንተ ኣምሊኾም: ከም ክሕደት እዩ ዚቝጸር። የሆዋ እንተ ኣፍቂሮምዎን ትእዛዛቱ እንተ ሓልዮምን: ከም ዚባርኾም ተመባጺዕሎም እኳ እንተ ነበረ: ንዕኡ በይኑ ጥራይ እንተ ዘየምሊኾም: ኬጥፍኦም ምዃኑ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 5:6-10፣ 28:15, 63

4. የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ መንጎ ክርስትያናት እንታይ ከም ዚኸውን እዮም ተነብዮም፧ እዚኸ ብኸመይ ፍጻሜኡ ረኸበ፧

4 ሎሚውን ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዘሎ። ምእመናን: ክርስትያናት ኢና ዚብሉ እኳ እንተዀኑ: በዓላቶምን ጠባዮምን እምነታቶምን ግን ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ። ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ልክዕ ከም ኢዛቤል: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምስጓግ ግንባር ቀደም እዮም። ንውግኣት ብምድጋፍ ዝመጸ ነዊሕ ታሪኽ ስለ ዘለዎም እውን: ብሞት ሚልዮናት ምእመናኖም ተሓተትቲ እዮም። ሃይማኖታት ንዓለማዊ መንግስትታት ዚህባኦ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መንፈሳዊ ምንዝርና ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 18:2, 3) ኣብ ርእሲ እዚውን: ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ቓል ብቓሉ ዚፍጸም ምንዝርና: አረ ነቲ ኣቕሽሽቲ ዚፍጽምዎ እኳ ኸይተረፈ ዕሽሽ ትብሎ ኣላ። የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ነዚ ዓብዪ ኽሕደት እዚ ተነብዮምዎ ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 13:36-43፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ጴጥሮስ 2:1, 2) እቶም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ምእመናን ህዝበ-ክርስትያን ኣብ መወዳእታ እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋኸ ነዞም ሰባት እዚኣቶምን ንኻልኦት ብናይ ሓሶት ሃይማኖት እተታለሉ ሰባትን እንታይ ንኺገብሩሎም እዩ ሓላፍነት ዘለዎም፧ ነቲ ‘በዓል ካብ እስራኤል ዝጠፍኣሉ’ ማራኺ ፍጻመታት ምስ እንምርምር ንጹር መልሲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—2 ነገስት 10:28

ኣምላኽ ነቶም ነቓጻት ህዝቢ ዝነበሮ ፍቕሪ

5. የሆዋ ነቶም ነቓጻት ህዝቡ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዘይኰኑ ሰባት ብምቕጻዕ ኣይሕጐስን እዩ። ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ: ረሲእ ተነሲሑ ኺምለስ እዩ ዚደልዮ። (ህዝቅኤል 18:32፣ 2 ጴጥሮስ 3:9) ነዚ መርትዖ ዚኸውን ከኣ: የሆዋ ብግዜ ኣከኣብን ኢዛቤልን ንህዝቡ ኻብቲ ኣምልኾ በዓል ዜምጽኦ ሳዕቤናት ንምጥንቃቕ ብዙሓት ነብያት ምጥቃሙ እዩ። ኤልያስ ሓደ ኻብዞም ነብያት እዚኣቶም እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ብትንቢት እተነግረ ዜባድም ድርቂ: ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ: ንእስራኤላውያንን ንነብያት በዓልን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኪእክበሉ ነገሮ።—1 ነገስት 18:1, 19

6, 7. (ሀ) ኤልያስ ሱር እቲ ኽሕደት እስራኤላውያን ብኸመይ ኣቃልዖ፧ (ለ) ነብያት በዓል እንታይ ገበሩ፧ (ሐ) ኤልያስ እንታይ ገበረ፧

6 እቲ ኣኼባ ኣብቲ ምናልባት ንኢዛቤል ንምሕጓስ ተባሂሉ “ፈሪሱ” ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ዝነበረሉ ቦታ እዩ ተገይሩ። (1 ነገስት 18:30) እቲ ዜሕዝን ግን: እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ የሆዋ ወይ ካብ በዓል ኣየናዮም ነቲ ዜድልዮም ዝናም ብሓቂ ኼዝንም ከም ዚኽእል ብርግጽ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። በዓል በቶም 450 ነብያት ተወኪሉ ኪቐርብ ከሎ: ብየሆዋ ተወኪሉ ዝቐረበ ግን ኤልያስ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኤልያስ ናብ ሱር እቲ ጸገም ብምትኳር: ነቶም ህዝቢ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧” ኢሉ ሓተቶም። ድሕሪኡ: ብዝቐለለ ቓላት: “እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ: ደድሕሪኡ ስዐቡ: በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” በሎም። ኤልያስ ነቶም ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ውፉያት ንምዃን ላንጋላንጋ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድርኾም ኢሉ: ንኣምላኽነት መፈተኒ ዚኸውን ሓሳብ ኣቕረበ። ክልተ ዝራብዕ ወሲዶም: ሓደ ንየሆዋ: እቲ ኻልእ ድማ ንበዓል መስዋእቲ ኪዀኑ ይሕረዱ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ ኸኣ ንመስዋእቱ ብሓዊ ገይሩ ብምብላዕ የርኢ። እቶም ነብያት በዓል ንመስዋእቶም ኣዳለዉ: ድሕሪኡ “ዎ በዓል: ምላሽ ሀበና” እናበሉ ንነዊሕ ሰዓታት ተማህለሉ። ኤልያስ ኬላግጸሎም ምስ ጀመረ: ደም ክሳዕ ዚፈስስ ንኣካላቶም ተፍተፍዎ: ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ። ግናኸ መልሲ ኣይነበረን።—1 ነገስት 18:21, 26-29

7 ድሕርዚ ግደ ኤልያስ ኣኸለ። ፈለማ: ነቲ መሰውኢ የሆዋ ሓደሶ: ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ። ድሕሪኡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ ኣብቲ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ኼፍስሱሉ ተዛረቦም። ነዚ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ዚርከብ ጕድጓድ ብማይ ዚመልእ ሰለስተ ሳዕ ገበርዎ። ድሕሪኡ ኤልያስ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን: ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ: ነዚ ዅሉ ድማ ብትእዛዛትካ ኸም ዝገበርክዎ: ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ: ምላሽ ሀበኒ: ዎ እግዚኣብሄር: ምላሽ ሀበኒ” ኢሉ ጸለየ።—1 ነገስት 18:30-37

8. ኣምላኽ ነቲ ኤልያስ ዝጸለዮ ጸሎት ብኸመይ ምላሽ ሃቦ፧ እቲ ነብዪኸ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧

8 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ሓዊ ልኢኹ ነቲ መሰውእን ኣብኡ ዝነበረ መስዋእትን ብምብላዕ ምላሽ ሃበ። እቲ ሓዊ ነቲ ኣብ ጕድጓድ እቲ መሰውኢ ዝነበረ ማይ እውን ለሓሶ! እዚ ኣብ እስራኤላውያን ዘሕደሮ ጽልዋ እሞ ገምቶ። “ብገጾም ተደፊኦም: እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ: እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ” በሉ። ድሕርዚ ኤልያስ ተወሳኺ ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ: “ንነብያት በዓል ሐዝዎም: ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቝ” ኢሉ ድማ ንእስራኤላውያን ኣዘዞም። ኵሎም እቶም 450 ነብያት በዓል ኣብ እግሪ ኸረን ቀርሜሎስ ተቐትሉ።—1 ነገስት 18:38-40

9. ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እንደገና እተፈተኑ ብኸመይ እዮም፧

9 ኣብታ ዘይትርሳዕ መዓልቲ እቲኣ: የሆዋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ ሃገር ዝናም ከም ዚዘንም ገበረ። (ያእቆብ 5:17, 18) ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ቤቶም ኪምለሱ ኸለዉ ዚዘራረቡሉ ዝነበሩ ነገር ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽነቱ ኣረጋገጸ። ኣምለኽቲ በዓል ግን ተስፋ ኣይቈረጹን። ኢዛቤል ንኣገልገልቲ የሆዋ ንኽትሰጕግ ዝጀመረቶ ወፈራ ቐጸለቶ። (1 ነገስት 19:1, 2፣ 21:11-16) ስለዚ: ንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ እንደገና ተፈተነ። የሆዋ ንኣምለኽቲ በዓል ዚፈርደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ንዕኡ በይኑ ጥራይ ውፉያት ኰይኖም ደዀን ይጸንሑ ይዀኑ፧

ሕጂ ወሳኒ ስጕምቲ ውሰድ

10. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ እዮም ኪገብሩ ጸኒሖም፧ (ለ) ነቲ ኣብ ራእይ 18:4 ዚርከብ ትእዛዝ ምሕላው እንታይ ማለት እዩ፧

10 ኣብዚ ግዜና ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ናይ ኤልያስ ዝኣመሰለ ዕዮ ዓዮም እዮም። ብኣፍን ብጽሑፍን ገይሮም: ኣብ ውሽጥን ወጻእን ህዝበ-ክርስትያን ንዚርከቡ ዅሎም ኣህዛብ ካብ ሓደጋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣጠንቂቖምዎም እዮም። ስለዚ ድማ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ወሳኒ ስጕምቲ ብምውሳድ: ካብ ኣባልነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወጺኦም እዮም። ርእሶም ንየሆዋ ብምውፋይ ከኣ: እተጠመቑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኰኑ። እወ: ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቲ “ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ” ብምባል ዘቕረቦ ህጹጽ ጻውዒት ስዒቦም እዮም።—ራእይ 18:4

11. ስምረት የሆዋ ንምርካብ እንታይ እዩ ዜድሊ፧

11 ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዝርግሕዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መልእኽቲ እኳ እንተ ተሳሕቡ: እንታይ ከም ዚገብሩ ግን ይወላወሉ እዮም ዘለዉ። ገለ ኻብዚኣቶም ሓሓሊፎም ናብ ከም ድራር ጐይታ ወይ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይመጹ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብምሉኦም: ነተን “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧” ዚብላ ቓላት ኤልያስ ተጠንቂቖም ኪሓስቡለን ንምሕጸኖም። (1 ነገስት 18:21) ኣብ ክንዲ ዚደናጐዩ: ሕጂ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱን ርእሶም ዝወፈዩ እተጠምቁ ኣምለኽቲ የሆዋ ንምዃን ብቕንኣት ኪዓዩን ኣለዎም። ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ።—2 ተሰሎንቄ 1:6-9

12. ገሊኦም እተጠመቑ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ኣንደልሂጾም ዘለዉ፧ እንታይከ ኺገብሩ ይግባእ፧

12 እቲ ዜሕዝን ግን: ገሊኦም እተጠምቁ ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ዘይስርዓታውያን ኰይኖም ወይ ዛሕቲሎም እዮም። (እብራውያን 10:23-25፣ 13:15, 16) ገሊኦም ብሰንኪ ፍርሂ መስጐጕቲ: ሓልዮት ናብራ: ሃብቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ: ወይ ብስስዐ ደድሕሪ ተድላ ብምጕያዮም: ቅንኣቶም ኣጥፊኦም እዮም። የሱስ እዚ ነገራት እዚ ንሰዓብቱ ኸም ዚዕንቅፎምን ዚሓንቆምን መፈንጠራ ኸም ዚዀኖምን ኣጠንቂቑ ነይሩ። (ማቴዎስ 10:28-33፣ 13:20-22፣ ሉቃስ 12:22-31፣ 21:34-36) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ‘ናብ ክልቲኡ ወገን ኣብ ክንዲ ዚሕንክሱ:’ ነቲ ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ንምፍጻም ወሳኒ ስጕምቲ ብምውሳድ ‘ቀናኣት ኪዀኑን ኪንስሑን’ ኣለዎም።—ራእይ 3:15-19

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሃንደበት እትጠፍኣሉ እዋን

13. የሁ ንጉስ ኪኸውን ኣብ እተቐብኣሉ እዋን ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዅነታት ግለጽ።

13 ሰባት ሕጂ ብህጹጽ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱ ዜድለየሉ ምኽንያት: ኣብቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ብዛዕባ ጕዳይ ኣምላኽነት ድሕሪ ምልዓሉ 18 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ነገራት ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንኣምለኽቲ በዓል ዚፈርደላ መዓልቲ ፍርዲ ብግዜ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ኤልሳእ ብሃንደበት ከይተጸበይዋ መጸት። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮራም ወዲ ንጉስ ኣከኣብ ኣብ እስራኤል ይገዝእ ነበረ: ኢዛቤል ድማ ገና ንግስቲ ነበረት። ኤልሳእ ንጊልያኡ: ንየሁ ሓለቓ ሰራዊት ሓድሽ ንጉስ ገይሩ ኪቐብኦ ብስቱር ለኣኾ። ኣብቲ ግዜ እቲ: የሁ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ነበረ። ኣብኡ ድማ ምስ ጸላእቲ እስራኤል ይዋጋእ ነበረ። ንጉስ ዮራም ከኣ ካብ ቍስሉ ኺፍወስ ኣብቲ ጥቓ መጊዶ ዚርከብ ጐልጐል ይዝርኤል ነበረ።—2 ነገስት 8:29–9:4

14, 15. የሁ እንታይ መዝነት እዩ እተዋህቦ፧ ንሱኸ ነዚ ብኸመይ ተቐበሎ፧

14 የሆዋ ንየሁ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ:- “ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስ: ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ። ብዘላ ቤት ኣከኣብ ክትበርስ እያ። . . . ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም: ዚቐብራ ኸኣ የልቦን።”—2 ነገስት 9:7-10

15 የሁ ቘራጽ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደይቡ: ናብ ይዝርኤል ገጹ ጋለበ። ኣብ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዐኛ: ኣዘዋውራ ሰረገላ የሁ ኣለልዩ ንንጉስ ዮራም ነገሮ። ዮራም ከኣ ኣብ ሰረገላኡ ደይቡ: ነቲ ሓለቓ ሰራዊቱ ኺቃባበሎ ወጸ። ምስ ተራኸቡ: ዮራም “የሁ: ደሓን ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሁ ድማ “እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ: እንታይ ደሓኑ እዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪኡ: ንጉስ ዮራም ቅድሚ ምህዳሙ: የሁ ቀስቱ ገቲሩ: ንዮራም ብፍላጻ ገይሩ ኣብ ልቡ ወግኦ።—2 ነገስት 9:20-24

16. (ሀ) እቶም ሹማምንቲ ኢዛቤል እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኢዛቤል እተዛረቦ ቓል እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

16 የሁ ግዜ ኸየጥፍአ: ብሰረገላኡ ገይሩ ናብታ ኸተማ ኸደ። ኢዛቤል ተዀሓሒላ ንየሁ ብዜፈራርህ ቃላት ሰላም በለቶ። የሁ ንዓኣ ምላሽ ከይሃበ: “ምሳይ መን አሎ፧ መን፧” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣገልገልቲ ኢዛቤል ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም። ክልተ ሰለስተ ሹማምንቲ ብመስኰት ተቐልቀሉ። ብኡንብኡ ተኣማንነቶም ተፈተነ። የሁ “ኣጽድፍዋ” ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ሹማምንቲ ንኢዛቤል ኣጽደፍዋ: በፍራስን ሰረገላን ድማ ተረግጸት። በዚ ኸምዚ እታ ኣምልኾ በዓል ኣብ እስራኤል ኪሰፍን እትድርኽ ዝነበረት ዚግብኣ ረኸበት። ንኪቐብርዋ ግዜ ኸይረኸቡ ኸለዉ: ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንስጋኣ ኣኽላባት በልዕዎ።—2 ነገስት 9:30-37

17. ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኢዛቤል ዘውረዶ ፍርዲ: ኣብ መጻኢ እንታይ ፍጻመ ኸም ዚህሉ እዩ ንእምነትና ዜደልድሎ፧

17 እታ “ዓባይ ባቢሎን” ዝስማ ምሳልያዊት ኣመንዝራ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ጥፍኣት እዩ ኼጋጥማ። እታ ኣመንዝራ ነተን ካብ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ዝመነጫ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እያ እተመልክት። ናይ ሓሶት ሃይማኖት መወዳእታ ምስ ተገብረሉ: የሆዋ ኣምላኽ ናብቶም ዓለማዊ ኽፋል እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ዅሎም ሰባት ኬተኵር እዩ። እዚኣቶም እውን ኪጠፍኡ እዮም: እዚ ድማ ነታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም መገዲ ዚጸርግ እዩ።—ራእይ 17:3-6፣ 19:19-21፣ 21:1-4

18. ድሕሪ ሞት ኢዛቤል: ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ኣምለኽቲ በዓል እንታይ ኣጋጠሞም፧

18 ኢዛቤል ምስ ሞተት: የሁ ግዜ ኸይወሰደ ንዅሎም ዘርኢ ኣከኣብን ቀንዲ ደገፍቱን ቀተሎም። (2 ነገስት 10:11) እንተዀነ ግን: ኣብታ ሃገር ብዙሓት ኣምለኽቲ በዓል ነበሩ። የሁ ‘ንየሆዋ ቕንኣት’ ስለ ዝነበሮ: ነዚኣቶም ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደሎም። (2 ነገስት 10:16) ኣምላኺ በዓል ብምምሳል ኣብቲ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ዝሃነጾ ቤተ መቕደስ ዓብዪ በዓል ኣዳለወ። ኵሎም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ኣምለኽቲ በዓል ናብቲ በዓል መጹ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተዉ: የሁ ዘዳለዎም ሰባት ንብምሉኦም ቀተልዎም። መጽሓፍ ቅዱስ: “የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ” ብምባል ነቲ ጸብጻብ ይዛዝሞ።—2 ነገስት 10:18-28

19. ነቶም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” እንታይ ዓብዪ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

19 ኣምልኾ በዓል ካብ እስራኤል ጠፍአ። እዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እውን: ብሃንደበት ኪጠፍኣ እየን። ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ጐድኒ መን ክትጸንሕ ኢኻ፧ ሕጂ ወሳኒ ስጕምቲ ውሰድ: ከምኡ እንተ ጌርካ: ካብቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” ንኽትከውን ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። ድሕሪኡ: ነቲ ዝሓለፈ ምልስ ኢልካ ብሓጐስ ክትዝክሮን ኣምላኽ “ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ” ዝፈረዳ ፍርዲ ስለ ዝፈጸሞ ኽትውድሶን ኢኻ። ምስ ካልኦት ኣምለኽቲ ብሓባር ኴንካ: ምስቲ ኣብ ሰማይ ዚስማዕ “እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ: ሃሌሉያ” ዚብል ቃላት መዝሙር ክትሰማማዕ ኢኻ።—ራእይ 7:9, 10, 14፣ 19:1, 2, 6

ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት

• ጥንታዎት እስራኤላውያን ብኣምልኾ በዓል ገበነኛታት ዝዀኑ ኸመይ ኢሎም እዮም፧

• መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓብዪ ኽሕደት ከም ዚኸውን እዩ ዚንበ፧ እቲ ትንቢት እቲኸ ብኸመይ ፍጻሜኡ ረኸበ፧

• የሁ ንኣምልኾ በዓል ዘጥፈኦ ብኸመይ እዩ፧

• ካብ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሶኮ

ኣፌቕ

ሔልቃት

ዮቅነዓም

መጊዶ

ታዓናክ

ዶታን

ሰማርያ

ዔን-ዶር

ሹነም

ዖፍራ

ይዝርኤል

ዪብለዓም (ጋት-ሪሞን)

ቲርጻ

ቤት-ሽመሽ

ቤት-ሸኣን (ቤት-ሻን)

ያቤሽ-ጊልዓድ፧

ኣቤል-ሜሖላ

ቤት ኣርብኤል

ራሞት-ጊልዓድ

Mountain Peaks

ከረን ቀርሜሎስ

ከረን ታቦር

ሞሬ

ከረን ጊልቦዓ

[ማያት]

ባሕሪ መዲተራነያን

ባሕሪ ገሊላ

[River]

ርባ ዮርዳኖስ

[Spring and well]

ዓይኒ ማይ ሓሮድ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on maps copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርካ ምስታፍን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ምእካብን ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም እቶም ካብ መዓልቲ የሆዋ ኺድሕኑ ዚደልዩ: ከም የሁ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም