ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጀመርያ ተሰጉ: ደሓር ተፈትዉ

መጀመርያ ተሰጉ: ደሓር ተፈትዉ

መጀመርያ ተሰጉ: ደሓር ተፈትዉ

ቅድሚ ገለ ዓመታት ሳንቲያጎን ሰበይቱ ሉርደስን ንሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንምንጋር: ናብ ሓንቲ ኣብ ፐሩ እትርከብ ዊልካፓታ እትበሃል ጽብቕቲ ኸተማ ገዓዙ። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ኻብ ኩስኮ ዝመጸ ኻህን ነቶም ነበርቲ እታ ኸተማ ኣከቦም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኸባቢ ምምጻኦም መቕዘፍቲ ኸም ዜስዕበሎም: ብሰንኪ ኸቢድ ውርጪ ማሎም ከም ዚሞታን ግራውቶም ድማ ከም ዚበላሾን ኣጠንቀቖም።

ብዙሓት በዚ “ትንቢት” እዚ ስለ እተጸልዉ: ንመንፈቕ ዚኸውን ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ሳንቲያጎን ሉርደስን ምስኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብሩ ዘቕረብዎ ዕድመ ኣይተቐበለን። ሚገል ዚበሃል ምክትል ኣመሓዳሪ እታ ኸተማ ንሳንቲያጎን ሉርደስን ኣእማን እናደርበየ ኣብ ጐደና ሰጐጎም። ንሳቶም ግን ሰላማውን ክርስትያናውን ጠባይ ኣርኣዩ።

ድሕሪ ግዜ ገለ ነበርቲ እታ ኸተማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀመሩ። ሚገል እውን ከይተረፈ ኣረኣእያኡ ቐየረ። ምስ ሳንቲያጎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ጀመረ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይ ኣቋረጸ: ከምኡውን ሰላማዊ ሰብ ኰነ። ኣብ መወዳእታ ሚገልን ሰበይቱን ክልተ ደቁን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተቐበሉ።

ሎሚ ኣብታ ኸተማ ዕቤት እተርኢ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቈይማ ኣላ። ሚገል: እቲ ንሳንቲያጎን ሉርደስን ዝደርበዮ ኣእማን ዕላማኡ ስለ ዘይወቕዐ ሕጉስ እዩ: ነቲ ሰላማዊ ብምዃን ዘርኣይዎ ጽቡቕ ኣብነት ድማ ብዙሕ እዩ ዜማስወሉ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

በቲ ሳንቲያጎን ሉርደስን (ላዕሊ) ዘርኣይዎ ሰላማዊ ባህሪ ልቢ ሚገል (ብየማናይ ጫፍ) ተቐየረ