ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰናይ ብእከይ ተዓብሊሉ

ሰናይ ብእከይ ተዓብሊሉ

ሰናይ ብእከይ ተዓብሊሉ

ኣብዛ ዓለምና: ቍጽሪ እቶም ፍቓደኛታት ኰይኖም ርእሶም ዚውፍዩ ሰባት ኣዝዩ ውሑድ ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ሰባት “ንህይወት ካልኦት ንምቕያር:” ማለት ሰናይ ተግባር ንምግባር ይደልዩ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ንግብረ⁠-​ሰናይ ኢሎም ብቢልዮናት ዚቝጸር ዶላራት ይውፍዩ። ንኣብነት: ብ2002 ኣብ ብሪጣንያ ንግብረ⁠-​ሰናይ ተባሂሉ እተወፈየ ገንዘብ 13 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ በጺሑ ነበረ። ካብ 1999 ኣትሒዙ ድማ ዓሰርተ ዝዀኑ ለጋሳት ገበርቲ ሰናይ ንድኻታት ንምሕጋዝ 38 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ሂቦም ወይ ድማ ንኺህቡ መብጽዓ ኣትዮም ነበሩ።

ገለ ኻብቲ ገበርቲ ሰናይ ዝዓመምዎ ስራሕ: ነቶም ኣታዊኦም ትሑት ዝዀነ ሰባት ናይ ሕክምና ወጻኢታቶም ምሽፋን: ነቶም ብንጽል ወለዲ ዚዓብዩ ቘልዑ ምምሃርን ሓድሓደ ሓገዛት ምግባርን: ነቲ እተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ንሓደገኛታት ሕማማት ንምክልኻል ዚገብራኦ መደባት ብገንዘብ ምድጋፍ: ንቘልዑ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ምሃብ: ነቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት ዚርከቡ ሓረስቶት ናይ መፍረ እንስሳታት ምክፍፋል: ከምኡውን ነቶም ግዳያት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝዀኑ ሰባት ረድኤት ምዕዳል ይርከብዎም።

እዞም ዝረኣናዮም ኣብነታት: ሰባት ንኻልኦት ሰናይ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ዜርኢ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን ዜስካሕክሕ እከይ ተግባራት ዚፍጽሙ እውን ኣለዉ።

እከይ ይስስን ኣሎ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዚዛዘም ንነጀው 50 ዝዀኑ እተሰነዱ ዓሌታዊ ቕትለትን ብሰንኪ ፖለቲካ እተፈጸሙ ጃምላዊ ቕትለትን ኣለዉ። ሓንቲ ኣመሪካን ፖለቲካል ሳይንስ ሪቪው ዘርእስታ መጽሔት: “እዚ ፍጻመታት እዚ እንተ ወሓደ ናይ 12 ሚልዮን ህይወት ከምኡውን ናይ 22 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ህይወት ዘጽነተ እዩ: እዚ ድማ ካብቶም ካብ 1945 ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ኣህጉራውን ውግእ ዝሞቱ ሰባት ዚዛይድ እዩ” በለት።

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ መበል 20 ዘመን: ኣብ ካምቦድያ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ፖለቲካ ተቐትሉ። ኣብ ሩዋንዳ ብሰሪ ዓሌታዊ ጽልኢ ልዕሊ 800,000 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሞቱ። እቲ ኣብ ቦዝንያ ብሰንኪ ሃይማኖትን ፖለቲካን እተገብረ ቕትለት ንሞት ልዕሊ 200,000 ዝዀኑ ሰባት ምኽንያት ኰነ።

ብ2004 ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት እተፈጸመ እከይ ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “ኣብ ዒራቕ ሰላማውያን ሰባት ብዘ⁠ይ ንሕስያ ኪቕተሉ ኸለዉ ተዓዚብና ኢና፣ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛታት: ጋዜጠኛታት: ከምኡውን ካልኦት ሰላማውያን ሰባት ኪጭወዩን ብባርባራዊ መገዲ ኪቕተሉ ኸለዉ እውን ርኢና ኢና። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ዒራቓውያን እሱራት ብዘ⁠ይ ግቡእ ኪጋፍዑ ኸለዉ ርኢና ኢና። ኣብ ዳርፉር እውን ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ኻብ ቦታኡ ኺግዕዝ: ኣባይቱ ኺዓኑ: ንደቂ ኣንስትዮ ምግሳስ ድማ ኰነ ኢሎም ከም ሜላ ኺጥቀሙሉ ኸለዉ ርኢና ኢና። ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ: ቈልዑ መሓውሮም ኪቝረጽን ኣብ ንኽትዛረበሉ እውን ዜሰቅቕ ሕሰም ንኺካፈሉ ኺግደዱ ኸለውን ርኢና ኢና። ኣብ በስላን ድማ ቈልዑ ኸም ጅሆ ተታሒዞም ብጭካነ ኪቕተሉ ኸለዉ ርኢና ኢና።”

ኣብተን ዝማዕበላ እየን ዚበሃላ ሃገራት እውን ከይተረፈ: ዓመጻ እተሓወሶ ጽልኢ እናበርከተ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ንኣብነት: ብ2004 ኢንዲፐንደንት ኒውስ ኣብ ብሪጣንያ “ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመት ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ ዓሌታዊ ጽልኢ እተጠቕዑ ወይ ድማ እተገፍዑ ሰባት ብዓሰርተው ሓደ ዕጽፊ ኸም ዝወሰኸ” ጸብጺቡ ነበረ።

እቶም ሰናይ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎም ደቅሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ዚፍጽሙ ስለምንታይ እዮም፧ ካብ እከይ ናጻ እንዀነሉ ግዜስ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ ከምቲ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እትሕብሮ: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜደንጹ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።