ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰናይ ንእከይ ዚስዕሮ ብኸመይ እዩ፧

ሰናይ ንእከይ ዚስዕሮ ብኸመይ እዩ፧

ሰናይ ንእከይ ዚስዕሮ ብኸመይ እዩ፧

ንጉስ ዳዊት ሕያዋይ ሰብ እዩ ነይሩ። ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ነበሮ: ፍትሒ ኺገብር ይምነ ነበረ: ፈታዊ ትሑታት ሰባት ድማ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እዚ ንጉስ እዚ ምስ ሰበይቲ ሓደ ኻብቶም እሙናት ሰቡ ዝሙት ፈጸመ። ሰበይቲ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረት ባትሴባ ኻብኡ ኸም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ ድማ: ንሰብኣያ ብኡንብኡ ኸም ዚቕተል ገበረ። ብድሕርዚ ንባትሴባ ተመርዕዩ ነቲ ዝገበሮ እከይ ኪሸፋፍኖ ፈተነ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:1-27

ደቅሰብ ሰናይ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ነዚ ዅሉ ዜጋጥም ዘሎ እከይ ተሓተትቲ ዝዀኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ መሰረታዊ ምኽንያታት ይህብ እዩ። ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ብኸመይ ንእከይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዜጥፍኦ እውን ይገልጽ እዩ።

እከይ ናይ ምግባር ዝንባለ

ንጉስ ዳዊት ሓደ ጠንቂ እከይ እንታይ ምዃኑ ፈልዩ ፈሊጥዎ ነበረ። እቲ ዝገበሮ ገበን ምስ ተቓልዐ: ምሉእ ሓላፍነት ወሰደ። ብድሕርዚ: “እንሆ: ብኣበሳ ተወለድኩ: እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ” ብምባል ጓሂ ዝመልኦ ቓላት ጸሓፈ። (መዝሙር 51:5) ዕላማ ኣምላኽ: ኣዴታት ሓጢኣት ዚፍጽም ቈልዓ ንኺወልዳ ኣይኰነን ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ: ፍጹማት ደቂ ናይ ምውላድ ክእለት ሰኣኑ። (ሮሜ 5:12) ቍጽሪ ዘይፍጹማት ሰባት እናወሰኸ ምስ ከደ: “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ” ምዃኑ ግልጺ እናዀነ ኸደ።​—⁠ዘፍጥረት 8:21

እቲ እከይ ናይ ምግባር ዝንባለ እንተደአ ዘይተቘጻጺርናዮ ኣብ መወዳእታ “ምንዝር: . . . ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት” ከምኡውን ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ “ግብሪ ስጋ” ዚብሎ ዓይነት ባህርያት እዩ ዜስዕብ። (ገላትያ 5:19-21) ንጉስ ዳዊት በቲ ስጋዊ ድኽመታቱ ስለ እተሰነፈ: ዝሙት ፈጸመ: እዚ ድማ ናዕቢ ኣስዓበሉ። (2 ሳሙኤል 12:1-12) ነቲ ርኹስ ዝንባለኡ ኺቃለሶ ይኽእል ነበረ። ኣብ ክንዳኡ ግን ብዛዕባ ባትሴባ ምሕሳብ ስለ ዝቐጸለ: ነቲ ጸኒሑ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ” ብምባል እተዛረቦ ነገር ኣስዓበሉ።​—⁠ያእቆብ 1:14, 15

እቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ጃምላዊ ቕትለትን ንደቂ ኣንስትዮ ምግሳስን ምዝማትን: ኣብነት እቲ ሰባት ኣብ ግጉይ ትምኒት ተመርኲሶም ዚገብርዎ ስጕምቲ ዜርኢ እዩ።

ብዘ⁠ይምፍላጥ ዚፍጸም እከይ

ተመክሮ ሃዋርያ ጳውሎስ: ሰባት ስለምንታይ እከይ ከም ዚገብሩ ዜጕልሕ ካልኣይ ጠንቂ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ዝሞተሉ እዋን: ሕያዋይን ፈቃርን ዚብል ስም ኣትሪፉ ነበረ። ነቶም ክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምግልጋል ድማ ይጽዕር ነበረ። (1 ተሰሎንቄ 2:7-9) ይኹን እምበር: ኣብቲ ሳውል ተባሂሉ ዚጽውዓሉ ዝነበረ እዋን ነዞም ሰባት እዚኣቶም “ብምፍርራህን ብምቕታልን . . . ነዲሩ” ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2) ጳውሎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ እተፈጸመ እከይ ዝሓበረ ስለምንታይ እዩ፧ ባዕሉ መልሲ ኺህብ ከሎ “ከይፈለጥኩ . . . ገበርክዎ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 1:13) እወ: ጳውሎስ ኣቐዲሙ “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት” ነይርዎ እዩ።​—⁠ሮሜ 10:2

ልክዕ ከም ጳውሎስ: ሓያሎ ቕኑዓት ሰባት ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ስለ ዘይብሎም ኣብ እኩይ ተግባራት ይካፈሉ እዮም። ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ: “ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ዮሃንስ 16:2) ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቅነት ቃላት የሱስ ርእዮምዎ እዮም። ኣብ ሓያሎ ሃገራት በቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዘለዉ ዚመስሎም ሰባት ተሳቕዮም: ሕሉፍ ሓሊፉውን ተቐቲሎም እዮም። ከምዚ ዝበለ ግጉይ ቅንኣት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ከም ዘየብሎ ፍሉጥ እዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 1:6

ምንጪ እከይ

የሱስ: እከይ ዝሃለወሉ ቐንዲ ምኽንያት ፈልዩ ይፈልጥ ነበረ። ነቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብዚምልከት “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 8:44) ሰይጣን እዩ ብስስዐ ተደሪኹ ንኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ኣምላኽ ንኺዓልዉ ዜስድዖም። እዚ ዕልወት እዚ ድማ ደቅሰብ ከም ዚሓጥኡን ከም ዚሞቱን ገበሮም።

ሰይጣን ዘለዎ ናይ ምቕታል ዝንባለ ኣብቲ ንእዮብ ዝገበሮ ነገር እውን ተራእዩ እዩ። የሆዋ ንንጽህና እዮብ ንኺፍትኖ ምስ ፈቐደሉ: ንጥሪቱ ብምዝማት ጥራይ ኣይዓገበን። ነቶም ዓሰርተ ደቁውን ቀተሎም። (እዮብ 1:9-19) ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እከይ እምብዛ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ: ብሰሪ ናይ ሰባት ዘይፍጽምናን ሰኣን ፍልጠትን ከምኡውን ሰይጣን ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ኢዱ የእቱ ስለ ዘሎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ድያብሎስ “ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ” ብምባል እዩ ዚነግረና። እዚ ትንቢት እዚ ብንጹር: ሰይጣን ናብ ምድሪ ስለ እተደርበየ: ንምድርን ኣብኣ ዘለዉን “ወይለኹም” ብምባል ይንበ። ሰይጣን ዋላኳ ሰባት እከይ ንኺገብሩ ኣየገድዶም እምበር ‘ንብዘላ ዓለም ብምስሓት’ ዝመጸ ግን ወሓለ እዩ።​—⁠ራእይ 12:9, 12

ነቲ እከይ ናይ ምግባር ዝንባለ ምውጋድ

እከይ ካብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኬልግስ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ እከይ ናይ ምግባር ዝንባለን ሕጽረት ርጡብ ፍልጠትን ጽልዋ ሰይጣንን እውን ኪእለ ኣለዎ። መጀመርታ: እቲ ወድሰብ ዘለዎ ሓጢኣት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኻብ ሱሩ ኺጠፍእ ዚኽእል ግን ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ዕማም እዚ ሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም ወይ ድማ ብሰብ እተሰርሐ መድሃኒት ኪፍጽሞ ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ግን ነቶም ንኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዜሕዊ ፈውሲ ኣዳልዩ ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ደም የሱስ . . . ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና” ብምባል ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 1:7) እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ብወለንታ ህይወቱ ምስ ሃበ: “ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር: ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ።” (1 ጴጥሮስ 2:24) ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ነቲ እኩይ ተግባራት ኣዳም ዘምጸኦ ሳዕቤን ዜወግድ እዩ። ጳውሎስ: የሱስ ክርስቶስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ . . . [“ተመዓራራዪ:” NW] በጃ” ከም ዝዀነ ገለጸ። (1 ጢሞቴዎስ 2:6) እወ: ሞት ክርስቶስ: ሰባት ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጽምና እንደገና ንኺረኽብዎ መገዲ ዚኸፍት እዩ።

ይኹን እምበር: ‘ቅድሚ 2000 ዓመት: ሞት የሱስ ንደቅ​ሰብ ፍጽምና እንተደኣ ኣምጺኡሎም: ስለምንታይ እዩ ሕጂውን እከይን ሞትን ዚርአ ዘሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥ: ነቲ ኻልኣይ ጠንቂ እከይ ንምውጋድ: ማለት ሰብ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዘይፈልጦ ዝነበረ ነገራት ንኺፈልጦ ይሕግዞ።

ርጡብ ፍልጠት ንሰናይ ተግባር የሰስኖ

ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን እከይ ንምጥፋእ ዚገብርዎ ዘለዉ ነገር ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ: ሓደ ቕኑዕ ሰብ ከይፈለጠ ንእኩይ ተግባራት ሸለል ንኸይብሎ: ሕሉፍ ሓሊፉውን “ምስ ኣምላኽ” ንኸይብኣስ ይገብሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:38, 39) የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ቐደም ብዘ⁠ይ ፍልጠት እተገብረ ጌጋታት ንኺሓልፎ ፍቓደኛ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቍርና ኣሕሊፉ: በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ: ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:30, 31

ጳውሎስ: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ባዕሉ ርእይዎ እዩ፣ ከመይሲ: የሱስ ባዕሉ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንኸይሰጐም ንጳውሎስ ተዛሪብዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-7) ብድሕርዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ምስ ረኸበ: ንክርስቶስ ብምምሳል ሕያዋይ ሰብ ኰነ። (1 ቈረንቶስ 11:1፣ ቈሎሴ 3:9, 10) ብተወሳኺውን ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ብቕንኣት ሰቢኹ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ክርስቶስ ካብታ ዝሞተላን ዝተንስኣላን ግዜ ንነጀው ኣብ ዘሎ 2000 ዓመት: ኣብታ መንግስቱ ምስኡ ንኺገዝኡ ኻብ መንጎ ደቅሰብ ከም ብዓል ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ሰባት ሓርዩ እዩ።​—⁠ራእይ 5:9, 10

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብምሉኡን ክሳዕ ሕጅን ነቲ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብቕንኣት ይፍጽምዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ ሰሚዖም ምላሽ ዚህቡ ሰባት ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ክርስቶስ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። የሱስ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እዚ ፍልጠት እዚ ኻልእ ሰብ ንኺፈልጦ ምሕጋዝ: ሓደ ሰብ ኪገብሮ ኻብ ዚኽእል ነገር እቲ ዝዓበየ እዩ።

እቶም ነቲ መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሓንጎፋይ ኢሎም ዚቕበልዎ ሰባት ዋላኳ ብእከይ ተኸቢቦም ይሃልዉ እምበር: ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽ​ለኒ ምባል” ዝኣመሰሉ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም። (ገላትያ 5:22, 23) ንየሱስ ብምምሳል ድማ ንዋላ ሓደ ሰብ ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይፈድይዎን’ እዮም። (ሮሜ 12:17) ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም ከኣ ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም’ ኪስዕርዎ እዮም ዚጽዕሩ።​—⁠ሮሜ 12:21፣ ማቴዎስ 5:44

እከይ ኣብ መወዳእታ ይስዓር

ደቅሰብ ነቲ ቐንዲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብገዛእ ርእሶም ኪስዕርዎ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ብየሱስ ኣቢሉ ንርእሲ ሰይጣን ኪጭፍልቖ እዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ ሮሜ 16:20) ብተወሳኺውን የሆዋ ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ነቲ መብዛሕትኡ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ እከይ ዝፈጸመ ፖለቲካዊ ስርዓት ብሓፈሻ ‘ኺጭፍልቖን ኬጥፍኦን’ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ መክብብ 8:9) ኣብታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ እቶም ‘ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም።’​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:8, 9፣ ጸፎንያስ 1:14-18

ሰይጣንን ደገፍቱን ድሕሪ ምጥፍኦም: የሱስ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት ነዛ ምድሪ ናብቲ ፈለማ ዝነበረቶ ኣብ ምምላስ ኪሕግዞም እዩ። ብተወሳኺውን ነቶም ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ ንምንባር ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኬተንስኦም እዩ። (ሉቃስ 23:32, 39-43፣ ዮሃንስ 5:26-29) ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ንደቅ​ሰብ ዜሳቕዮም ዝነበረ እከይ ኬወግዶ እዩ።

የሆዋ ንሰባት ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚዛረብ ወንጌል ብስራት ንኺእዘዙ ኣየገድዶምን እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ፍልጠት ንኺመሃሩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ሕጂ ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ጸፎንያስ 2:2, 3) ከምዚ እንተደኣ ጌርካ: ነቲ ሕጂ ዜጋጥመካ ዘሎ እከይ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ኽትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ የሱስ ከመይ ገይሩ ንእከይ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ብዓይንኻ ኽትርኢ ኽትክእል ኢኻ።​—⁠ራእይ 19:11-16፣ 20:1-3, 10፣ 21:3, 4

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሳውል ሰኣን ርጡብ ፍልጠት እኩይ ተግባራት ይፍጽም ነበረ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ንኺህልዎ ምሕጋዝ: ሓደ ሰብ ንኻልእ ኪገብሮ ኻብ ዚኽእል ነገር እቲ ዝዓበየ እዩ