ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ

ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ

ታሪኽ ህይወት

ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ

ጃስሊን ቫለንታይን ዘዘንተወቶ

ብ1989 ሰብኣየይ ብስራሕ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። ነቶም ሸሞንተ ደቀይ ንኸዕብዮም ገንዘብ ከም ዚሰድድ ቃል ኣተወ። ሰሙናት እኳ እንተ ሓለፈ ደሃይ ኣይገበረን። ኣዋርሕ ሓሊፉ እውን ዋላ ሓንቲ መልእኽቲ ኣይሰደደን። ‘ኵነታት ምስ ጠዓሞ ኺምለስ እዩ’ እናበልኩ እሓስብ ነበርኩ።

ንስድራ​ቤተይ ዝናብየሉ ገንዘብ ስለ ዘይነበረኒ: ዝገብሮ ሓርበተኒ። ኣብቲ ድቃስ ዘይወስደኒ ብዙሕ ለይትታት ‘ንስድራ​ቤቱ ኸመይ ኢሉ ኸምዚ ይገብር፧’ እናበልኩ ንርእሰይ እሓትት ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ግን ጠንጢኑና ኸም ዝኸደ ተረድኣኒ። ሎሚ ድሕሪ 16 ዓመት እውን ኣይተመለሰን። ስለዚ: ብዘ⁠ይ ደጋፊ ደቀይ ኣዕበኹ። እዚ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ: ደቀይ ብመገድታት የሆዋ ኺመላለሱ ምርኣይ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለይ። ኰይኑ ግን: ብዛዕባ ስድራ​ቤተይ ቅድሚ ምዝንታወይ ብዛዕባ ኣተዓባብያይ እስከ ኽነግረኩም።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ምድላይ

ብ1938 ኣብታ ሓንቲ ኻብ ደሴታት ካሪበያ ዝዀነት ጃማይካ ተወለድኩ። ኣቦይ ኣባል ቤተ⁠-​ክርስትያን እኳ እንተ ዘይነበረ: ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ከም ዝዀነ ይስምዖ ነበረ። ምሸት ምሸት መጽሓፍ መዝሙር ከንብበሉ ይሓተኒ ነበረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ንብዙሕ መዝሙራት ብቓለይ ክወጾ ጀመርኩ። ኣደይ ኣባል ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበረት: ሓድሓደ ግዜ ድማ ናብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ትወስደኒ ነይራ።

ኣብቲ ኣኼባታት ከኣ ኣምላኽ ንቕኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚወስዶም: ንኽፉኣት ግን ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም ብሓዊ ኸም ዜሳቕዮም ንመሃር ነበርና። የሱስ: ኣምላኽ ምዃኑን ንቈልዑ ኸም ዚፈትዎምን እውን ንመሃር ነበርና። እዚ ኺርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ: ንኣምላኽ ፍርሂ ሓደረኒ። ‘እቲ ዚፈትወና ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ንሰባት ብሓዊ የሳቒ፧’ እናበልኩ እሓስብ ነበርኩ።

ብዛዕባ ሲኦል ምሕሳብ ለይቲ የባህርረኒ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሻውዓይቲ መዓልቲ ኣድቨንቲስት ዘዳለወቶ: ብምጽሕሓፍ ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርኩ። ንሳቶም ድማ ክፉኣት ሰባት ንዘለኣለም ኣይሳቐዩን እዮም: ኣብ ክንዳኡስ ብሓዊ ተቓጺሎም ሓመዅስቲ ኸም ዝዀኑ መሃሩና። እዚ ዝያዳ ቕኑዕ ስለ ዚመስል: ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታቶም ክካፈል ጀመርኩ። ኰይኑ ግን እቲ ትምህርትታቶም ኣደናገረኒ: ነቲ ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባር ዝነበረኒ ግጉይ ኣረኣእያ እውን ኣየዐረዮን።

ኣብቲ እዋን እቲ ሰባት ምንዝር ሓጢኣት ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣነ ዀንኩ ኻልኦት ብዙሓት ሰባት: እቶም ምስ ብዙሓት ሰባት ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ ዘበሉ ኣመንዝራታት ከም ዝዀኑ ጌርና ንሓስብ ነበርና። ዘይተመርዓዉ ሰባት ምስ ካልእ ዘይኰነስ ክልቲኦም ጥራይ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺሞም ሓጢኣት ኣይኰነን ኢልና ንኣምን ነበርና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ እብራውያን 13:4) ካብዚ እተላዕለ ድማ ከይተመርዓኹ ሽዱሽተ ቘልዑ ወለድኩ።

መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር

ብ1965 ቫስሊን ጉዲሰንን ኢተል ቻምበርስን ዚበሃላ ኽልተ ፓይነራት ወይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ኣብ ጥቓና ኣብ ዚርከብ ማሕበረሰብ ባት ኪነብራ ጀመራ። ሓደ መዓልቲ ንኣቦይ ኣዘራረባኦ። ንሱ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ተሰማምዐ። ኣብቲ ዝመጻሉ ግዜ ንዓይ እውን ኣብ ገዛ እንተ ረኺበናኒ: የዘራርባኒ ነበራ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥርጣረ እኳ እንተ ነበረኒ: ከም እተጋገዩ ንምርግጋጽ ኢለ ምስኣተን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ወሰንኩ።

ኣብ እዋን መጽናዕቲ ብዙሕ ሕቶታት እሓትት ነበርኩ: እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ንዅሉ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምልሳለይ ነበራ። ሳላ ሓገዘን: ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡን ኣብ ሲኦል ከም ዘይሳቐዩን ፈለጥኩ። (መክብብ 9:5, 10) ብዛዕባ እቲ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ እውን ተመሃርኩ። (መዝሙር 37:​11, 29፣ ራእይ 21:3, 4) ዋላኳ ኣቦይ መጽናዕቲ ምግባሩ እንተ ኣቋረጸ: ኣነ ግን ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ። እቲ ኣኼባታት ብሰላምን ብስርዓትን ስለ ዚግበር: ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኽፈልጥ ገበረኒ። ኣብ ናይ ወረዳን ናይ ኣውራጃን ኣኼባታት ዚበሃል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜዳልውዎ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን እካፈል ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጠይ: ንየሆዋ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ንኸገልግሎ ባህጊ ኣሕደረለይ። ይኹን እምበር: ዕንቅፋት ዝዀነኒ ነገር ነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ: ካብቶም ሽዱሽተ ደቀይ ምስ ኣቦ እቶም ሰለስተ: ከይተመርዓኹ ተኣኪበ እነብር ነበርኩ። ኣምላኽ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ከም ዚዅንኖ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተመሃርኩ: ሕሊናይ ኪወቕሰኒ ጀመረ። (ምሳሌ 5:15-20፣ ገላትያ 5:19) እቲ ንሓቂ ዝነበረኒ ፍቕሪ እናሓየለ ምስ ከደ: ኣነባብራይ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ክገብር ደለኹ። ኣብ መወዳእታ ውሳነ ገበርኩ። ነቲ ብዘ⁠ይ ቃል ኪዳን መጻምድተይ ዝነበረ ሰብኣይ: ብሕጋዊ መገዲ ኽንምርዖ ወይ ድማ ክንፈላለ ኸም ዘሎና ነገርክዎ። ዋላኳ ንእምነተይ እንተ ዘይተቐበሎ: ብ15 ነሓሰ 1970 ተመርዓና: እዚ ዝዀነ እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዘዘራርባኒ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እዩ። ኣብ ታሕሳስ 1970 ብማይ ብምጥማቕ ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ኣርኣኹ።

እታ ዕዮ ስብከት ዝጀመርኩላ መዓልቲ ኣይርስዓን እየ። ሽዑ ኣዝየ ፈሪሀ ነይረ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ብኸመይ ከም ዚጅመር ድማ ኣይፈልጥን ነበርኩ። እቲ ፈለማ ዝረኸብክዎ ብዓል ገዛ ነቲ ምይይጥና ቐልጢፉ መወዳእታ ብምግባሩ እፎይታ ተሰምዓኒ። ጸኒሑ ግን እቲ ፍርሂ ጠፍኣ። ሽዑ መዓልቲ ምስ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጺር ምይይጥ ብምግባረይን ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብምብርካተይን ኣዝየ ተሓጐስኩ።

ስድራ​ቤትና ብመንፈስ ሓያል ንኽትከውን ምሕጋዝ

ክሳዕ 1977 ኣብ ዘሎ እዋን ስድራ​ቤትና ኽልተ ቘልዑ ተወሰኽዋ። ስድራ​ቤተይ ንየሆዋ እተገልግል ንኽትከውን ብእተኻእለኒ ዅሉ ንምሕጋዝ ቈረጽኩ። (እያሱ 24:15) ስለዚ: ኣዘውቲረ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እጽዕር ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ኣመና ብምድካመይ ሓደ ኻብቶም ቈልዑ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ትኽስ ስለ ዝብል: እቶም ቈልዑ የበራብሩኒ ነበሩ። ኰይኑ ግን ኣካላዊ ድኻም ከም ስድራ​ቤት መጠን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንገብር ኣይዓገተናን።

ምስ ደቀይ ወትሩ እጽሊ ነበርኩ። ምስ ዓበዩ ድማ ባዕሎም ናብ የሆዋ ኺጽልዩ መሃርክዎም። ቅድሚ ምድቃሶም ኵሎም ብብሕቶም ከም ዚጽልዩ እገብር ነበርኩ። ምስቶም ንኣሽቱ ድማ በብውልቂ ሓቢረ እጽሊ ነበርኩ።

ፈለማ ሰብኣየይ ነቶም ቈልዑ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽወስዶም ኣይፈቕደለይን ነይሩ። ኣነ ናብ ኣኼባታት ምስ ከድኩ ነቶም ቈልዑ ባዕሉ ኺኣልዮም ምዃኑ ምስ ተረድኦ ግን ሒዘዮም ንክኸይድ ተሰማምዐ። ምሸት ምሸት ምስ ኣዕሩኽቱ ኺዘናጋዕ ስለ ዚደሊ: ሸሞንተ ቘልዑ ሒዙ ኪኸይድ ኣይደለየን። ጽንሕ ኢሉ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምኻድ ነቶም ቈልዑ ኣብ ምድላው ኪሕግዘኒ ጀመረ።

እቶም ቈልዑ እውን ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋልን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምስታፍን ልማድ ገበርዎ። ትምህርቲ ኣብ ዘይህልወሉ እዋናት ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ነበሩ። እዚ ድማ ንጉባኤን ንዕዮ ስብከትን ልባዊ ፍቕሪ ንኼማዕብሉ ሓገዞም።​—⁠ማቴዎስ 24:14

እዋን ፈተና

ነታ ስድራ​ቤት ብገንዘባዊ መዳይ ንምምሕያሽ ብዓል ቤተይ ናብ ወጻኢ ኺገይሽ ጀመረ። ካብቲ ስድራ​ቤት ተፈልዩ ነዊሕ ይጸንሕ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ እተወሰነ እዋን ይምለስ ነይሩ። ብ1989 ምስ ከደ ግን ኣይተመልሰን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ: ዝገብሮ ሓርበተኒ። የሆዋ ንኸጸናንዓንን ንኸበርትዓንን ብዙሕ ለይትታት እናበኸኹ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ። ጸሎተይ መልሲ ኸም ዝረኸበ ኸኣ ተሰምዓኒ። ከም ኢሳይያስ 54:4 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 7:15 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ናይ ኣእምሮ ሰላምን ሓይልን ሃበኒ። ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ዚርከቡ ኣዝማድን ኣዕሩኽን እውን ስምዒታውን ስጋውን ደገፍ ገይሮምለይ እዮም። ስለቲ ሓገዞም ንየሆዋን ንህዝቡን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።

ካልእ ፈተናታት እውን ኣጋጢሙና እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ጓለይ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ ተግባር ብምፍጻማ ኻብ ጉባኤ ተወገደት። ንዅሎም ደቀይ ካብ ልቢ እፈትዎም እኳ እንተ ዀንኩ: ቀዳምነት ዝህቦ ግን እቲ ንየሆዋ ዘሎኒ ተኣማንነት እዩ። ስለዚ: ኣነን እቶም ካልኦት ደቀይን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓደ እተወገደ ሰብ ኪህልወና ዚግባእ ርክብ ኣመልኪቱ ዚህቦ መምርሒ ብጥብቂ ሰዓብና። (1 ቈረንቶስ 5:11, 13) ኣቕዋምና ዘይርድኦም ሰባት ብዙሕ ነቐፉና። ይኹን እምበር: ጓለይ ናብ ጉባኤ ምስ ተመልሰት ሰብኣያ በቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣናዮ ጽኑዕ ኣቕዋም ከም እተደነቐ ነገረኒ። ሎሚ ንሱውን ምስ ስድራ​ቤቱ ንየሆዋ የገልግል ኣሎ።

ንዘጋጠመና ገንዘባዊ ጸገማት ምውጻኡ

ሰብኣየይ ገዲፉና ኣብ ዝኸደሉ እዋን ቀዋሚ ኣታዊ ኣይነበረንን: ንሱውን ገንዘባዊ ደገፍ ኣይገብረልናን ነበረ። እዚ ድማ ብቐሊል ናብራ ኽንዓግብን ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢርና ኽንርእን ምሂሩና እዩ። እቶም ቈልዑ ኣብ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪተሓጋገዙን ከም ዘለዎም እናተረድኦም ምስ ከደ: ዝያዳ ተቐራረቡ። እቶም ዓበይቲ ስራሕ ኪሕዙ ኸለዉ: ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ብፍታው ይሕግዝዎም ነበሩ። እታ በዅሪ ጓለይ ማርሰሪ ነታ ኒኮል እትበሃል ሕሳስ⁠-​ልደ ሓብታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ንኽትውድእ ሓገዘታ። ኣነ ድማ ንእሽቶ ድኳን ከፈትኩ። እቲ ዝረኽቦ ሒደት ኣታዊ ነቲ ብስጋ ዜድልየና እተወሰነ ነገራት ንኸማልእ ሓገዘኒ።

የሆዋ ፈጺሙ ኣይገደፈናን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንምክፋል ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ነገርክዋ። ንሳ ድማ “ሓብትና ቫል ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኸም ዘሎ ምስ እትሰምዒ: ንምኻድ ተዳለዊ። የሆዋ ዜድልየኪ ኼማልኣልኪ እዩ” በለትኒ። ከምቲ ዝበለትኒ ገበርኩ። የሆዋ ዜድልየና ኣማልኣልና: ሕጂውን ከምኡ ምግባር ኣየቋረጸን። ስድራ​ቤትና ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ካብ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ካብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ተሪፋ ኣይትፈልጥን እያ።

ብ1988 ጊልበርት ዚበሃል ህቦብላ ንፋስ ንጃማይካ ኣዕነዋ: ንሕና ድማ ገዛና ገዲፍና ዕቝባ ናብ እንረኽበሉ ቦታ ኸድና። እቲ ህቦብላ ንግዚኡ ምስ ሃድአ: ኣነን ወደይን ነቲ ፍርስራስ ገዛና ኽንርኢ ኸድና። ካብ መንጎ እቲ ፍርስራስ ሓደ ኽዕቅቦ ዝደልዮ ነገር ረኣኹ። ሃንደበት ህቦብላ ንፋስ ኪነፍስ ጀመረ። ኣነ ግን ነቲ ኣቕሓ ደርብየ ኣይሃደምኩን። ካብኡ ወደይ “ማማ ነታ ተለቪዥን ደርብዪያ። ንስኺኸ ሰበይቲ ሎጥ ዲኺ፧” ምስ በለኒ ናብ ልበይ ተመለስኩ። (ሉቃስ 17:31, 32) ነታ ብማይ ዝጠልቀየት ተለቪዥን ደርብየ: ክልቴና ናብቲ መዕቈቢ እንረኽበሉ ቦታ እናጐየና ኸድና።

ህይወተይ ሓንቲ ተለቪዥን ንምድሓን ኢለ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተኽዋ ኽዝክር ከለኹ ኣዝዩ እዩ ዜፍርሃኒ። ኰይኑ ግን: ነቲ ሽዑ ወደይ እተዛረቦ ብመንፈስ ንቑሕ ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዘረባ ኽሓስቦ ኸለኹ ባህ ይብለኒ። ሳላ እቲ ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ዝረኸቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስልጠና: ኣካላዊ ምናልባትውን መንፈሳዊ ጕድኣት ንኸይወርደኒ ሓጊዙኒ እዩ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ገዛናን ንብረትናን ኣዕነዎ ኣዝዩ ድማ ተስፋ ኣቝረጸና። ካብኡ ክርስትያን ኣሕዋትና መጹ። ኣብ የሆዋ ተኣሚንና ነቲ ዘጋጠመና ኣሜን ኢልና ኽንቅበሎን ኣብ ኣገልግሎትና ኽንቅጽልን ኣበራትዑና ኸምኡውን ገዛና ኣብ ምህናጽ ሓገዙና። በቲ እቶም ካብ ጃማይካን ካብ ወጻእን ዝመጹ ወለንተኛታት ዘርኣይዎ ፍቕርን ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈስን እተንጸባረቖ ዕዮ: ውሽጥና ኣጸቢቑ ተተንከፈ።

ንየሆዋ ቐዳምነት ምሃብ

መሌን እትበሃል ካልአይቲ ጓለይ ትምህርታ ምስ ወድአት ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ካብኡ ነቲ ኣብ ካልእ ጉባኤ ፓይነር ኰይና ንኸተገልግል ዝቐረበላ ዕድመ ተቐበለት። ስለዚ ስርሓ ገደፈቶ። ምንም እኳ እቲ ስራሕ ንስድራ​ቤትና ብገንዘብ ንኽትድግፍ ዜኽእላ እንተ ነበረ: ነፍሲ ወከፍና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምና: የሆዋ ኸም ዚሓልየልና እምነት ነበረና። (ማቴዎስ 6:33) ጸኒሑ ዩኣን ወደይ ፓይነር ኰይኑ ንኼገልግል ጻውዒት ቀረበሉ። ንስድራ​ቤትና ብገንዘብ ይድግፍ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዕድመ ንኪቕበል ኣተባባዕናዮ። የሆዋ ንኺባርኾ ድማ ጽቡቕ ትምኒትና ገለጽናሉ። ደቀይ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተሳትፎ ንኸየስፍሑ ዕንቅፋት ኰይነ ኣይፈልጥን እየ። እቶም ኣብ ገዛ ዝተረፍና ዜድልየና ዘበለ ጐዲሉና ኣይፈልጥን እዩ። እኳ ደኣስ ሓጐስና ወሲኹ: ሓድሓደ ግዜ እውን ንእተሸገሩ ንሕግዝ ነበርና።

ሎሚ ደቀይ ‘ብሓቂ ኺመላለሱ’ ኸለዉ ምርኣይ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። (3 ዮሃንስ 4) መሌን ጓለይ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ዜገልግል ሰብኣያ ተሰንዮ እያ። ኣንድረያ ጓለይን ሰብኣያን ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ: ብተወሳኺውን ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ጉባኤታት ኪበጽሕ ከሎ ንሳውን ሓቢራ ትኸይድ። ዩኣን ወደይን ሰበይቱን ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ንሱ ድማ ናይ ጉባኤ ሽማግለ እዩ። ኤቫ⁠-ጌ ጓለይን ሰብኣያን ኣብ ጃማይካ ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ። ጀኒፈር: ጀኔቭ: ከምኡውን ኒኮል መምስ ሰብኡተንን ደቀንን ኣብ ገጉባኤአን ንጡፋት ኣባላት ኰይነን የገልግላ ኣለዋ። ኣነን እታ ምሳይ እትነብር ማርሰሪን: ፖርት ሞራንት ኣብ እትበሃል ጉባኤ ኢና እንእከብ። ሸሞንቲኦም ደቀይ ንየሆዋ የገልግሉ ብምህላዎም ብዙሕ እየ ተባሪኸ።

ሕጂ ብዕድመ ስለ ዝደፋእኩ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣሎኒ። ዋላኳ ምስ ሕማም ሪሕ ወይ ኣርትራይትስ ክቃለስ እንተሎኒ ፓይነር ኰይነ ምግልጋል ግን ኣየቋረጽኩን። ቅድሚ ገለ እዋን ኣብቲ ዅድዅዶታት ዝበዝሖ ኸባቢና ምምልላስ ከበደኒ። ስለዚ: ኣገልግሎት ንኸይከይድ ጸገም ፈጠረለይ። ብሽክለታ ምዝዋር ብእግሪ ኻብ ምኻድ ዝቐለለ ስለ ዝዀነለይ: ሓንቲ ዘገልገለት ብሽክለታ ዓደግኩ። መጀመርያ ደቀይ ሕማም ሪሕ ዘለዋ ኣዲኦም ብሽክለታ ኽትዝውር ምርኣይ የጨንቖም ነበረ። ኰይኑ ግን: ከምቲ ልበይ ዝደልዮ ኣብ ስብከት ምስታፍ ብምቕጻለይ ሕጕሳት እዮም።

እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሎም ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሎም ምርኣይ ኣዝዩ እዩ ዘሐጕሰኒ። ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤተይ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዀነ ንዘለኣለም እሙናት ኰይኖም ንኪቕጽሉ የሆዋ ንኺሕግዞም ወትሩ እየ ዝጽሊ። ሸሞንተ ደቀይ ብመገድታቱ ንምዕባይ ዘጋጠመኒ ጸገም ንኽዋጽኣሉ ስለ ዝሓገዘኒ: ውዳሰን ምስጋናን ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ የሆዋ ይብጽሓዮ።​—⁠መዝሙር 65:2

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ደቀይን መጻምድቶምን ደቂ ደቀይን እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ብሽክለታ እጥቀም