ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ”

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ”

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ”

ኣብ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ዚግበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ: ኪም እትብሃል ሓንቲ ኣደ ነታ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ዝዀና ጓላ ስቕ ከተብል: ንርእሳ ድማ ጽን ኢላ ንምስማዕን ሓጺር ነጥብታት ንምሓዝን ትጽዕር ነበረት። እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ: ሓንቲ ኣብ ጥቓኣ ኾፍ ኢላ ዝነበረት ክርስትያን ሓብቲ ስለቲ ንሳን ሰብኣያን ንጓሎም ዝሓዙሉ ኣገባብ ነታ ሓብቲ ኻብ ልባ ነኣደታ። እዚ ንኪም ዓብዪ ትርጕም እዩ ነይርዎ: ከመይሲ ሎሚ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት: “ኣብ ኣኼባታት ድኻም ኪስምዓኒ ኸሎ: እቲ እታ ሓብቲ እተዛረበቶ ይዝከረኒ። እቲ ጥዑም ቃላታ ንጓልና ምስልጣን ንክቕጽል የተባብዓኒ እዩ” በለት። ብርግጽ ኣብ ግዜኡ እተዘርበ ቓላት: ንሓደ ሰብ ኬበርትዖ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 15:23

ኰይኑ ግን: ገሌና ንኻልኦት ምንኣድ የጸግመና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ጕድለት ከም ዘሎና ምግንዛብና ነዚ ኸቢድ ይገብሮ። ሓደ ክርስትያን “ንዓይ ኣብ ልስሉስ መሬት ደው ከም ምባል እዩ። ንኻልኦት ሓፍ ብዘበልኩ መጠን ዝያዳ ንታሕቲ ዝሰጠምኩ ዀይኑ ይስምዓኒ” በለ። ከም ሕፍረት: ኣብ ርእስኻ ዘይምትእምማን: ወይ ድማ ካልኦት ብጌጋ ኸይርድኡኒ ኻብ ዚብል ፍርሂ: ንኸይንንእድ ይገብረና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ቈልዑ ኸለና ብዙሕ ወይ ዋላ ሓንቲ ናእዳ ኸይረኸብና እንተ ዓቢና: ንኻልኦት ምንኣድ የጸግመና ይኸውን።

ይኹን ደኣ እምበር: ምንኣድ ነቲ ዚንእድ ኰነ ዚነኣድ ሰብ ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ምፍላጥና ብግዜኡ ንምንኣድ ብእተኻእለና መጠን ንኽንጽዕር ይድርኸና ይኸውን። (ምሳሌ 3:27) ከምዚ ብምግባር እንታይ ኣወንታዊ ውጽኢት ይርከብ፧ ንገለ ኻብዚ ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርኣዮ።

ኣወንታዊ ጽልዋታት

ግቡእ ናእዳ ነቲ ዚነኣድ ሰብ ርእሰ⁠-​ምትእምማን ከም ዜማዕብል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኢሌን እትበሃል ክርስትያን ሰበይቲ “ሰባት ኪንእዱኒ ኸለዉ ኣባይ ምትእምማንን እምነትን ከም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዓኒ” በለት። እወ: ርእሰ⁠-​ምትእምማን ንዚጐድሎ ሰብ ናእዳ ምሃብ: እቲ ሰብ ዜጋጥሞ ጸገማት ንኺዋጽኣሉ ዜኽእሎ ትብዓት ይህቦ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሓጐስ የምጽኣሉ። ብፍላይ መንእሰያት ግቡእ ናእዳ ምስ ዚረኽቡ ብዙሕ እዮም ዚጥቀሙ። ብዛዕባ ርእሳ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዛ ተስፋ ዝቘረጸት ሓንቲ ኣብ ኰተቴ ዕድመ እትርከብ ጓል: “ንየሆዋ ንምሕጓስ ወትሩ እየ ዝጽዕር: ኰይኑ ግን ሓድሓደ ግዜ ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ እኹል ከም ዘይኰነ ይስምዓኒ። ሓደ ሰብ ምስ ዚንእደኒ ግን ጽቡቕ ይስምዓኒ” ብምባል ተዛረበት። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ዚብል ምሳሌ ብርግጽ ሓቂ እዩ።​—⁠ምሳሌ 25:11

ናእዳ ንሓደ ሰብ ኪድርኾን ኬተባብዖን ይኽእል እዩ። ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ “ናእዳ ዝያዳ ንኽዓዪን ኣገልግሎተይ ንኸመሓይሽን የተባብዓኒ እዩ” በለ። ሓንቲ ኣደ ኽልተ ቘልዑ ድማ እቶም ደቃ ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ምስ ዚንእድዎም: ኣዘውቲሮም ሓሳብ ኪህቡ ኸም ዚደልዩ ኣስተብሃለት። ብርግጽ: ናእዳ ንመንእሰያት ኣብ ክርስትያናዊ ናብራኦም ዕቤት ንኺገብሩ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ዅላትና ኻልኦት ከም ዚፈትዉናን ኣኽቢሮም ከም ዚርእዩናን ርግጸኛታት ክንከውን ንደሊ ኢና። እዛ ብጭንቀት እተመልአት ዓለም ሕልናና ኸተዕርበልናን ተስፋ ኸተቝርጸናን ትኽእል እያ። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ “ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ: ናእዳ ንጸሎተይ መልሲ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝወስዶ” በለ። ብተመሳሳሊ ድማ ኢሌን “ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ብኻልኦት ገይሩ ስምረቱ ኸም ዝረኸብኩ ዚገልጸለይ ኰይኑ ይስምዓኒ” በለት።

ናእዳ ንሓደ ሰብ ተደላዪ ኸም ዝዀነ ንኺስምዖ ኺገብር ይኽእል እዩ። ካብ ልቢ ዚግበር ናእዳ ሓለይቲ ምዃንና የርኢ ኸምኡውን ምውቕን ህዱእን ኣኽብሮትን ዚንጸባረቐሉ ሃዋሁ ይፈጥር። ንክርስትያን ብጾትና ናይ ብሓቂ ኸም እንፈትዎምን እነኽብሮምን የርኢ። ሓንቲ ጆሲ እትበሃል ኣደ: “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ቤት: ንሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ክሕዝ ነበረኒ። ኣብቲ እዋን እቲ: እቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰባት ዚህቡኒ ዝነበሩ ናእዳ: ንኸይሕለል ኣተባቢዑኒ እዩ” በለት። ብርግጽ “ኣካል ሓድሕድ ኢና።”​—⁠ኤፌሶን 4:25

ናእዳ ምሃብ ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ጽቡቕ ጐድኒ ንኽንርኢ ይሕግዘና። ኣብ ናይ ካልኦት ድኽመት ዘይኰነስ ኣብቲ ጽቡቕ ባህሪኦም ኢና እነተኵር። ዴቪድ ዚበሃል ሓደ ክርስትያን ሽማግለ “ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ነገራት ምምሳው: ንኻልኦት ክንንእድ ይሕግዘና” በለ። የሆዋን ወዱን ብዛዕባ ዘይፍጹማት ሰባት ጽቡቕ ካብ ምዝራብ ድሕር ከም ዘይብሉ ምዝካርና: ንሕናውን ከምኡ ንኽንገብር ይድርኸና።​—⁠ማቴዎስ 25:21-23፣ 1 ቈረንቶስ 4:5

ናእዳ ዚግብኦም

የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ብምዃኑ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ውዳሰ ዚግብኦ እዩ። (ራእይ 4:11) የሆዋ ርእሰ⁠-​ምትእምማኑ ኸነማዕብለሉ ወይ ክንድርኾ ኣየድልዮን እዩ: ኰይኑ ግን ስለቲ ግርማኡን ሳህሉን ምስ እንውድሶ: ናባና ይቐርብ ምስኡ ድማ ጥብቂ ርክብ ንምስርት። ንኣምላኽ ምውዳስና ትሑታት ብምዃን ነቲ እንረኽቦ ኣሳልጦ ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወናን እቲ ዝረኸብናዮ ኣሳልጦ ድማ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ንኺርድኣናን ይገብር። (ኤርምያስ 9:23, 24) የሆዋ ንዅሎም ዚግብኦም ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ምሃቡ እውን ካልእ ንኽንውድሶ ዚድርኸና ምኽንያት እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ‘ንስም ኣምላኽ ኬመስግኖ’ ኸምኡውን ‘ብምምሳው ልዕል ኬብሎ’ ይህንጠ ነበረ። (መዝሙር 69:30) ንሕናውን እዚ ባህግና ይኹን።

ኣሕዋትና ግቡእ ናእዳ ይግብኦም እዩ። ናእዳ ምስ እንህብ ነቲ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ንኸነስተብህል’ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ትእዛዝ ንሕሉ። (እብራውያን 10:24) በዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ኣብ ሮሜ ንዝነበረት ጉባኤ “እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት: ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:8) ብተመሳሳሊ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ክርስትያን ብጻዩ ጋዮስ ‘ብሓቂ ብምምልላስ’ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃኑ ኣመስገኖ።​—⁠3 ዮሃንስ 1-4

ሎሚ: ሓደ ክርስትያን ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ብምንጽብራቕ ጽቡቕ ኣብነት ምስ ዚኸውን: ኣብ ኣኼባ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ኽፍሊ ምስ ዜቕርብ: ወይ ኣብ ኣኼባ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ሓሳብ ምስ ዚህብ: ንኸነመስግኖ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይፈጥረልና። ወይ ድማ ሓደ ቘልዓ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ጥቕስታት እናውጽአ ኼንብብ ምስ ዚጽዕር ክንንእዶ ንኽእል ኢና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኢሌን “ኵላትና እተፈላለየ ኽእለት ኣሎና። ነቲ ኻልእ ሰብ ዚገብሮ ብምስትብሃል: ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም እተፈላለየ ኽእለት ከም እነማስወሉ ነርኢ” በለት።

ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት

ንኣባላት ስድራ​ቤትና ብዛዕባ ምንኣድከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሰብኣይን ሰበይትን ንስድራ​ቤቶም ብመንፈስ: ብስምዒት: ከምኡውን ብስጋ ዜድልያ ንኼማልኡ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ፍቕራዊ ተገዳስነትን የድልዮም እዩ። ስለዚ: ኣብ ንሓድሕዶም ኰነ ኻብ ደቆም ናእዳ ይግብኦም እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ለባም ሰበይቲ “ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ: ሰብኣያ ድማ . . . ይንእዳ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 31:10, 28

ቈልዑ እውን ኪንኣዱ ኣለዎም። እቲ ዜሕዝን ግን ገለ ወለዲ ንደቆም እዝን እትን ግበሩ ንምባል ቅልጡፋት ኪዀኑ ኸለዉ: ነቲ ኣኽበርትን እዙዛትን ንምዃን ዚገብርዎ ጻዕሪ ግን ኵሉ ሳዕ ኣይንእድዎን እዮም። (ሉቃስ 3:22) ሓደ ቘልዓ ብንእሽቶኡ ኸሎ ናእዳ እንተ ረኺቡ: ተደላዪ ምዃኑን ቅሳነትን ይስምዖ።

ሓቂ እዩ: ንኻልኦት ምንኣድ ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: ከምዚ ብምግባር ግን ብዙሕ ረብሓታት ንረክብ ኢና። ነቶም ናእዳ ዚግብኦም ዝያዳ ብዝነኣድና መጠን ሓጐስና እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ብግቡእ መንፈስ ናእዳ ተቐበል ከምኡውን ሃብ

ኰይኑ ግን ንገሊኦም ናእዳ ምቕባል ፈተና ኪዀኖም ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 27:21) ንኣብነት: ናእዳ ናይ ትዕቢት ዝንባለ ንዘለዎም ውልቀ⁠-​ሰባት: ካብ ካልኦት ዚበልጹ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 16:18) ስለዚ: ጥንቃቐ ምግባር ኣድላዪ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ: ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: . . . እብሎ አሎኹ” ብምባል ባይታ ዘይወድቕ ማዕዳ ሂቡ እዩ። (ሮሜ 12:3) ካልኦት ብዛዕባ ርእሶም ካብ ግቡእ ንላዕሊ ምእንቲ ኸይሓስቡ: ኣብ ከም ኣእምሮኣዊ ብልሓት ወይ ኣካላዊ ጽባቐ ዝኣመሰለ ነገራት ከይነተኵር ምጥንቃቕ ጥበባዊ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ስለቲ ጽቡቕ ተግባራቶም ከነመስግኖም ኣሎና።

ናእዳ ብግቡእ መንፈስ ምስ እንቕበልን እንህብን: ብኣወንታዊ መገዲ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። ዝገበርናዮ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ሳላ የሆዋ ምዃኑ ኣፍልጦ ንኽንህበሉ ኺድርኸና ይኽእል ይኸውን። ምናልባት እውን ጽቡቕ ባህሪ ምንጽብራቕ ንኽንቅጽል የተባብዓና ይኸውን።

ልባውን ግቡእን ናእዳ: ኵላትና ኽንህቦ እንኽል ህያብ እዩ። ንሓደ ሰብ ብሓልዮት ምስ እንህቦ: እዚ ነቲ ተቐባሊ ኻብ እንግምቶ ንላዕሊ ዓብዪ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ልባ ዝተንከፈታ ደብዳበ

ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብ ሓንቲ ቘራሪት መዓልቲ ምስ ሰበይቱ ኻብ ኣገልግሎት ናብ ገዛኦም እተመልሱላ ኣጋጣሚ ኣይርስዓን እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሰበይተይ ቈሪራን ተስፋ ቘሪጻን ነበረት: ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ድማ ነገረትኒ። ‘ምስ ሓንቲ ጉባኤ: ኣብ ሓደ ቦታ: ንሕና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ሃልዮምና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እንተ ንኸውንሲ ኽንደይ ኰን ምሓሸ ነይሩ’ በለት። ነታ ሰሙን እቲኣ ቐጺልና ደሓር ከመይ ከም ዚስምዓ ኸም እንርኢ ብምንጋር ምንም ውሳነ ኣይገበርኩን። ነቲ ዕዮ ኸተቋርጽ እንተ ደልያ ግን ስምዒታታ ኸም ዘኽብረላ ነገርክዋ። ሽዑ መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ምስ ከድና ኻብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዓኣ ንውልቃ እተጻሕፈላ ደብዳበ ረኸብና። እታ ደብዳበ ነቲ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት እተርእዮ ጻዕርን ጽንዓታን እትንእድ: ከምኡውን ሰሙን ሰሙን ኣብ እተፈላለየ ዓራት ምድቃስ ከመይ ከቢድ ምዃኑ እትገልጽ ነበረት። በዚ ናእዳ ኣዝያ ስለ እተተንከፈት ድሕሪኡ ነቲ ዕዮ ብዛዕባ ምቍራጽ ኣልዒላ ኣይትፈልጥን። ኣብ ክንዳኡስ ኣነ ኸቋርጽ ኣብ ዝሓሰብኩሉ እዋናት: ንክቕጽል ኣተባቢዓትኒ እያ።” እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ዳርጋ 40 ንዚኸውን ዓመት ኣብዚ ዕዮ እዚ ቐጸሉ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጉባኤኻ ናእዳ ዚግብኦ መን ኣሎ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ቈልዑ ፍቕራዊ ተገዳስነትን ናእዳን የድልዮም