ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልቢ ወለዶም ኣሐጐሱ

ንልቢ ወለዶም ኣሐጐሱ

ንልቢ ወለዶም ኣሐጐሱ

“ወደየ: ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ: ኣነውን ልበይ ይሕጐስ።” (ምሳሌ 23:15) ሓቂ እዩ ክርስትያን ወለዲ: ውሉዳቶም ጥበብ ኣምላኽ ኪረኽቡ ኸለዉ ኣዝዮም እዮም ዚሕጐሱ። ቀዳም 10 መስከረም 2005 እተፈላለየ ሃገራት ዝመበቈሎም 6,859 ሰባት: ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 119 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተረኽቡ። ኵሎም ብሕልፊ ኸኣ ወለዲ እቶም 56 ተመረቕቲ ልቦም ብሓጐስ ተመልአ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ስድራ ቤትኤል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዀይኑ ዘገልገለ ዴቪድ ዎልከር ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ⁠-​ስርዓት ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። ካብኡ እቲ ኣቦ መንበር: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ዴቪድ ስፕለይን: ነቦታትን ኣዴታትን እቶም ተመረቕቲ “ልባዊ ናእዳ ይግብኣኩም እዩ። ከመይሲ: እቲ ኣብ ውሉዳትኩም ዘስረጽኩምዎ ባህሪ ሚስዮናውያን ንኪዀኑ ደረኾም” ብምባል ነቲ ስነ⁠-​ስርዓት ምረቓ ጀመሮ። እቶም ወለዲ ደቆም ናብ ርሑቕ ቦታታት ምምዳቦም ኣጨኒቕዎም ይኸውን። ኰይኑ ግን ሓው ስፕለይን “የሆዋ ንደቅኹም ካባኻትኩም ብዝበለጸ ኺከናኸኖም ስለ ዝዀነ ብዛዕባኦም ኣይትሻቐሉ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። ካብኡ “ብዛዕባ እቲ ውሉዳትኩም ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገር ሕሰቡ። መከራ ዜሕልፉ ዘለዉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ንመጀመርያ ግዜ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም” በለ።

ብኸመይ ንኻልኦት ሓጐስ ምምጻእ ከም ዚከኣል

እቲ ኣቦ መንበር: ኣርባዕተ ተዛረብቲ ኣፋለጠ። ቀዳማይ ኣባል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ራልፍ ዎልስ: “ኣዒንትኹም ክፈቱ” ብዚብል ኣርእስቲ መደረ ኣቕረበ። መንፈሳዊ ዑረት ካብ ዑረት ዓይኒ ዝገደደ ምዃኑ ገለጸ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጉባኤ ሎዲቅያ ብመንፈሳዊ ዓዊሩ ነበረ። እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ብመንፈሳዊ ዝዓወሩ ክርስትያናት ሓገዝ ተገይሩሎም ነይሩ: ንሕና ግን መንፈሳዊ ዓይንና ብምኽፋት ከምዚ ዓይነት ዑረት ከየጋጥመና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ራእይ 3:14-18) እቲ ተዛራባይ “ኣዒንትኹም ከፊትኩም ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት: የሆዋ ኸም ዚርእዮም ገይርኩም ርኣይዎም” በለ። እቶም ተመረቕቲ ኣብ ጉባኤ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙ: ብዙሕ ኪጭነቑ የብሎምን። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዅሉ ኸምዚ ዓይነት ኵነታት ይፈልጥ እዩ። ብግዚኡ ድማ የዐርዮ።

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ: ነታ “ድልዋት ዲኹም፧” እትብል ሕቶ መለሳ። ከምቲ ሓደ ተጓዓዚ ዜድልዮ ኽዳውንቲ ሒዙ ናብ ጕዕዞኡ ዚኸይድ: እቶም ተመረቕቲ እውን ንባህርያት እቲ ሓድሽ ሰብ ኪለብሱ ኣለዎም። ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ድንጋጽ ኪህልዎም ይግባእ። ሓደ ለምጻም ንየሱስ “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ምስ በሎ: የሱስ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” በሎ። (ማርቆስ 1:40-42) እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ “ንሰባት ንምሕጋዝ ናይ ብሓቂ እንተ ደሊኹም: እትሕግዙሉ መገዲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። ኣብ ፊልጲ 2:3 ክርስትያናት “እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ” ኺርእዮ ኸም ዚግባእ ትገልጽ። ሓው ሀርድ: “ትሑት ልቢ ኻብ ፍልጠት ዝያዳ የድሊ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽብዎም ሰባትን ኣብ ጉባኤ እትረኽብዎም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ትሑታት እንተ ዄንኩም ጥራይ እዮም ካብቲ ፍልጠትኩም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ” በለ። እቶም ተመረቕቲ ነታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እንተ ለቢሶምዋ: ኣሳልጦ ኸም ዚረኽቡ ርግጸኛታት ኰይኖም ናብቲ እተመደብዎ ኪኸዱ ድልዋት ምዃኖም ብምግላጽ ዘረባኡ ደምደመ።​—⁠ቈሎሴ 3:14

እታ “ነዚ ስምዒት እዚ ሒዝኩም ክትቅጽሉ ዲኹም፧” ብዚብል ኣርእስቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ዝዀነ ማርክ ኑማር ዘቕረባ መደረ: ኣብቶም ሰማዕቲ ሃንቀውታ ኣሕደረት። እታ “ነዚ ስምዒት እዚ” እትብል ሓረግ: ነቲ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ዘሎና ሞሳ ተመልክት። መዝሙር 103:2 “ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ: ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ” ትብል። እስራኤላውያን ነቲ ብህይወት ንኪቕጽሉ ዘኽኣሎም ማና “ፈኵሽ እንጌራ” ኢሎም ብምቅላል ዘይመማሰውቲ ምዃኖም ኣርኣዩ። (ዘሁልቍ 21:5) እቲ ማና ድሕሪ ግዜ እንተ ዘይተቐየረ እኳ: እቲ ዝነበሮም ሞሳ ግን ጠፍአ። እቲ ተዛራባይ “ነቲ የሆዋ ዝገበረልኩም ረሲዕኩም ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ከም ተራ ነገር እንተ ርኢኹምዎ: እዚ ነቲ የሆዋ ዝሃበኩም ዕዮ ዘሎኩም ኣረኣእያ ኺትንክፎ እዩ” በለ። መዝሙር 103:4 የሆዋ ‘ብሳህሊ ዚኽልል’ ምዃኑ ትገልጽ። እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ሓድሽ ጉባኤኦም ሳህሊ ኣምላኽ ኪርእዩ እዮም።

ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር “በረኸት ክትረኽቡ ዲኹም፧” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ኣባላት መበል 119 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዕዉታት ሚስዮናውያን ንምዃን ስልጠና ኸም ዝረኸቡ ገለጸ። ሕጂ ግን ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዝሃቦም ዕዮን ኪለግቡ ኣለዎም። ኣብ ራእይ 14:1-4 እቶም 144, 000 ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ’ ምዃኖም ተገሊጾም ኣለዉ። ኵሎም ኣባላት እቲ ጕጅለ ፈተናታት እናጋጠሞም ክነሱ ኣብ የሆዋን ኣብ ወዱን ብምልጋብ: ናብ ሸቶኦም በጺሖም እዮም። እቲ ተዛራባይ “ንሕናውን ዝዀነ ይኹን ኵነታት ይሃሉ ናብ የሆዋን ናብቲ ንሱ ዝሃበና ዕዮን እሙናት ኴንና ኽንለግብ ኢና” በለ። ከምዚ ብምግባር ድማ እቶም ተመረቕቲ በረኸታት የሆዋ ‘ኪረኽቡ’ እዮም።​—⁠ዘዳግም 28:2

ኣብ ኣገልግሎት ፍረ ምፍራይ

እቶም ተመሃሮ ዅሉ ሳዕ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ይሳተፉ ነይሮም። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ ምስቶም ተመሃሮ ኻብ ዝገበሮ ቓለ⁠-​መጠይቕ: ኣሳልጦ ኸም ዝረኸቡ ኺርአ ይከኣል እዩ። ብውሕዱ ብዓሰርተ ቛንቋታት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም: ብዙሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሪሖም እዮም። ካብ መንጎ እቶም ተመሃሮ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓደ ቻይናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀመሩ። ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ ምስ ገበሩ: ንየሆዋ ብምፍላጡ እንታይ ከም እተሰምዖ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱሱ ኸፊቱ ዮሃንስ 17:3 ኼንብቡ ሓተቶም። ናብ ህይወት ኣብ እትወስድ መገዲ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ።

ካብኡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ: ኣብ ኤኳዶር: ኮት ዲቭዋር ከምኡውን ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ: ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይኖም ንዜገልግሉ ሰለስተ ኣሕዋት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። እቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ኣሕዋት: ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እቶም ተመረቕቲ ኽሳዕ ዚመጹ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዩን ኣብቲ ምድቦም ንኸይሽገሩ ኸም ዚሕግዝዎምን ኣረጋገጹሎም።

ቀጺሉ ኣባል ስድራ ቤትኤል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ሌናርድ ፒርሰን ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ፓፕወ ኒው ጊኒ: ከምኡውን ኣብ ዩጋንዳ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይኖም ንዜገልግሉ ሰለስተ ኣሕዋት ኣዘራረቦም። እቶም ኣሕዋት ከኣ ነቶም ተመረቕቲ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ኪሳተፉ ኣተባብዕዎም። ኣብ ኮንጎ ን21 ዓመት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር: 60 ሰባት ርእሶም ወፍዮም ንኺጥመቑ ሓጊዞም እዮም። ሕጂ እዞም ሰብ ሓዳር 30 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ: ካብቶም መጽናዕቲ ዚገብሩሎም 22 ድማ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ: ሚስዮናዊ ዄንካ ንምግልጋል እቲ ዝበለጸ እዋን ሕጂ እዩ።

ብህጹጽ ምምስካር

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ ነታ ናይ መወዳእታ መደረ ኣቕረበ። ኣርእስቱ ድማ “ብመዓልቲ ጐይታ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ምምስካር” ትብል። ኣብ መጽሓፍ ራእይ እታ “ምስክር” እትብል ቃልን ረባሕታኣን 19 ግዜ ተጠቒሳ ትርከብ። ስለዚ: የሆዋ ህዝቡ ኺዓይዎ ዚደልዮ ዕዮ ኸም ዘሎ ብንጹር እዩ ገሊጹ። ከምዚ ዓይነት ምስክርነት መዓስ ኢና ኽንህብ፧ “ብመዓልቲ ጐይታ።” (ራእይ 1:9-11) እዚ ድማ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎን ንመጻኢ እውን ዚቕጽልን እዩ። ብመሰረት ራእይ 14:6, 7 እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ምዝራብ ዕዮ: ደገፍ መላእኽቲ ኣለዎ። ራእይ 22:17 ክርስትያን ቅቡኣት ተረፍ ንዕዮ ምስክርነት የሱስ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከም እተዋህቦም ትገልጽ። ኰይኑ ግን ኵላትና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኽንጥቀም ኣሎና። ኣብ ቍጽሪ 20 የሱስ “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ኢሉ እዩ። ሓው ሎሽ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ “ንሰባት ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ውሰዱ’ ንበል። የሱስ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። ድሉዋት ዲና፧” በሎም።

ን11 ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዘገልገለ ፍሬድ ራስክ ንልቢ ዅሎም ተኣከብቲ ዝተንከፈ ናይ ምስጋና ጸሎት ንየሆዋ ብምቕራብ ነቲ ስነ⁠-​ስርዓት ዛዘሞ። እዚ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዜሐጕስ መዓልቲ ዚሰማማዕ መደምደምታ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 25

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 56

ገምጋም ዕድመ:- 32.5

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16.4

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12.1

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 119 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ሳንድሪ ሄልግሰን፣ ሃነ ዳውጎር፣ ኣሩኒ ፒየርሉሲ፣ ኢዛቤል ጆሴፍ፣ ካርላ ራካነሊ (2) ትሪሻ በርጅ፣ ደነል ባትለር፣ ጁላይ ፍሪድላን፣ ካርመል ኑንየስ፣ ሳንድሪን ፓቫዝሆ፣ ታማራ ዱማን (3) ኦስካር ካማቾ፣ ሊና ሊንድክቪስት፣ ኣን ብሩማር፣ ኤላ ቨሳልስ፣ ጄኒ ቡርቶን፣ ኦሊቭያ ዉድሃውስ፣ ኣላን ዱማን፣ (4) ኣይከ ቲሪዮን፣ ሉሲ ካናሊ፣ ካንድራ ፉርንያ፣ ኣንጀሊካ ጊል፣ ካታሪና ዮንሰን፣ ሊያ ሃምልተን (5) ዳርላ በርድ፣ ኢንግራድ ስክሪብናር፣ በታኒ ካማቾ፣ ሄዘር ላሽንስኪ፣ ሚሸል ሃልሃን፣ ኦልጋ ሊቡዳ (6) ኣሌክስ ጆሴፍ፣ ማርቲን ሊንድክቪስት፣ ካርል ሄልግሰን፣ ዳኒ ኑንየስ፣ ሾን ስክሪብናር፣ ጆርዳን ፉርንያ (7) ፍራንክ ፒየርሉሲ፣ ቴሪ ፓቫዝሆ፣ ክሊንተን ብሩማር፣ ፒተር ራካነሊ፣ ቶም ባትለር፣ ማርቲን ዉድሃውስ፣ የንስ ሊቡዳ (8) ማይክ ላሽንስኪ፣ ስኮት ፍሪድላን፣ ኢያን ቡርቶን፣ ሚካ ቲሪዮን፣ ማይክል በርድ፣ ጄፍሪ በርጅ (9) ሮትስታን ቨሳልስ፣ ደነስ ሃልሃን፣ ስቲቭ ካናሊ፣ ዳንኤል ጊል፣ ፖል ዳውጎር፣ ሴት ሃምልተን፣ ቶማስ ዮንሰን