ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምንቶ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ድልዱል፧

ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምንቶ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ድልዱል፧

ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምንቶ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ድልዱል፧

“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ።”​—⁠ማቴዎስ 6:33

1, 2. ሓደ ሰብኣይ ንስርሑ ብዚምልከት እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧ ስለምንታይከ፧

 ሓደ ሰብኣይ ኣብ ጉባኤኡ ብዝያዳ ኼገልግል ደለየ። ዓለማዊ ስርሑ ግን ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባ ንኸይእከብ ዕንቅፋት ኰኖ። ነዚ ሽግር እዚ ኸመይ ገይሩ ፈትሖ፧ ናብራኡ ቐሊል ከም ዚኸውን ገበሮ: ካብ ስርሑ ብፍቓዱ ተሰናበተ: ጸኒሑ ኸኣ ንክርስትያናዊ ንጥፈታቱ ዘይሓናዅሎ ስራሕ ረኸበ። ሎሚ ኻብቲ ቐደም ዝነበሮ ኣጸቢቑ ዚውሕድ ኣታዊ እኳ ዚረክብ እንተዀነ: ንስድራ​ቤቱ ዜድሊ የማልእ: ንጉባኤኡ ድማ ብዝያዳ ይድግፍ ኣሎ።

2 እዚ ሰብኣይ እዚ ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደስ ተረዲኡካዶ፧ ኣብ ከም ናቱ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ትኸውን: ተመሳሳሊ ስጕምቲ ምወሰድካዶ፧ ብዙሓት ክርስትያናት ከምዚ ምግባሮም ዚነኣድ እዩ። እቲ ተግባራቶም ከኣ ኣብቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል እተመባጽዖ ነገር ምትእምማን ከም ዘለዎም የርኢ። (ማቴዎስ 6:33) ብደሓን ንኺነብሩ ኣብ የሆዋ ደኣ እምበር ኣብ ዓለም ኣይኰኑን ዚተኣማመኑ።​—⁠ምሳሌ 3:23, 26

3. ገሊኦም ሰባት ኣብዚ ግዜና ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ ዚሓቱ ስለምንታይ እዮም፧

3 ገሊኦም ሰባት እዚ ዘለናሉ እዋን ጽንኩር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው: እዚ ሰብኣይ ዝገበሮ ውሳነ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ኣብዚ ግዜና ገሊኦም ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ኪነብሩ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ብሉጽ መነባብሮ ኣለዎም። ኣብ ድኻታት ሃገራት ዚርከቡ መብዛሕትኦም ሰባት ናብራኦም ዜመሓይሸሎም ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኼምልጦም ኣይደልዩን እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ቍጠባዊ ቕልውላውን በብግዜኡ ዚቀያየር ስራሕን ዝያዳ ኽትዓዪ ዚደልዩኻ ኣስራሕትን ኣብ ዘለውሉ ዅነታት: ነቲ ዘለውዎ ደረጃ መነባብሮ ንምዕቃብ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ንመነባብሮ ዜድሊ ንምምላእ ዘምጽኦ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይሲ ሕጂውን ግብራዊ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንምሃብ: እቶም የሱስ ዚዛረቦም ዝነበሩ ሰባት እስከ ኣብ ግምት ነእቱ።

“ኣይትጨነቑ”

4, 5. ህዝቢ ኣምላኽ ብመዓልታዊ ናብራኦም ኪጭነቑ ኸም ዘይብሎም የሱስ ብምንታይ ምሳሌ ገይሩ እዩ ዘረድአ፧

4 የሱስ ኣብ ገሊላ ኻብ እተፈላለየ ቦታታት ንእተኣኻኸቡ ብዙሓት ሰባት እዩ ዜዘራርቦም ነይሩ። (ማቴዎስ 4:25) መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሃብታማት ዘይኰኑስ: ድኻታት እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እንተዀነ ግን: የሱስ ብቐዳምነት ስጋዊ ሃብቲ ንኺድልቡ ዘይኰነስ: ካብኡ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር: ማለት መንፈሳዊ መዝገብ ኪገብሩ እዩ ተማሕጺንዎም። (ማቴዎስ 6:19-21, 24) “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 6:25

5 ብዙሓት ካብቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: እዚ ግብራዊ ኪኸውን ዘይክእል ይመስሎም ነይሩ ይኸውን። ኣበርቲዖም እንተ ዘይዓዮም: ስድራ​ቤቶም ከም ዚሽገሩ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: የሱስ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ኣዘኻኸሮም። ኣዕዋፍ መዓልታዊ ድራር ዕለተን ኪረኽባ ኣለወን: ኰይኑ ግን የሆዋ ይሓልየለን እዩ። የሱስ ነቲ የሆዋ ንዕምባባታት መሮር ዚከናኸነሉ መገዲ እውን ሓበረ። ጽባቔኦም ካብቲ ሰሎሞን በቲ ዅሉ ኽብሩ ዝረኸቦ ዚበልጽ እዩ። የሆዋ ነዕዋፍን ንዕምባባታትን ይሓልየሎም ካብ ኰነ: ንዓና ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ኣብዚሑ ዘይሓልየልና፧ (ማቴዎስ 6:26-30) ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ህይወትናን ስጋናን ካብቲ ብህይወት ንምንባር እንዕድጎ ምግብን ኣካላትና ንምሽፋን እንኽደኖ ኽዳንን ኣጸቢቑ ይበልጽ። ንየሆዋ ንምግልጋል ዚኸውን ዋላ ሓንቲ ዚረብሕ ነገር ከይገደፍና: ኵሉ ጻዕርታትና ምግብን ክዳንን ንምርካብ እንተ ኣሕሊፍናዮ: ዕላማ ህይወት ኢና እንስሕት።​—⁠መክብብ 12:13

ሚዛናዊ ኣረኣእያ

6. (ሀ) ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ክርስትያናት ምሉእ እምንቶኦም ኣብ መን እዮም ዚገብሩ፧

6 የሱስ ንሰማዕቱ ስራሕ ኣቋሪጾም ኣምላኽ ንስድራ​ቤቶም ዜድሊ ኼማልኣሎም ኪጽበዩ ኣይኰነን ዜተባብዕ ነይሩ። ኣዕዋፍ እውን እንተዀና: ንርእሰን ኰነ ንጨቓዊተን ዜድሊ ምግቢ ኺምእርራ ኣለወን። ስለዚ: ክርስትያናት ኪበልዑ እንተ ደልዮም: ኪሰርሑ ኣለዎም። ናይ ስድራ​ቤቶም ሓላፍነት ኪስከሙ ኣለዎም። ክርስትያን ኣገልገልትን ባሮትን ንጐይተቶም ብትግሃት ኬገልግሉ ኣለዎም። (2 ተሰሎንቄ 3:10-12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8፣ 1 ጴጥሮስ 2:18) ሃዋርያ ጳውሎስ መብዛሕትኡ ግዜ ንርእሱ ዜድልዮ ንምምላእ ድንኳን ይሰፊ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-4፣ 1 ተሰሎንቄ 2:9) ኰይኑ ግን: እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብደሓን ንምንባር ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ኣይኰኑን ዚምርኰሱ ነይሮም። የግዳስ: ኣብ የሆዋ እምንቶ ነበሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካልኦት ዘይፈልጥዎ ውሽጣዊ ሰላም ነበሮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ: ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም” በለ።​—⁠መዝሙር 125:1

7. ኣብ የሆዋ ድልዱል እምንቶ ዘይገብር ሰብ: እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

7 ኣብ የሆዋ ድልዱል እምንቶ ዘይገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ: ካብዚ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ይህልዎ ይኸውን። መብዛሕትኦም ሰባት ስጋዊ ሃብቲ ኸም ቀንዲ ምንጪ ድሕነቶም ገይሮም ይርእይዎ። ስለዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ሞያ ምእንቲ ኺመሃሩ ኢሎም: መብዛሕትኡ እዋን ንእስነቶም ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ ኼሕልፉ የተባብዕዎም። እቲ ዜሕዝን ከኣ ናይ ገሊአን ክርስትያን ስድራ​ቤታት ውሉዳት መንፈሳውነቶም ስለ ዘጥፍኡን ስጋዊ ሸቶታት ስለ ዝሰዓቡን: ግዜኦምን ጻዕሮምን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝለዓለ ትምህርቲ ምሕላፎም ዝገደደ ኽሳራ ኣስዒቡሎም እዩ።

8. ክርስትያናት እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

8 ስለዚ: ጥበበኛታት ክርስትያናት እቲ የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ሕጂውን ከም ዚዓዪ ይፈልጡ: ሚዛኖም ኪሕልዉ ድማ ይጽዕሩ እዮም። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታቶም ንኺስከሙ ኢሎም ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እኳ እንተ ኣሕለፉ: ብሰንኪ እቲ ገንዘብ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት: ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ኣይብልዎን እዮም።​—⁠መክብብ 7:12

ንኸይንጭነቕ እተዋህበ ተወሳኺ ማዕዳ

9. የሱስ ነቶም ብሓቂ ኣብ የሆዋ እምንቶኦም ዚገብሩ እንታይ ኢሉ እዩ መረጋገጺ ዝሃቦም፧

9 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ንሰማዕቱ “እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 6:31, 32) ከመይ ዝበለ ዜተባብዕ ቃላት ኰን እዩ! ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ እንተ ኣሕዲርና: ወትሩ ኺድግፈና እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ እተዛረበን ቃላት ዜተሓሳስባ እየን። ንስጋዊ ነገራት ‘ንደልዮ’ ወይ ‘ንህንጠዮ’ (NW) እንተደኣ ዄንና: ኣተሓሳስባና ኸምቲ ናይቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘይኰኑ “ኣህዛብ” እዩ ማለት እዩ።

10. ሓደ ጐበዝ ምኽሪ ደልዩ ንየሱስ ምስ ቀረቦ: የሱስ ነቲ እቲ ጐበዝ ዝያዳ ዜፍቅሮ ነገር ብኸመይ እዩ ኣቃሊዕዎ፧

10 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ኣዝዩ ሃብታም ጐበዝ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንየሱስ ሓተቶ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚዓዪ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ኼማልኦ ዚሓቶ ነገራት ኣዘኻኸሮ። እቲ ጐበዝ “እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ” ኢሉ ንየሱስ ኣረጋገጸሉ። ድሕርዚ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ንብዙሓት ዘይግብራዊ ይመስሎም ይኸውን። “ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ: ኪድ: ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ: ንዓ ስዐበኒ” በሎ። (ማቴዎስ 19:16-21) እቲ ጐበዝ ሃብቱ ኺስእን ስለ ዘይደለየ እናሓዘነ ኸደ። ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ የፍቅሮ ብዘየገድስ: ንጥሪቱ እዩ ዝያዳ ዜፍቅር ነይሩ።

11, 12. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ እንታይ ባይታ ዘይወድቕ ቃላት እዩ እተዛረበ፧ (ለ) ጥሪት ንየሆዋ ኣብ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 እዚ ፍጻመ እዚ ንየሱስ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገር ኪዛረብ ደረኾ። “ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 19:23, 24) ኣብዚ የሱስ: ዋላ ሓደ ሃብታም ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ቐጺሉ “ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” በለ። (ማቴዎስ 19:25, 26 ትርጕም 1990) እወ: ብሓገዝ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ገሊኦም ሃብታማት ሰባት: ቅቡኣት ክርስትያናት ኰይኖም እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ይኹን እምበር: የሱስ ነዘን ዜገርማ ቓላት እዚኣተን ብምኽንያት እዩ ተዛሪብወን። እወ: መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ ነይሩ።

12 ሓደ ሰብ ከምቲ ሃብታም ጐበዝ ንጥሪቱ ዚፈቱ እንተደኣ ዀይኑ: ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ንኸየገልግል ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ድሮ ሃብታማት ዝዀኑ ዀነ ኣብቶም “ኪህብትሙ ዚደልዩ” ዚዓዪ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ሓደ ሰብ ኣብ ስጋዊ ነገራት እምብዛ እምንቶ ምስ ዜሕድር: ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮ ዘለዎ ግንዛበ’ ኸም ዚንኪ ይገብሮ እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ደገፍ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ብዙሕ ኣይስምዖን ይኸውን። (ዘዳግም 6:10-12) ኣብ ጉባኤ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሉ ይጽበ ይኸውን። (ያእቆብ 2:1-4) መብዛሕትኡ ግዜኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘይኰነስ: ብሃብቱ ገይሩ ተድላ ኣብ ምርካብ የሕልፎ ይኸውን።

ቅኑዕ ኣረኣእያ ኣማዕብል

13. ሰብ ሎዲቅያ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧

13 ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሎዲቅያ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ጥሪት ግጉይ ኣረኣእያ ነበሮም። የሱስ ንዓታቶም “ሃብታምን ፈሳስን እየ: ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ: ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ” በሎም። ንሰብ ሎዲቅያ ዜደንግጽ ዝገበሮም ሃብቶም ኣይኰነን: የግዳስ መንፈሳዊ ዅነታቶም እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ኣብ የሆዋ: ኣብ ሃብቲ እምንቶ ምሕዳሮም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ብመንፈሳዊ መዳይ ልቡጣት ኰኑ: የሱስ ድማ ካብ ኣፉ ‘ጡፍ ክብሎም’ ምዃኑ ኣጠንቀቖም።​—⁠ራእይ 3:14-17

14. እቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብ ጳውሎስ ናእዳ ዚግብኦም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

14 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዘጋጠሞም መስጐጕቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ነኣዶም። “ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም: ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ: መከራ ጸገብኩም: ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ: ብሓጐስ ተዐገስኩም” በሎም። (እብራውያን 10:34) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም: ጥሪቶም ብምስኣኖም ምድረ ሰማይ ኣይጸልመቶምን። ነቲ ዝያዳ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ገንዘቦም: ወይ ነቲ “ዚሓይሽን ዚነብርን ገንዘብ” ስለ ዘየጥፍኡ: ሓጐሶም ኣየጥፍኡን። ከምቲ ኣብቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምሳሌ ዚርከብ ምእንቲ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ኢሉ ዘለዎ ዅሉ መስዋእቲ ዝገበረ ነጋዳይ: ዝኸፈሉ ኸፊሎም ነታ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጽኒዖም እዮም ሒዞምዋ። (ማቴዎስ 13:45, 46) ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

15. ሓንቲ ኣብ ላይበርያ እትነብር ክርስትያን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘቐደመት ብኸመይ እያ፧

15 ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብ ላይበርያ ሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ኣብ ዩኒቨርስቲ ንኽትመሃር ኣጋጣሚ ተኸፍተላ። ኣብታ ሃገር እቲኣ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ናብራ ንኽትነብር መገዲ ዚኸፍት ጌርካ እዩ ዚርአ። ይኹን እምበር: እታ መንእሰይ ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት እያ ነይራ: ግዝያዊት ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ከኣ ጻውዒት ቀሪቡላስ ተቐቢላቶ እያ ነይራ። ስለዚ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክትደልን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትቅጽልን ወሰነት። ናብቲ እተመደበላ ዞባ ኸደት: ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድማ 21 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመረት። እዛ መንእሰይ ሓብቲ እዚኣን በሽሓት ዚቝጸሩ ኸምኣ ዝኣመሰሉ ኻልኦትን ስጋዊ ረብሓታቶም መስዋእቲ ብምግባር ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ይደልዩ እዮም። ኣብዛ ብፍቕረ⁠-​ንዋይ ዝመልአት ዓለም ከመይ ገይሮም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኺሕዙ ኽኢሎም፧ ሓያሎ ጽቡቕ ባህርያት ኣማዕቢሎም እዮም። ገለ ኻብዚ እስከ ቐጺልና ንርኣዮ።

16, 17. (ሀ) ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸነሕድር እንተደኣ ዄንና: ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምንቶ ኸነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ትሕትና:- መጽሓፍ ቅዱስ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል” ይብል። (ምሳሌ 3:5-7) ሓድሓደ ግዜ: ገሊኡ መገዲ ብዓለማዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ ጠቓሚ ኺመስል ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 17:9) እንተዀነ ግን: ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ካብ የሆዋ እዩ መምርሒ ዚደሊ። (መዝሙር 48:14) ‘ኣብ ኵሉ መገዱ:’ ማለት ንጉባኤኡ: ንትምህርቱ: ንስርሑ: ንምዝንጋዑ: ወይ ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ዚምልከት ነገራት: ብትሕትና ኻብ የሆዋ እዩ ምኽሪ ዚደሊ።​—⁠መዝሙር 73:24

17 ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምንቶ ምሕዳር:- ጳውሎስ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” በለ። (እብራውያን 11:6) የሆዋ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም ንጠራጠር እንተ ዄንና: ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም’ ርትዓዊ ዀይኑ ኺረኣየና ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:31) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እምነትና ድልድልቲ እንተ ዀይና: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ኢና ቘራጽነት እንገብር። ብኸመይ ኢና ድልዱል እምነት ከነማዕብል እንኽእል፧ ኣዘውቲርና ኻብ ልቢ ብዚግበር ጸሎትን ብናይ ብሕቲ መጽናዕትን ናብ የሆዋ ብምቕራብ ኢና እንገብሮ። (መዝሙር 1:1-3፣ ፊልጲ 4:6, 7፣ ያእቆብ 4:8) ከም ንጉስ ዳዊት: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣባኻ እውከል አሎኹ: ኣነስ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ: በልኩ። . . . ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ” ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 31:14, 19

18, 19. (ሀ) ትግሃት ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዜደልድል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብትግሃት ምስታፍ:- ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ: ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምንቶ ምሕዳር: ምስ ትግሃት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (እብራውያን 6:11) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዙዛት እንተ ዄንና: ንሱውን ኪድግፈና እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ኣብ ዝረኸብናሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን: ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ እናደልደለ ይኸይድ: ንሕናውን ‘ጽኑዓት: ዘይንነቓነቕ’ ንኸውን። (1 ቈረንቶስ 15:58) እምነትና ይሕደስ: ተስፋና ድማ ይረጋገጽ።​—⁠ኤፌሶን 3:16-19

19 መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛ ምዃን:- ጳውሎስ ንየሱስ ምእንቲ ኺስዕቦ ኢሉ ብዙሕ ረብሓ ዚረኽበሉ ቦታ እዩ ሓዲጉ። ህይወቱ ብስጋዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: ቅኑዕ ምርጫ ምግባሩ ግን ንጹር እዩ። (1 ቈረንቶስ 4:11-13) የሆዋ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ኣይተመባጽዓልናን: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ነገልገልቱ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ናብራና ቐሊል ንምግባርን መስዋእቲ ንምኽፋልን ፍቓደኛ ምዃንና: ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ቘራጽነት እዩ ዜመስክር።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:6-8

20. ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ዚደሊ ሰብ: ትዕግስቲ ኺህልዎ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

20 ትዕግስቲ:- ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንክርስትያናት ብጾቱ “እምበኣርሲ: ኣሕዋተየ: ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ” በሎም። (ያእቆብ 5:7) ኣብዛ ሃታሃታ ዝመልኣ ዓለም: ዕጉስ ምዃን ኣጸጋሚ እዩ። ነገራት ቀልጢፉ ኺፍጸመልና ኢና እንደሊ። ጳውሎስ ግን “ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ” ኽንመስሎም እዩ ዚምሕጸነና። (እብራውያን 6:12) ንየሆዋ ንምጽባይ ፍቓደኛ ኹን። እቲ ኣብ ምድሪ እትረኽቦ ዘለኣለማዊ ህይወት: ብሓቂ ብትዕግስቲ ኽትጽበዮ ዚግባእ እዩ!

21. (ሀ) ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ኸለና እንታይ ኢና እነርኢ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 እወ: እቲ የሱስ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ዝሃቦ ማዕዳ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል እዩ። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ብሓቂ ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘሎናን ነቲ ንክርስትያናት ንድሕነቶም ዚጠቅም እንኮ መገዲ ኸም እንመርጽን ነርኢ። ይኹን እምበር: የሱስ ‘ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ክንደሊ’ እውን ምዒዱ እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: እቲ መተባብዒ እቲ ሎሚ ብፍላይ ዜድሊ ስለምንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንስጋዊ ነገራት ብዚምልከት: የሱስ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እዩ ዘተባብዐ፧

• ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ገመልን ዓይኒ መርፍእን ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ኢና እንመሃር፧

• እንታይ ክርስትያናዊ ባህርያት እዩ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንደሊ ዚሕግዘና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቃላት የሱስ ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት ድኻታት እዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሃብታም ጐበዝ ንጥሪቱ ኻብ ኣምላኽ ንላዕሊ የፍቅር ነበረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ እተጠቕሰ ነጋዳይ: ነታ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ኢሉ ዘለዎ ዅሉ ሃበ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዙዛት እንተ ዄንና: የሆዋ ኺድግፈና እዩ