ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽድቂ ምድላይ ዕቝባ ይዀነና

ጽድቂ ምድላይ ዕቝባ ይዀነና

ጽድቂ ምድላይ ዕቝባ ይዀነና

“ቅድም . . . ጽድቁ [ጽድቂ ኣምላኽ] . . . ድለዩ።” ​—⁠ማቴዎስ 6:33

1, 2. ሓንቲ ክርስትያን እንታይ ውሳነ እያ ዝገበረት፧ ነዚ ውሳነ እዚ ዝገበረትከ ስለምንታይ እያ፧

 ሓንቲ ኣብ እስያ እትነብር ክርስትያን ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊት ኰይና ትዓዪ ነበረት። ግዜኣ ኣኽቢራ ኣብ ስራሕ እትርከብን ኣብ ስርሓ ትህኪት ዚበሃል ዘይትፈልጥን ሰብ እያ ነይራ። ይኹን እምበር: እቲ ስርሓ ቐዋሚ ስለ ዘይነበረ: ክትግምገም ነበራ። እቲ ናይቲ እትሰርሓሉ ኽፍሊ ሓለቓ: ምስኡ ብዕሉግ ርክብ እንተ ገይራ: ቀዋሚ ስራሕ ከም ዚህባን ደረጃኣ ኸም ዜመሓይሸላን ነገራ። ንሳ ግን ስርሓ ኸም እትስእን ዚገብራ እኳ እንተ ነበረ: ብኡንብኡ ኣበየቶ።

2 እዛ ክርስትያን ሰበይቲ ኽውንነት ኣብ ግምት ዘይተእቱ ድያ ነይራ፧ ኣይፋልን: ነቲ “ቅድም . . . ጽድቁ [ጽድቂ ኣምላኽ] . . . ድለዩ” ዚብል ቃላት የሱስ እያ ተጠንቂቓ እትስዕብ ነይራ። (ማቴዎስ 6:33) ጽድቃዊ ስርዓታት ምስዓብ: ካብቲ ጾታዊ ርኽሰት ብምፍጻም ዚርከብ ረብሓ ኣብሊጻ ትርእዮ ነበረት።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:18

ኣገዳስነት ጽድቂ

3. ጽድቂ እንታይ እዩ፧

3 “ጽድቂ” ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህናን ቅንዕናን የመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ናይ ግሪኽን እብራይስጥን ቃላት “ንጽህና” ወይ “ቅንዕና” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለወን። እንተዀነ ግን: ጽድቂ ኺበሃል ከሎ ምምጽዳቕ: ወይ ብናይ ርእስኻ ስርዓታት ንርእስኻ ምልካዕ ማለት ኣይኰነን። (ሉቃስ 16:15) የግዳስ: ብመሰረት ስርዓታት የሆዋ ዚልካዕ ቅንዕና እዩ። እወ: ንጽድቂ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት።​—⁠ሮሜ 1:17፣ 3:21

4. ጽድቂ ንክርስትያን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ጽድቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: የሆዋ ‘ኣምላኽ ጽድቂ:’ ማለት ንህዝቡ ብጽድቂ ኺመላለሱ ኸለዉ ሞገስ ዚህቦም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 4:1፣ ምሳሌ 2:20-22፣ ኣንባቆም 1:13) ዝዀነ ይኹን እከይ ዚገብር ሰብ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኪገብር ኣይክእልን እዩ። (ምሳሌ 15:8) ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም: . . . ኣስኣሰር ጽድቅን” ካልእ ኣገዳሲ ባህርያትን “ስዐብ” ኢሉ እተማሕጸኖ። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ እተፈላለየ ኽፋላት መንፈሳዊ ኣጽዋርና ኺዝርዝር ከሎ: ነቲ “ድርዒ ጽድቂ” ዝጠቐሶ።​—⁠ኤፌሶን 6:14

5. ዘይፍጹማት ፍጡራት ብኸመይ እዮም ጽድቂ ኺደልዩ ዚኽእሉ፧

5 ልክዕ እዩ: ዋላ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ጻድቕ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። ኵላቶም ሰባት ካብ ኣዳም ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ: ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ሓጥኣንን ረሲኣንን እዮም። የሱስ ግን ጽድቂ ኽንደሊ ኸም ዘሎና ነጊሩና እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ በጃ ኽትኰነና ስለ ዝኸፈለልና: ኣብቲ መስዋእቲ እቲ እምነት እንተ ኣሕዲርና: የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ንኺብለልና ድሉው እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8, 9, 12, 18) በዚ መሰረት እዚ: ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ኽንመሃርን ድኽመትና ንምስናፍ ሓገዝ ኪወሃበና እናጸለና ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ዚከኣለና ኽንገብርን ከለና: የሆዋ ንኣምልኾና ይቕበሎ እዩ። (መዝሙር 1:6፣ ሮሜ 7:19-25፣ ራእይ 7:9, 14) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

ኣብዛ ጽድቂ ዘይብላ ዓለም ጻድቕ ምዃን

6. ዓለም ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሓደገኛ ቦታ ዝነበረት ብኸመይ እያ፧

6 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” መሰኻኽሩ ንኪዀኑ መዝነት ኪወሃቦም ከሎ: ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ኣትዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ኵሉ እቲ እተመደበሎም ዞባ “በቲ እኩይ” እተባህለ ሰይጣን ‘ተታሒዙ’ እዩ ነይሩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ዓለም በቲ ንሱ ዜስፋሕፍሖ እኩይ መንፈስ ተመሊኣ እያ ነይራ: ክርስትያናት ከኣ ነዚ ኺብክል ዚኽእል ጽልዋ እተቓልዑ እዮም ነይሮም። (ኤፌሶን 2:2) ዓለም ንዓታቶም ሓደገኛ ቦታ እያ ነይራ። ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ብምድላይ ጥራይ እዮም ንጽህናኦም ሓልዮም ኪመላለሱ ዚኽእሉ ነይሮም። መብዛሕትኦም ጸኒዖም እዮም: ሒደት ግን ካብ “መገዲ ጽድቂ” ኣላገሱ።​—⁠ምሳሌ 12:28፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:10

7. እንታይ ሓላፍነታት እዩ ክርስትያናት ሕማቕ ጽልዋታት ንኺጻረሩ ዜገድዶም፧

7 ሎሚኸ ዓለም ንክርስትያናት ካብ ቀደም ብዝያዳ እትምሽእ መንበሪት ድያ፧ ኣይፋልን! ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረቶ ብዝያዳ ተበላሽያ እያ ዘላ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሰይጣን ናብ ምድሪ ተደርብዩን ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ወይ “ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ [ዘርኢ እታ ሰበይቲ]” ኣበርቲዑ ይዋጋእን እዩ ዘሎ። (ራእይ 12:12, 17) ነቶም “ዘርኢ” ዚድግፉ ዘበሉ እውን መጥቃዕቲ ይፍንወሎም እዩ። እወ: ክርስትያናት ካብ ዓለም ኪሕብኡ ኣይክእሉን እዮም። ካብ ዓለም እኳ እንተ ዘይኰኑ: ኣብ ውሽጣ ግን ኪነብሩ ኣለዎም። (ዮሃንስ 17:15, 16) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምርካብን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ ንምምሃርን እውን ኣብ ውሽጣ ዀይኖም ኪሰብኩ ኣለዎም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ስለዚ: ክርስትያናት ካብቲ ሕማቕ ጽልዋ እዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቑ ስለ ዘይክእሉ: ኪጻረርዎ ኣለዎም። ኣርባዕተ ኻብዚ ጽልዋታት እዚ እስከ ንርአ።

መፈንጠራ ጾታዊ ርኽሰት

8. እስራኤላውያን ነማልኽቲ ሞኣባውያን ዘምለኹ ስለምንታይ እዮም፧

8 ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዀለል ዝበልዎ 40 ዓመት: ብዙሓት ካባታቶም ካብ መገዲ ጽድቂ ኣላጊሶም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም የሆዋ ንኼድሕኖም ዝገበሮ ብዙሕ ግብርታት ብዓይኖም ርእዮም ነይሮም: ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ነበሮም። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ወሳኒ እዋን እቲ: ነማልኽቲ ሞኣባውያን ኣምለኹ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: “ፍትወት ስጋ” ስለ ዘሰነፎም እዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) እቲ ጸብጻብ “እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ” ይብል።​—⁠ዘሁልቍ 25:1

9, 10. ሎሚ ኣእምሮና ኻብቲ ፍትወት ስጋ ዘለዎ ሕማቕ ጽልዋ ወትሩ ንኽንሕልዎ ዜገድደና እንታይ ኵነታት እዩ ዘሎ፧

9 ግጉይ ባህጊ ወይ ፍትወት ስጋ ንገርህታት ብኸመይ ከም ዜበላሽዎም ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ። ጾታዊ ርኽሰት ከም ቅቡል ናብራ ጌርካ ይርአ ስለ ዘሎ: ካብቲ ጸብጻብ ክንመሃር ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 10:6, 8) ሓደ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ክሳዕ ከባቢ 1970 ብሓባር ምንባር [ዘይተመርዓዉ መጻምድቲ ብሓባር ምንባር ማለት እዩ] ኣብ ኵለን ግዝኣታት ኣመሪካ ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ልዕሊ ፍርቂ እቶም ንፈለማ ግዜ ዚምርዓዉ ሰባት: ቅድሚ ምምርዓዎም ብሓባር ይነብሩ ነይሮም እዮም።” እዝን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍኑው ስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራትን ኣብ ሓንቲ ሃገር እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም እዩ ተዘርጊሑ ዘሎ: እቲ ዜሕዝን ከኣ ገሊኦም ክርስትያናት ነዚ ዝንባለ እዚ ብምስዓቦም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጺኦም እዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:11

10 ብዘ⁠ይካዚውን ንጾታዊ ርኽሰት ዜተባብዕ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ኵሉ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን መንእሰያት ቅድሚ ምምርዓዎም ጾታዊ ርክብ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ገይሩ የቕርቦ። ግብረ⁠-​ሶዶም ከም ንቡር ጌርካ ይርአ። ገሊኡ ምርኢታት ከኣ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ንጹር ገይሩ የርኢ። እዚ ጾታዊ ርክብ ዜርኢ ምስሊ ብቐሊሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ኣዳላዊ ዓምዲ ጋዜጣ: ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዱ ኻብ ቤት ትምህርቲ ምስ መጸ: ሓደ መማህርቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጥራሕ ነብሰን ዝዀና ኣንስቲ ጾታዊ ርኽሰት ኪፍጽማ ኸለዋ ዜርኢ ሳይት ከም ዝረኸበ ብስምዒት ነገሮ። እቲ ኣቦ ሰምበደ። እንተዀነ ግን: ክንደይ ዝዀኑ ቘልዑ እዮም ንወለዶም ከይነገሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚረኽቡ፧ ደቆም ዚጻወትዎ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ዚፈልጡኸ ኽንደይ ዚኣኽሉ ወለዲ እዮም፧ መብዛሕትኡ ህቡብ ጸወታታት ዜስገድግድ ጾታዊ ርኽሰትን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ዓመጻን እዩ ዜርኢ።

11. ሓንቲ ስድራ​ቤት ካብ ርኽሰት እዛ ዓለም እዚኣ ዕቝባ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

11 ሓንቲ ስድራ​ቤት ንዜበላሹ “መዘናግዒ” ኽትጻረሮ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ዝዀነ ይኹን ርኽሰት ንኸይትትንኪ ተጠንቂቓ: ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ብምድላይ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14፣ ኤፌሶን 5:3) እቶም ንንጥፈታት ደቆም ብዚግባእ ዚቈጻጸሩ ኸምኡውን ኣብ ደቆም ፍቕሪ የሆዋን ጽድቃዊ ሕግታቱን ዚሰርጹ ወለዲ: ንደቆም ካብ ስእለ⁠-​ጽዩፍን ስእለ⁠-​ጽዩፍ ዘለዎ ጸወታታት ቪድዮን ርኹስ ፊልምታትን ካልእ እኩይ ፈተናታትን ንኺርሕቑ የበራትዕዎም እዮም።​—⁠ዘዳግም 6:4-9 a

ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዘለዎ ሓደጋ

12. ኣብ ቀዳማይ ዘመን እንታይ ጸገም እዩ እተላዕለ፧

12 ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ልስጥራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንሓደ ሰብኣይ ኣሕወዮ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ: ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፤ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም: በሉ። ንበርናባስ፤ ድያ: በልዎ: ንጳውሎስ ድማ: መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፤ ሄርሜስ: በልዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:11, 12) ጸኒሖም እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ንጳውሎስን ንበርናባስን ኪቐትልዎም ደለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:19) እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ብቐሊሉ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዚለዋወጡ እዮም ነይሮም። ገሊኦም ኣብቲ ኸባቢ እቲ ዝነበሩ ሰባት ክርስትያናት ምስ ኰኑ: እቲ ማሪታዊ ዝንባለታቶም ዘይሓደጉ ዝነበሩ እዮም ዚመስሉ። ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ: ካብ ‘ስግደት መላእኽቲ’ ኺሕለዉ ኣጠንቀቖም።​—⁠ቈሎሴ 2:18

13. ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ዘለዎም ገሊኡ ልምድታት እንታይ እዩ፧ ከምዚ ንምግባር ብርታዐ ኽንረክብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

13 ሎሚውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመርኰሰ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዚጥሕስ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ልምድታት ኪርሕቑ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ሃገራት ምስ ውልደትን ሞትን እተተሓሓዘ ብልምዲ ዚግበር ሓያሎ ጽምብላት: ድሕሪ ሞት ብህይወት ዚቕጽል መንፈስ ኣሎና ኣብ ዚብል ሓሶት እተመርኰሰ እዩ። (መክብብ 9:5, 10) ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ይቘርጹ እዮም። b እዚ ምስ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ኬርእይዎም ዚግባእ ፍቕራዊ ሓልዮት ዚጻረር ጭካነ ዝመልኦ ተግባር እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7፣ ኤፌሶን 6:4) ክርስትያናት ነቲ ኻብ ማሕበረሰብ ዜጋጥም ጸቕጢ ተጻዊሮም: ነዚ ተግባራት እዚ ኺሓድግዎ ዚኽእሉ ኸመይ ገይሮም እዮም፧ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል እዩ። (መዝሙር 31:6) እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ነቶም ካብ ልቦም “ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ” ዚብልዎ የበርትዖምን ይሓልየሎምን እዩ።​—⁠መዝሙር 91:2፣ ምሳሌ 29:25

ንየሆዋ ኣይትረስዓዮ

14. የሆዋ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም እንታይ ኢሉ እዩ ዘጠንቀቖም፧

14 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም: የሆዋ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ንኸይርስዕዎ ኣጠንቀቖም:- “ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን: ብዘ⁠ይ ምሕላውካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ: ንርእስኻ ተጠንቀቕ። በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን: ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና: ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሐልካ: ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሔ: ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ።”​—⁠ዘዳግም 8:11-14

15. ንየሆዋ ኸም ዘይረሳዕናዮ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽ እንኽእል፧

15 ሎሚኸ ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥም ይኽእልዶ፧ ንግጉይ ነገራት ቀዳምነት ንህቦ እንተ ዄንና: እወ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ እንተ ደሊና ግን: ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር እዩ ዚኸውን። ከምቲ ጳውሎስ ዘተባብዐና ‘ግዜ ኽንዕድግ’ ኢና: ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ናይ ህጽጹነት ስምዒት ኪህልወና እዩ። (ቈሎሴ 4:5፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2) እንተዀነ ግን: ኣኼባን ናይ ወፍሪ ኣገልግሎትን ካብ ምዝንጋዕ ወይ ተድላ ምርካብ ንታሕቲ ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና: ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ኻልኣይ ጌርና ብምርኣይ ረሲዕናዮ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ጳውሎስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኪዀኑ ምዃኖም ተዛሪቡ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:4) ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኸይጽለዉ ኣዘውቲሮም ርእሶም ይምርምሩ እዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 13:5

ካብ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ተጠንቀቕ

16. ሄዋንን ገሊኦም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰባትን እንታይ ግጉይ መንፈስ እዩ ዝነበሮም፧

16 ሰይጣን ኣብ ኤድን ነቲ ሄዋን ብርእሳ ኽትምራሕ ዝነበራ ስስዐ ዝመልኦ ባህጊ ተጠቕመሉ። ሄዋን ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ብርእሳ ውሳነ ኽትገብር ደለየት። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ገሊኦም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ: ብርእሶም ናይ ምምራሕ መንፈስ ነበሮም። ካብ ጳውሎስ ዝያዳ ዚፈልጡ መሰሎም: ንሱ ድማ ብምሕጫጭ ብሉጻት ሃዋርያት ኢሉ ጸውዖም።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:3-5፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:3-5

17. ብርእስና ናይ ምምራሕ መንፈስ ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም: ብዙሓት ሰባት “ህዉኻት: ተፈኽነንቲ” እዮም: ገሊኦም ክርስትያናት ከኣ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተጸልዮም እዮም። አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ተጻረርቲ ሓቂ ዀይኖም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:4፣ ፊልጲ 3:18) ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ዚምልከት ነገራት: ካብ የሆዋ መምርሒ ኽንረክብን ምስቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዀነ ምስ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክንተሓባባርን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኢና ጽድቂ እንደሊ: እዚ ኸኣ ብርእስና ንኸይንምራሕ ዕቝባ ይዀነና። (ማቴዎስ 24:45-47፣ መዝሙር 25:9, 10፣ ኢሳይያስ 30:21) ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” እያ። የሆዋ ድማ ዕቝባን መምርሕን ክትኰነና ኢሉ እዩ ኣዳልዩልና። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) እታ ጉባኤ ዘለዋ ኣገዳሲ ግደ ምፍላጥና: ነቲ ጽድቃዊ ፍቓድ የሆዋ ብትሕትና ስለ እንግዛእ: ‘ሓንቲ እኳ ንውዳሴ ኸንቱ ኸይንገብር’ ይሕግዘና።​—⁠ፊልጲ 2:2-4፣ ምሳሌ 3:4-6

ንየሱስ ምሰልዎ

18. ብምንታይ መገድታት ኢና ንየሱስ ክንመስሎ ምትብባዕ ተዋሂቡና ዘሎ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ብትንቢት “ጽድቂ ትፈቱ: ረሲእነት ትጸልእ” በለ። (መዝሙር 45:7፣ እብራውያን 1:9) እዝስ ክንቀድሖ ዚግባእ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! (1 ቈረንቶስ 11:1) የሱስ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ይፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ: ይፈትዎ እውን ነይሩ እዩ። ስለዚ: ሰይጣን ኣብ በረኻ ምስ ፈተኖ: ካብ “ጐደና ጽድቂ” ንኸየላግስ ቈሪጹ ነይሩ እዩ።​—⁠ምሳሌ 8:20፣ ማቴዎስ 4:3-11

19, 20. ጽድቂ ምድላይ ዘለዎ ጽቡቕ ፍረ እንታይ እዩ፧

19 እቲ ሕማቕ ፍትወት ስጋ ሓያል ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። (ሮሜ 7:19, 20) ኰይኑ ግን: ጽድቂ ንፈቱ እንተደኣ ዄንና: እከይ ከይንገብር ንበራታዕ ኢና። (መዝሙር 119:165) ንኽንእብስ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ: ዓሚቝ ፍቕሪ ጽድቂ ዕቝባ ይዀነና እዩ። (ምሳሌ 4:4-6) ብፈተና ኣብ እተሰነፍናሉ ዘበለ ግዜ: ንሰይጣን ዓወት ምዃኑ ኣይንረስዕ። እንተዀነ ግን: ንሰይጣን ብምጽራር ንየሆዋ ኸነዐውቶስ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!​—⁠ምሳሌ 27:11፣ ያእቆብ 4:7, 8

20 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጽድቂ ስለ ዚደልዩ: ‘ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ይመልኡ እዮም።’ (ፊልጲ 1:10, 11) ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” እውን ይለብሱ እዮም። (ኤፌሶን 4:24) ናይ የሆዋ እዮም: ንርእሶም ንኼሐጕሱ ዘይኰኑስ: ንዕኡ ንምግልጋል እዮም ዚነብሩ። (ሮሜ 14:8፣ 1 ጴጥሮስ 4:2) እዚ ኸኣ እዩ ንሓሳባቶምን ተግባራቶምን ዚውስኖ። እዚኣቶምሲ ንልቢ እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ሓጐስ ዜምጽኡ!​—⁠ምሳሌ 23:24

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራ​ቤት ዘርእስታ መጽሓፍ: ወለዲ ንስድራ​ቤቶም ካብ ርኹስ ጽልዋታት ኬዕቝቡ ዜኽእሎም ሓሳባት ይርከብ እዩ።

b ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምቝራጽ: ብልምዲ ንጓል ኣንስተይቲ ምግራዝ ወይ ምኽንሻብ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ጽድቂ ምድላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ሓደ ዘይፍጹም ክርስትያን ጽድቂ ኺደሊ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ሓደ ክርስትያን ኣብዛ ዓለም ኬርሕቖ ዘለዎ ገለ ነገራት እንታይ እዩ፧

• ጽድቂ ምድላይና ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዓለም ንሰዓብቲ የሱስ ሓደገኛ ቦታ እያ ነይራ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ኼፍቅሩ እተማህሩ ውሉዳት: ብጾታዊ ርኽሰት ንኸይወድቁ ብርታዐ ይረኽቡ እዮም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኦም እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሃብተሙ ንየሆዋ ረስዕዎ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ከም የሱስ ረሲእነት ይጸልኡ እዮም