ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጠቅስ ጽሑፋት እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ”

“ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጠቅስ ጽሑፋት እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ”

“ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጠቅስ ጽሑፋት እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ”

ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ይገብር እስራኤላውያን ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ሓደ ዜደንቕ ነገር ረኸቡ። ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ኣጻድፍ ለሰ ሄኖም ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር በዓትታት: ክልተ ኻብ ብሩር እተሰርሐ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕስታት እተጻሕፎ ጥቕላላት ረኸቡ። እዚ ጥቕላላት እዚ: ቅድሚ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ምጥፍኦም እዩ ተጻሒፉ። ካብቲ ኣብ ዘሁልቍ 6:24-46 ተጠቒሱ ዚርከብ በረኸት እተወሰነ ኽፋል ድማ ይጠቅስ። ኣብ ክልቲኡ ጥቕላላት እቲ የሆዋ ዚብል ናይ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ጽሑፍ እዚ “ኻብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ዚጠቕስ ናይ ጥንታዊት ዓለም ኢደ⁠-​ስራሓት እቲ ቐዳምነት ዚወሃቦ እዩ።”

ይኹን እምበር: ሓድሓደ ምሁራት ነቲ እዚ ጥቕላላት ተጻሒፉሉ ዚበሃል ዕለት ብምቅዋም ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. እዩ ተጻሒፉ ኢሎም ይካትዑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሳብ ዘይምስምማዕ ኪለዓል ዝኸኣለ: እቲ ናይዘን ንኣሽቱ ጥቕላላት ናይ መጀመርታ ፎቶግራፍ ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ነገራት ንምምርማር ዘየኽእል ብምንባሩ እዩ። ስለዚ: ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ሓደ ጕጅለ ምሁራት ከም ብሓድሽ ምርምር ገበረ። ነዚ ጥቕላላት ብኣዝዩ ብሉጽ መገዲ ንምስኣል: ኣዝዩ ዘመናዊ ናይ ፎቶግራፍን ኮምፕዩተርን ተክኖሎጂ ተጠቕሙ። ውጽኢት እቲ እተገብረ ሓድሽ ምርምር ኣብዚ ቐረባ እዋን ተሓቲሙ ወጺኡ ነበረ። እቲ ጕጅለ ምሁራት ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጽሐ፧

ብቐዳምነት: እቲ ኣርክዮሎጂካል: ማለት ስነ⁠-​ጥንታዊ መረዳእታ ነቲ ቕድሚ ምርኮ ባቢሎን እዩ ተጻሒፉ ዚብል ሓሳብ እዩ ዚድግፍ። ብተወሳኺውን: እቲ ኣብ ፓለዮግራፊክ: ማለት ኣብ ቅርጺ: ኣወዳድቓ: ቍመና: መስርዕ: ከምኡውን ኣብ ኣንፈት እቲ ፊደላት ተመርኵስካ እተገብረ ትዕዝብቲ ኸም ዚሕብሮ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. እዩ ተጻሒፉ። እቲ ጕጅለ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኦርቶግራፊ: ማለት ኣሰዃዅዓ ፊደላት ምስ መርመሮ: “እቲ ኣብቲ ጥቕላላት ዚርከብ ኦርቶግራፊክ ሓቅታት ምስቲ ኣርክዮሎጂካዊ ኸምኡውን ፓሌዮግራፊካዊ መርትዖ ዝሰማማዕ እዩ” ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሐ።

እታ ቡለቲን ኦፍ ዘ ኣመሪካን ስኩል ኦፍ ኦሪየንታል ሪሰርች ዘርእስታ መጽሔት ነቲ ከተፍ ሂኖም እውን ተባሂሉ ዚፍለጥ ብዛዕባ እዚ ጥቕላላት ብሩር እተገብረ ምርምር ኬጠቓልሎ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ስለዚ: ንሕናውን እቲ ኣብዚ ጥቕላላት እተረኽበ ጽሑፍ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጠቅስ ጽሑፋት እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ እዩ ዚብል ብዙሓት ምሁራት ዚሰማምዑሉ መደምደምታ ኢና እንደገና ኽንበጽሕ ንኽእል።”

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Cave: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.; inscriptions: Photograph © Israel Museum, Jerusalem; courtesy of Israel Antiquities Authority