ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

ጸብጻብ መጽሓፍ እዝራ: ካብቲ ኻልኣይ ዜና መዋእል እተደምደመትሉ ጸብጻብ እዩ ዚጅምር። እቲ ጸሓፊኣ ኻህን እዝራ: ኣብ መጀመርታ እቲ ጸብጻብ: ቂሮስ ንጉስ ፋርስ እቶም ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ ተረፍ ኣይሁድ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ኸም ዝኣወጀ ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ: እዝራ ነቶም ምስ ህዝቢ እቲ ሃገር ርኽሰት ዝፈጸሙ ህዝቢ ንምጽራይ ብዝወሰዶ ስጕምቲ ይድምደም። ብሓፈሻ እታ መጽሓፍ ናይ 70 ዓመት ታሪኽ: ማለት ካብ 537 ክሳዕ 467 ቅ.ክ. ዘሎ እዋን ትሽፍን።

እዝራ ነታ መጽሓፍ ኪጽሕፋ ኸሎ ንጹር ዕላማ ነበሮ። እዚ ድማ የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኣውጺኡ: ኣብ የሩሳሌም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኺመልስ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ከም ዝፈጸሞ ንምንጻር እዩ። ስለዚ: እዝራ ኣብቲ ምስዚ ዕላማ እዚ እተተሓሓዘ ፍጻመታት ጥራይ እዩ ኣተኲሩ። መጽሓፍ እዝራ: ምጽራርን ዘይፍጽምና ህዝቢ ኣምላኽን እናሃለወ: እታ ቤተ መቕደስ ብኸመይ እንደገና ኸም እተሃንጸትን ኣምልኾ የሆዋ እንደገና ኸም እተሰረተን ዚገልጽ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። ንሕና እውን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ እተመልሰሉ እዋን ንነብር ስለ ዘለና እቲ ጸብጻብ ኣጸቢቑ የገድሰና እዩ። ሓያሎ ሰባት ናብ “ከረን” የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ: ምልእቲ ምድሪ ኸኣ “ብፍልጠት ክብሪ” የሆዋ ኽትመልእ ቀሪባ ኣላ።​—⁠ኢሳይያስ 2:2, 3፣ ኣንባቆም 2:14

እታ ቤተ መቕደስ እንደገና ተሃንጸት

(እዝራ 1:1–​6:​22)

ብመሰረት እቲ ቂሮስ ዘውጸኦ ኣዋጅ ሓርነት: 50,000 ዝዀኑ ምሩኻት ኣይሁድ: ዘሩባቤል ወይ ሸሽባጻር ብዚበሃል ኣመሓዳሪ ተመሪሖም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። እቶም እተመልሱ ኣይሁድ ውዓል ሕደር ከይበሉ ነቲ መሰውኢ ኣብ ቦታኡ ብምቛም ንየሆዋ መስዋእቲ ኬቕርቡሉ ጀመሩ።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመት እስራኤላውያን መሰረት ቤት የሆዋ ኣንበሩ። ጸላእቲ ነታ ቤት ንምህናጽ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ጣልቃ ብምእታው ኣብ መወዳእታ ኺቋረጽ ከም ዘለዎ ዚእዝዝ ንጉሳዊ ትእዛዝ ረኸቡ። ምስናይዚ ግን ነብዪ ሃጌን ነብዪ ዘካርያስን ነቲ ህዝቢ ብምትብባዕ ምህናጽ እታ ቤተ መቕደስ ከም ዚቕጽል ገበሩ። ጸላእቶም ነቲ መጀመርታ ዝወጸ ዘይልወጥ ኣዋጅ ወይ ሕጊ ፋርስ ከይቃወሙ ስለ ዝፈርሁ ኻብ ምጽራር ተዓግቱ። ወግዓዊ መርመራ ምስ ተገብረ: እቲ ቂሮስ ብዛዕባ “እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ” ዘውጸኦ ትእዛዝ ተረኽበ። (እዝራ 6:3) እቲ ዕዮ እናሰጐመ ብምኻድ ብጽቡቕ ተዛዘመ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:3-6⁠እቶም ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ እስራኤላውያን ብእምነት ድኹማት ድዮም ነይሮም፧ ገለ ኻብቶም ናብ የሩሳሌም ዘይተመልሱ ሰባት ብምኽንያት ፍቕረ⁠-​ንዋይ ወይ ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሞሳ ስለ ዘይነበሮም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኵሎም ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ነይርዎም ማለት ኣይኰነን። ቅድም ቀዳድም እቲ ኽሳዕ የሩሳሌም 1,600 ኪሎ ሜተር ዝበጽሕ መገዲ: ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ወርሒ ይወስድ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብታ ን70 ዓመት ዚኣክል ባዲማ ዝነበረት ሃገር ተመሊስካ ዳግመ ህንጸት ንምጅማር ጕልበት ዚሓትት እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር: ንገሊኣቶም ከም እኒ ኣካላዊ ድኻም: ዕደመ ምድፋእ: ሓላፍነት ስድራ​ቤት ዝኣመሰለ ዘይምሹእ ኵነታት ንኸይምለሱ ኸም ዝዓገቶም ፍሉጥ እዩ።

2:43—⁠ነቲኒም እንታዎት እዮም ነይሮም፧ እዚኣቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ባሮት ወይ ኣገልገልቲ ዀይኖም ዚዓዩ ዝነበሩ እስራኤላዊ መበቈል ዘይነበሮም ሰባት እዮም። ካብዚኣቶም ዘርኢ እቶም ኣብ ግዜ እያሱ ዝነበሩ ጊብዖናውያንን ዘርኢ እቶም “ዳዊትን ሓላቑን ንሌዋውያን ኬገልግሉ ዘመዘዝዎም” ሰባትን እውን ይርከብዎም።​—⁠እዝራ 8:20

2:55—⁠ደቂ ገላዉ ሰሎሞን እንታዎት እዮም ነይሮም፧ እዚኣቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ፍሉይ መዝነት እተዋህቦም እስራኤላውያን ዘይነበሩ ሰባት እዮም። ኣብ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ገሊኡ ናይ ምምሕዳር ቦታታት ጸሓፍቲ ወይ ቀዳሕቲ ዀይኖም የገልግሉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

2:61-63—⁠እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ተረፍ: ነቲ ኻብ የሆዋ መልሲ ኺድለ ኸሎ ዜገልግል ኡሪምን ቱሚምን ረኺቦምዎ ድዮም፧ እቶም ዘርኢ ኽህነት ኣሎና ዚብሉ ዝነበሩ እሞ ጽሕፈት ወለዶኦም ኬቕርቡ ዘይክእሉ ዝነበሩ: ብኡሪምን ቱሚምን ተጠቒሞም መረጋገጺ ኬቕርቡ ምኸኣሉ ነይሮም። እዝራ በዚ መገዲ እዚ ጌርካ መረጋገጺ ኸተቕርብ ከም ዚከኣል ጥራይ እዩ ጠቒሱ። ቅዱሳት ጽሑፋት ሽዑ ይኹን ብድሕሪኡ ኡሪምን ቱሚምን ይጥቀሙሉ ምንባሮም ዚነግር ጸብጻብ የብሉን። ናይ ኣይሁድ ኣፈ⁠-​ታሪኽ: ኡሪምን ቱሚምን የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ክትጠፍእ ከላ ኸም ዝጠፍአ ይነግር።

3:12​—⁠እቶም “ነቲ ቐዳማይ ቤት [የሆዋ] ዝረአዩ ኣረገውቲ” ስለምንታይ እዮም በኽዮም፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ክሳዕ ክንደይ ውቅብቲ ኸም ዝነበረት ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምስቲ ቐዳማይ ኪነጻጸር ከሎ መሰረት እታ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረት ሓዳስ ቤተ መቕደስ ‘ኣብ ኣዒንቶም ከም ዘይነበረ’ እዩ ነይሩ። (ሃጌ 2:2, 3) ዝበኸዩሉ ምኽንያት እምበኣር ‘ነቲ ቐዳማይ ክብረታስ እምበርዶ ብጻዕርና ኽንመልሶ ኢና፧’ ኢሎም ብምሕሳብ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ኪዀኑ ኣለዎም።

3:8-10፣ 4:23, 24፣ 6:15, 16—⁠ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽ ክንደይ ዓመታት እዩ ወሲዱ፧ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ብ536 ቅ.ክ.: ማለት እቶም እተመልሱ ኣይሁድ ‘ካብ ዝመጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመቶም’ እዩ ተነቢሩ። ብግዜ ኣርታሕሻስታ ብ522 ቅ.ክ. ከኣ እቲ ዕዮ ህንጸት ተቛረጸ። እቲ እገዳ ኽሳዕ 520 ቅ.ክ.: ማለት ካልኣይ ዓመቱ ንንጉስ ዳርዮስ ቀጸለ። እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ግዝኣቱ ወይ ብ515 ቅ.ክ. ተዛዘመት። (ነታ “ነገስታት ፋርስ ካብ 537 ክሳዕ 467 ቅ.ክ.” እትብል ሳጹን ርአ።) ስለዚ: ህንጻ እቲ ቤተ መቕደስ 20 ዓመት እዩ ወሲዱ።

4:8–6:18—⁠እዚ ኽፋል መጽሓፍ እዝራ እዚ መጀመርታ ብኣራማይስጢ እዩ ተጻሒፉ። በዚ ቛንቋ እዚ እተጻሕፈ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኽፋል እዚ ብዓብዪኡ ቕዳሕ እቲ ኻብ ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ናብ ነገስታት እተጻሕፈ መልእኽትን እተዋህበ ምላሽን ዝሓዘ እዩ። እዝራ ኻብቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ብናይ ንግድን ናይ ቤተ⁠-​መንግስትን ቋንቋ ኣራማይስጢ እተጻሕፈ ጸብጻብ እዩ ቐዲሕዎ። በዚ ጥንታዊ ሴማዊ ቛንቋ እተጻሕፈ ኻልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዝራ 7:12-26፣ ኤርምያስ 10:11፣ ከምኡውን ዳንኤል 2:4ለ-7:28 እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2 እቲ ኢሳይያስ 200 ዓመት ኣቐዲሙ እተነበዮ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ። (ኢሳይያስ 44:28) ኣብ ቃል የሆዋ ዘሎ ትንቢታት ከቶ ኸይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ።

1:3-6 ሎሚውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ባቢሎን ዝተረፉ ገለ እስራኤላውያን: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ወይ ከኣ ኣብቲ ዓየይቲ ዚድለይሉ ሃገራት ከይዶም ኬገልግሉ ዘይክእሉ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ይኹን እምበር: ነቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኺጽመዱ ዚኽእሉ ይድግፍዎምን የተባብዕዎምን ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ንምድጋፍ ፈትዮም ወፈያ ይህቡ ኣለዉ።

3:1-6 ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይ 537 ቅ.ክ. (ቲሽሪ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ እትውዕል) እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ እሙናት ኣይሁድ ነቲ ናይ መጀመርታ መስዋእቶም ኣቕረቡ። ባቢሎናውያን ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይ 607 ቅ.ክ. (“ኣብ” ተባሂላ እትጽዋዕ: ኣብ ሓምለ/ነሓሰ እትውዕል) ናብ የሩሳሌም ኣተዉ። እታ ኸተማ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ምሉእ ብምሉእ ባደመት። (2 ነገስት 25:8-17, 22-26) ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ እቲ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ምብዳም የሩሳሌም ኣብ ግዜኡ ኣብቅዐ። (ኤርምያስ 25:11፣ 29:10) ቃል የሆዋ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ኸይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ።

4:1-3 እቶም እሙናት ተረፍ ነቲ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪዳን ከም ምእታው ጌርካ ኺውሰድ ዚኽእል ዝነበረ ደገፍ ነጸግዎ። (ዘጸኣት 20:5፣ 34:12) ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ እምነት ምትሕንፋጽ ግደ የብሎምን።

5:1-7፣ 6:​1-​12 የሆዋ ምእንቲ ዓወት ህዝቡ ኢሉ ንነገራት ኪቐያይሮ ይኽእል እዩ።

6:14, 22 ኣብ ዕዮ የሆዋ ብቕንኢ ምክፋል ስምረቱን በረኸቱን የውህብ።

6:21 እቶም ኣብ ምድሪ ኣይሁድ ዚነብሩ ዝነበሩ ሳምራውያንን እቶም በቶም ኣረማውያን ተጸልዮም ዝነበሩ ኻብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድን ዕዮ የሆዋ ኺስጕም ከሎ ብምርኣዮም: ኣብ ናብራ ህይወቶም ዜድሊ ለውጢ ንምግባር ተደረኹ። ንሕናኸ: ኣብቲ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ዜጠቓልል ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ብውዕዉዕ መንፈስ ክንሳተፍ ኣይግብኣናንዶ፧

እዝራ ናብ የሩሳሌም መጸ

(እዝራ 7:1-10:44)

ብ468 ቅ.ክ. እቲ እንደገና እተሃንጸ ቤት የሆዋ ኻብ ዚጽንበል ሓምሳ ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ ነበረ። እዝራ ተረፍ ህዝቢ ኣምላኽን እተዋጽአ ገንዘብን ሒዙ ኻብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ከደ። ኣብኡኸ እንታይ ረኸበ፧

እቶም ሓላቑ ንእዝራ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን: . . . ጽያፍ ይገብሩ አለዉ። . . . ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ” በልዎ። (እዝራ 9:1, 2) እዝራ ሰንቢዱ እዩ። ‘ተቢዑ’ ስጕምቲ ኺወስድ ከኣ ምትብባዕ ተዋህቦ። (እዝራ 10:4) እዝራ እቶም ህዝቢ ዚእረሙሉ ስጕምትታት ወሰደ: ብጽቡቕ ድማ ተቐበልዎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

7:1, 7, 11—⁠ኵሉ እዚ ጥቕስታት እዚ ነቲ እቲ ዕዮ ህንጻ ኸም ዚቋረጽ ዝገበረ ኣርታሕሻስታ ድዩ ዜመልክት፧ ኣይፋሉን። ኣርታሕሻስታ ንኽልተ ነገስታት ፋርስ ዜመልክት ስም ወይ መዓርግ እዩ። እቲ ሓደ እቲ ብ522 ቅ.ክ. ነቲ ዕዮ ህንጻ ንኺቋረጽ ትእዛዝ ዘውጽአ ባርዲያ ወይ ጕማታ እዩ። እቲ እዝራ ናብ የሩሳሌም ኪመጽእ ከሎ ዝነበረ ኣርታሕሻስታ ግን ኣርታሕሻስታ ሎንጊማነስ እዩ።

7:28–8:20—⁠ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሓያሎ ኣይሁድ ምስ እዝራ ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ዘይደለዩ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም መጀመርታ ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ካብ ዚመጹ 60 ዓመት ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ: ቍጽሪ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ሒደት እዩ ነይሩ። ናብ የሩሳሌም ምምላስ ኪበሃል ከሎ: ኣብ ትሕቲ ሕማቕን ሓደገኛን ኵነታት: ሓድሽ ናብራ ህይወት ምምስራት ማለት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ኣብ ባቢሎን በልጺጎም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣይሁድ ዚስሕብ ስጋዊ ነገራት ኣብ የሩሳሌም ኣይርአን እዩ ነይሩ። እቲ ሓደገኛ ጕዕዞ እውን ዕሽሽ ኢልካ ዚሕለፍ ኣይኰነን። እቶም እተመልሱ ናብ የሩሳሌም ንኺጐዓዙ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት: ከምኡውን ትብዓት ኪህልዎም ነበሮ። እዝራ እውን ከይተረፈ በታ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረት ኢድ ኣምላኽ በርቲዑ እዩ። በቲ እዝራ ዝሃቦም ምትብባዕ 1,500 ስድራ​ቤታት​—⁠6,000 ሰባት ኣቢሎም ዝዀኑ​—⁠ንኺምለሱ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። እዝራ ብዝወሰዶ ተወሳኺ ስጕምትታት ከኣ 38 ሌዋውያንን 220 ነቲኒምን ፍቓደኛታት ኰይኖም ተመልሱ።

9:1, 2—⁠ምስ ህዝቢ እቲ ሃገር ምውሳብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ ዝነበረ፧ እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ እቲ መሲህ ክሳዕ ዝመጽእ ዓቀብቲ ኣምልኾ የሆዋ ኪዀኑ ነበሮም። ምስ ካልኦት ኣህዛብ ምውሳብ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ምስቶም ጣኦት ዜምልኹ ኣህዛብ ምውሳቦም: መወዳእታኡ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም በቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ኪወሓጡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ዚፈጥር እዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኺጠፍእ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ መሲህ ደኣ እሞ ናብ መን እዩ ኺመጽእ፧ እዝራ በቲ እተገብረ ነገራት ኣዝዩ ሰንቢዱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ!

10:3, 44—⁠እቶም ቈልዑ ምስ ኣዴታቶም እተሰደዱ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም ቈልዑ እንተ ዚተርፉ ነይሮም: እተሰደዳ ኣንስቲ ምእንቲ ደቀን ኪብላ ኸም ዚምለሳ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ንኣሽቱ ቘልዑ ናይ ኣዲኦም ቈላሕታ የድልዮም እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

7:10 እዝራ ትጉህ ተመሃራይን ንፉዕ መምህርን ቃል ኣምላኽ ብምንባሩ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት እዩ ገዲፉልና። ሕጊ የሆዋ ንምምርማር ብጸሎት ልቡ ኣዳለወ። ኪምርምሮ ኸሎ ኸኣ ነቲ የሆዋ ዚብሎ ዝነበረ ብምሉእ ኣቓልቦ ይከታተሎ ነበረ። እዝራ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ: ንኻልኦት ንምምሃር ከኣ ይጽዕር ነበረ።

7:13 የሆዋ ብፍታው ዜገልግሉ ኣገልግልቲ እዩ ዚደሊ።

7:27, 28፣ 8:21-23 እዝራ እቲ ዝረኸቦ ዓወት ብየሆዋ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ: ነቲ ነዊሕን ሓደገኛን ጕዕዞ የሩሳሌም ቅድሚ ምጅማሩ ኸኣ ብጸሎት ልባዊ ልመና ኣቕረበ: ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ድማ ብሓደገኛ ዅነታት ኪሓልፍ ፍቓደኛ ነበረ። በዚ ኸምዚ ሰናይ ኣብነት እዩ ሰሪዑልና።

9:2 ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ንኽንምርዖ እተዋህበና ማዕዳ ኣርዚንና ኽንወስዶ ይግባእ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:39

9:14, 15 ሕማቕ ዕርክነት ስምረት የሆዋ ኸም እንስእን ኪገብር ይኽእል እዩ።

10:​2-12, 44 እቶም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ዝነበሩ ሰባት ብትሕትና ተነሲሖም ነቲ ግጉይ መገድታቶም ኣረሙ። ኣመለኻኽታኦምን ተግባሮምን ኣብነት ዚኸውን እዩ።

የሆዋ መብጽዓኡ ይሕሉ

መጽሓፍ እዝራ ኣየ ኽንደይ ኰን እያ እትጠቕመና! የሆዋ ነቲ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኣውጺኡ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ኪመልስ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብቲ ልክዕ ግዜኡ ፈጺምዎ እዩ። እዝስ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ዜደልድሎዶ ኣይኰነን፧

ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ እዝራ እትህበና ኣብነታት እሞ ሕሰበሉ። እዝራን እቶም እተመልሱ ተረፍን ኣብ ምሕዳስ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግደ ንኺህልዎም ብዘርኣይዎ ተወፋይነት ሰናይ ኣብነት ገዲፎም እዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ነቲ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም መጻእተኛታትን ዘርኣይዎ እምነትን እቶም እተነስሑ በደለኛታት ዘርኣይዎ ትሕትናን እውን ተጕልሓልና እያ። እወ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እዝራ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን” ምዃኑ ንጹር መርትዖ ይህበና እዩ።​—⁠እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሰሌዳ/ስእሊ]

ነገስታት ፋርስ ካብ 537 ክሳዕ 467 ቅ.ክ.

ቂሮስ ዓብዪ (እዝራ 1:1) ብ530 ቅ.ክ. ሞተ

ካምባይሲስ ወይ ኣሓሽዌሮስ (እዝራ 4:6) 530-22 ቅ.ክ.

ኣርታሕሻስታ​—⁠ባርዲያ ወይ ጕማታ (እዝራ 4:7) 522 ቅ.ክ. (ሸውዓተ ወርሒ ጥራይ ምስ ነገሰ ተቐትለ)

ዳርዮስ ቀዳማይ (እዝራ 4:24) 522-486 ቅ.ክ.

ዘርክሲስ ወይ ኣሓሽዌሮስ a 486-75 ቅ.ክ. (ምስ ዳርዮስ 1ይ ሓቢሩ ኻብ 496-86 ቅ.ክ. ገዝአ)

ኣርታሕሻስታ ሎንጊማነስ (እዝራ 7:1) 475-24 ቅ.ክ.

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዘርክሲስ ኣብ መጽሓፍ እዝራ ኣይተጠቕሰን። ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ኣሓሽዌሮስ ተባሂሉ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

[ስእሊ]

ኣሓሽዌሮስ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ቂሮስ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ቂሮስ ስሊንደር ብዛዕባ እቲ ምሩኻት ናብ ሃገሮም ኪምለሱ ኸም ዚኽእሉ ዝወጸ ሕጊ ይገልጽ

[ምንጪ ስእሊ]

Cylinder: Photograph taken by courtesy of the British Museum

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

እዝራ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ዝኸኣለ ብምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧