ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዮሴፍ: ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 44:5 ተጠቒሱ ዘሎ ምስጢር ንኺፈልጥ ኢሉ ነታ ጽዋእ ብሩር ይጥቀምዶ ነይሩ እዩ፧

ዮሴፍ ይጥንቍል እዩ ነይሩ ኢልካ ንኽትኣምን ዜብቅዕ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።

መጽሓፍ ቅዱስ: ዮሴፍ ንመጻኢ ዚኸውን ነገር ንምፍላጥ ኢልካ ብዛዕባ ዚግበር ጥንቈላ ዝነበሮ ምርዳእ ይገልጸልና እዩ። ዮሴፍ ኣቐድም ኣቢሉ ንሕልሚ ፈርኦን ኪፈትሕ ምስ ተሓተተ: ነቲ ዚመጽእ ነገራት ኪገልጽ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፈርኦን: እቲ ንመጻኢ ዚኸውን ነገራት ንዮሴፍ ዜፍልጦ ስውር ሓይልታት ዘይኰነስ: እቲ ዮሴፍ ዜምልኾ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኺኣምን ከኣለ። (ዘፍጥረት 41:16, 25, 28, 32, 39) ኣብቲ ጸኒሑ ንሙሴ እተዋህቦ ሕጊ: የሆዋ ነቲ ንመጻኢ ዚኸውን ነገራት ኪፈልጥ ዚኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ ንዝዀነ ይኹን ናይ ሽሕርን ጥንቈላን ተግባር ከልኪሉ ነበረ።​—⁠ዘዳግም 18:10-12

ዮሴፍ በቲ ኣገልጋሊኡ ኣቢሉ ነታ ጽዋእ ብሩር ‘ምስጢር ከም ዚፈልጠላ’ እተዛረበ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ a (ዘፍጥረት 44:5) መጀመርታ: ነቲ ኸምዚ ኢሉ እተዛረበሉ ዅነታት ክንምርምሮ ኣለና።

ኣሕዋት ዮሴፍ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓያል ጥሜት: ምግቢ ንኺዕድጉ ናብ ግብጺ ኸይዶም ነበሩ። እዞም ኣሕዋቱ እዚኣቶም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ንዮሴፍ ናብ ባርነት ሸጥዎ። ሕጂ ግን ብዘ⁠ይፍላጥ ካብቲ ኣመሓዳሪ ምግቢ ግብጺ ዀይኑ ዘሎ ሓዎም ሓገዝ ደለዩ። ዮሴፍ መን ምዃኑ ኺነግሮም ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ ኪፍትኖም ወሰነ። ክሳዕ ክንደይ ከም እተነስሑ ኺፈልጥ ደለየ። ኣብ ርእሲ እዚውን ክሳዕ ክንደይ ንብንያም ሓዎምን ንያእቆብ ኣቦኦም ከም ዚፈትውዎም ኬረጋግጽ ደልዩ ነበረ። ስለዚ: ዮሴፍ ሓደ ብልሓት መሃዘ።​—⁠ዘፍጥረት 41:55-44:3

ዮሴፍ ንሓደ ኻብቶም ኣገልገልቱ: ንዓይበት ኣሕዋቱ እኽሊ ንኺመልኦን ናይ ነፍሲ ወከፎም ገንዘብ ናብ ዓይበቶም ንኺመልሰሎምን ነታ ናይ ዮሴፍ ጽዋእ ብሩር ድማ ኣብ ኣፍ ዓይበት ብንያም ንኬቐምጣ ኣዘዞ። ዮሴፍ ነዚ ዅሉ ኺገብር ከሎ: ንርእሱ ኸም ሓደ ናይ ሓንቲ ኣረማዊት ሃገር ኣመሓዳሪ ምግቢ ዀይኑ እዩ ኣቕሪብዋ ነይሩ። ከምቲ ነሕዋቱ እውን ዚመሰሎም እቲ ተግባራቱን እቲ ቛንቋኡን ልክዕ ንጠባይ ሓደ ኣመሓዳሪ እዩ ዜንጸባርቕ ነይሩ።

ብድሕርዚ: ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ብምቕራብ “ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝዀነስ ኣይትፈልጡንዶ፧” ኢሉ ብምሕታት ነቲ ምድንጋር ቀጸለሉ። (ዘፍጥረት 44:15) እታ ጽዋእ ብሩር ንምድንጋር ተባሂላ እያ ተገይራ። እምበኣር: ልክዕ ከምቲ ብንያም ነታ ጽዋእ ዘይሰረቓ: ዮሴፍ እውን ምስጢር ኣይፈልጠላን እዩ ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ዘ ሆሊ ባይብል ዊዝ ኣን ኤክስፕላናቶሪ ኤንድ ክሪቲካል ኮመንታሪ ዘርእስታ ብኤፍ. ሲ. ኩክ እተዳለወት መጽሓፍ ነቲ ብግዜ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ጥንቈላ ኽትገልጾ ኸላ: “ወርቂ: ብሩር: ወይ ዕንቊ ናብ ማይ ደርቢኻ ነቲ ኣብኡ ዚፈጥሮ ምስሊ ብምምርማር ይጥንቍሉ ነበሩ፣ ወይ ከኣ ልክዕ ኣብ መስትያት ከም እትርኢ ዄንካ ናብ ማይ ብምርኣይ እውን ይጥንቍሉ ነይሮም” ትብል። ክሪስቶፈር ዎርድስዎርዝ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ ድማ ከምዚ በለ:- “ሓድሓደ እዋን ነታ ጽዋእ ብማይ ይመልእዋ እሞ: እቲ ዝደለይዎ መልሲ በቲ ጸሓይ ኣብታ ኣብ ጽዋእ ዘሎ ማይ ዚፈጥሮ ምስሊ ኣቢሉ ይወሃብ ነበረ።”