ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”

“ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”

“ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”

“ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።” —⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8

1. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ ትንቢት መዓስን ኣበይን እዮም ሰሚዖምዎ፧

 ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከባ ቓላት የሱስ: ኣዝየን ፍሉጣት ብምዃነን መብዛሕትና ሸምዲድ​ናየን ኢና። ብሓቂ ኸመይ ዝበለ ትንቢት ኰን እየን ሒዘን ዘለዋ! እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጀመርታ ኺሰምዑወን ከለዉ እንታይ ሓሲቦም ምንባሮም እሞ ገምት። የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበን ብ33 ድ.ክ. እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ የሱስ ንሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ጸኒሖም እዮም: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ምስኡ ናብ የሩሳሌም ከዱ። ተኣምራቱ ረኣዩ: ትምህርትታቱ እውን ሰምዑ። በቲ የሱስ ዝመሃሮም ክቡር ሓቅታት እኳ እንተ ተሓጐሱ: ኵሉ ሰብ በዚ ባህ ከም ዘይብሎ ግን ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። የሱስ ሓያላትን ተሰማዕነት ዘለዎምን ጸላእቲ ነበርዎ።

2. እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ሓደጋታትን ብድሆታትን እዩ ኼጋጥሞም፧

2 ኣብ ደብረ ዘይቲ: የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞም ሓደጋታትን ብድሆታትን ኪዛረብ ከሎ: ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ምስኡ ኾፍ ኢሎም ነበሩ። ኣቐዲሙ የሱስ ከም ዚቕተል ነጊርዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 16:21) ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ንዓታቶም እውን ከቢድ ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ብንጹር ነገሮም። “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” በለ። ዘረባኡ በዚ ኣይዛዘመን። ናይ ሓሶት ነብያት ንብዙሓት ኬስሕቱ ምዃኖም ገለጸ። ገሊኦም ኪዕንቀፉን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡን ኪጸላልኡን እዮም። “ብዙሓት” ንኣምላኽን ንቓሉን ዝነበረቶም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።​—⁠ማቴዎስ 24:9-12

3. እተን ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከባ የሱስ እተዛረበን ቃላት ብሓቂ ዜስደምማ ስለምንታይ እየን፧

3 የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኵነታት ከም ዚህሉ ድሕሪ ምጥቃሱ እዩ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣገሪምዎም ኪኸውን ዚኽእል ዘረባ እተዛረበ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:14) እወ: እቲ የሱስ ኣብ እስራኤል ዝጀመሮ ዕዮ: ማለት ‘ንሓቂ ምምስካር:’ ኣብ መላእ ዓለም ኬስፋሕፍሕ ነበሮ። (ዮሃንስ 18:37) ብሓቂ ኸመይ ዝበለ ዜስደምም ትንቢት ኰን እዩ! ነዚ ዕዮ እዚ ናብ “ኵሎም ኣህዛብ” ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ፣ ነዚ ዕዮ እዚ ‘ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉእ’ ከለኻ ምፍጻሙ ኸኣ ተኣምር ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ። እዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ፍጻሜኡ ምርካቡ: ንልዕልናን ሓይልን የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ንፍቕሩን ምሕረቱን ትዕግስቱን እውን ዜጕልሕ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ: ነገልገልቱ እምነቶምን ተወፋይነቶምን ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ዚህብ እዩ።

4. ነቲ ዕዮ ምስክርነት ኪፍጽሙ እተነግሮም መን እዮም፧ የሱስ እንታይ ብምባል እዩ ዘጸናንዖም፧

4 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ኸም እተዋህቦም ብንጹር እዩ ገሊጹሎም። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: ተራእዮም: “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ድማ በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ልክዕ እዩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኻልኦት እውን ኪሓብርዎም ነበሮም። ኰይኑ ግን: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሒደት እዮም ነይሮም። እቲ ናይ ኣምላኽ ሓያል መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ንኺፍጽሙ ኸም ዜሐይሎም ምፍላጦምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸናኒዕዎም ኰን ኪኸውን ኣለዎ!

5. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ዕዮ ምስክርነት እንታይ እዮም ዘይፈልጡ ነይሮም፧

5 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብስራት ኪሰብኩን ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን’ ከም ዘለዎም ፈሊጦም ነበሩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እንተዀነ ግን: እቲ ምስክርነት ክሳዕ ክንደይ ብእተማልአ መገዲ ኸም ዚወሃብ ኣይፈለጡን ነይሮም: መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእውን ኣይፈለጡን። ንሕናውን ኣይንፈልጥን ኢና። እዚ ነገራት እዚ የሆዋ ጥራይ እዩ ዚውስኖ። (ማቴዎስ 24:36) እቲ ምስክርነት ንየሆዋ ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተዋህበ: ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኼጥፍኦ እዩ። ክርስትያናት ኣብቲ ግዜ እቲ ጥራይ እዮም እቲ ምስክርነት ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝዓለሞ ኸም እተዋህበ ኺፈልጡ ዚኽእሉ። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ንስፍሓት እቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እተዋህበ ምስክርነት ኪግምትዎ እውን ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተዋህበ ምስክርነት

6. ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ኰነ፧ ደድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን: እቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ዜስደምም ፍረ እዩ ኣፍርዩ። ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ ነበሩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕ​ሊኦም ፈሰሰ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ትርጕም እቲ ተኣምር እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ዜነቓቕሕ መደረ ኣቕረበ: ኣስታት 3,000 ከኣ ኣመንቲ ዀይኖም ተጠምቁ። እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ ነይሩ። መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ስብከት እቲ ብስራት ደው ንምባል ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ: የሆዋ “ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።” ነዊሕ ከይጸንሑ: “ቍጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ።” ድሕሪኡውን “ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚአምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 8, 14, 41, 47፣ 4:4፣ 5:14

7. ቆርኔሌዎስ ክርስትና ምቕባሉ ኣገዳሲ ፍጻመ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ብ36 ድ.ክ. ኣገዳሲ ፍጻመ ኣጋጠመ: እዚ ኸኣ እቲ ቆርኔሌዎስ ዚበሃል ካብ ወገን ኣህዛብ ዝዀነ ክርስትያን ኰይኑ ብምጥማቑ እዩ። የሆዋ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ናብዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ኪመርሖ ኸሎ: እቲ ኻብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር’ እተዋህበ ትእዛዝ: ኣብቶም ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዝነበሩ ኣይሁድ ጥራይ ተሓጺሩ ኸም ዘይተርፍ ሓበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:44, 45) እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ብዛዕባ እዚ ኸመይ ተሰምዖም፧ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን እቲ ብስራት: ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ እውን ኪንገር ከም ዘለዎ ምስ ፈለጡ: ንኣምላኽ ኣመስገኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:1, 18) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እቲ ብስራት ኣብ ኣይሁድ ፍረ ኣፍረየ። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት: ምናልባት ብ58 ድ.ክ. ኣቢሉ ይኸውን: ብዘ⁠ይካ እቶም ካብ ኣህዛብ ኣመንቲ ዝዀኑ ዘበሉ: ‘ካብ ኣይሁድ ኣእላፋት ኣመኑ።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 21:20

8. እቲ ብስራት ንውልቀ⁠-​ሰባት ዚጸልዎም ብኸመይ እዩ፧

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ቍጽሮም ምውሳኹ ዜደንቕ እኳ እንተዀነ: እዚ ቝጽሪ እዚ ንናይ ብሓቂ ሰባት ከም ዚውክል ግን ክንርስዕ የብልናን። እቲ ዝሰምዕዎ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል እዩ ነይሩ። (እብራውያን 4:12) ነቶም እተቐበልዎ ህይወቶም ኣጸቢቑ እዩ ቐዪርዎ። ብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ንጹህ ናብራ ኺነብሩ ጀመሩ: ሓድሽ ሰብ ለበሱ: ምስ ኣምላኽ ድማ ተዓረቑ። (ኤፌሶን 4:22, 23) ሎሚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እቶም ነቲ ብስራት ዚቕበሉ: ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ ኣለዎም።​—⁠ዮሃንስ 3:16

መዓይይቲ ኣምላኽ

9. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ክብርን ሓላፍነትን እዩ ነይርዎም፧

9 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: እቲ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ሳላኦም ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይተዛረቡን። ከም ኣገልገልቲ መጠን ዚፍጽምዎ ዕዮ “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ” ከም ዚድገፍ ይፈልጡ ነበሩ። (ሮሜ 15:​13, 19) መንፈሳዊ ዕቤት ኪረኽቡ ዝኸኣሉ ሳላ የሆዋ እዮም። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም “መዓይይቲ ኣምላኽ” ናይ ምዃን ክብርን ሓላፍነትን ከም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 3:6-9) ስለዚ: ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ብምስምማዕ: ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ተጋዲሎም እዮም።​—⁠ሉቃስ 13:24

10. ቀዳሞት ክርስትያናት ንዅሎም ኣህዛብ ምስክርነት ንምሃብ እንታይ ጻዕርታት እዮም ገይሮም፧

10 ጳውሎስ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ስለ ዝነበረ: ብምድርን ብባሕርን በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ብምጕዓዝ: ኣብተን ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበራ እስያን ግሪኽን ሓያሎ ጉባኤታት ኣቘመ። (ሮሜ 11:13) ናብ ሮሜ: ምናልባትውን ናብ ስጳኛ ተጓዒዙ እዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቲ ‘ኣብ ግዙራት ወንጌል ምሕጽንታ እተዋህቦ’ ሃዋርያ ጴጥሮስ: ናብታ ኣብቲ ግዜ ኣገዳሲት ማእከል ኣይሁድነት ዝነበረት ባቢሎን ኬገልግል ከደ። (ገላትያ 2:7-9፣ 1 ጴጥሮስ 5:13) ካብቶም ኣብ ዕዮ ጐይታ ዝጸዓሩ ብዙሓት ካልኦት: ከም እኒ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ዚበሃላ ኣንስቲ ይርከባኦም እየን። ጰርሲስ እትበሃል ካልእ ሰበይቲ እውን “ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐረት” ተባሂሉላ ኣሎ።​—⁠ሮሜ 16:12

11. የሆዋ ንጻዕርታት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ንጻዕርታት እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ዓየይትን ካልኦት ቀናኣት ዓየይትን ኣብዚሑ ባሪኽዎ እዩ። የሱስ ንዅሎም ኣህዛብ ምስክርነት ኪወሃብ ምዃኑ ኻብ ዚንበ 30 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ጳውሎስ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 1:23) ኣብቲ ግዜ እቲ መወዳእታ መጺኡዶ፧ ብእተወሰነ መዳይ: እወ መጺኡ እዩ። ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ምስ ደምሰስዋ: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣገባብ ኣይሁድ መወዳእታ መጺኡ እዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ሰይጣን ቅድሚ ምጥፋኡ: ዝሰፍሐ ምስክርነት ኪወሃብ ወሰነ።

ሎሚ ዚወሃብ ዘሎ ምስክርነት

12. እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንምስባኽ እተዋህበ ትእዛዝ ብኸመይ ይርድእዎ ነበሩ፧

12 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን: ክሕደት ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምስሳኑ: ንጹህ ኣምልኾ ኸም ብሓድሽ ቈመ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እተዋህቦም ትእዛዝ ኣጸቢቖም ተረዲኦምዎ ነይሮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብ1914 ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ዚሳተፉ ኣስታት 5,100 ሰባት ነይሮም: እቲ ብስራት ከኣ ናብ 68 ሃገራት ዚኸውን በጺሑ ነበረ። ይኹን እምበር: እዞም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገዳስነት ማቴዎስ 24:14 ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን እቲ ብስራት ወይ ወንጌል ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ: ብማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ተተርጒሙን ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑን ነይሩ። ስለዚ: ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተወሰነ ዓመታት እቲ ምስክርነት ንዅሎም ኣህዛብ ድሮ ኸም እተዋህበ ይሓስቡ ነበሩ።

13, 14. ብ1928 ኣብ ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ እንታይ ዝነጸረ ምርዳእ እዩ ወጺኡ፧

13 ቀስ ብቐስ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ፍቓዱን ዕላማኡን ዝነጸረ ምርዳእ ሃቦም። (ምሳሌ 4:18) ናይ 1 ታሕሳስ 1928 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል:- “መጽሓፍ ቅዱስ ምዝርጋሑ ነቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ስብከት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺምዎ ኽንብል ንኽእል ዲና፧ ኣይፋልን! መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ዝርጋሐ ብዘየግድስ: እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት ጕጅለ መሰኻኽር ኣምላኽ ብዛዕባ [ዕላማ] ኣምላኽ ዚገልጽ ጽሑፋት ኪሓትሙን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሰባት ናብ ኣባይቶም ከይዶም ኪበጽሕዎምን ኣለዎም። እንተ ዘይኰይኑ ግን: እቶም ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ ምቛም መሲሓዊት መንግስቲ ኣይኪፈልጡን እዮም።”

14 እታ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እቲኣ ብተወሳኺ ኸምዚ በለት:- “ብ1920 . . . ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዘሎ ትንቢት ጐይታ ቕኑዕ ምርዳእ ረኺቦም እዮም። ድሕሪኡ እዚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ዚስበኽ ‘ወንጌል:’ ብሕጂ ዚመጽእ ወንጌል መንግስቲ ዘይኰነስ: እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንግስናኡ ኸም ዝጀመረ ዚገልጽ ወንጌል ምዃኑ ኣስተውዓሉ።”

15. ካብ 1920ታት ኣትሒዙ እቲ ዕዮ ምስክርነት ብኸመይ ሰፍሐ፧

15 እቶም ብ1920ታት ዝነበሩ “ሒደት ጕጅለ መሰኻኽር:” ሒደት ኰይኖም ኣይቀጸሉን። ኣብቲ ቐጺሉ ዝመጸ ዓመታት: ክፍሊ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” መንነቶም ተፈልጡ: ኪእከቡ ድማ ተጀመሩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9) ሎሚ: ኣብ 235 ሃገራት: 6,613,829 ዝዀኑ ኣወጅቲ እቲ ብስራት ኣለዉ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ፍጻመ ትንቢት ኰን እዩ! “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ኸም ሎሚ ገይሩ ብሰፊሕ ተሰቢኹ ኣይፈልጥን። ከምዚ ኣብዚ ግዜ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ኣብ ምድሪ ተራእዮም ኣይፈልጡን።

16. ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ኣብ ገጽ 27-30 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።)

16 እዞም ብዙሓት ጭፍራ መሰኻኽር ኣብ ናይ 2005 ዓመት ኣገልግሎት ብዕዮ ትሑዛት እዮም ነይሮም። ነቲ ብስራት ኣብ 235 ሃገራት ንምስባኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ብሚልዮናት ዚቝጸር ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገይሩ: ብሚልዮናት ዚቝጸር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሪሑ። እዚ ዕዮ እዚ በቶም ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ንኼካፍሉ ኢሎም ግዜኦምን ዘለዎም ኵሉን ብናጻ ዚውፍዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ተፈጺሙ። (ማቴዎስ 10:8) የሆዋ ነገልገልቱ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ፍቓዱ ንኺፍጽሙ ሓይሊ ይህቦም ኣሎ።​—⁠ዘካርያስ 4:6

ምስክርነት ንምሃብ እተገብረ ጻዕሪ

17. ህዝቢ የሆዋ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስብከት እቲ ብስራት እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ይዓዩሉ ኣለዉ፧

17 የሱስ እቲ ብስራት ከም ዚስበኽ ካብ ዚዛረብ ዳርጋ 2,000 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዕዮ ዘለዎም ቅንኣት ኣይነከየን። ጸኒዕና ሰናይ ምስ እንገብር: ከም ፍቕርን ምሕረትን ትዕግስትን ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ኸም እነንጸባርቕ ንፈልጥ ኢና። ንሕናውን ከምኡ ሰባት ኪንስሑን ምስ የሆዋ ኺዕረቑን ደኣ እምበር: ኪጠፍኡ ኣይንፈቱን ኢና። (2 ቈረንቶስ 5:18-20፣ 2 ጴጥሮስ 3:9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈስ ስለ እተቓጸሉ: ነቲ ብስራት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብቕንኣት ካብ ምስባኽ ኣየቋርጹን እዮም። (ሮሜ 12:11) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ሰባት ነታ ሓቂ ይቕበሉን ምስቲ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ተሰማሚዖም ይመላለሱን ኣለዉ። እተወሰኑ ኣብነታት እስከ ንርአ።

18, 19. ነቲ ብስራት ብዛዕባ እተቐበሉ ሰባት ዚገልጽ እንታይ ተመክሮታት ከተዘንቱ ትኽእል፧

18 ቻርለስ ኣብ ኬንያ ዚነብር ሓረስታይ እዩ። ብ1998 ልዕሊ 8,000 ኪሎ ግራም ትምባኾ ብምሻጡ: ብሉጽ ሓረስታይ ትምባኾ ተባሂሉ ወረቐት ምስክር ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ትምባኾ ምፍራይ ዚሳተፍ ሰብ: ነቲ የሱስ ንብጻይካ ብዛዕባ ምፍቃር ዝሃቦ ትእዛዝ ከም ዚጥሕስ ተረድኦ። (ማቴዎስ 22:39) እቲ ‘ብሉጽ ሓረስታይ ትምባኾ’ ኸም ሓቂ ‘ብሉጽ ቀታሊ’ ምንባሩ ምስ ፈለጠ: ነቲ ኣትክልቲ ትምባኾ መርዚ ነጸገሉ። ዕቤት ብምግባር ርእሱ ወፈየን ተጠምቀን: ሕጂ ኸኣ ስርዓታዊ ፓይነርን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

19 የሆዋ በቲ ዚወሃብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ኣቢሉ ነህዛብ የነቓንቖም ከም ዘሎ: እቶም ክቡር ነገር ድማ ይመጹ ኸም ዘለዉ ኣየጠራጥርን እዩ። (ሃጌ 2:7) ኣብ ፖርቱጋል ዚነብር ፔድሮ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ናብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። ሸቶኡ ሚስዮናዊ ዀይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣትኵሮ ስለ ዘይወሃቦ ኻብቲ ቤት ትምህርቲ ወጸ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዝበን ሳይኮሎጂ ኼጽንዕ ጀመረ። ሽዑ ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሓትኖኡ ይነብር ነበረ: ንሳውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ኣተባብዓቶ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ከም ዘሎ ይጠራጠር ነበረ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ወይ ኪገድፎ እውን ኪውስን ኣይከኣለን። ብዛዕባ ላንግላንጋ ምዃን ምስ ናይ ሳይኮሎጂ ፕሮፌሰሩ ተዘራረበ። እቲ ፕሮፌሰር: ብመሰረት ሳይኮሎጅያዊ መጽናዕቲ: እቶም ውሳነታት ኪገብሩ ዘይክእሉ ሰባት ገዛእ ርእሶም ናይ ምጕዳእ ባህሪ ኸም ዚሓድሮም ነገሮ። ስለዚ: ፔድሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ወሰነ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ተጠመቐ: ሕጂ ንሱ ንኻልኦት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሎም ኣሎ።

20. ብኣዝዩ ሰፊሕ መገዲ ነህዛብ ምስክርነት ይወሃብ ምህላዉ ዜሐጕሰና ስለምንታይ እዩ፧

20 እቲ ምስክርነት ነህዛብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚወሃብ ኣይንፈልጥን ኢና: መወዳእታ እትመጸላ መዓልትን ሰዓትን እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ቀረባ ምዃና ጥራይ ኢና እንፈልጥ። በዚ ኣዝዩ ሰፊሕ መገዲ: እቲ ብስራት ይስበኽ ምህላዉ: ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት እትትክኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ምልክታት ምዃኑ የሐጕሰና እዩ። (ዳንኤል 2:44) ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክትሓልፍ ከላ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ብስራት ንኪቕበሉ: ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ ክብሪ ንኺህቡ ኣጋጣሚ እዩ ዚወሃቦም ዘሎ። እምበኣር: ኣብቲ ነህዛብ ዚወሃብ ዕዮ ምስክርነት ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና እሙናት ኴንካ ንኽንቅጽል ቈራጽነት ንግበር። ከምዚ እንተ ጌርና: ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ኢና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:16

ትዝክሮዶ፧

ማቴዎስ 24:14 እተደንቕ ትንቢት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

• እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንምስባኽ እንታይ ጻዕርታት ገበሩ፧ እንታይ ፍረኸ ረኸቡ፧

• እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ኣህዛብ ምስባኽ ኣድላዪ ምዃኑ እተረድኡ ብኸመይ እዮም፧

• ነቲ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝፈጸምዎ ንጥፈታት ክትርኢ ኸለኻ እንታይ እዩ መሲጡካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27-30 ዘሎ ሰሌዳ]

2005 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ነቲ ብስራት ንምስባኽ: ብባሕርን ብምድርን በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ተጓዕዘ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንጴጥሮስ: ንቆርኔሌዎስን ንስድራ​ቤቱን ኪምስክረሎም መርሖ