ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስኻኸ ኸም ገረብ ላጋኒ ኣውና ዲኻ፧

ንስኻኸ ኸም ገረብ ላጋኒ ኣውና ዲኻ፧

ንስኻኸ ኸም ገረብ ላጋኒ ኣውና ዲኻ፧

ኣብታ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሞርስባይ: ኣብ ሓንቲ ገጠር ዚነብሩ ኽልተ ኣገልገልቲ ኻብ ዕዮ ስብከት ናብ ገዛኦም ይምለሱ ነበሩ። ሓቢሮም እናተጓዕዙ ኸለው ድማ ሓደ ምልኩዕ ገረብ ረኣዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ “ኣሃ! ላጋኒ ኣውና” በለ። ናብቲ ኻብኡ ዚንእስ ሰብኣይ ግልጽ ኢሉ “ትርጕም እዚ ስም እዚ ‘ዓመታዊ ገረብ’ ማለት እዩ። ከምቶም ኣብ ትሮፒክ ዘለዉ ኻልኦት ኣግራብ ዘይኰነስ: ኣብ ዓዓመት ኣቝጽልቱ ረጊፉ ዝሞተ እዩ ዚመስል። ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ ግን ከም ብሓድሽ ይጭብጭብ: ዓምቢቡ ድማ እቲ ጽቡቕ መልክዑ ኺርአ ይጅምር” በሎ።

ካብዚ ላጋኒ ኣውና ወይ ድማ ሮያል ፎይንሲያና ተባሂሉ ዚጽዋዕ ገረብ ሓደ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ምሁራት ከም ዚብልዎ: እዚ ገረብ እዚ ኻብ መንጎ እቶም ሓሙሽተ ዕምባባ ዜብቍሉ ምልኩዓት ኣግራብ ሓደ እዩ። ዋላኳ ኣብ እዋን ሓጋይ እቲ ዝነበሮ ዕምባባን ኣቝጽልቱን እንተ ረገፈ: ዚኣኽሎ ማይ ኣዕቚሩ እዩ ግን ዚጸንሕ። ሰራውሩ ኣዝዩ ድልዱል ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ዙርያ ኣኻውሕ ክሳብ ውሽጢ ኣዕሚቑ ሱር ይሰድድ። በዚ ኸምዚ ድማ ሓያል ንፋስ ኪምክት ይኽእል። ብሓጺሩ: ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ዚከኣሎ ዅሉ ብምግባር እዩ ዚዕወት።

ንሕናውን ንእምነትና ዚፍትን ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኽንጸንዕ ደኣ እሞ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ልክዕ ከም ላጋኒ ኣውና: ነቲ ህይወት ዚህብ ማይ ቃል ኣምላኽ ክንሰትዮን ካብኡ ኽንዓቍርን ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ምስቲ ‘ኸውሕና’ ዝዀነ የሆዋን ምስታ ማሕበሩን ክንጠብቕ ይግብኣና። (2 ሳሙኤል 22:3) ብሓቂ: ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድላዋት እንተደኣ ተጠቒምናሉ: ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት እውን ይኹን መንፈሳዊ ብርታዐናን ጽባቐናን ክንዕቅብ ከም እንኽእል እዚ ላጋኒ ኣውና ዚበሃል ገረብ ጽቡቕ መዘኻኸሪ እዩ። ከምዚ ብምግባርና ‘ነታ ተስፋ ኽንወርሳ’ ኢና: እዚ ድማ ነቲ ንዘለኣለም ምንባር ዚብል መብጽዓ ዜጠቓልል እዩ።​—⁠እብራውያን 6:12፣ ራእይ 21:4