ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ

ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ

ንትዕግስቲ የሆዋ ቕድሓዮ

“ጐይታስ: . . . ይዕገስ አሎ እምበር: . . . ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” ​—⁠2 ጴጥሮስ 3:9

1. የሆዋ ንሰባት እንታይ መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህበት እዩ ኣቕሪቡሎም፧

 የሆዋ ዋላ ሓደ ኬቕርበልና ዘይክእል ነገራት ኣቕሪቡልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ መሳጥን ክቡርን ነገር እኳ እንተዀነ: ኪዕደግ ኰነ ብጻዕሪ ኺርከብ ዚከኣል ኣይኰነን። እቲ ኣቕሪቡልና ዘሎ ነገር ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ፣ እዚ ድማ ንመብዛሕትና ኣብ ገነታዊት ምድሪ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ንምርካብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (ዮሃንስ 3:16) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እቲ ብዙሕ ጓሂ ዜምጽእ: ናዕቢ: ዓመጻ: ድኽነት: ገበን: ሕማም: ከምኡውን ሞት ኪተርፍ ማለት እዩ። ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ፍጹም ሰላምን ሓድነትን ረኺቦም ኪነብሩ እዮም። ነታ ገነት እቲኣስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሃረር ኢልና እንጽበያ!​—⁠ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ራእይ 21:4, 5

2. የሆዋ ነቲ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ክሳዕ ሕጂ ዘየወገዶ ስለምንታይ እዩ፧

2 የሆዋ እውን ነቲ ገነት ኣብ ምድሪ ዜቝመሉ እዋን ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበዮ። ከመይሲ: ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ እዩ። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ግዲ ዘይብላ ወይ እትጸልእ ዓለም ከምኡውን ንስልጣኑ እትንዕቕን ንህዝቡ እትሃስን ዓለም ኪርኢ ኣይደልን እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ክሳዕ ሕጂ ዘየወገደሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣለዎ። እዚ ምኽንያታት እዚ ምስ ንልዑላውነቱ ዚምልከት ስነ⁠-​ምግባራዊ ጕዳያት እተተሓሓዘ እዩ። የሆዋ ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ዚፈትሓሉ መገዲ: ሓንቲ ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ሰባት እትጐድሎም መሳጢት ባህሪ ተጠቒሙ እዩ። እዚኣ ኸኣ ትዕግስቲ እያ።

3. (ሀ) እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ትዕግስቲ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ ግሪኽን እብራይስጥን ቃላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ግዜ “ትዕግስቲ” ተባሂላ እተተርጐመት ሓንቲ ናይ ግሪኽ ቃል ኣላ። እዛ ቓል እዚኣ ቓል ብቓሉ “ነዊሕ ዚጸንሕ መንፈስ” ዚብል ትርጕም ስለ ዘለዋ ብተደጋጋሚ “ዓቕሊ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። እተን “ትዕግስቲ” ዚብል ትርጕም ዘለወን ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት: ተጻዋርነትን ንዅራ ደንጓዪ ምዃንን ዚብል ሓሳብ ዝሓቘፋ እየን። ትዕግስቲ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ ካብቲ የሆዋ ዀነ እሙናት ኣገልገልቱ ዜርእይዎ ትዕግስትን ምጽማምን እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚርከብ፧ ትዕግስቲ የሆዋ ገደብ ዘይብሉ ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ንትዕግስቲ የሆዋ ንርአ

4. ብዛዕባ ትዕግስቲ የሆዋ: ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ኢሉ ጸሓፈ፧

4 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ትዕግስቲ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት: ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ: እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:8, 9) ትዕግስቲ የሆዋ ንኺርድኣና ዚሕግዝ ኣብዚ ዘሎ ኽልተ ነጥብታት ኣስተብህለሉ።

5. የሆዋ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ንስጕምቱ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

5 እቲ ቐዳማይ ነጥቢ: የሆዋ ንግዜ በዚ ናትና ኣረኣእያ ዘይርእዮ ምዃኑ እዩ። ንዘለኣለም ንዚነብር ኣምላኽ: ሽሕ ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ እያ። ብግዜ ኣይቅየድን ወይ ጸቕጢ ኣይወርዶን እዩ። እንተዀነ ግን: ስጕምቲ ንምውሳድ ኣይድንጕን እዩ። የሆዋ ደረት ዘይብሉ ጥበብ ስለ ዘለዎ: ንዅላትና ዚጠቅም ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ብልክዕ መዓስ ምዃኑ ይፈልጥ: እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ ብትዕግስቲ ይጽበ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ባሮቱ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ዘሎ እዋን ዜጋጥሞም መከራ ኣይስምዖን እዩ ኢልና ኽንድምድም የብልናን። “ርሕሩሕ ምሕረት” ዜንጸባርቕ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። (ሉቃስ 1:78፣ 1 ዮሃንስ 4:8) እቲ እዚ ንግዜኡ እተፈቕደ መከራ ዜስዕቦ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ኬወግዶ ይኽእል እዩ።​—⁠መዝሙር 37:10

6. ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

6 ልክዕ እዩ: ንእትብህጎ ነገር ምጽባይ ቀሊል ኣይኰነን። (ምሳሌ 13:12) ስለዚ: ገሊኦም ሰባት እተመባጽዕዎ ቐልጢፎም ምስ ዘይፍጽምዎ: ንዓታቶም ዚዕዘብዎም ዘበሉ ነቲ መብጽዓታቶም ኪፍጽምዎ ኸም ዘይደልዩ ይድምድሙ ይዀኑ። ኣምላኽ ከምዚኣቶም እዩ ኢልና ምሕሳብ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዕሽነት ዚኸውን! ትዕግስቲ የሆዋ ኸም ምድንጓይ ጌርና እንተ ወሲድናዮ: ምስ ግዜ ብቐሊሉ ምጥርጣርን ተስፋ ምቝራጽን ኪሓድረና ይኽእል እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ድማ ክንብዕዝዝ ንኽእል። ካብዚ ዝገደደ ኸኣ: እቶም ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ኣብ መጠንቀቕታኡ ዝጠቐሶም እምነት ዘይብሎም መላገጽቲ ኼስሕቱና ይኽእሉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብምሕጫጭ “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ እዮም።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:4

7. ትዕግስቲ የሆዋ ምስቲ ሰባት ንኺንስሑ ዘለዎ ባህጊ ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧

7 ካብቲ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ቓላት እንረኽቦ ኻልኣይ ነጥቢ: የሆዋ ትዕግስቲ ዝገበረሉ ምኽንያት ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ኢሉ ምዃኑ እዩ። እቶም ካብቲ ኽፉእ መገዶም ምምላስ ዚኣብዩ ሰባት: ብኢድ የሆዋ ኺጠፍኡ እዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ብሞት እኩይ ሰብ ኣይሕጐስን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ሰባት ተነሲሖም ካብ ክፉእ መገዶም ኪምለሱን ብህይወት ኪነብሩን ከለዉ እዩ ባህ ዚብሎ። (ህዝቅኤል 33:11) በዚ ምኽንያት እዚ: ይዕገስ ኣሎ: ሰባት ብህይወት ንኺነብሩ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ ኸኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ነቲ ብስራት ከም ዚእወጅ ይገብር ኣሎ።

8. ትዕግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዘለዎ ርክብ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧

8 ትዕግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ እውን ተራእዩ እዩ። ንሓያሎ ዘመናት ነቲ ዘይምእዛዞም ተጻዊርዎ እዩ። ብተደጋጋሚ ብነብያት ኣቢሉ: “ካብ ክፉእ መገድኹም ተመለሱ: ከምቲ ነቦታትኩም ዝአዘዝክዎም: ብባሮተይ ነብያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ሕጊ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ሐልዉ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ እቲ ዜሕዝን እቶም ህዝቢ “ኣይሰምዑን።”​—⁠2 ነገስት 17:13, 14

9. ትዕግስቲ የሱስ ንትዕግስቲ ኣቦኡ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንወዱ ለኣኸሎም፣ ወዱ ድማ ንኣይሁድ ምስ ኣምላኽ ንኺዕረቑ ኸይተሓለለ ተማሕጸኖም። ትዕግስቲ የሱስ ንትዕግስቲ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። የሱስ ከም ዚመውት ኣጸቢቑ ኣብ ዚፈልጠሉ ዝነበረ እዋን: “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም” ኢሉ ኣልቀሰ። (ማቴዎስ 23:37) እዚ ኸብድኻ ዚበልዕ ቃላት: ካብ ንሰባት ዚዕገሶም ፈቃር ፈታዊ ዚርከብ ደኣ እምበር: ካብ ንኪቐጽዕ ዚህንጠ ሕሱም ዳኛ ዚምንጭ ኣይኰነን። የሱስ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡ: ሰባት ኪንስሑን ካብቲ ኸቢድ ፍርዲ ኼምልጡን እዩ ደልዩ። ገሊኦም ነቲ መጠንቀቕታኡ ተቐበልዎ: ካብቲ ብ70 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ዜስካሕክሕ ፍርዲ ድማ ኣምለጡ።​—⁠ሉቃስ 21:20-22

10. ትዕግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

10 ትዕግስቲ ኣምላኽ ዜስደምምዶ ኸይኰነ፧ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ዘይእዙዛት ይኹኑ ብዘየግድስ: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ኸምኡውን ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ንዕኡ ንኽንፈልጦን ተስፋ ድሕነት ንኽንቅበልን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:15) ትዕግስቲ የሆዋ ንኽንድሕን መገዲ ምኽፋቱስ ኣይነመስግነሉን ዲና፧ ንየሆዋ መዓልታዊ ኸነገልግሎ ኸለና: ወትሩ ኺዕገሰና ደይኰንናን እንጽሊ፧​—⁠ማቴዎስ 6:12

11. ትዕግስቲ የሆዋ ምርዳእና እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧

11 የሆዋ ዕጉስ ዝዀነሉ ምኽንያት ምስ ተረድኣና: መብጽዓኡ ንምፍጻም ከም ዚድንጒ ኣብ ክንዲ እንድምድም: ነቲ ዜምጽኦ ድሕነት ብትዕግስቲ ንኽንጽበ ሓገዝ ንረክብ ኢና። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:26) መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ እናጸለና: የሆዋ ንጸሎትና ዚምልሰሉ ዝበለጸ ግዜ ኸም ዚፈልጥ ንተኣማመን ኢና። ብተወሳኺውን: ኣብቲ ምስ ኣሕዋትናን ምስ እንሰብከሎም ሰባትን ዘሎና ርክብ: ከም ናይ የሆዋ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ብምንጽብራቕ ንኽንመስሎ ንድረኽ ኢና። ንሕናውን ኵላቶም ኪንስሑን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎምን ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይንፈቱን።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4

ትዕግስቲ ነብያት ንርአ

12, 13. ነብዪ ኢሳይያስ ምስ ያእቆብ 5:10 ብምስምማዕ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ትዕግስቲ የሆዋ ብምምርማርና: ነታ ባህሪ እቲኣ ንኸነማስወላን ንኸነማዕብላን ሓገዝ ረኺብና ኢና። ዘይፍጹማት ሰባት ትዕግስቲ ኼማዕብሉ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ኪግበር ግን ይከኣል እዩ። ካብ ጥንታዎት ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:10) እቲ ዜጋጥመና ጸገማት: ካልኦት ብዓወት ከም ዝሰገርዎ ምፍላጥና ዜጸናንዕን ዜተባብዕን እዩ።

13 ንኣብነት: ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዕዮኡ ብርግጽ ትዕግስቲ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። የሆዋ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኺነግሮ ኸሎ: ትዕግስቲ ኸም ዜድልዮ እዩ ዚሕብር ነይሩ:- “ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ: ምስማዕሲ ስምዑ: ግናኸ ኣይተስተውዕሉ: ምርኣይሲ ርአዩ: ግናኸ ኣይተለልዩ: ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ: በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ: ብልቦምውን ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ: ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ: ነእዛኖም ኣጽምመን: ነዒንቶምውን ዐምተን።” (ኢሳይያስ 6:9, 10) እቲ ህዝቢ ዘይሰምዕ እኳ እንተ ነበረ: ኢሳይያስ ግን ካብ 46 ንዘይውሕድ ዓመታት መጠንቀቕታ የሆዋ ኣወጀ። ብተመሳሳሊ: ብዙሓት እኳ ነቲ ብስራት እንተ ዘይተቐበልዎ: ትዕግስቲ ግን ኣብቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ንኽንጸንዕ ይሕግዘና።

14, 15. ኤርምያስ ንሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ንኺዋጽኣሉ እንታይ ሓገዝ ረኸበ፧

14 ልክዕ እዩ: ነብያት ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ: ንመልእኽቶም ዘይቅበሉ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ: ክፉእ ዚገብርዎም እውን ነይሮም እዮም። ኤርምያስ ኣብ ጕንዲ ተኣሲሩ: ኣብ “ቤት ማእሰርቲ” ተዳጒኑ: ኣብ ዔላ ድማ ተደርብዩ እዩ። (ኤርምያስ 20:2፣ 37:15፣ 38:6) እቶም ኪሕግዞም ዚደሊ ዝነበረ ሰባት ከኣ እዮም ከምዚ ዝገበርዎ። ኰይኑ ግን: ኤርምያስ ኣይተመረረን: ሕነውን ኣይፈደየን። የግዳስ: ንነዊሕ ዓመታት ብትዕግስቲ ተጸመመ።

15 መስጐጕትን ላግጽን ንኤርምያስ ስቕ ኣየበሎን: ንዓናውን ስቕ ኣይኬብለናን እዩ። ሓድሓደ ግዜ ተስፋ እንቘርጸሉ ግዜ ኸም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኤርምያስ እውን ከምኡ ተሰሚዕዎ እዩ። “ቃል እግዚኣብሄር መዓልቲ ብመልኣ ንጸርፍን መላገጽን ኰይኑኒ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። “ኣይክዝክሮን: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ: . . . በልኩ” ኸኣ በለ። ድሕሪኡ ግን እንታይ ኰነ፧ ኤርምያስ ስብከቱ ደው ኣቢሉ ድዩ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ: ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ: ግናኸ ኣይኰነለይን” በለ። (ኤርምያስ 20:8, 9) ኣብ ላግጺ ሰባት ምስ ኣተኰረ: ሓጐሱ ኸም ዘጥፍአ ኣስተብህል። ኣብ ጽባቐን ኣገዳስነትን እቲ መልእኽቲ ምስ ኣተኰረ ግን: ከም ብሓድሽ ተሓጐሰ። ብዘ⁠ይካዚውን: የሆዋ “ከም ሓያል ጅግና” ምስ ኤርምያስ ስለ ዝነበረ: ቃል ኣምላኽ ብቕንኣትን ብትብዓትን ንኺእውጅ የበርትዖ ነይሩ እዩ።​—⁠ኤርምያስ 20:11

16. ካብ ዕዮ ስብከት እቲ ብስራት ወትሩ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ነብዪ ኤርምያስ ካብ ዕዮኡ ሓጐስ ረኺቡዶ፧ ብርግጽ ረኺቡ እዩ! ንሱ ንየሆዋ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት: ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ: ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” በሎ። (ኤርምያስ 15:16) ኤርምያስ ተወካሊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምዃንን ቃሉ ብምስባኽን ዝነበሮ ኽብሪ የሐጕሶ ነበረ። ንሕናውን ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉን ኪንስሑን ናብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመጹን ከለዉ: ንሕናውን ከም መላእኽቲ ሰማይ ንሕጐስ ኢና።​—⁠ሉቃስ 15:10

“ትዕግስቲ እዮብ”

17, 18. እዮብ ብኸመይ እዩ እተዓገሰ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

17 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ጥንታዎት ነብያት ሓሳብ ድሕሪ ምሃቡ: “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:11) እታ ኣብዚ “ትዕግስቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል: ካብታ ኣብ ቍጽሪ 10 ዘላ “ትዕግስቲ” እተፈልየት እያ። ሓደ ምሁር ኣብ መንጎ እተን ክልተ ቓላት ዘሎ ፍልልይ ኬጕልሕ ከሎ: “እታ ቐዳመይቲ ሰባት ኪሃስዩና ኸለዉ እነርእዮ ትዕግስቲ ኸተመልክት ከላ: እታ ዳሕረወይቲ ግን ኣብ ትሕቲ ዜጨንቐና ነገራት ብትብዓት ምጽናዕ ተመልክት” ኢሉ ጸሓፈ።

18 እዮብ ብዙሕ ጭንቂ እዩ ኣጋጢምዎ። ጥሪቱ ጠፍአ: ደቁ ሃለቑ: ዜሳቒ ሕማም እውን ነበሮ። የሆዋ ይቐጽዓካ ኣሎ ምስ ዚብል ናይ ሓሶት ክስታት እውን ተቓሊሱ እዩ። እዮብ ንመከራኡ ገሊጽዎ እዩ፣ በቲ ዅነታቱ ኣስቈርቊሩ: ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ ከም ዝዀነ ዜምስል ዘረባ እውን ተዛሪቡ እዩ። (እዮብ 35:2) ይኹን እምበር: እምነቱ ኣየጥፍአን: ንጽህናኡ እውን ኣየበላሸወን። ከምቲ ሰይጣን ዝበሎ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ኣይከሓደን። (እዮብ 1:11, 21) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ የሆዋ “ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ።” (እዮብ 42:12) የሆዋ ንእዮብ ካብ ሕማሙ ኣጥዓዮ: ሃብቱ ብዕጽፊ ወሰኸሉ: ምስ ዜፍቅሮም ሰባት ሓጐስ ዝመልኦ ነዊሕ ዕድመ ድማ ሃቦ። እቲ እዮብ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ምጽማም ንባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ንኺርድኦ ሓጊዝዎ እዩ።

19. ካብቲ እዮብ ብትዕግስቲ ዘርኣዮ ምጽማም እንታይ ኢና እንመሃር፧

19 ካብቲ እዮብ ብትዕግስቲ ዘርኣዮ ምጽማም እንታይ ኢና እንመሃር፧ ንሕናውን ከም እዮብ ብሕማም ክንሳቐ ወይ ካልእ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። የሆዋ ብፈተና ኽንሓልፍ ስለምንታይ ከም ዜፍቅድ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ብተኣማንነት እንተ ጸኒዕና: በረኸት ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዘ⁠ይ ጥርጥር ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም እዩ። (እብራውያን 11:6) የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” በለ።​—⁠ማቴዎስ 10:22፣ 24:13

‘መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ እያ’

20. መዓልቲ የሆዋ ኸም እትመጽእ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 የሆዋ ዕጉስ እኳ እንተዀነ: ፍትሓውን እከይ ንሓዋሩ ዘይጻወርን ኣምላኽ እዩ። ትዕግስቱ ደረት ኣለዎ። ጴጥሮስ ‘ኣምላኽ ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ኣይነሓፋን’ ኢሉ ጸሓፈ። ኖህን ስድራ​ቤቱን ብህይወት ኪተርፉ ኸለዉ: እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ግን ብማይ ኣይሂ ጠፊኣ እያ። የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን እውን ናብ ሓሙዅሽቲ ብምቕያር ኣጥፊእወን እዩ። እዚ ፍርድታት እዚ “ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ” እዩ። ‘መዓልቲ የሆዋ ኸም እትመጽእ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:5, 6፣ 3:10

21. ትዕግስትናን ምጽማምናን ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 እምበኣር: ንሰባት ናብቲ ንኺድሕኑ ዚሕግዞም ንስሓ ኺበጽሑ ብምሕጋዝ: ንትዕግስቲ የሆዋ ንቕድሓዮ። እቶም እንሰብከሎም ዋላ እውን ኣይቀበሉና: ብትዕግስቲ ነቲ ብስራት ብምእዋጅ ንነብያት ንምሰሎም። ብተወሳኺውን: ከም እዮብ ፈተናታት እንተ ተጸሚምናን ንጽህናና እንተ ሓሊናን: የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ህዝቡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብስራት ንምስባኽ ዚገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣብዚሑ ይባርኾ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልና: ብኣገልግሎትና ንኽንሕጐስ እኹል ምኽንያት ይህልወና እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ ብዛዕባ እዚ ኢና ኽንርኢ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ካብ ትዕግስቲ ነብያት እንታይ ኢና እንመሃር፧

• እዮብ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እንታይከ ኣፍረየሉ፧

• ትዕግስቲ የሆዋ ደረት ዘይብሉ ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ትዕግስቲ የሱስ ንትዕግስቲ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቕ ነበረ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኤርምያስ ስለ ትዕግስቱ ዓስቡ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንእዮብ ስለ ትዕግስቱ ዓስቡ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧