ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ሓቂ ብልጽግና

ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ሓቂ ብልጽግና

ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ሓቂ ብልጽግና

ዳዊት a ዚበሃል ሓደ ክርስትያን ሰብኣይን ኣቦን: ንዕኡን ንስድራ​ቤቱን ዝሓሸ ነገር ይገብር ከም ዘሎ ብምእማን ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዘ። ሰበይቱን ደቁን ገዲፉ ብምኻዱ ቕር እኳ እንተ በሎ: ዝያዳ ገንዘብ እንተ ረኺቡ ናብራኦም ኪመሓየሽ ከም ዚኽእል ግን ርግጸኛ ነበረ። ስለዚ: ኣብ ኒው ዮርክ ዚነብሩ ኣዝማዱ ጠለብዎ: ኣብኡ ድማ ስራሕ ረኸበ።

ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን እቲ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እናሃሰሰ ኸደ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ሒደት ግዜ ጥራይ እዩ ዜሕልፍ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ዳርጋ ጠፊኡ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ፈተና ምስ ወደቐ ግን: ብዛዕባ ዅነታቱ እቲ ሓቂ ተረድኦ። ስጋዊ ብልጽግና ኣብ ምርካብ ብምትኳሩ: ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ነገራት ቀስ ብቐስ ዕሽሽ በሎ። ስለዚ: ገለ ለውጥታት ኪገብር ነበሮ።

ከም ዳዊት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ሰባት ቍጠባዊ ምምሕያሽ ንምርካብ ካብ ድኻታት ሃገራት ይግዕዙ እዮም። ኰይኑ ግን: መብዛሕትኦም መንፈሳውነቶም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ገሊኦም ‘ሓደ ክርስትያን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ እናሰዓበ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ውሩያት ጸሓፍትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን እዚ ኸም ዚከኣል ይገልጹ። ይኹን እምበር: ከምቲ ዳዊትን ካልኦት ሰባትን ዘጋጠሞም ነቲ ሓደ ኸይሰኣንካ ነቲ ሓደ ምርካብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠ሉቃስ 18:24

ገንዘብ እኩይ ኣይኰነን

ገንዘብ ወድሰብ ዝመሃዞ ነገር እዩ። ከም ካልእ ምህዞታት: ገንዘብ እውን ንባዕሉ ሕማቕ ወይ ጌጋ ኣይኰነን። የግዳስ: ንምልውዋጥ ዜገልግል መሳርሒ ጥራይ እዩ። ስለዚ: ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ ንጽቡቕ ዕላማ ኺውዕል ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ገንዘብ ብሕልፊ ምስ ድኽነት ካብ እተተሓሓዘ ጸገማት “ጽላል” ከም ዝዀነ ይገልጽ። (መክብብ 7:12) ገሊኣቶም ድማ ‘ኵሉ ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ’ ይብሉ።​—⁠መክብብ 10:19

ቅዱሳት ጽሑፋት ንትህኪት ይዅንን ተጊህካ ምስራሕ ግን የተባብዕ እዩ። ንስድራ​ቤትና ዜድሊ ኸነማልእ ኣሎና: ቍሩብ ተረፍ እንተ ኣሎና ድማ ‘ነቲ ስኡን ነማቕሎ።’ (ኤፌሶን 4:28፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) ብተወሳኺ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ርእስና ኸነሕስም ዘይኰነስ: በቲ ዘሎና ኽንሕጐስ እዩ ዜተባብዓና። ‘ግደና ኽንወስድን’ ብጻዕርና ኽንሕጐስን ኢና ተማዒድና። (መክብብ 5:18-20) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ሃብታማት ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ተጠቒሶም ኣለዉ።

ሃብታማት ዝነበሩ እሙናት ሰብኡት

እቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም ብዙሕ ከብትን ብሩርን ወርቅን በማእታት ዚቝጸሩ ግዙኣትን ነበርዎ። (ዘፍጥረት 12:5፣ 13:2, 6, 7) እቲ ጻድቅ እዮብ እውን ብዙሓት ማል: ኣገልገልቲ: ወርቂ: ከምኡውን ብዙሕ ብሩር ነበሮ። (እዮብ 1:3፣ 42:11, 12) እዞም ሰባት እዚኣቶም ዋላውን በዚ ሎሚ ዘሎ መዐቀኒ ሃብታማት እዮም: ኰይኑ ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ሃብታማት ነበሩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣብርሃም ‘ነቶም ዚአምኑ ዅሎም: ኣቦኦም’ ከም ዝዀነ ጠቐሰ። ኣብርሃም ጠማዕ ወይውን ጥሪቱ ኣመና ዚፈቱ ኣይነበረን። (ሮሜ 4:11፣ ዘፍጥረት 13:9፣ 18:1-8) ብተመሳሳሊ ድማ ኣምላኽ: እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን” ከም ዝዀነ ገለጸ። (እዮብ 1:8) እዮብ ንድኻታትን ንጥቑዓትን ወትሩ ይሕግዝ ነበረ። (እዮብ 29:12-16) ኣብርሃምን እዮብን ኣብ ሃብቶም ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ እዮም ዚእመኑ ነይሮም።​—⁠ዘፍጥረት 14:22-24፣ እዮብ 1:21, 22፣ ሮሜ 4:9-12

ካልእ ኣብነት ከኣ ንጉስ ሰሎሞን እዩ። ሰሎሞን ከም ወራሲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዝፋን ኣምላኽ መጠን: ኣምላኽ ጥበብ ብምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ብብዙሕ ሃብትን ክብርን እውን ባሪኽዎ እዩ። (1 ነገስት 3:4-14) መብዛሕትኡ ዕድሚኡ ድማ እሙን ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ እርግናኡ ልቡ “ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” (1 ነገስት 11:1-8) እዚ ዜሕዝን ተመክሮኡ ንገለ ኻብቲ መፈንጠራታት ስጋዊ ብልጽግና እዩ ዜብርህ። ሒደት ካብዚ እስከ ንመርምር።

መፈንጠራታት ብልጽግና

ንገንዘብን ነቲ ብገንዘብ ኪግዛእ ዚኽእል ነገራትን ምፍቃር ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ሃብቲ ንገሊኦም ፈጺሙ ዘይዓግብ ባህጊ የሕድረሎም እዩ። ሰሎሞን ኣብቲ መጀመርታ ግዝኣቱ “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት እዩ” ብምባል ከምዚ ዓይነት ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ገለጸ። (መክብብ 5:10) የሱስን ጳውሎስን ብዛዕባ እዚ መፈንጠራ ኪኸውን ዚኽእል ፍቕሪ እዚ ንክርስትያናት ኣጠንቂቖምዎም እዮም።​—⁠ማርቆስ 4:18, 19፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:2

ገንዘብ ጕዳያትና ንምስላጥ እንጥቀመሉ ኻብ ምዃን ሓሊፉ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዜገድሰና ነገር እንተ ዀይኑ: ምሕሳው: ምስራቕ: ከምኡውን ምትላል ሓዊስካ ዅሉ ዓይነት ንስነ⁠-​ምግባር ዚምልከት ፈተናታት ሓያል ጸቕጢ ኼሕድረልና እዩ። ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ: ንሰላሳ ቕርሺ ኢሉ ንጐይታኡ ኸሓዶ። (ማርቆስ 14:11፣ ዮሃንስ 12:6) ገሊኦም ድማ ንኣምላኽ ብገንዘብ ብምትካእ ካብ ንኣምላኽ ንገንዘብ የምልኹ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ስለዚ: ክርስትያናት ዝያዳ ገንዘብ ንምጥራይ ብዛዕባ ዝደረኾም ነገር ሓቀኛታት ኪዀኑ ኣለዎም።​—⁠እብራውያን 13:5

ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ካልእ ስውር ሓደጋታት እውን ኣለዎ። ቀዳማይ: ብዝሒ ሃብቲ ኣብ ርእስና ንኽንውከል እዩ ዚደፋፍኣና። የሱስ ብዛዕባ “ምዕሻው ሃብቲ” ኺዛረብ ከሎ: ነዚ እዩ ጠቒሱ። (ማቴዎስ 13:22) ብተመሳሳሊ እውን ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ: ንክርስትያናት ብዛዕባ ንግዲ መደባት ኬውጽኡ ኸለዉ እኳ ንኣምላኽ ከይርስዑ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ያእቆብ 4:13-16) እቶም ገንዘብ ዘለዎም ብርእሶም ኪመሓደሩ ስለ ዚኽእሉ: ኣብ ክንዲ ኣብ ኣምላኽ ኣብ ገንዘቦም ኪእመኑ ኺፍተኑ ይኽእሉ እዮም።​—⁠ምሳሌ 30:7-9፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:18-24

ካልኣይ: ከምቲ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳዊት ዘጋጠሞ: ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ግዜን ጕልበትን ስለ ዚወስድ: ነቲ ሰብ ካብ መንፈሳዊ ሸቶታቱ ቐስ ብቐስ ኬርሕቖ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 12:13-21) ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ነቲ ዘለዎም ገንዘብ ብቐዳምነት ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ድማ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ንኼውዕሉ ኺፍተኑ ይኽእሉ እዮም።

ሰሎሞን መንፈሳዊ ውድቀት ኬጋጥሞ ዝኸኣለ እቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ምሹእ ናብራ ብእተወሰነ ደረጃ ነተሓሳስባኡ ስለ ዘደንዘዞዶ ዀን ይኸውን፧ (ሉቃስ 21:34) ሰሎሞን ነቲ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ህዝቢ ኣንስቲ ኸየእትዉ ዝሃቦ ንጹር መምርሒ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: ሓደ ሽሕ ዚዀና ኣንስቲ ኣእተወ። (ዘዳግም 7:3) ነተን ጓኖት ኣንስቱ ኼሐጕሰን ኢሉ ድማ ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ኬተኣታቱ ፈተነ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ልቢ ሰሎሞን ቀስ ብቐስ ካብ የሆዋ ረሓቐ።

እዚ ምሳሌታት ንሓቅነት እቲ የሱስ “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ዜረጋግጽ እዩ። (ማቴዎስ 6:24) ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ሓደ ክርስትያን ነቲ ሎሚ ንብዙሓት ዜጋጥሞም ቍጠባዊ ጸገም ኪዋጽኣሉ ዚኽእል፧ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚርከብ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

ኣብ መጻኢ ዚርከብ ናይ ሓቂ ብልጽግና

ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኣብርሃምን ንእዮብን ንህዝቢ እስራኤልን ዘይተዋህቦም ትእዛዝ: ማለት ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ’ ተኣዚዞም እዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ ኣብ ስጋዊ ዕዮና እነውዕሎ ዝነበርና ግዜን ጻዕርን ነዚ ትእዛዝ እዚ ንምፍጻም ክንጥቀመሉ ኼድልየና እዩ። ስለዚ: በዚ መዳይ እዚ ዕውታት ንምዃን እምበኣር ከምቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዝበሎ ኽንገብር ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 6:33

ዳዊት እቲ ምስ ስድራ​ቤቱ ዝነበሮ ርክብን መንፈሳውነቱን ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ቝሩብ ምስ ተረፎ: ኣብ ህይወቱ ምትዕርራያት ገበረ። ኣብ ህይወቱ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጸሎት: ከምኡውን ንኣገልግሎት ቀዳምነት ኪህብ ምስ ጀመረ: ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ ዅሉ ነገር ኪመሓየሽ ጀመረ። ምስ ሰበይቱን ደቁን ዝነበሮ ርክብ ቀስ ብቐስ ተሓደሰ። ሓጐስን ዕግበትን ድማ ረኸበ። ሕጂውን ኣበርቲዑ እዩ ዚዓዪ: ከመይሲ ሃብታም ኣይኰነን። ካብቲ ዜሕዝን ተመክሮኡ ግን ዓብዪ ትምህርቲ ረኺቡ እዩ።

ዳዊት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምግዓዝ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ኸም ብሓድሽ ሓሰበሉ: እቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ውሳነታት ብገንዘብ ንኸይዕብለል ቈራጽ ውሳነ ገበረ። ኣብ ህይወት ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ማለት ፈቃር ስድራ​ቤት: ጥዑያት ኣዕሩኽ: ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ዘሎ ርክብ ብገንዘብ ኪዕደግ ከም ዘይከኣል ሕጂ ተረዲእዎ እዩ። (ምሳሌ 17:17፣ 24:27፣ ኢሳይያስ 55:1, 2) ብርግጽ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ኻብ ስጋዊ ሃብቲ ዚበልጽ ዋጋ ኣለዎ። (ምሳሌ 19:1፣ 22:1) ዳዊት ምስ ስድራ​ቤቱ ብሓባር ኰይኑ ነቲ ቐዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ቀዳምነት ንምሃብ ቈሪጹ ተላዒሉ እዩ።​—⁠ፊልጲ 1:10

ደቅሰብ ዝበልጸገን ስነ⁠-​ምግባር ዘለዎን ማሕበረሰብ ንምቛም ዝገበርዎ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ፈሺሉ እዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ተሓጒስና ንኽንነብር ዜኽእለና ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ነገራት ብብዝሒ ኸም ዚህበና ተመባጺዑልና እዩ። (መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21-23) የሱስ ናይ ሓቂ ብልጽግና ንምርካብ መጀመርታ ‘ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት’ ከነማልእ ከም ዘሎና ምሂሩና እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ስለዚ: ብስጋ ሃብታማት ንኹን ድኻታት ብዘየገድስ: ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ: ነታ እትመጽእ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ካብ ሕጂ ንኽንዳሎ የኽእለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) ኣብታ እትመጽእ ዓለም ብስጋውን ብመንፈሳውን ናይ ብሓቂ ዝበልጸገ ማሕበረሰብ ኪህሉ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ኣብ ሃብቱ ዘይኰነስ: ኣብ ኣምላኽ ተኣመነ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ህይወት ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ብገንዘብ ኣይዕደግን እዩ