ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እዝራ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ካብ ዚፍጸም ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። እቲ መጀመርታ ነተን ናብ ክርስቶስ ዚመርሓ 70 ናይ ዓመታት ሰሙናት ዜመልክት ፍጻመ ዝዀነ “የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል” ዚወጸሉ እዋን ከኣ ቀረበ። (ዳንኤል 9:24-27) መጽሓፍ ነህምያ: ነቲ ንመካበብያ የሩሳሌም ምህናጽ ዜመልክት ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ዝሓዘት እያ። ንልዕሊ 12 ዓመት ማለት ካብ 456 ቅ.ክ. ክሳዕ ድሕሪ 443 ቅ.ክ. ንዝነበረ ወሳኒ እዋን እትሽፍን እያ።

እዛ በቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ነህምያ እተጻሕፈት መጽሓፍ: ብቘራጽነት ኣብ የሆዋ ብምውካል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ክብ ከም ዝበለ ዚገልጽ ዜሐጕስ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። የሆዋ ፍቓዱ ንኺፍጽም ንነገራት ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ኣነጺራ ትገልጽ። ናይ ሓደ ሓያልን ተባዕን መራሒ ታሪኽ እውን ዝሓዘት እያ። “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን” ስለ ዝዀነ እቲ መጽሓፍ ነህምያ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ሎሚ ንዅሎም ናይ ሓቂ ኣምላኽቲ ዚኸውን ጠቓሚ ትምህርቲ ዚህብ እዩ።​—⁠እብራውያን 4:12

“እቲ መካበብያ . . . ተፈጺሙ”

(ነህምያ 1:1-6:19)

ነህምያ ኣብ ግምቢ ሱሳን ኰይኑ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ሎንጊማነስ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሒዙ የገልግሎ ነበረ። ገለ ሰባት ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤል “ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ: መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ፈሪሱ: ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ” ኢሎም ምስ ነገርዎ: ኣዝዩ ተረበሸ። ኣበርቲዑ ድማ ጸለየ። (ነህምያ 1:3, 4) ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ንጉስ: ነህምያ ሓዚኑ ምህላዉ ፈለጠ: ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከኣ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ።

ነህምያ ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ: ብለይቲ ኸይዱ ነቲ መካበብያ መርመረ እሞ ዳግመ ህንጻ ንኺገብር ዕላማ ኸም ዘለዎ ነቶም ኣይሁድ ገለጸሎም። ህንጸት ከኣ ተጀመረ። ምጽራር ድማ ሰዓበ። ይኹን እምበር: በቲ ትብዓት ዝመልኦ ኣመራርሓ ነህምያ ‘እቲ መካበብያ ተፈጺሙ’ እዩ።​—⁠ነህምያ 6:15

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:1፣ 2:1​—⁠ኣብዘን ክልተ ቝጽርታት ተጠቒሱ ዘሎ “መበል ዕስራ ዓመት” ካብ ሓደ መበገሲ ድዩ ተቘጺሩ፧ እወ: መበል 20 ዓመት ንግዝኣት ንጉስ ኣርታሕሻስታ እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቝጽርታት እዚ ተዘውቲሩ ዘሎ ኣገባብ ኣቈጻጽራ እተፈላለየ እዩ። ኣርታሕሻስታ ናብ ስልጣን ዝደየበ ብ475 ቅ.ክ. ምዃኑ ታሪኽ ይሕብር እዩ። ባቢሎናውያን ጸሓፍቲ ንንግስነት ነገስታት ፋርስ ብልምዲ ኻብ ኒሳን (መጋቢት/​ሚያዝያ) ናብ ኒሳን ይቘጽሩ ስለ ዝነበሩ: ኣርታሕሻስታ ፈለማ ዝነገሰሉ ዓመት ኒሳን 474 ቅ.ክ. እዩ ጀሚሩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብ ነህምያ 2:1 ተጠቒሱ ዘሎ መበል 20 ዓመት ንግስነት: ብኒሳን 455 ቅ.ክ. እዩ ጀሚሩ። ኣብ ነህምያ 1:1 ተጠቒሱ ዘሎ ወርሒ ከስለው (ሕዳር/ታሕሳስ) ናይታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት: ማለት ናይ 456 ቅ.ክ. ከስለው እዩ። ነህምያ ነታ ወርሒ እቲኣ እውን: ኣብ መበል 20 ዓመት ንግስነት ኣርታሕሻስታ ኸም ዝወዓለት ገይሩ እዩ ጠቒስዋ ዘሎ። ምናልባት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: ካብቲ እቲ ንጉስ ኣብ ስልጣን ዝደየበሉ ዕለት እዩ ዚቘጽር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ወይ እውን ነህምያ በቲ ሎሚ ኣይሁዳውያን ፍሉጥ ዓመት (ሲቪል ዪር) ኢሎም ዚጽውዕዎ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ ዚውዕል ወርሒ ቲሽሪ ይቘጽር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ: እቲ የሩሳሌም ክትሕደስ ዚብል ቃል ዚወጸሉ ዓመት 455 ቅ.ክ. እዩ።

4:17, 18​—⁠ሓደ ሰብ ብሓደ ኢዱ ጥራይ ዕዮ ህንጸት ኪዓዪ ዚኽእል ከመይ ገይሩ እዩ፧ ጾር ንዚስከሙ ሰባት እዚ ኣየጸግምን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሶም ወይ ኣብ መንኵቦም ጾር ተሰኪሞም: ብሓደ ኢዶም ብምድጋፍ ‘ብሓደ ኢዶም ከኣ ኣጽዋሮም ይሕዙ ነበሩ።’ እቶም ብኽልተ ኣእዳዎም ኪዓዩ ዜድልዮም ዝነበረ ነደቕቲ ኸኣ “ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቜኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ።” ከም ኣጋጣሚ ጸላኢ እንተ መጺእዎም: ንኺዋግኡ ድሉዋት እዮም ነይሮም።

5:7​—⁠ነህምያ ነቶም “ከበርተን ሓላቑን” ስለምንታይ እዩ ዘሊፍዎም፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሕጊ ሙሴ ብምጥሓስ ካብ ብጾቶም ኣይሁድ ሓረጣ የሕርጡ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 25:35፣ ዘዳግም 23:19) እቶም መራሕቲ ዚሓትዎ ዝነበሩ ሓረጣ ወይ ወለድ እውን ክብ ዝበለ እዩ ነይሩ። እቲ ወለድ በብወርሑ ዚጽብጸብ እንተ ነይሩ: እቲ “መበል ሚእቲ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ዓመት 12 ሚእታዊት ማለት እዩ። (ነህምያ 5:11) ነቶም ብግብርን ብዋሕዲ ምግብን ከቢድ ጾር ዝነበሮም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ጾር ከተሰክሞም ጭካነ እዩ። ስለዚ: ነህምያ ነቶም ሃብታማት ሰባት ሕጊ ኣምላኽ ተጠቒሙ ብምግሳጽ ዘለፎም።

6:5​—ናይ ምስጢር ደብዳበታት ዚበዝሕ ግዜ ኣብ ሳንጣ ዚዕሸግ ነይሩ ኽነሱ: ሳንባላጥ ንነህምያ “ኽፍትቲ ደብዳበ” ዝለኣኸሉ ስለምንታይ እዩ፧ ሳንባላጥ ነቲ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክስታት ክፍትቲ ደብደባ ብምልኣኽ ኬቃልዖ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ነህምያ በዚ ተቘጢዑ ነቲ ዕዮ ህንጸት ኣቋሪጹ: ብዛዕባ ርእሱ ኺጣበቕ እዩ ኢሉ ብምሕሳብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሳንባላጥ: ትሕዝቶ እታ ደብዳበ ነቶም ኣይሁድ ኣሰንቢዱ ዕዮኦም ደው ከም ዜብሉ ኺገብሮም ይኽእል ይኸውን ኢሉ ሓሲቡ ይኸውን። ነህምያ ኸይጃጀወ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ቐጸሎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:4፣ 2:4፣ 4:4, 5 ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ከኣ ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና: ‘ጸሎት ከነዘውትር’ ከምኡውን ምስ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና።​—⁠ሮሜ 12:12

1:11–2:8፣ 4:4, 5, 15, 16፣ 6:16 የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዜቕርብዎ ልባዊ ጸሎት ይምልስ።​—⁠መዝሙር 86:6, 7

1:4፣ 4:19, 20፣ 6:3, 15 ነህምያ ደንጋጺ እኳ እንተ ነበረ: ንጽድቂ ድምብርጽ ዘይብሎ ስጕምቲ ዚወስድ ጽኑዕ ሰብ ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ገዲፉ እዩ።

1:11–2:3 እቲ ንነህምያ ዜሐጕሶ ዝነበረ ቐንዲ ነገር: እቲ ኸም ኣሰላፍ ሜስ መጠን ዝነበሮ ልዑል ቦታ ኣይኰነን። የግዳስ: ምስፍሕፋሕ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። እቲ ቐንዲ ዜገድሰናን ምንጪ ሓጐስናን እምበኣር ኣምልኾ የሆዋን እቲ ነዚ ኣምልኾ እዚ ዜደንፍዕ ነገራትንዶ ኣይኰነን ኪኸውን ዘለዎ፧

2:4-8 የሆዋ ንኣርታሕሻስታ: ነህምያ ናብ የሩሳሌም ከይዱ መካበብያኣ ኺሰርሕ ፍቓድ ንኺህቦ ደረኾ። ምሳሌ 21:1 “ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ: ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ” ትብለና።

3:5, 27 ከምቶም ‘ክቡራት’ ተቆዓውያን ዝነበሮም ኣተሓሳስባ: ነቲ ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚግበር ናይ ጕልበት ዕዮ ዜሕስረና ጌርና ኣይንወስዶን ኢና። ኣብ ክንዳኡ ግን ነቶም ብፍታው ዜገልግሉ ዝነበሩ ተቆዓውያን ክንቀድሖም ንኽእል ኢና።

3:10, 23, 28-30 ገሊኣቶም ኣብቲ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ኬገልግሉ ኪኽእሉ ኸለዉ: መብዛሕትና ግን ኣብ ዓድና ዄንና ኢና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንድግፍ። ነዚ ድማ ብቐዳምነት ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስታፍ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ብዕንወት ንዘጋጠመ ጕድኣት ዚግበር ረዲኤትን ብምክፋል ኢና ኽንገብሮ እንኽእል።

4:14 ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ: “ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ” ብምዝካር ንፍርሂ ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና።

5:14-19 እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ነህምያ: ንክርስትያን ተዓዘብቲ ዘበሉ ብትሕትናን ርእስኻ ብምስዋእን ብምስትውዓልን ብሉጽ ኣብነት ገዲፉሎም እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚሕሎ ንምግባር ብቕንኢ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ: ንናይ ብሕቱ ጥቕሚ ኺብል ግን ንኻልኦት ኣይዕብልልን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ ንጭቍናትን ንድኻታትን ተገዳስነት የርኢ ነበረ። ነህምያ ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ: ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሉጽ ኣብነት ገዲፉሎም እዩ።

“ዎ ኣምላኸይ: ንጽቡቕ ሕሰበለይ”

(ነህምያ 7:1-13:32)

መካበብያ የሩሳሌም ምስ ተወድአ: ነህምያ ነቲ መዓጹ ኣቚሙ ነታ ኸተማ ንምዕራድ ምድላዋት ገበረ። ድሕሪኡ: መስመር ወለዶ እቶም ህዝቢ ኺምዝግብ ተላዕለ። ኵሎም እቶም ህዝቢ “ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ” ምስ ተኣከቡ: እዝራ እቲ ኻህን መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኣንበበ: ነህምያን እቶም ሌዋውያንን ከኣ እቲ ሕጊ ነቶም ሰባት ገለጹሎም። (ነህምያ 8:1) ብዛዕባ በዓላት ዳስ ምፍላጦም ከኣ ብሓጐስ ንኼብዕልዎ መገዲ ዚኸፍተሎም እዩ ነይሩ።

ስዒቡ ኸኣ ካልእ ኣኼባ ተገብረ: ኣብዚ ኣኼባ እዚ ድማ “ዘርኢ እስራኤል” ብደረጃ ህዝቢ ዚፈጸምዎ ሓጢኣት ተናዘዙ: ሌዋውያን ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝገበረሎም ነገራት ኣዘኻኸርዎም: እቶም ህዝቢ ኸኣ “ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ” ማሕላ ገበሩ። (ነህምያ 9:1, 2፣ 10:29) ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ተቐማጦ ኣዝዮም ሒደት ስለ ዝነበሩ: ካብቶም ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝነበሩ ኻብ 10 ሰባት 1 ናብታ ኸተማ ምእንቲ ኺምለሱ ዕጭ ኣውደቑሎም። ድሕርዚ እቲ መካበብያ ብዓብዪ ሓጐስ ስለ እተጸንበለ: “ሓጐስ የሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ።” (ነህምያ 12:43) ነህምያ ኣብ የሩሳሌም 12 ዓመት ምስ ገበረ: ናብቲ ምስ ኣርታሕሻስታ ዝነበሮ ዕዮ ንኺምለስ ካብ የሩሳሌም ወጸ። ብኡንብኡ ኸኣ ርኽሰት ኣብቶም ኣይሁድ ኪንጸባረቕ ጀመረ። ነህምያ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ: ነቲ ዅነታት ንምዕራይ ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ። ብዛዕባ ርእሱ ኸኣ ብትሕትና “ዎ ኣምላኸይ: ንጽቡቕ ሕሰበለይ” ኢሉ ለመነ።​—⁠ነህምያ 13:32

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

7:6-67​—⁠እቲ ነህምያ ዝመዝገቦ ዝርዝር እቶም ምስ ዘሩባቤል ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ተረፍ: ካብቲ እዝራ ዝመዝገቦ ዝርዝር ብቝጽሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት እተፈልየ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እዝራ 2:​1-​65) እዚ ፍልልያት እዚ ኺህልወሉ ዝኸኣለ ምኽንያት እዝራን ነህምያን ካብ እተፈላለየ ምንጪ ጽሑፍ ስለ እተጠቕሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ቍጽሪ እቶም ንኺምለሱ እተመዝገቡ ኻብቶም ብሓቂ እተመልሱ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘ⁠ይካዚውን ገለ ኻብቶም ኣብቲ መጀመርታ ብዛዕባ ወለዶኦም መርትዖ ኬቕርቡ ዘይክኣሉ ኣይሁድ ጸኒሖም ግን ኬቕርቡ ስለ ዝኸኣሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ክልቲኡ ጸብጻባት ኣብ ሓደ ነጥቢ ይሰማማዕ እዩ። እዚ ድማ እቶም መጀመርታ እተመልሱ ሰባት ብዘ⁠ይካ ባሮትን ዘመርትን 42,360 ምንባሮም እዩ።

10:34​—⁠እቶም ህዝቢ ዕንጨይቲ ኺውፍዩ እተሓቱ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ ምውፋይ ዕንጨይቲ ዚምልከት ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ሙሴ የለን። እዚ ሕቶ እዚ ዝቐረበ ኣብቲ እዋን እቲ ኣድላዪ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ። ነቲ መስዋእትታት ኣብቲ መሰውኢ ንምንዳድ ብዙሕ ዕንጨይቲ የድሊ ነበረ። እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ነቲኒም እኹላት ኣይነበሩን ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ: ቐጻሊ ዝዀነ ምውፋይ ዕንጨይቲ ኺግበር ነቶም ህዝቢ ዕጭ ኣውደቑሎም።

13:6​—⁠ነህምያ ኻብ የሩሳሌም ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ተፈልዩ ነይሩ፧ ነህምያ “ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ” ጥራይ ወይ ከኣ ቃል ብቓሉ “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት” ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ካብ ንጉስ ፍቓድ ከም ዝሓተተ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነግረና። ስለዚ እምበኣር: ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኻብ የሩሳሌም ተፈልዩ ኸም ዝነበረ ምውሳን ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር: ናብ የሩሳሌም ኣብ እተመልሰሉ እዋን: እቲ ኽህነት ይድገፍ ኣይነበረን: ሕጊ ሰንበት እውን ኣይኽበርን እዩ ነይሩ። ሓያሎ ጓኖት ኣንስቲ ኣእተዉ: እቶም ዘርኦም ከኣ ካልእስ ይትረፍ ቋንቋ ኣይሁድ ምዝራብ እኳ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሱር ዝሰደደ ምብልሻው ካብ ነበረ: ነህምያ ንነዊሕ እዋን ተፈልዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

13:25, 28​—⁠ነህምያ ነቶም ናብ ርኽሰት እተመልሱ ኣይሁድ ኣብ ርእሲ ምቝጣዑ: እንታይ ካልእ ዚእረሙሉ ስጕምትታት እዩ ዝወሰደሎም፧ ነህምያ ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ እተጻሕፈ ፍርድታት ብምጥቃስ ‘ረገሞም።’ ምናልባት ኣብ ልዕሊኦም ናይ ፍርዲ ውሳነታት ብምሃብ ድማ ‘ወቕዖም።’ በቲ እተገብረ ኸም እተቘጥዐ ንምምልካት ከኣ ‘ጸጕሮም ነጸዮም።’ ነቲ ንጓል ሳንባላጥ ሖሮናዊ ተመርዕዩ ዝነበረ ወዲ ወዱ ንሊቀ ኻህናት ኤልያሺብ እውን ሰጐጎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

8:8 ጥቕስታት ከነንብብ ከለና: ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን: ጽቡቕ ጌርና ብምድማጽን ብምጕላሕን ኣወዓዕላኡ ብምንጻርን ‘ንገልጽ’ ኢና።

8:10 ‘ሓጐስ የሆዋ:’ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ ተገንዚብካ ነዚ ብምምላእን ቲኦክራስያዊ መምርሒ ብምስዓብን እዩ ዚርከብ። ተጊህና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ: ኣዘውቲርና ኣኼባታት ክንእከብ: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኢ ኽንካፈልሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን እዩ!

11:2 ብውርሻ ንእተረኽበ መሬት ገዲፍካ ናብ የሩሳሌም ምግዓዝ ብሕታዊ ወጻኢታት ምግባር ዚሓትትን ገለ ጸገማት ዚፈጥርን እዩ ነይሩ። እቶም ነዚ ንምግባር ወለንተኛታት ዝነበሩ ሰባት ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣርእዮም እዮም። ንሕናውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣብ ካልእ ኵነታትን ወለንተኛታት ኴንና ንኸነገልግል ኣጋጣሚ ምስ ዚኽፈት ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ከነርኢ ንኽእል ኢና።

12:31, 38, 40-42 መዝሙር ንየሆዋ እንውድሰሉን ምስጋናና እንገልጸሉን ብሉጽ መገዲ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምሉእ ልብና ኽንዝምር ይግብኣና።

13:4-32 ፍቕረ⁠-​ንዋይን ብልሽውናን ክሕደትን በብቝሩብ ኪቈጻጸረና ኸነፍቅደሉ የብልናን።

13:22 ነህምያ ንኣምላኽ ጸብጻብ ዚህብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሕናውን ንኣምላኽ ጸብጻብ ንህብ ምዃንና ኽንፈልጥ ይግባእ።

በረኸት የሆዋ ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ!

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” በለ። (መዝሙር 127:1) መጽሓፍ ነህምያ ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ጽቡቕ ገይራ እያ እትገልጾ።

እቲ ኻብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ኣብ ኵሉ እንገብሮ ጻዕርታት ክንዕወት ንደሊ እንተደኣ ዄንና: በረኸት የሆዋ ኽንረክብ ኣሎና። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ናብራ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኸይሃብናስ የሆዋ ንኺባርኸና ብሓቂዶ ኽንጽበ ንኽእል ኢና፧ ስለዚ እምበኣር: ንሕና እውን ከም ነህምያ ንኣምልኾ የሆዋን ንግስጋሰኡን ኣብ ናብራና ቐዳማይ ቦታ ንሃቦ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

“ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ተባዕን ለዋህን ዝነበረ ነህምያ ናብ የሩሳሌም መጸ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ‘ኽትገልጾ’ ኸም እትኽእል ትፈልጥዶ፧