ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንኽረኽቦ ሓገዘኒ

የሆዋ ንኽረኽቦ ሓገዘኒ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ንኽረኽቦ ሓገዘኒ

ፍሎረንስ ክላርክ ዘዘንተወቶ

ንኢድ እቲ ኣዝዩ ዝሓመመ ሰብኣየይ ሒዘ: ከም ኣባል ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣንግሊካን መጠን: ሰብኣየይ ንኺሓዊ ጸለኹ: እንተ ዘይሞይቱ ድማ ንኣምላኽ ክሳዕ ዝረኽቦ ኸም ዝደልዮ ተመባጻዕኩ። ካብኡ ንብረት ኣምላኽ እኸውን።

ብ18 መስከረም 1937 ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ: ኣብቲ ግሉል ሮራ ኪምበርሊ ኣብ ዚርከብ ማሕበረሰብ ኣቦርጅን ኡምቡልጉሪ ዚቕመጡሉ ፍሎረንስ ቹሉንግ ተወለድኩ።

እቲ ጭንቀት ዘይብሉን ዜሐጕስን እዋን ንእስነተይ: ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣለዎ። ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ሒደት መሰረታዊ ነገራት እኳ እንተ ተመሃርኩ: ብዛዕባ ስርዓታት ክርስትና ግን ኣደይ እያ ምሂራትኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲራ ተንብበለይ ስለ ዝነበረት: ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ንመንፈሳዊ ነገራት ፍቕሪ ሓደረኒ። ካብ ሓትኖታተይ እታ ሓንቲ ንቤተ⁠-​ክርስትያና ሚስዮናዊት ኰይና ተገልግል ብምንባራ: አድንቓ ነበርኩ። ኣብነታ ኽስዕብ ድማ እደሊ ነበርኩ።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ፎረስት ሪቨር ሚሽን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ማሕበረሰብና ትምህርቲ ኻብ ቀዳማይ ክፍሊ ኽሳዕ ሻምናይ ክፍሊ ጥራይ እዩ ዚወሃብ። ኵሉ ሳዕ ንግሆ ንግሆ ንኽልተ ሰዓት ጥራይ እመሃር ነበርኩ። ስለዚ: ብዙሕ ትምህርቲ ኣይረክብን እየ ነይረ: እዚ ድማ ነቦይ የሻቕሎ ነበረ። ደቁ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽንረክብ ይደሊ ስለ ዝነበረ: ካብ ኡምቡልጉሪ ናብ ዊንድሃም እትበሃል ከተማ ንኽንግዕዝ ወሰነ። እታ ዝገዓዝናላ መዓልቲ ኣዝየ ሓዚነ ነበርኩ: ኰይኑ ግን ኣብ ዊንድሃም ነርባዕተ ዓመት ማለት ካብ 1949 ክሳዕ 1952 ምሉእ መዓልቲ እመሃር ነበርኩ። ኣቦይ ዝሓሸ ትምህርቲ ኸም ዝረክብ ስለ ዝገበረኒ ብዙሕ እየ ዘማስዎ።

ኣደይ ኣብቲ ኸባቢ ምስ ዝነበረ ሓኪም ትሰርሕ ነበረት: ኣብ 15 ዓመተይ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ እቲ ሓኪም ኣብ ሆስፒታል ዊንድሃም ኣላዪት ኰይነ ኽሰርሕ ዕድመ ኣቕረበለይ። ኣብቲ እዋን እቲ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ: ነዚ ተሓጕሰ ተቐበልክዎ።

ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣሌክ ምስ ዚበሃል ጻዕዳ ኣርባሕ ማል ተፋለጥኩ። ብ1964 ኣብ ከተማ ደርቢ ተመርዓና: ኣብኡ ድማ ኣዘውቲረ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣንግሊካን እኸይድ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛይ መጹ። ተገዳስነት ከም ዘይብለይን ካልኣይ ሳዕ ከይመጹንን ነገርክዎም። ይኹን እምበር: እቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ ኢሎም ዝነገሩኒ ነገር ኣዝዩ መሰጠኒ።

“ባዕልኺ ኽትጽልዪ ኣይትኽእልን ዲኺ፧”

ኣብ 1965 ጸገማት ኬጋጥመና ጀመረ። ሰብኣየይ ክልተ ሳዕ ምስ ፈረሱ እተተሓሓዘ ሓንሳእ ከኣ ምስ ማኪናኡ እተተሓሓዘ ኸቢድ ሓደጋታት ኣጋጠሞ። እቲ ዜሐጕስ ግን ሓውዩ እንደገና ስራሕ ኪሰርሕ ጀመረ። ኰይኑ ግን: ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኻልእ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ኣብ ርእሱ ድማ ከቢድ ጕድኣት ወረዶ። ሆስፒታል ምስ ከድኩ እቲ ሓኪም ሰብኣየይ ከም ዝመውት ነገረኒ። ኣዝየ ሰንበድኩ። ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ንሓደ ቐሺ ኽመጸኒ ምስ ሓተተቶ: “ሎሚ ዘይኰነስ ጽባሕ እየ ዝመጽእ” በላ።

እቲ ቐሺ ምሳይ ኰይኑ ኽጽሊ ኸም ዝደሊ ንሓንቲ ፈላሲት ነገርክዋ። ንሳ ኸኣ “እንታይ ወሪዱኪ፧ ባዕልኺ ኽትጽልዪ ኣይትኽእልን ዲኺ፧” በለትኒ። ስለዚ: ናብ ምስልታት ቤተ⁠-​ክርስትያን ጸለኹ: እዚ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይሓገዘንን። ሰብኣየይ ኪመውት ዝቐረበ መሰለ። ‘ሰብኣየይ እንተ ሞይቱስ ከመይ ኢለ እየ ኽጻወሮ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ብዛዕባ እቶም ክርስቲን: ናኔቴ: ጄፍሪ ዚበሃሉ ሰለስተ ደቀይ እውን ሓሰብኩ። ብዘ⁠ይ ኣቦ ኸመይ ኢሎም እዮም ኪነብሩ፧ እቲ ዜሐጕስ ግን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሰብኣየይ ውኖኡ ተመልሰሉ: ብ6 ሕዳር 1966 ከኣ ካብ ሆስፒታል ወጸ።

ጽቡቕ ምምሕያሽ እንተ ገበረ እኳ እቲ ሓደጋ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ገደፈሉ። እተወሰነ ነገራት ረስዐ: ቍጡዕ ኰነ ጠባዩ ድማ ተቐያየረ። ምስቶም ቈልዑ ኽረዳዳእ ኣይከኣለን: ከም ዓቢ ሰብ እንተ ዘይመለስሉ ኣዝዩ ይቝጣዕ ነበረ። ንዕኡ ምእላይ ኣጸጋሚ ነበረ። ዳርጋ ዅሉ ነገር ኣነ እየ ዝገብረሉ ነይረ። ምንባብን ምጽሓፍን እኳ ኸይተረፈ ኣነ እየ እንደገና ምሂረዮ። ንዕኡ እናኣለኹ ኻልእ ናይ ገዛ ዕዮታት ምዕያይ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ: ምዝንባል ኣእምሮ ኣጋጠመኒ። ሰብኣየይ ሓደጋ ኻብ ዘጋጥሞ ሸውዓተ ዓመት ጸኒሑ: ኣነ ኽሳዕ ዝሓዊ ኽንፈላለ ተሰማማዕና።

ምስ ደቀይ ኣብ ደቡብ ናብ እትርከብ ፐርዝ እትበሃል ከተማ ገዓዝና። ቅድሚ ምግዓዝና: ሓብተይ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ኩኑኑራ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀሚራ ነበረት። ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ a ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ ዜብርህ ስእሊ ኣርኣየትኒ። ካብታ መጽሓፍ ድማ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ኣርኣየትኒ: እዚ ድማ ሰሓበኒ። እዚ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያንና ፈጺሙ ተነጊሩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ: ኣብ ፐርዝ ናብራይ ምስ ኣጣጣሕኩ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክድውለሎም ወሰንኩ።

ይኹን እምበር: ንምድዋል ሰጋእ መጋእ በልኩ። ካብኡ ሓደ መዓልቲ ናይ ማዕጾ ደወል ተደወለ። ወደይ ማዕጾ ኸፊቱ እናጐየየ መጺኡ “ማማ: እቶም ክትድውልሎም ዝሓሰብኪ ሰባት መጺኦም” በለኒ። እቲ ነገር ሃንደበት ስለ ዝዀነኒ: “የላን በሎም” በልክዎ። ንሱ ግን “እዋእ! ማማ: ክሕሱ እኮ የብለይን” በለኒ። በዚ ዘረባኡ ተኣሪመ: ንኸዘራርቦም ናብቲ ማዕጾ ኸድኩ። ሰላም ክብሎም ከለኹ: ንሳቶምውን ከም እተደናገሩ ኣስተብሃልኩ። ነቲ ኣብቲ ገዛ ቕድሜና ዚነብር ዝነበረ ሰብ እዮም ደልዮም መጺኦም። ናብ ውሽጢ ኣእተኹዎም: ካብኡ ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልስታት ሃቡኒ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን በታ ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመርኩ። እዚ ድማ ነቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበረኒ ፍቕሪ ኣጐሃሃሮ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ተኣከብኩ። መጀመርታ ኣብ ናይ ሰንበት ኣኼባ: ጸኒሐ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ። እቲ እተመሃርክዎ ድማ ንኻልኦት አካፍል ነበርኩ። ካልኦት ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኺፈልጡ ብምሕጋዘይ እቲ ምስ ኣእምሮን ስምዒትን እተተሓሐዘ ዝነበረኒ ናይ ጥዕና ጸገም ከም እተመሓየሸ ኣስተብሃልኩ። ድሕሪ ሹድሽተ ወርሒ ኣብ ፐርዝ ኣብ እተገብረ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ተጠመቕኩ።

ብመንፈሳዊ ዕቤት እናገበርኩ ምስ ከድኩ የሆዋ ንመርዓ ኸም ቅዱስ ገይሩ ኸም ዚርእዮን እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:13 ዚርከብ “ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ አለዋ: ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ: ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓትን ተረድኣኒ። እዚ ጥቕሲ እዚ ናብ ኣሌክ ንኽምለስ ደረኸኒ።

ናብ ደርቢ ተመለስኩ

ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ሰብኣየይ ተፈልየ ድሕሪ ምጽናሕ: ብ21 ሰነ 1979 ናብ ደርቢ ተመለስኩ። ከም ሓቂ እተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ነይሩኒ: ሰብኣየይ እንታይ ከም ዚስምዖ እውን ኣይፈልጥን ነበርኩ። ዋላኳ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ባህ እንተ ዘይበሎ: ብምምላሰይ ግን ኣዝዩ ተሓጐሰ። ናብ ፐርዝ ቅድሚ ምኻደይ ናብ ዝኸዶ ዝነበርኩ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምስኡ ንክኸይድ ሓሳብ ኣቕረበለይ። ከምኡ ኽገብር ከም ዘይክእል ኣረዳእክዎ። ርእስነቱ ንምኽባር ብዙሕ ጸዓርኩ: ከም ክርስትያን ሰበይቲ መጠን ድማ እተኻእለኒ ዅሉ ገበርኩ። ብዛዕባ የሆዋን ንመጻኢ እዋን ብዛዕባ ዝኣተዎ ዜደንቕ መብጽዓታትን ክነግሮ ፈቲነ ነይረ: ግን ምንም ተገዳስነት ኣየርኣየን።

ቀስ ብቐስ ግን ነዚ ዝሓዝክዎ ሓድሽ ህይወት ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ዓበይትን ሰሙናዊ ኣኼባታትን ንኽካፈል ቍጠባዊ ደገፍ ኪገብረለይ ጀመረ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንኽጥቀመላ ኣብ ግሉል ክፋል ኣውስትራልያ ኸም ክብርቲ ንብረት እትቝጸር ማኪና ምስ ዓደገለይ: ካብ ልበይ ኣመስገንክዎ። ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ሓዊስካ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ገዛና እተወሰነ መዓልትታት ይሓድሩ ነበሩ። እዚ ድማ ኣሌክ ምስ እተፈላለዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺፋለጥ ኣጋጣሚ ፈጢሩሉ እዩ: ንሱውን ምስኦም ግዜ ምሕላፍ ይፈቱ ነበረ።

ከም ህዝቅኤል ተሰምዓኒ

ኣሕዋትን ኣሓትን ኪበጽሑና ኸለዉ ባህ ይብለኒ እኳ እንተ ነበረ: ሽግር ግን ነበረኒ። ካብ ነበርቲ ኸተማ ደርቢ ኣነ ጥራይ እየ ናይ የሆዋ ምስክር ነይረ። እታ ዝቐረበት ጉባኤ 220 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ብሩም እያ ነይራ። ስለዚ: ብእተኻእለኒ መጠን ነቲ ብስራት ክእውጅ ወሰንኩ። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት ክምስክር ጀመርኩ። እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ: ኰይኑ ግን ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ኵሉ ሳዕ እዝክረን ነበርኩ።​—⁠ፊልጲ 4:13

እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣቕሽሽቲ ብንጥፈታተይ: ብሕልፊ ኸኣ ንኻልኦት ኣቦርጅን ብምምስካረይ ኣይተሓጐሱን። ኣፈራሪሆም ምስባኽ ደው ከም ዘብል ኪገብሩ ፈተኑ። ኰይኑ ግን: እቲ ተቓውሞኦም ዝያዳ ንኽጸንዕ ገበረኒ: ንኺሕግዘኒ ኣዘውቲረ ናብ የሆዋ እጽሊ ነበርኩ። እተን ንህዝቅኤል እተዋህባኦ “እንሆ: ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ: ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። ግምባርካ ኸም ኣልማዝ: ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ። . . . ኣይትፍርሃዮም: ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ” ዚብላ ዜተባብዓ ቓላት ወትሩ ትዝ ይብላኒ ነበራ።​—⁠ህዝቅኤል 3:8, 9

ኣብ እተፈላለየ እዋን ክልተ ኣባላት ሓደ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዕዳጋ ኸለኹ: ንትዅረት ካልኦት ንምስሓብ ዓው ኢሎም ጸረፉኒ። ኣነ ግን ቅጭጭ ኣይበለንን። ሓደ መዓልቲ ድማ ንሓንቲ ተገዳስነት ዘርኣየት ሰበይቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ እናገበርኩ ኸለኹ: ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብየሱስ ኣይትኣምንን ኢኺ ኢሉ ጠቀነኒ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኢደይ መንዚዑ ኣብ ገጸይ ኣዋጣዊጡ መለሰለይ። ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ ብህድኣት ዮሃንስ 3:16 ኣንበብኩሉ: ኣብ የሱስ እምነት ከም ዘሎኒ ድማ ኣረጋገጽኩሉ። በቲ ዝሃብክዎ መልሲ ተገሪሙ: ኣጽቂጡ ኸደ።

ነቶም ኣብ ከባቢ ደርቢ ዚነብሩ ኣቦርጅን ምስባኽ የሐጕሰኒ ነበረ። ሓደ ቐሺ ኣብ ሓደ እተወሰነ ኸባቢ ንዝነበሩ ሰባት ከይሰብኽ ኪዓግተኒ ፈተነ: ኰይኑ ግን ናብ ካልእ ቦታ ተቐየረ። ስለዚ: ነቶም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኽሰብከሎም ከኣልኩ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ: ልክዕ ከም ሓትኖይ ሚስዮናዊት ንምዃን ድሌት ነበረኒ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንኺፈልጡ ብምሕጋዝ ድማ ዕዮ ሚስዮናዊ ኽዓዪ ኸኣልኩ። ብዙሓት ኣቦርጅን ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም እዮም።

መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየኒ ተገንዘብኩ

ንሓሙሽተ ዓመት: ኣብ ደርቢ ብዘ⁠ይካይ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ስለዚ: ብዘ⁠ይ እቲ ኻብ ኣኼባታትን ካብ ኣሕዋትን ዚርከብ ምትብባዕ ብመንፈሳዊ ሓያል ኰይነ ምቕጻል ኣጸጋሚ ዀይኑ ረኸብክዎ። ሓደ መዓልቲ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ስለ እተሰምዓኒ: ማኪና እናዘወርኩ በይነይ ከድኩ። ካብኡ ናይ ምሸት ምስ ተመለስኩ: ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሸውዓተ ደቃ ኣብ ገዛ ጸንሑኒ። ካብታ ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ ብሩም እትርከብ ጉባኤ ጽሑፋት ሒዞምለይ መጹ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ እዛ ቤቲ ባተርፊልድ እትበሃል ሓብቲ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ትመጸኒ ነበረት። ብሓንሳብ ኣገልግሎት ንኸይድ: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ብሓንሳብ ንገብር ነበርና። ኣነውን ብተራይ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ናብ ብሩም እኸይድ ነበርኩ።

ኣብ ብሩም ዚነብሩ ኣሕዋት ብዙሕ እዮም ዚሕግዙኒ ነይሮም። ሓሓሊፎም እውን ናብ ደርቢ መጺኦም ናብ ኣገልግሎት ብሓንሳብ ንወፍር ነበርና። ብደርቢ ኣቢሎም ንዝሓልፉ ኻብ ካልእ ከተማታት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ምሳይ ኣብ ኣገልግሎት ንኺካፈሉ የተባብዕዎም ነበሩ። እዞም ብኣና ኣቢሎም ዚሓልፉ ኣሕዋት ብካሴት እተቐድሐ ህዝባዊ መደረታት እውን የምጽኡለይ ነበሩ። ገሊኣቶም ምሳይ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ይገብሩ ነበሩ። እዚ ሓጸርቲ ምብጻሓት ብዙሕ እዩ ዜተባብዓኒ ነይሩ።

ተወሳኺ ሓገዝ ረኸብኩ

ኣርተር ዊሊስን ሜሪ ዊሊስን ዚበሃሉ ጡረታ ዝወጹ ሰብ ሓዳር: ኣብቲ ቘራሪ ዝዀነሉ ወርሓት ንኺሕግዙኒ ኻብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣውስትራልያ ንሰለስተ ወርሒ ይመጹ ስለ ዝነበሩ: ንእተወሰነ ዓመታት ተወሳኺ ምትብባዕ ረኸብኩ። ሓው ዊሊስ መብዛሕትኡ ኣኼባታትን ናይ ወፍሪ ኣገልግሎትን ይመርሕ ነበረ። ብሓንሳብ ኴንና ኣብ እተገለለ ኸባቢታት ከበሳ ኪምበርሊ ናብ ዚርከብ ሕርሻ ኸብቲ ንኸይድ ነበርና። ሓው ዊሊስን ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ኣዝየ እሓዝን ነበርኩ።

ኣብ መወዳእታ 1983 ዳኒ ስተርጅን: ብዓልቲ ቤቱ ዴኒስ ስተርጅን: ከምኡውን ኣርባዕተ ደቆም ናብ ደርቢ ኺግዕዙ ምዃኖም ዚገልጽ ዜሐጕስ ዜና ሰማዕኩ። ንሳቶም ምስ መጹ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንገብር: ናብ ኣገልግሎት ድማ ብሓንሳብ ክንወፍር ጀመርና። ኣብ 2001 ሓንቲ ጉባኤ ቘመት። ሎሚ ኣብ ደርቢ: 24 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለውዋ: ብመንፈሳዊ ዚከናኸኑና ኽልተ ሽማግለታትን ሓደ ኣገልጋልን ዚርከብዋ ጉባኤ ትርከብ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ዳርጋ 30 እንኸውን ንእከብ።

ነቲ ዝሓለፈ እዋን ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: የሆዋ ንኸገልግሎ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ ስለ ዝርኢ ኣዝየ እየ ዝተባባዕ። ዋላኳ ሰብኣየይ ክሳዕ ሎሚ ብእምነት ኣይሕበረኒ: ብኻልእ መዳያት ግን ምሕጋዝ ኣየቋረጸን። ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ​ቤተይ ማለት ክልተ ደቀይ: ክልተ ደቂ ደቀይ: ከምኡውን ጓል ሓብተይ እተጠመቓ መሰኻኽር የሆዋ እየን። ብተወሳኺ ድማ ክልተ ኣዝማደይ ምስ ህዝቢ የሆዋ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ።

የሆዋ ንኽረኽቦ ስለ ዝሓገዘኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ንዘለኣለም ናቱ ንክኸውን ድማ ወሲነ እየ።​—⁠መዝሙር 65:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣውስትራልያ

ዊንድሃም

ሮራ ኪምበርሊ

ደርቢ

ብሩም

ፐርዝ

[ምንጪ ስእሊ]

Kangaroo and lyrebird: Lydekker; koala: Meyers

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብ ሆስፒታል ዊንድሃም ኣላዪት ኰይነ ኽሰርሕ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብ2005 ኣብ ደርቢ እትርከብ ጉባኤ