ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገንዘብን ስነ-ምግባርን ካብ ታሪኽ እተረኽበ ትምህርቲ

ገንዘብን ስነ-ምግባርን ካብ ታሪኽ እተረኽበ ትምህርቲ

ገንዘብን ስነ⁠-​ምግባርን ካብ ታሪኽ እተረኽበ ትምህርቲ

ብ7 ሚያዝያ 1630 ዳርጋ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኣመሪካ በርባዕተ መራኽብ ንምኻድ ተበገሱ። ካብኣቶም ብዙሓት ምሁራት ሰባት ነበሩ። ገሊኦም ፍሉጣት ነጋዶ: ገሊኦም እሞ ኸኣ ኣባላት ባይቶ ነበሩ። እቲ ኣብ ዓዶም ዝነበረ ቝጠባዊ ቕልውላው: በቲ ኣብ ኣውሮጳ ንሰላሳ ዓመት (1618-48) ዝቐጸለ ውግእ ዝያዳ ተጋደደ። ስለዚ: እንታይ ከም ዜጋጥሞም ከይፈለጡ ገዛኦም: ስርሖም: ከምኡውን ኣዝማዶም ገዲፎም ዝሓሸ ኣጋጣሚ ንምድላይ ናብ ካልእ ዓዲ ተሰዱ።

ይኹን እምበር: እዞም ትስፉዋት ሰባት እዚኣቶም በጋጣሚታት ኪጥቀሙ ዚደልዩ ነጋዶ ኣይነበሩን። ኣብ ክንዳኡስ ብሰንኪ ሃይማኖቶም እተሰጕ ቐናኣት ፕዩርታውያን ነበሩ። a ዕላማኦም ድማ ንሳቶምን ዘርኦምን ዚነብሩሉ ብስጋ ዝበልጸገ ግን ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዚስዕብ ንኣምላኽ ዚፈርህ ማሕበረሰብ ምቛም ነበረ። ኣብ ሳሌም: ማሳቹሰትስ ምስ በጽሑ: ኣብ ገማግም እትርከብ ንእሽቶ መሬት ንኽትወሃቦም ሓተቱ። ነዛ ሓዳስ መንበሪቶም ድማ ቦስተን ኢሎም ሰመይዋ።

ሚዛን ምሕላው ኣጸጋሚ ዀነ

ጆን ዊንትሮፕ ዚበሃል መራሒኦምን ኣመሓዳሪኦምን ኣብቲ ሓድሽ ሰፈር ተቐማጦ ነቲ ማሕበረሰብ ብልጽግናን ረብሓን ንምምጻእን ብዙሕ ጸዓረ። እቶም ህዝቢ ገንዘብን ስነ⁠-​ምግባርን ክልቲኡ ብሓንሳብ ኪህልዎም ደለየ። እዚ ግን ኣጸጋሚ ዀነ። ዊንትሮፕ ጸገማት ኬጋጥም ከም ዚኽእል ብምሕሳብ: ነቶም ብጾቱ ሃብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ሰፊሕ መደረ ይህቦም ነበረ።

ከምቶም ካልኦት መራሕቲ ፕዩርታውያን: ዊንትሮፕ እውን ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ንባዕሉ ምንም ጌጋ የብሉን ኢሉ ይኣምን ነበረ። ቀንዲ ዕላማ ብልጽግና ንኻልኦት ምሕጋዝ ከም ዝዀነ ይዛረብ ነበረ። ስለዚ: ሓደ ሰብ ዝያዳ ብዝሃብተመ መጠን ንኻልኦት ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ኪገብር ይኽእል እዩ። ፓትሪሽያ ኦቱል እትበሃል ጸሓፊት ታሪኽ “ንፕዩርታውያን ከም ሃብቲ ገይሩ ዚርብሾም ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ: ሃብቲ ኻብ ኣምላኽ እተረኽበ በረኸት እዩ: ንኽትኰርዕን  . . ሓጢኣት ንኽትገብርን ዚፍትን ሓያል ፈተና እውን እዩ” በለት።

ዊንትሮፕ ነቲ ብሰንኪ ሃብትን ምሾትን ኪመጽእ ዚኽእል ሓጢኣት ንምውጋድ: ሚዛናውነትን ርእስኻ ምግታእን ኬማዕብሉ ተማሕጸኖም። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሐ ዊንትሮፕ ፍርሃት ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶም ድማ ኪፋቐሩ ኼገድዶም ብምፍታኑ: ምስ ድሌት እቶም ተቐማጦ ኺሰማማዕ ኣይከኣለን። ዊንትሮፕ ኣብ ናይ ብሕቲ ጕዳያቶም ዝኣተወ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም: ነዚ ተቓወምዎ። ገሊኦም ውሳነ ኣብ ምግባር ዚሳተፍ ጕጀለ ንኺምረጽ ቅስቀሳ ኺገብሩ ጀመሩ። ገሊኣቶም ድማ ቃሕ ዝበሎም ንምግባር ናብ ከነቲከት ገዓዙ።

ኦቱል “በጋጣሚታት ምጥቃም: ብልጽግና: ዲሞክራሲ ኣብ ህይወት እቶም ኣብ ማሳቹሰትስ ዚነብሩ ዝነበሩ ፕዩርታውያን ሓያል ድራኸ ነበሮ። ንሓሳባት ዊንትሮፕ ዕሽሽ ብምባል ብውልቆም ዚደልይዎ ዘበለ ገበሩ” በለት። ኣብ 1649 ዊንትሮፕ ኣብ 61 ዕድሚኡ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ዘይብሉ ሞተ። ዋላኳ እታ ብዙሕ ጸገማት ዝነበራ ሰፈር ካብ ምፍርራስ እንተ ተረፈት: ዊንትሮፕ ግን ሕልሙ ጋህዲ ዀይኑ ኺርእዮ ኣይከኣለን።

እቲ ጻዕሪ ቐጸለ

እንተዀነ ግን: ጆን ዊንትሮፕ ጥራይ ኣይኰነን ዝሓሸት ዓለም ንምርኣይ ሚሳላዊ ወይ ኣብ ክውንነት ዘይተመስረተ ትምኒት ዝነበሮ። ሎሚውን በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ: ካብ ደቡብ ምብራቕ እስያ: ካብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ: ከምኡውን ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ናብ ካልእ ዓዲ ይግዕዙ እዮም። ገሊኦም በቲ ሃብቲ ንምርካብ ዜኽእል ምስጢር ከም ዘለዎም ዚገልጹ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዚዳለዉ በማእታት ዚቝጸሩ ሓደስቲ መጻሕፍቲ: ሰሚናራት: ከምኡውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚርከብ ዌብ ሳይት እተደረኹ እዮም። ስለዚ: ሎሚውን ብዙሓት ሰባት ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ከይጠሓሱ: ገንዘብ ኪረኽቡ ይጽዕሩ እዮም።

እቲ ውጽኢት ግን ዜሕዝን ምዃኑ ግልጺ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሃብቲ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት ነቲ መሰረታዊ ስርዓትን ሓድሓደ ግዜ ድማ እምነቶም እውን ከይተረፈ ንገንዘብ ኢሎም ይስውእዎ። ስለዚ: ‘ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ክርስትያንን ሃብታምን ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ብስጋን ብመንፈስን ዝበልጸገ: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ማሕበረሰብ ይህሉዶ ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ይህብ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ፕዩርታውያን ዚብል ስም ነቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ውሽጢ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ: ንቤተ⁠-​ክርስትያኖም ካብ ጽልዋታት ናይ ሮማ ካቶሊክ ኬጽፍፉ ዚደልዩ ዝነበሩ ፕሮተስታንት እተዋህበ እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Boats: The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck; Winthrop: Brown Brothers