ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:22 ዝጠቐሶ ኽንጥንቀቐሉ ዚግባእ ሰለስተ ሓደጋታት እንታይ እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንሰዓብቱ ኸምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ኣነ ግና፤ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ [“ኣብ ቤት ፍርዲ:” NW] ኺፍረዶ እዩ: ንሓዉ፤ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ: ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ [“ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ:” NW] ኺፍረዶ: ኣታ ዓሻ: ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ: እብለኩም አሎኹ።”​—⁠ማቴዎስ 5:22

የሱስ: ሓጢኣት እናኸበደ ምስ ዚኸይድ: እቲ መቕጻዕቲ እውን እናኸበደ ኸም ዚኸይድ ንምግላጽ: እቶም ኣይሁድ ብቐሊሉ ኺፈልጥዎ ንዚኽእሉ ቤት ፍርዲ: ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ: ገሃነም ሓዊ ዚብል ቃላት ተጠቕመ።

የሱስ ብቐዳምነት: ሓደ ሰብ ንሓዉ ዚቝጥዖ እንተደኣ ዀይኑ: ናብ “ቤት ፍርዲ” ተወሲዱ ተሓታቲ ኸም ዚኸውን እዩ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ባህሊ: እዚ ቤት ፍርዲ እዚ 120 ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝቝጽሮም እኹላት ሰብኡት ኣብ ዘለውላ ኸተማ እዩ ዚቐውም ነይሩ። (ማቴዎስ 10:17፣ ማርቆስ 13:9) እቶም ፈረድቲ ናይ ቅትለት ጕዳያት እውን ከይተረፈ ናይ ምፍራድ ስልጣን ነይርዎም እዩ። (ዘዳግም 16:18፣ 19:12፣ 21:1, 2) ስለዚ: እቲ የሱስ ኬብርሆ ደልይዎ ዘሎ: ሓደ ሰብ ንሓዉ ዘለዎ ቝጥዓ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ እንተደኣ ዀይኑ: ከቢድ ሓጢኣት እዩ ዚፍጽም ዚብል እዩ።

የሱስ ካብዚ ቐጺሉ እቲ “ንሓዉ፤ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ: ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ [“ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ:” NW] ኺፍረዶ” ምዃኑ ተዛረበ። እታ ኣብዚ “ተኸዳን ጨርቂ” ተባሂላ ዘላ ራካ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ባዶ” ወይ ድማ “ባዶ ኣእምሮ” ማለት እያ። እቲ ዘ ኒው ታየርስ ግሪክ⁠-​ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦፍ ዘ ኒው ተስታመንት ዘርእስቱ መጽሓፍ: እዛ ቓል እዚኣ “ኣብቲ የሱስ ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ እቶም ኣይሁድ ንሓደ ሰብ ንምጽራፍ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ቓል” ምንባራ ይገልጽ። እምበኣር: የሱስ ንሓውኻ ብዘነኣእስ ወይ ንዕቀት ብዜንጸባርቕ ዘረባ ብምዝራብ ጽልእኻ ምግላጽ: ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ እዩ ዜጠንቅቕ ዘሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ዚጥቀም ሰብ በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ዘይኰነስ: በቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ሳንሄድሪን ዚበሃል ብሊቀ ኻህናትን ብኻልኦት 70 ዝዀኑ ዓበይትን ጸሓፍትን ዝቘመ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይፍረዶ እዩ ዚብል ዘሎ።​—⁠ማርቆስ 15:1

የሱስ ኣብ መወዳእታ: ሓደ ሰብ ንሓዉ “ኣታ ዓሻ” ዚብሎ እንተደኣ ዀይኑ ንገሃነም ሓዊ ኸም ዚፍረዶ ገለጸ። እታ “ገሃነም” እትብል ቃል ካብተን ገህ ሂኖም ዚብላ ናይ እብራይስጢ ቓላት ዝመጸት እያ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ “ለሰ ሂኖም” እዩ ዜመልክት። ብግዜ የሱስ እዚ ለሰ እዚ ኣዕጽምቲ እቶም ናይ ቀብሪ ስነ⁠-​ስርዓት ዘይግበረሎም ገበነኛታት እውን ሓዊስካ መንደዲ ጐሓፍ እዩ ነይሩ። ስለዚ: እታ “ገሃነም” እትብል ቃል ነቲ ፍጹም ጥፍኣት እትበቅዕ ምሳሌ እያ።

እታ “ዓሻ” እትብል ቃል ደኣ እሞ እንታይ ማለት እያ፧ እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ቓል ምስተን “ዓለወኛ” ወይ “መናዓቢ” ዚብላ ናይ እብራይስጢ ቓላት ትመሳሰል እያ። እዚ ማለት ከኣ ንሓደ ሰብ ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ዋላ ሓንቲ ዘይረብሕ: ከሓዲ: ኣንጻር ኣምላኽ ዝዓለወ ኸም ዝዀነ ጌርካ ምውሳድ ማለት እዩ። ስለዚ: እቲ ንሓዉ “ዓሻ” ዚብሎ ነቲ ኣንጻር ኣምላኽ ዝዓለወ ሰብ ዚግብኦ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኪወርዶ ኸም ዘለዎ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። በረኣእያ ኣምላኽ ግን እቲ ኸምዚ ኢሉ ንኻልኦት ዚፈርድ ሰብ: ንርእሱ እዩ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዚግብኦ።​—⁠ዘዳግም 19:17-19

በዚ ኸምዚ ድማ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ ኻብቲ ስርዓታት ሕጊ ሙሴ ዚልዕል ስርዓታት ዝሰርዓሎም። ዋላኳ ሰባት ሓደ ቐታሊ “ኣብ ቤት ፍርዲ ኺፍረዶ እዩ” እንተ በሉ: የሱስ ግን ክንዮ እዚ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነቶም ሰዓብቱ ነሕዋቶም ጽልኢ ኸየሕድሩ እዩ ምሂርዎም።​—⁠ማቴዎስ 5:21, 22