ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሲህ የድልየና ድዩ፧

መሲህ የድልየና ድዩ፧

መሲህ የድልየና ድዩ፧

“መሲህ የድልየና ድዩ፧” ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መሲህ ኣባኻ ብሓቂ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እንተ ዀይኑ ምሕታት ቅኑዕ እዩ።

ገለ በተሓሳስባኦም እተኽብሮም ሰባት: ‘ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ንስኻውን ብርግጽ መሲህ የድልየካ እዩ’ ዚብል ንጹርን ዘየማትእን መልሲ ይህቡኻ ይዀኑ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ሓደ ብናይ ኣይሁድ ሕጊ እተማህረ ኽኢላ: ብዛዕባ መሲህ “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። በዚ ድማ ኣብቲ ፈጣሪና ንዅሎም ኣህዛብ ንምብራኽ ዘለዎ ዕላማ: እቲ መሲህ ዘለዎ ግደ ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 1:20) ግደ እቲ መሲህ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣመጻጽኣኡን ህይወቱን የተኵር እዩ። ሄንሪ ኤች. ሃሊ ኣብ ሓንቲ ንዝሓለፈ ልዕሊ 70 ዓመት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እተጠቕሙላ መጽሓፍ: “ብሉይ ኪዳን ንምምጻእ [መሲህ] ሃንቀውታ ንምፍጣርን መገዲ ንምጽራግን እዩ ተጻሒፉ” በለ። ኰይኑ ግን: ምምጻኡ ኣድላዪ ድዩ፧ እዚ ንዓኻ ኼገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

“መሲህ” ማለት “ቅቡእ” ማለት እዩ: ምስቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ “ክርስቶስ” ዚብል ስያመ ድማ ሕደ እዩ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ብድፍረት ሕማቕ ተግባር ስለ ዝፈጸሙ: እቲ ኣብ ናይ 1970 ሕታም ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ: “ብሉጽ መድሓኒ” እተባህለ መሲህ ኪመጽእ ነበሮ። ፍጹማት ኰይኖም ኣብ ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ዜሐጕስ ህይወት ናይ ምንባር ተስፋ ተዋሂብዎም እንተ ተፈጥሩ እኳ: ነዚ ተስፋ እዚ ኣጥፊኦምዎ እዮም። እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተጸወዐ ዓለወኛ መልኣኽ: ፈጣሪኦም ዘየድሊ ቐይዲ ኸም ዝገበረሎምን ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉን ነገሮም።​—⁠ዘፍጥረት 3:1-5

ሄዋን ተታሊላ ነዚ ሓሶት እዚ ኣመነት። ኣዳም ድማ ካብ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ነቲ ምስ ሰበይቱ ዝነበሮ ርክብ ኣኽቢሩ ብምርኣዩ: ኣብቲ ድያብሎስ ዘለዓዓሎ ዕልወት ተሓባባሪ ዀነ። (ዘፍጥረት 3:6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14) በዚ ተግባሮም ድማ ነቲ ኣብ ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ናይ ምንባር ተስፋኦም ጥራይ ኣይኰኑን ኣጥፊኦም። የግዳስ: ነቶም ዘይተወልዱ ዘርኦም ሓጢኣትን ብሰሩ ዝመጸ ሞትን ኣውረስዎም።​—⁠ሮሜ 5:12

ፈጣሪና የሆዋ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ብሰንኪ እዚ ዕልዋ እዚ ዝመጸ ሕማቕ ሳዕቤን ንምዕራይ ምድላው ገበረ። በቲ ጸኒሑ ኣብ ሕጊ ሙሴ ሕጋዊ ዝዀነ ማዕረ ምኽፋል ዚሓትት ስርዓት ኣቢሉ ንዕርቂ መሰረት ኣንበረ። (ዘዳግም 19:21፣ 1 ዮሃንስ 3:8) ከምቲ ዕላማ ፈጣሪ: እዞም መሳኪን ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም: እዚ ሕጋዊ ስርዓት እዚ ኺማላእ ኣለዎ። እዚ ድማ ናብቲ መሲህ ይመርሓና።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ንድያብሎስ: “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:15) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ እቲ ብዛዕባ መሲህ ዚገልጽ ተስፋታት [በዘን] ቃላት እዚኣተን እዩ ጀሚሩ” በለ። ካልእ ምሁር ከኣ ኣምላኽ በቲ መሲህ ኣቢሉ “ነቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ መከራ ኣዐርዩ:” ንደቅ​ሰብ በረኸት ዜምጽኣሎም ምዃኑ ገለጸ።​—⁠እብራውያን 2:14, 15

ይኹን እምበር: ወድሰብ በረኸት ይረክብ ከም ዘየሎ: የግዳስ: ብተስፋ ምቝራጽ ተዋሒጡ ኸም ዘሎ ትፈልጥ ኢኻ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ኣይሁድ ብዛዕባ ዘለዎም እምነት ኪገልጽ ከሎ: “መሲህ እከይ ኣወጊዱ ንጸላእቲ ህዝቢ ኼጥፍእ እዩ። ብዙሓት ኣይሁድ መሲህ ብሕጂ ኺመጽእ ይጽበዩ እዮም” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን መሲህ ድሮ ኸም ዝመጸ እዩ ዚገልጽ። እንተዀነ ግን: ነዚ ንኽንኣምን ዜኽእለና ምኽንያት ኣሎዶ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።