ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በታ እናወሰኸት እትበርህ ዘላ መገዲ ምምልላስ

በታ እናወሰኸት እትበርህ ዘላ መገዲ ምምልላስ

በታ እናወሰኸት እትበርህ ዘላ መገዲ ምምልላስ

“መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።”​—⁠ምሳሌ 4:18

1, 2. ህዝቢ ኣምላኽ ካብ የሆዋ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ብምርካቦም እንታይ ፍረ እዮም ረኺቦም፧

 እታ እትበርቕ ጸሓይ ኣብ ጸልማት ዘለዋ ጽልዋ: ካብቲ ምንጪ ብርሃን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዝሓሸ ኺገልጾ ዚኽእል መን ኣሎ፧ (መዝሙር 36:9) ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ: ‘ወጋሕታ ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ ኸሎ: ምድሪ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ: ኵሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም’ በለ። (እዮብ 38:12-14) ብርሃን ጸሓይ እናደመቐ ምስ ከደ: ከምቲ ጭቃ ብማሕተም ኪሕተም ከሎ ለውጢ ዚገብር: መልክዕ ምድሪ ቕርጹ ይሕዝ: ብዝያዳ ድማ ይንጽር።

2 የሆዋ እውን ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃን እዩ። (መዝሙር 43:3) ዓለም ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እኳ እንተላ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግን ኣብ ህዝቡ ብርሃን የብርህ እዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ” ብምባል ይምልስ። (ምሳሌ 4:18) ካብ የሆዋ ዚምንጭ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን: ነታ ህዝቡ ዚመላለሱላ መገዲ የብርሃ። ንዓታቶም ድማ ኣብ ኣመሓድራ ማሕበርን ኣብ ሰረተ⁠-​ትምህርትን ኣብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታትን ይዅልዖም።

እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ንኣመሓድራ ማሕበር ይዅልዖ

3. ኣብ ኢሳይያስ 60:17 እንታይ መብጽዓ እዩ ተገይሩ፧

3 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 60:17) ከምቲ ዝሓሰረ ነገር ብዝኸበረ ነገር ኪትካእ ከሎ ምምሕያሽ ዜመልክት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣብ ብምሉኡ እቲ “መወዳእታ ዓለም” ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ ኣመሓድራ ማሕበር ምምሕያሻት ገይሮም እዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1

4. ብ1919 እንታይ ኣሰራርሓ እዩ ኺዕየየሉ እተጀመረ፧ እዚ ጠቓሚ ዝዀነኸ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ መጀመርታ ኽፋል እተን ዳሕሮት መዓልትታት: እተን ናይቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት: ንሽማግለታተንን ድያቆናተንን ብዲሞክራስያዊ መገዲ እየን ዚመርጻ ነይረን። ገሊኦም ሽማግለታት ግን ናይ ሓቂ መንፈስ ወንጌላውነት ኣይነበሮምን። ገሊኦም ንባዕሎም ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይሳተፉ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት እውን ኣብኡ ኸይሳተፉ ይድህልዎም ነይሮም እዮም። ስለዚ: ብ1919 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሓድሽ ሓላፍነት ቈመ። እዚ ድማ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ዚበሃል ነበረ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ብጉባኤ ኣይኰነን ዚምረጽ ነይሩ: የግዳስ ብጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህዝቢ ኣምላኽ እዩ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ዚምረጽ ነይሩ። እቲ ዚሽየም ዳይረክተር ዝነበሮ ሓላፍነት: ንዕዮ ስብከት ምውዳብ: ዞባታት ምምዳብ: ከምኡውን ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ንዚሳተፉ ምትብባዕ እዩ ነይሩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት: እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ተንቀሳቐሰ።

5. ኣብ 1920ታት እንታይ ኵላዐ እዩ እተገብረ፧

5 ኵሎም ኣባላት ጉባኤ በቲ ብ1922 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝገበርዎ ዓብዪ ኣኼባ እተዋህበ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ” ዚብል ምሕጽንታ ብዝያዳ ተተባብዑ። ብ1927 እቲ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ብዚግባእ ስለ እተወደበ: ሰንበት ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ኣዝያ እትምሽእ መዓልቲ ጌርካ ትርአ ነበረት። ስለምንታይ እያ እታ መዓልቲ እቲኣ ተመሪጻ፧ ምኽንያቱ ሰንበት መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ዜዕርፉላ መዓልቲ እያ ነይራ። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሰባት ብዝያዳ ኣብ ቤቶም ዚርከቡሉ: ከም ቀዳመ⁠-​ሰናብትን ምሸትን ዝኣመሰለ እዋን ንሰባት ብምብጻሕ ተመሳሳሊ መንፈስ ንኼንጸባርቑ ይጽዕሩ እዮም።

6. ብ1931 እንታይ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዩ ዝወጸ፧ እዚኸ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ጸለዎ፧

6 ብ26 ሓምለ 1931 ኣብቲ ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ዝወጸ ናይ ኣቕዋም መግለጺ: ከምኡውን ድሕሪኡ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝወጸ ተመሳሳሊ ናይ ኣቕዋም መግለጺ: ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ እዩ ንቕድሚት ደፊእዎ። እቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ብኸፊል ከምዚ ዚብል ነበረ:- “ንሕና ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ኢና፣ ንሱ ብስሙ ኽንዓዪ: ነቲ ምስክር የሱስ ክርስቶስ ከነብጽሕ: ከምኡውን ንሰባት የሆዋ እቲ ናይ ሓቅን ኵሉ ዚኽእልን ኣምላኽ ምዃኑ ኸነፍልጥ ዝሃበና ትእዛዙ ኽንሕሉ መዘዘና፣ ስለዚ: እቲ ኣፍ ጐይታ ኣምላኽ ዝሰየሞ ስም ብሓጐስ ንቕበሎ ኢና: በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ክንፍለጥን ክንጽዋዕን ኢና እንደሊ።” (ኢሳይያስ 43:10) እዚ ሓድሽ ስም ንቐንዲ ንጥፈታት እቶም በቲ ስም እቲ ዚጽውዑ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብንጹር ዚገልጾ! እወ: የሆዋ: ኵሎም ኣገልገልቱ ዚሳተፍዎ ዕዮ ኣዳልዩ ነበረ። ብሓፈሻኡ ነዚ ዕዮ እዚ ብውዕዉዕ መንፈስ እዮም ተቐቢሎምዎ።

7. ብ1932 እንታይ ለውጢ እዩ እተኣታተወ፧ ስለምንታይከ፧

7 ሓያሎ ሽማግለታት ነቲ ዕዮ ስብከት ብትሕትና ገዛእ ርእሶም ወፈዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እተመረጹ ሽማግለታት ግን ነቲ ዅሉ ሰብ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪሳተፍ ኣለዎ ዚብል ሓሳብ ተጻረርዎ። እንተዀነ ግን: ካልእ ምምሕያሽ ይመጽእ ነበረ። ብ1932 እተን ጉባኤታት: ሽማግለታትን ድያቆናትን ምምራጽ ኬቋርጻ ብግምቢ ዘብዐኛ ኣቢሉ መምርሒ ተዋህበን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ብዚሳተፉ መንፈሳውያን ሰብኡት ዝቘመ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ እየን ኪመርጻ ዚኽእላ። በዚ ኸምዚ ሓላፍነት ዚወሃቦም እቶም ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ዚሳተፉ እዮም ኰይኖም: እቲ ዕዮ ድማ ንቕድሚት ሰጐመ።

ተወሳኺ ብርሃን ምብራሁ ዝያዳ ምምሕያሻት ኣምጽአ

8. ብ1938 እንታይ ኵላዐ እዩ እተገብረ፧

8 እቲ ብርሃን ‘እናወሰኸ በርሀ።’ ብ1938 ብምርጫ ዚግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ምሉእ ብምሉእ ተወገደ። ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኣገልገልቲ: ኣብ ትሕቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብቲኦክራስያዊ መገዲ ኪሽየሙ ጀመሩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ዳርጋ ዅለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ለውጢ ብኡንብኡ ተቐበላኦ: እቲ ዕዮ ምስክርነት ከኣ ፍረ ምፍራይ ቀጸለ።

9. ብ1972 እንታይ ኣሰራርሓ እዩ እተኣታተወ፧ እዚኸ ምምሕያሽ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

9 ካብ 1 ጥቅምቲ 1972 ኣትሒዙ: ኣብቲ ኣብ ጉባኤታት ዘሎ ሓላፍነት ካልእ ምትዕርራይ ተገብረ። ሓደ ተዓዛቢ ወይ ሽማግለ ጥራይ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ዚስከም: ኣካል ሽማግለታት ሓላፍነት ዚስከሙሉ ኣሰራርሓ ኣብ ኵለን እተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣታተወ። እዚ ሓድሽ ምድላው እዚ ብሱላት ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ግንባር ቀደም ንኪዀኑ ብቕዓት ምእንቲ ኺህልዎም ብዙሕ ኣተባብዖም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዙሓት ኣሕዋት ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ኣብ ምስካም ተመክሮ ረኸቡ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ነቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እተቐበሉ ሓደስቲ ሰባት ብምጕሳይ ዝመጸ ኣዝዩ ጠቓሚ ዕዮ እዮም ዓይዮም።

10. ብ1976 እንታይ ኣሰራርሓ እዩ እተኣታተወ፧

10 ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ሽዱሽተ ኮሚተ ተጠርነፈ: ካብ 1 ጥሪ 1976 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ንጥፈታት ማሕበርን ጉባኤታትን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እዘን ኮሚተታት እዚኣተን ኣተወ። ኵሉ መዳይ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ በቲ “መኸርቲ ዚበዝሕዎ” ጌርካ ምምራሑስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ኣምጺኡ!​—⁠ምሳሌ 15:22፣ 24:6

11. ብ1992 እንታይ ኵላዐ እዩ እተገብረ፧ ስለምንታይከ፧

11 ብ1992 ካልእ ኵላዐ ተገብረ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ እስራኤላውያንን ካልኦት ሰባትን ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ዘጋጠሞም ነገራት ዚመሳሰል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ዕዮ ቤተ መቕደስ ኪስከሙ ዚኽእሉ እኹላት ሌዋውያን ኣይነበሩን። ስለዚ: እቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ነቲኒም ንሌዋውያን ኪሕግዙ ብዙሕ ዕዮ ተዋህቦም። በዚ መሰረት እዚ: ብ1992 ነቲ ኣብ ምድሪ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ዕዮ ብምክያድ ዝመጸ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ንምሕጋዝ: ገለ ኻብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ተወሳኺ ሓላፍነታት ተዋህቦም። ነተን ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ሓገዝቲ ኪዀኑ ተመዘዙ።​—⁠ዮሃንስ 10:16

12. የሆዋ: ኣሕሉቝና ሰላም ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ካብዚ ዅሉ እንታይ ፍረ ተረኽበ፧ የሆዋ: “ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ኢሉ ነይሩ። (ኢሳይያስ 60:17) ሎሚ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋ “ሰላም” ሰፊኑ ኣሎ: ‘ሹማምቲ’ ድማ እቲ ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዚድርኾም ፍቕሪ “ጽድቂ” ኣለዎም። ነቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ንኺፍጽሙ ብዚግባእ ተወዲቦም እዮም ዘለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

የሆዋ ብሰረተ⁠-​እምነት ኣቢሉ ነታ መገዲ የብርሃ

13. የሆዋ ኣብ 1920ታት ብሰረተ⁠-​ትምህርቲ ኣቢሉ ነታ ህዝቡ ዚመላለሱላ መገዲ ዘብርሃ ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ብሰረተ⁠-​እምነት ኣቢሉ ነታ ህዝቡ ዚመላለሱላ መገዲ በብደረጃ የብርሃ እዩ። ራእይ 12:1-9 ነዚ ኣብነት ይዀነና። እቲ ጸብጻብ ሰለስተ ምሳልያዊ ገጸ⁠-​ባህርያት ጠቒሱ ኣሎ። እዚኣቶም ከኣ ውሉድ እትወልድ ጥንስቲ “ሰበይቲ:” “ገበል:” ከምኡውን “ወዲ: ተባዕታይ” ተባሂሎም ዘለዉ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ንመን ከም ዜመልክቱ ትፈልጦምዶ፧ ኣብታ ናይ 1 መጋቢት 1925 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ውልደት እቲ ህዝቢ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተገሊጾም ኣለዉ። እታ ዓንቀጽ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ውልደት እታ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ትንቢታት ንህዝቢ ኣምላኽ ዝሓሸ ምርዳእ ከም ዚህልዎም ገበረት። እዚ ድማ ናይ የሆዋን ናይ ሰይጣን ዝዀነ ኽልተ እተፈላለየ ማሕበራት ከም ዘሎ ኸም ዜስተውዕሉ ገበሮም። ድሕሪኡ ብ1927/28 ህዝቢ ኣምላኽ በዓል ልደትን መዓልቲ ልደትን ምብዓል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑ ስለ እተረድኡ: ምብዓል ገደፍዎ።

14. ኣብ 1930ታት እንታይ ንሰረተ⁠-​እምነት ዚምልከት ሓቅታት እዩ ነጺሩ፧

14 ኣብ 1930ታት ንሰረተ⁠-​እምነት ዚምልከት ኣብ ሰለስተ ሓቅታት ተወሳኺ ብርሃን ዝበርሃሉ እዋን እዩ ነይሩ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት ነቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ካብቶም ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ዚገዝኡ 144,000 እተፈልዩ ምዃኖም ይፈልጥዎም ነበሩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-5) ይኹን እምበር: መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ንጹር ኣይነበረን። ከምቲ ብርሃን ወጋሕታ እናደመቐ ምስ በርሀ ነቲ ብንጹር ዘይርአ ዝነበረ ቕርጽን ሕብርን ዜነጽሮ: ብ1935 ከኣ እቶም ብዙሓት ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ዘለዎም ኰይኖም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ ምዃኖም ተፈልጠ። ጸኒሑ ኣብታ ዓመት እቲኣ ነቶም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ መብርሂ ወጸ። ኣብ መላእ ዓለም ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ዚጐሃሃረሉ ዝነበረ እዋን: ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ንማለቱ ጥራይ ኢልካ ዚግበር ዘይምዃኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገንዘቡ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ካልእ ንሰረተ⁠-​እምነት ዚምልከት ሓቂ: ማለት ክርስቶስ ኣብ ትኽ ዝበለ ዕንጨይቲ ደኣ እምበር: ኣብ መስቀል ከም ዘይሞተ ተገልጸ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:39

15. ቅድስና ደም ዝጐልሐ መዓስን ብኸመይን እዩ፧

15 ደድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: ንዝቘሰሉ ወተሃደራት ደም ብምምሕልላፍ ሕክምና ምግባር ልሙድ ኰይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብዛዕባ ቕድስና ደም ተወሳኺ ብርሃን በርሀ። እታ ናይ 1 ሓምለ 1945 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ “እቶም ኣብታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚደልዩ ዅሎም ኣምለኽቲ የሆዋ: ንቕድስና ደም ኬኽብሩን ምስቲ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ዚምልከት ጽድቃዊ ውሳነ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪመላሰሉን” ኣተባብዓቶም።

16. እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም መዓስ ወጺኡ፧ ብሉጽ ዚገብሮ ኽልተ መዳያት እንታይ እዩ፧

16 ብ1946 ኣብቲ ብዛዕባ በዅሪ ቛንቋታት እተረኽበ ሓድሽ ፍልጠት እተመርኰሰን ብልምድታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘይተበከለን ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኪዳሎ ኸም ዜድሊ ንጹር ኰነ። ኣብ ታሕሳስ 1947 ዕዮ ትርጕም ተጀመረ። ብ1950 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብእንግሊዝኛ ወጸ። እቲ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ካብ 1953 ኣትሒዙ በብግዜኡ ብሓሙሽተ ጥራዛት ወጸ። እቲ ናይ መወዳእታ ጥራዝ ካብቲ ፕሮጀክት ትርጕም ዝጀመረሉ 12 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ብ1960 ወጸ። እቲ ምሉእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ሓደ ጥራዝ ብ1961 ወጸ። እዚ ትርጕም እዚ ሕጂ ብሓያሎ ቛንቋታት ዚርከብ ኰይኑ: ብሉጽ ዚገብሮ ሓያሎ መዳያት ኣለዎ። ሓደ ኻብኡ ንስም እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ናብ ግቡእ ቦታኡ ምምላሱ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ: እቲ ኻብቲ በዅሪ ጽሑፋት ቃል ብቓሉ ዝዀነ ኣተራጕማኡ: ኣብ ምርዳእ መለኮታዊ ሓቂ ቐጻሊ ምምሕያሽ ንምግባር መሰረት ኰነ።

17. ብ1962 እንታይ ተወሳኺ ብርሃን እዩ በሪሁ፧

17 መንነት እቶም ኣብ ሮሜ 13:1 ተጠቒሶም ዘለዉ “ስልጣናት” ከምኡውን ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ኪግዝእዎም ከም ዘለዎም ዚሕብር መብርሂ ብ1962 ወጸ። ብዛዕባ ሮሜ ምዕራፍ 13 ኸምኡውን ብዛዕባ ኸም ቲቶስ 3:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:13, 17 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዚገልጽ ዓሚቝ መጽናዕቲ: እቲ “ስልጣናት” ዚብል መግለጺ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ዘይኰነስ: ንሰብኣውያን ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ኸም ዜመልክት ንጹር ገበሮ።

18. ኣብ 1980ታት ዝነጸረ ገሊኡ ሓቅታት እንታይ እዩ፧

18 ኣብተን ድሕሪኡ ዝነበራ ዓመታት: መገዲ ጻድቃን እናወሰኸት በርሀት። ብ1985 “ንህይወት” ምጽዳቕን ከም ዓርኪ ኣምላኽ ምጽዳቕን እንታይ ማለት ምዃኑ ዜነጽር ብርሃን በርሀ። (ሮሜ 5:18፣ ያእቆብ 2:23) ናይ ክርስትያናት ዓመት እልልታ ኸኣ ብ1987 ምሉእ ብምሉእ ተገልጸት።

19. የሆዋ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንህዝቡ ዝያዳ መንፈሳዊ ብርሃን ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧

19 ብ1995 እቲ ‘ነባጊዕ ካብ ኣጣል’ ምፍላይ ዚምልከት ትምህርቲ ብዝያዳ ንጹር ኰነ። ብ1998 ብዛዕባ እታ ፍጻሜኣ እትረክብ ዘላ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዝርዝር መግለጺ ተዋህበ። ብ1999 እቲ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” መዓስን ብኸመይን “ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ” ከም ዚቐውም ነጸረ። (ማቴዎስ 24:15, 16፣ 25:32) ብ2002 ከኣ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ምምላኽ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ተወሳኺ ምስትውዓል ተረኽበ።​—⁠ዮሃንስ 4:24

20. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እንታይ ካልእ መዳይ እዮም እተዀልዑ፧

20 ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣመሓድራን ንሰረተ⁠-​እምነትን ዚምልከት ኵላዐ: ንክርስትያናዊ ኣካይዳ ብዚምልከት እውን እተፈላለየ ዅላዐ ተገይሩ እዩ። ንኣብነት: ብ1973 ትምባኾ ምትካኽ ‘ንስጋ ዜርክስ’ ጌርካ ስለ እተራእየ: ከም ከቢድ ሓጢኣት ጌርካ ተወስደ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: እታ ናይ 15 ሓምለ 1983 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ብረት ምሓዝ ዘሎና ኣቕዋም ንጹር ገበረት። እዚ ኸኣ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና እናወሰኸ ዝበርሀ ብርሃን እዩ።

በታ እናወሰኸት እትበርህ ዘላ መገዲ ተመላለስ

21. በታ እናወሰኸት እትበርህ መገዲ ንምምልላስ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዚሕግዘና፧

21 ሓደ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ሽማግለ: “ለውጢ ኺመጽእ ከሎ ምቕባልን ምስኡ ምውህሃድን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ ተኣመነ። ኣብቲ ን48 ዓመት ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝጸንሓሉ እዋን ሓያሎ ዅላዐ ኪቕበል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል መለሰ:- “ቅኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ኵላዐ ዘይምቕባል: ብድሕሪ እታ ንቕድሚት እትስጕም ማሕበር ምትራፍ እዩ። ለውጢ ምቕባል እንተ ኣጸጊሙኒ: ነቲ ጴጥሮስ ንየሱስ: ‘ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧’ ብምባል እተዛረበን ቃላት አስተንትነለን። ድሕሪኡ ንገዛእ ርእሰይ: ‘ናበይ እሞ ክኸይድ እየ: ናብ ጸልማት እዛ ዓለም እዚኣ፧’ ኢለ እሓትት። እዚ ኸኣ ምስ ማሕበር ኣምላኽ ጠቢቐ ንኽመላለስ ይሕግዘኒ።”​—⁠ዮሃንስ 6:68

22. ብብርሃን ምስ እንመላለስ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

22 ኣብ ዙርያና ዘላ ዓለም ብርግጽ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እያ ዘላ። የሆዋ ንህዝቡ ብርሃን ምብራህ ብዝቐጸለ መጠን: ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉን ዘሎ ጋግ እናገፍሐ እዩ ዚኸይድ። እዚ ብርሃን እዚ ንዓና እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ ከምቲ ኣብ መገዲ ዜብርህ ሓያል መብራህቲ ነቲ ኣብ መገዲ ዚርከብ ጕድጓድ ዘየልግሶ: ካብ ቃል ኣምላኽ ዚምንጭ ብርሃን እውን ከም ጐዳጕዲ ዝኣመሰለ መጻወድያታት ኣየወግደልናን እዩ። ኰይኑ ግን: በታ እናወሰኸት እትበርህ መገዲ ምእንቲ ኽንጐዓዝ: ካብቲ ጐዳጕዲ ንኽንእለ ይሕግዘና እዩ። እምበኣር: ነቲ “ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ” ዝዀነ ቓል ትንቢት የሆዋ ብሕጂውን ነስተብህለሉ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:19

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ንኣመሓድራ ማሕበር ብዚምልከት ንህዝቡ እንታይ ምምሕያሽ እዩ ገይሩሎም፧

• እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ንሰረተ⁠-​እምነት ብኸመይ ኰልዖ፧

• ንስኻ ባዕልኻ ዝረኣኻዮ እንታይ ምትዕርራያት ኣሎ፧ ንኽትቅበሎ ዝሓገዘካኸ እንታይ እዩ፧

• በታ እናወሰኸት እትበርህ መገዲ ኽትመላለስ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕዮ ኣምላኽ ኪዓዩ ኣበራትዖም

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1950 ናታን ኤች. ኖር “ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ከም ዝወጸ ኣበሰረ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com