ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንመሲህ ረኺብናዮ’

‘ንመሲህ ረኺብናዮ’

‘ንመሲህ ረኺብናዮ’

‘ንመሲህ ረኺብናዮ።’ “እቲ: ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ: . . . ረኺብናዮ።” እዚ ዘረባ እዚ: ክልተ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ውፉያት ኣይሁድ እተዛረብዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲህ መጸ። ንሳቶምውን ኣመኑ።​—⁠ዮሃንስ 1:35-45

ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ጸብጻባት ክትሓስብ ከለኻ: እዞም ክልተ ኣይሁድ መሲህ ምዃኑ ኣሚኖም ምቕባሎም የገርም እዩ። ከመይሲ: ብዙሓት መውጻእቲ ሓርነት ኢና በሃልቲ ብብዙሕ ሆታን ትጽቢትን መጺኦም ነይሮም: ኰይኑ ግን ንኣይሁድ ካብ ኣርዑት ሮማውያን ሓራ ኼውጽእዎም ብዘ⁠ይምኽኣሎም እቲ ተስፋታት ቀሃመ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:34-37

ይኹን እምበር: እቶም እንድርያስን ፊልጶስን ዚበሃሉ ኽልተ ኣይሁድ ነቲ ናይ ሓቂ መሲህ ብዛዕባ ምርካቦም ኣይተጠራጠሩን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት እቲ ሰብኣይ መሲህ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ ተኣምራት ኪፍጽም ምስ ረኣዩ: እምንቶኦም ዝያዳ ወሰኸ።

ስለምንታይ እዮም እዞም ክልተ ሰባትን ካልኦት ብዙሓትን: ንሱ ናይ ሓሶት መሲህ ወይ መታለሊ ኸም ዘይኰነ ዝኣመኑ፧ ናይ ሓቂ መሲህ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧

ብመሰረት እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ: እንድርያስን ፊሊጶስን ነቲ ጸራባይ የሱስ ብዓል ናዝሬት እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ እዮም ገሊጾም። (ዮሃንስ 1:45) እቲ ጥንቁቕ ጸሓፍ ታሪኽ ሉቃስ ድማ: መሲህ “ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ” ከም ዝመጸ ጸሓፈ። (ሉቃስ 3:1-3) እዚ መበል 15 ዓመት ግዝኣት ጢቤርዮስ ኣብ 28 መስከረም ድ.ክ. ጀሚሩ ኣብ 29 መስከረም ድ.ክ. እዩ ተወዲኡ። ሉቃስ ቀጺሉ ኣብቲ እዋን እቲ ኣይሁድ ንምምጻእ መሲህ ‘ይጽበዩ’ ኸም ዝነበሩ ጸሓፈ። (ሉቃስ 3:15) ስለምንታይ እዮም ኣብቲ ግዜ እቲ ዚጽበዩ ነይሮም፧ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ንመንነት እቲ መሲህ ዚገልጽ መርትዖታት

እቲ መሲህ ኣገዳሲ ግደ ስለ ዘለዎ: ፈጣሪና የሆዋ ነቶም ንቑሓትን እሙናትን ዝዀኑ ሰባት ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ንምፍላጥ ዜኽእሎም ኣፋፍኖት ይህብ እዩ ኢልካ ምጽባይ ርትዓዊ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንቑሓት ሰባት መርትዖ እንተለዎም: ከምቲ ብዙሓት እተታለልዎ: በቶም ጠበርቲ ኣይታለሉን እዮም።

ሓደ ኣምባሳደር ብወግዒ እተሸመ ምዃኑ ዜረጋግጽ ወረቐት ምስክር ናብ መንግስቲ ኬቕርብ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ድማ የሆዋ እቲ መሲህ ዜማልኦ ብቕዓታት ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ። ስለዚ: እቲ “ጀማር እምነትና” ኺመጽእ ከሎ መንነቱ ዜረጋግጽ መርትዖ ሒዙ እዩ ዚመጽእ።​—⁠እብራውያን 12:2

እቲ መሲህ ኬማልኦ ዚግባእ ብቕዓታት: ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘመናት ኣቐዲሙ ተጻሒፉ እዩ። እቲ ትንቢታት እቲ መሲህ ብኸመይ ከም ዚመጽእ: ኣገልግሎቱ እንታይ ምዃኑ: ብኸመይ ብሰባት ከም ዚስቀ: ከምኡውን እንታይ ዓይነት ኣማውታ ኸም ዚመውት ብዝርዝር እዩ ዚገልጽ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዜተኣማምን ትንቢታት ብዛዕባ ትንሳኤኡ: ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዚቕመጥ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ መንግስቱ ኣብ መጻኢ እተምጽኦ በረኸት ከም ዚገልጽ ምፍላጥካ የገድሰካ ይኸውን። በዚ ኸምዚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ኣሰር ኣጻብዕ ኰይኑ ንመንነት ሓደ ሰብ ይገልጽ።

ሓቂ እዩ: የሱስ ኣብ 29 ድ.ክ. ኪመጽእ ከሎ: ኵሉ እቲ ብዛዕባ መሲህ እተነግረ ትንቢታት ሽዑ ንሽዑ ኣይተፈጸመን። ንኣብነት: ምጽእ ምስ በለ ተቐቲሉ ኣይተንስኤን። እንተዀነ ግን: ካብቲ ትምህርቱን ተግባሩን እተላዕለ: እንድርያስን ፊሊጶስን ካልኦት ብዙሓትን ኣብ የሱስ እምነት ኣሕደሩ። መሲህ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብዙሕ መርትዖታት ርእዮም እዮም። ምናልባት ንስኻውን ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ትነብር ኔርካ እሞ ነቲ መርትዖታት ብኽፉት ኣእምሮ እንተ ትምርምሮ: የሱስ መሲህ ምዃኑ ምኣመንካ ኔርካ።

ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ

ኣብቲ መደምደምታ ንኽትበጽሕ እንታይ ምሓገዘካ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ነብያት ንመንነት መሲህ ብዘየማትእ መገዲ ዚገልጽ: እቲ መሲህ ኬማልኦ ዚግባእ ዝርዝር ብቕዓታት ገሊጾም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ነብያት ነዚ ዝርዝራት ምስ ገለጹ: እቲ መሲህ ዚልለየሉ መገዲ ቀስ ብቐስ ነጸረ። ሄንሪ ኤች. ሃሊ “ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ: ንሓድሕዶም ተረኣእዮም ወይ ተዘራሪቦም ዘይፈልጡ ሰባት ነፍሲ ወከፎም ብሓንሳብ ኪገጥም ከሎ ሓደ ምሉእ ምስሊ ዜቕውም ቍርጽራጽ እተጸርበ እምነ⁠-​በረድ ሒዞም ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ እንተ ዚራኸቡ: ሓደ ነቲ ዝርዝር ዝነደፈ ሰብ እዩ ንነፍሲ ወከፎም ነቲ እተፈላለየ ኽፋል ሰዲዱሎም ኢልካ ኻብ ምድምዳም ወጻኢ እንታይ ካልእ መብርሂ ኺህሉ ይኽእል፧” በለ። ቀጺሉ “ኣብ እተፈላለየ ዘመን ዝነበሩ እተፈላለዩ ጸሓፍቲ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ህይወትን ዕዮን የሱስ: ነዊሕ እዋን ቅድሚ ምምጻኡ ኺጽሕፉ ዝኸኣሉ ሓደ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ኣእምሮ ደሪኽዎም እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ እንታይ መብርሂ ኺህሉ ይኽእል፧” ኢሉ ሓተተ። ሃሊ እዚ “ኣዝዩ ብሉጽ ተኣምር” እዩ ኢሉ ደምደመ።

እዚ “ተኣምር” እዚ ኣብታ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ ጀሚሩ። እቲ ንዘፍጥረት ዝጸሓፈ: ብዘ⁠ይካ እቲ መሲህ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ዚገልጽ ናይ መጀመርያ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ብመስመር ወለዶ ኣብርሃም ከም ዚመጽእ እውን ጽሒፉ እዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:15-18) እቲ መሲህ ካብ ነገድ ይሁዳ ኸም ዚመጽእ እውን ተገልጸ። (ዘፍጥረት 49:10) ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ እቲ መሲህ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ኣፈኛን መድሓንን ከም ዚኸውን ንእስራኤላውያን ነገሮም።​—⁠ዘዳግም 18:18

ኣብቲ ንጉስ ዳዊት ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን እቲ መሲህ ወራሲ ዝፋን ዳዊት ከም ዚኸውንን መንግስቱ ድማ “ንዘለኣለም ኪጸንዕ” ምዃኑን ብትንቢት ተነግረ። (2 ሳሙኤል 7:13-16) መጽሓፍ ሚክያስ እቲ መሲህ ኣብ ከተማ ዳዊት: ማለት ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ከም ዚውለድ ሓቢራ ነይራ። (ሚክያስ 5:2) ኢሳይያስ ከኣ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ ተነበየ። (ኢሳይያስ 7:14) ነብዪ ሚልክያስ ድማ ከም ኤልያስ ዝኣመሰለ ንምምጻእ መሲህ ከም ዚእውጅ ተነበየ።​—⁠ሚልክያስ 4:5, 6

ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ብዛዕባ መሲህ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ይርከብ እዩ። እቲ ትንቢት ነቲ መሲህ ዚመጸሉ ግዜ ኣመልኪቱ: “እምበኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን: እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ: መስፍን: [“ሸውዓተ ሰሙን: ከምኡውን ስሳን ክልተን ሰሙን እየን።” NW] ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ” በለ።​—⁠ዳንኤል 9:25

ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ መካበብያ የሩሳሌም ንምህናጽ “ቃል” ወጸ። ኣርታሕሻስታ ገዛኢ ዝዀነላ ቐዳመይቲ ዓመት 474 ቅ.ክ. ስለ ዝዀነት መበል ዕስራ ዓመት ግዝኣቱ 455 ቅ.ክ. እያ ማለት እዩ። (ነህምያ 2:1-8) ስለዚ: እቲ የሩሳሌም ንኽትህነጽ ትእዛዝ ካብ ዝወጸሉ ግዜ ኽሳዕ እቲ መሲህ ዚመጸሉ ዘሎ ንውሓት ግዜ 69 (7 ተደመሮ 62) ትንቢታዊ ሰሙን እየን። እዘን 69 ሰሙን ቃል ብቓሉ እንተ ተቘጺረን: 483 መዓልቲ ማለት ካብ ክልተ ዓመት እኳ ዚንእስ ግዜ እየን ዚዀና። ኰይኑ ግን: ብመሰረት እቲ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት” ዚብል ኣቈጻጽራ: መሲህ ድሕሪ 483 ዓመት ማለት ኣብ 29 ድ.ክ. እዩ ዚመጽእ።​—⁠ህዝቅኤል 4:6 a

ዋላኳ ኻልኦት መሲህ ኢና ዚብሉ ኣብ እተፈላለየ እዋናት እንተ መጹ: ኣብ 29 ድ.ክ. ዝመጸ ግን የሱስ ብዓል ናዝሬት ጥራይ እዩ። (ሉቃስ 3:1, 2) ኣብታ ዓመት እቲኣ የሱስ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ መጺኡ ኣብ ማይ ተጠመቐ። ሽዑ ብመንፈስ ቅዱስ መሲህ ኰይኑ ተቐብአ። ጸኒሑ እቲ ኸም ኤልያስ ዝኣመሰለ እተባህለ ቅድሚ መሲህ ዝመጸ ዮሃንስ: የሱስ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሚ እንድርያስን ካልእ ወደ መዝሙርን መስከረ።​—⁠ዮሃንስ 1:29፣ ሉቃስ 1:13-17፣ 3:21-23

መስመር ወለዶን መንነት እቲ መሲህን

እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ትንቢታት ነቲ መሲህ ምስ እተወሰነ ቤተሰብ ኣይሁድ የተኣሳስሮ እዩ። ስለዚ: እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ፈጣሪ: እቲ መሲህ መስመር ወለዶኡ ንምርግጋጽ ዜኽእል መዛግብቲ ወለዶ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ንኺመጽእ ምድላዋት ይገብር እዩ ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ።

ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ: “እቲ መዛግብቲ ነገድን ዓሌትን ኣይሁድ: የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዝጠፍኣትሉ ግዜ [ኣብ 70 ድ.ክ.] ከም ዝጠፍአ ኣየጠራጥርን እዩ” ይብል። ማቴዎስን ሉቃስን ነቲ ወንጌላት ቅድሚ 70 ድ.ክ. ከም ዝጸሓፍዎ ዜረጋግጽ ሓበሬታ ኣሎ። ስለዚ: ብዛዕባ ወለዶ የሱስ ኪጽሕፉ ኸለዉ: ነዚ መዝገብ እዚ ተወኪሶም ኪዀኑ ኣለዎም። (ማቴዎስ 1:1-16፣ ሉቃስ 3:23-38) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት እውን እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ንመስመር ወለዶ የሱስ ባዕሎም ኬረጋግጹ ኸም ዚደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ።

በጋጣሚ ድዩ ኣብ የሱስ ተፈጺሙ፧

ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ መሲህ እተነግረ ትንቢታት ኣብ የሱስ እተፈጸመ በጋጣሚ ድዩ፧ ሓደ ምሁር ኣብ እተገብረሉ ቓለ⁠-​መጠይቕ: “ፈጺሙ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ: በጋጣሚ ንኪኸውን ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ዳርጋ የለን ኪበሃል ይከኣል እዩ። እዚ ብቐመር ምስ ዚቕመር ሸሞንተ ትንቢት በጋጣሚ ንኺፍጸም: እቲ ዕድል ሓደ ኻብ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ቢልዮን እዩ” በለ። እዚ ኪኸውን ከም ዘይክእል ንምብራህ: “ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ቢልዮን ሳንቲም ብሩር ዶላር ንብምልእታ ግዝኣት ቴክሳስ [690,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታ] ክልተ ጫማ [0.6 ሜተር] ብዚኸውን ዕምቈት ኪሽፍን ይኽእል እዩ። ካብዚ ድማ ንሓንቲ ሳንቲም ምልክት እንተ ትገብር እሞ: ሓደ እተዓመተ ሰብ ኣብ ብምልእታ እታ ግዝኣት ኰለል ድሕሪ ምባል ሓንቲ ሳንቲም እንተ ዜልዕል: ነታ ምልክት እተገብረላ ሳንቲም ንኺረኽባ ኽንደይ ዕድል ኣለዎ፧” ኢሉ ሓተተ። ቀጺሉ እዚ “ሓደ ሰብ ካብቲ [ብዛዕባ መሲህ] እተነግረ ትንቢታት ነተን ሸሞንተ በጋጣሚ ንኺፍጽም ምስ ዘለዎ ዕድል ተመሳሳሊ እዩ” በለ።

ኰይኑ ግን: የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን: ሸሞንተ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣብኡ ተፈጺሙ። ነዚ ዜደንቕ መርትዖ ኣመልኪቱ እቲ ምሁር “ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: የሱስ ጥራይ እዩ ነዚ ኺገብር ዝኸኣለ” በለ።

“ምምጻእ” መሲህ

ብርግጽ እምበኣር መሲህ ኣብ 29 ድ.ክ. የሱስ ብዓል ናዝሬት ተባሂሉ መጺኡ እዩ። እዚ ኸኣ ትሑትን መድሓንን ኰይኑ ዝመጸሉ እዩ። ከምቲ መብዛሕትኦም ኣይሁድን ሰዓብቱ እውን ከይተረፉ እተጸበይዎ: ካብቲ ጨቋኒ ኣርዑት ሮማውያን ሓራ ዜውጽእ ሓያል ንጉስ ኰይኑ ኣይኰነን መጺኡ። (ኢሳይያስ ምዕራፍ 53፣ ዘካርያስ 9:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8) ይኹን እምበር: ኣብ መጻኢ ብሓይልን ብዓብዪ ስልጣንን ከም ዚመጽእ ትንቢት ተነጊሩ እዩ።​—⁠ዳንኤል 2:44፣ 7:13, 14

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ መስተውዓልቲ ሰባት ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽዑቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር: መሲህ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ዝመጸን ኣብ መጻኢ ድማ ከም ዚምለስን ኣሚኖም እዮም። ካብ መርትዖታት ከም እተራእየ እቲ ብትንቢት እተነግረ ምምላሱ: ማለት ‘ህላወኡ’ (NW) ወይ ኣብ ሓይሊ መንግስቲ ምህላዉ ኻብ 1914 እዩ ጀሚሩ። b (ማቴዎስ 24:3-14) ኣብታ ዓመት እቲኣ የሱስ ብዘ⁠ይርአ መገዲ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ተሾመ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ እቲ ብሰንኪ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ኣብ ምድሪ ዝመጸ ሕማቕ ሳዕቤን ኬጥፍእ እዩ። እቲ ቐጺሉ ዚመጽእ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ነቶም እቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መሲህ ምዃኑ ዚኣምኑ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።​—⁠ዮሃንስ 1:29፣ ራእይ 21:3, 4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መርትዖ እዚ ኼብርሁልካን ግዝኣት መሲህ ንዓኻን ንእትፈትዎም ሰባትን እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼርእዩኻን ሕጉሳት እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ዳንኤል 9:25 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 2ይ ጥራዝ: ገጽ 899-904 ከምኡውን ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ገጽ 186-191 ተወከስ።

b ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 10ን 11ን ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

455 ቅ.ክ.: “የሩሳሌም ክትሕደስ . . . ዚብል ቃል”

29 ድ.ክ.: መሲህ መጸ

483 ዓመት (69 ሰሙን)​—⁠ዳንኤል 9:25 NW

1914 ድ.ክ. መሲህ ኣብ ሰማይ ነገሰ

ኣብ ቀረባ እዋን እቲ መሲህ ንእከይ ኣጥፊኡ ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ